እንታይ ‘ስከ ነይርዎ!?

ያ ሳሚ! ካብ ኩልና ንሓዴና ሰሚዕካና ኔርካ እንተትኸውንስ  እንታይ’ስከ ኔርዎ!?

ስደተንኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ።

ሕጂ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ አዩ ዘሎ። ከመይ ኣምሲኻ ድየ ዋላስ ከመይ ሓዲርካ ኢለ ኢየ ክጅምር፡ ኣይርዳኣንን ዘሎ። ካንሸሎና ኩላ ደቂሳ ጸጥ ኢላ እያ ዘላ። ካብ ካንሸሎና ወጻኢ ግን፡ በዓል ኣይግዳዶም ዝወልዑዎ ሙዚቃ ይስመዓኒ ኣሎ። እቲ ዘገርም ግን “ሕጂ ግርም ኮነ ባህገይ ሰሚሩለይ” ዝብል ደርፊ የድርፉ ምህላዎም ኢዩ. . . መተዓብይቲ ነብሲ።

“ዓሻ ደሓን ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ ‘ሎ” ዝበሃልስ ከምዚ ዶ ኾን ይኸውን? እንተ ኣነ “ ሕጂ ግናይ ኮነ ባህገይ ሰቢሩለይ. . .”ገይረ ብምግምጣል ሕክያይ ክቕጽል መሪጸ ኣለኹ።

በል’ስከ ክሓተካ ሳሚ ዓርከይ. . ውዕልና ከመይ ድዩ ነይሩ? ቆጸራ ዶ ጠሊምካ ሓቀይ? ግን ከኣ ምዝራብ እንዲኻ ከኢእካና፡ ክላእ! ዘይመዛረብካኒ እንታይ ‘ስከ ነይርዎ? እንታይ ከምዝዛረብ ስለዝተረደኣካ ዲኻ!

ሳሚ ዓርከይ መቸም ላግጺ እንድዩ በረከትካ “ኣይንጣፋእ ጥራይ ክሳብ መጨረሻ ክንራኸብ ኢና ኤውሮጳ እዩ ኣድራሻ. .” እናበልካ ‘ኮ ቶግ ኢካ ኣቢልካና። እንታይ ደኣ’ሞ ቆጸራ ጠሊምካ? ወይለይ! ተቛጺርኩም ኣይበለና” ከኣ’ባ ወሲኽካላ ኔርካ ኢኻ። ከምኡ ከኣ’ባ ኣሎ’ዩ! ኣብሪሂሞ ግን ኣብ ናይ ኩሉ ግዜ ርክብና “ ሳሚ ቆጸራ ጠሊሙ እዩ” ዝብለካ ዘሎ። ግን’ኮ ገለ ገለ ክምህዘልካ ሓንሳብ ጽናሕ” ኢሉካ ነይሩ ኢዩ። ዘይምሰማዕካዮ ወደይ! እንታይ’ስከ ነይሩዎ?

ኣዴኻ ‘ውን ክንደይ ተላብያትካ “ነዓኻ ክብል ጸሓይ የዕሪበያ፡ ዓለም መኒነ፡ ፈላሲት ብዘይቆብዕ ኮይነ የዕብየካስ. . ትሓስቦ ዘለኻ ነብሰይ ይነግረኒ ኣሎ. . .”እናበለት ከብዳ ክገማጠል ከሎስ ዘይምሰማዕካያ ታይ’ስከ ነይሩዎ! ከይዱ ምስ በሉዋ ዝኾነቶ’ባ ተትርእያ! ያኢ ኣውቶቡስ ተሰቒላ ከተርክበካስ ብዘይነጸላ ዕዳጋ ሓሙስ በጺሓ። ጽልልቲ ተሰሪሓ። ደሓር ግን ዝነቐጸን ዝቐበጸን ሓደ ኮይኑዋስ ዶብ ሰጊርካ ናብ ዓዲ ሰላም ብሰላም ክትኣትወላ ክትምህለል ጀሚራ ሳሚ። ንግሆን ምሸትን ካኣ “ሓደራኻ መዓዶ፡ እዛ ሊብያ ዝብሉዋ ነበሓጎኡ ዘይኮነት ንዑኡ ኣይትኾኖን’ያ” ትብለኒ ነይራ። ለካ ኣቦኣ ኣብ ዕስክርና ጥልያን ኣብ ሊብያ አዮም መይቶም!?

ሳሚ ዓርከይ ኣቦኻ ሓደ ንስድሩኡ፡ ኣዴኻ ሓንቲ ንስድረኣ፡ ንስኻ ሓደ ንስድራኻ. . .! ሞት ደኣ’ሞ እዚ እንድዩ! ያ ሳሚ ካብዚ ኩሉ ለመናታት ሓንቲ ሰሚዕካ ኔርካ እንተትኸውን’ሲ እንታይ’ስከ ነይርዎ? ሓደ እሞ ድማ ሕሉባን ንጹፋን ኮይንካያ እያ “ ነዓይን ነቦኻን ክንዲ ኣቦናን ኣዴናን፡ክንዲ ሓውን ሓብትን፡ ነዓኻ ድማ የሕዋትካን ደቅኻን ክትወልደልናስ ተመርዖ፡ሓዳር ግበር እናበለት ክትልምነካ እንከላ እንተትሰምዓስ እንታይ’ስከ ነይሩዎ ወደይ!

መንፈስካ ምብራህ፡ ኣጋውሎኻ ምውሓጥ ምስ ኣበያ ሓልያ ንዘይትሕልወካ ክትሕልወካ’ያ ትውዕል ነይራ። ከይዱ ምስ በሉዋ ዝኾነቶ እንቋዕ ኣይረኣኻያ! ድሕሪ ሕጂ ደኣ’ሞ እንታይ ኣለኒ? ንመን ኢለ’የ ከርተት ዝበልኩን ምስ ምኑቹብዮ ክተሃላለኽ ዝወዓልኩን” ኢላ ዘይሕሱብ ትሓስብ ስለ ዝነበረት’ኮ ምሕላዋን ምክንኻናን’ዩ ከፊኡኒ ካብ ኩሉ።

ዎ. . .መተዓብይቲ! ነዓ’ባ ሕጅስ ደሃይ ኣዴኻ ግበር። እዛ ጉዕዞ ንሊብያ ኣይተበራሃትንን ዘላ’ሞ በጃኻ ኣይትኺድ፡ ናትካ ምጥፋእ ሓለፋ ኣለዎ። ገለ ክንምህዝ ዕድል ሃበና ኢለ ምሽ ለሚነካ። ሹዑ እንተትሰምዓንስ እንታይ’ስከ ነይርዎ!

ኣምሪረ ምስተዛረብኩኻ ዝበልካኒ ኸ ትዝክሮ ዶ? “ ውሽጠይ ይርበሽ’ዩ ዘሎ፡ ከምዚ ገለ ነገር ዝጎደለኒ ኪድ ጉየ፡ ንፈጽ፡ እዩ ዝብለኒ ዘሎ” ዲኻ ዝበልካኒ? ጉያኻ ደኣ’ሞ ናበይ ድዩ ነይሩ? ናብዚ ኬድካዮ ዘለኻ እዩ እዚ ኩሉ ጉያ!? ንሱ ድዩ ዝርብሸካ ነይሩ? “ኣነ ‘ውን ኣማራጺ ስለዘይብለይ ዕድለይ ኢለ’ምበር. . .ኣነ’ውን’ኮ. . .”ምሽ ኢልካኒ? ሽዑ ተጣዒስካ ኔርካ ተትኸውንስ እንታይ’ስከ ነይርዎ!?

ከይረሳዕኩልካ’ባ ሳሚ ዓርከይ. .ክልተ ካብተን ነማስየለን ዝነበርና ካፈታት ኣስመራ ከም መግለጺ ሓዘነን ንኽብርኻ ሽምዓ ወሊዐናልካ ኣምስየን ሰሚዐ። እቲ በይኑ ገዲፍናዮ ሕልምልም ዝብል ዘሎ ሳይሞን ዓርክና ብመንፈስ ክረኽበና ኢሉ ምስ ከደ ዝተዓዘቦ ሎሚ ምሸት ሰዓት ትሸዓተ ደዊሉ ነጊሩኒ። ብፍላይ ሚ/ትምህርትን ሲነማ ኣዝመራን’ሞ እንተስ ኣብ ፊተን ወሰን ማርሻፔዲ ኣፍደገ ባር ኣሜሪካን ዘለኻ ኮይኑ ተሰሚዕወን እንተስ መንፈስካ ከቢዱወን ቁመተን ቀኒሰን እሞ ድማ ንኽብርኻ ድንን ኢለን ዘለዋ ኮይነን ይስመዐኦ ከምዘለዋ ሳይሞን እናስተንተነ የዕሊሉኒ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘረብኡ ድማ “ ኣይትኸይድን ኢኻ ዘይትብሎ ዝነበርካ” ዝብል ቆይቂ ኢዩ ዘዝንበለይ ዘሎ። ኣፈይ ደም ክሳብ ዝወጽእ ምሽ ለሚነካ? ሽዑ እንተትሰምዓንስ እንታይ’ስከ ነይርዎ?

ሳሚ ዓርከይ፡ በዓል ኣይግዳዶምስ በል ዓይኖም ደኣ ትንቆር’ምበር “ሎሚ ዓይነይ በርሀት. . .” እናበሉ ምስታ ቴብ ይደርፉ ኣለዉ። “ደቂ ወራዙትን ከም ዓይበት ይቕደዳ እዛ መኣምን ከኣ. . “ ድዩ ዝተበሃለ? ሳሚ ዓርከይ ንሕና ብጓሂ ተሓሚስና ኣለና ገሊኦም ከኣ. . .!” የሕዝን’ዩ! ኣነ ግን “መናእስተይ መተዓብይተይ .”ትብል ደርፊ ፍጹም ኣብ ሞባይለይ ወሊዐ እናሰማዕኩን እናዘከርኩን እየ ዘዕልለካ ዘለኹ ሳሚ።

ሳሚ ዓርከይ ጎረባብትን መተዓብይትን ኩሎም ብዝያዳ ነዓኻ ኣይኮኑን ሓዚኖምልካ ዘለዉ። ሓቆም’ዮም ከኣ። ንስካ ደኣ ኣይትርእዮ ኣይትሰምዖ። ነዴኻ ‘ዮም ደንጊጾምላ። ነዴኻ ነታ ሓምልን ሽሮን ሸቂጣ፡ መጠቃ ሃብታማት ሰንኪታ፡ምስ ጊላን ጎይታን ተመሳሲላ ዘዕበየትካ ኣዴኻ’ዮም ደንጊጾምላ። ግን ክሓተካ’ንዶ መተዓብይቲ፡ ነዴኻ ክትብል ፈራሕ እንተትቕየርስ እንታይ እስከ ነይርዎ?

ኣዴኻ ‘ኮ ካብታ ንሊብያ ዝተበገስካላ ዕለት ኣትሒዛ ኣይጥዕይቲ ኣይሕምምቲ እያ ተቐይራ። ሕጂ እንደሞ ዝገደ መጺእዋ። ክገርመካ’ሲ ኩሉ ግዜ ‘ኳ ትድውል እንተኾነት እታ ባሕሪ ክትሰግር ጃልባ ዝተሰቐልካላ ምሸት ግን ነብሳ ግዲ ነጊሩዋስ ደሃይካ ክትሓትት ተጨኒቓን እናነብዐትን ደዊላትለይ ነይራ። ከምዝተበገስካ ሹዑ ተረዲኡኒ። ደዊለ ሓቲተ ድማ ኣረጋጊጸ። ግብረይ ግን ተመሊሱ ኣገሪሙኒ። ካብ መንፈስን ከርስን ወላዲት ዝዓቢ ነጋርን መስካርን ዘየለ እንከሎስ ከረጋግጽ ደዊለ። ኣዴኻ ግን ነብሳ ነጊሩዋስ ገና ከለኻ ሓዘን ጀሚራትልካ። ያ ሳሚ፡ እዚ ኩሉ ኣይትኺድን ተመርዖን ኢላ ለሚናትካ ምሽ? እንተትሰምዓስ እንታይ ‘ስከ ነይርዎ?

ናብ ካርቱም ክመጽእ ከለኹ ምዕዶኣ ከብጸሓላ ምዒዳ ሰዲዳትኒ። ከም ሕሱም ለሚነካ ግን ኣይሰማዕካንን። ግን. . .ቁሩብ’ሲ. . .ኣሎ ምሽ. . እንታይ’ስከ ነይርዎ! ወይለይ ሳሚ ዓርከይ ረሲዐልካ ከኣ’ባ። መንሽማ ኸኣ ብዙሕ ሰላም ኢላትካ። መንሽማ ትብል ንስኻ ተኾንካ። ሰላምተኣ ይጥዓም እባ በል ህንጥይ ኢልካ’ታ ሳሚ። ክላእ! ክትሓብኣ ክትደሊ እንከለኻ መንሽማ ትብላ ኔርካ? መንሽማ ኩሉ የዕሊላትኒ። ብዛዕባኻ ድማ ኣብ ዘየለኻሉ ብዙሕ የዕሊልና።

ቀንድን ቀዳማይን ዕላማይ ታሪኽ ድኽነት ገዛና ምቕራፍ’ዩ ኢልካ ገጽ ከምዝኸላእካያ እናነብዐት የዕሊላትኒ። ደሓር ግን ኣብ ኖርወይ ክትራኸቡ ከምዝተቋጸርኩም ነጊራትኒ። ሕጂ ግን ንሳ ኣብ ቦታ ቆጸራኣ ኣላ። ንስኻ ቆጸራ ጠሊምካስ ንግሆን ምሸትን እናደወለት ትሓተኒ ኣላ። ግን ሳሚ ዓርከይ ክብሪ ጓል ጥሒሳ ምሽ ብዙሕ ለሚናትካ ነይራ መስለኒ። እንተትሰምዓስ እንታይ ‘ስከ ነይርዎ?

ኣነ ‘ውን ኩነታትኩም ርእየ ሕሹኽ ክብለካ ፈቲነ ነይረ። ነዚኣ ዋላ እንተትሰምዓንስ እንታይ’ስከ ነይርዎ? “ምኻድ ኣይተርፍን’ዩ፡ ቆልዓን ሓዳርን ድማ ድሕሪ ዓወት’ዩ” እናበልካ’ኳ ደኣ ተላጊጽካለይ። ሳሚ ነታ “ክልእከክን ረጋቢት ነፊርክን ብረራ. .ክንራኸብ ኢና ኣስመራ’ዩ ኣድራሻ” ትብል ደርፊ ዑስማን ቀይርካ “ተስፋ ኣይንቑረጽ ጥራይ ክሳብ መጨረሻ ክንራኸብ ኢና ኤውሮጳ’ዩ ኣድራሻ” ኢልካ ደሪፍካልና። ብፍላይ ንመንሽማ ብኸምኡ ኣተስፊኻ ኣፋኒኻያ። ባሕሪ ደኣ’ሞ ታይ’ዩ ወሪዱዎ ወደይ ባህግኻን ባህጊ መንሽማን ዘየስመረ? ኣየ ባሕሪ! ዝለኣኾን ምስ ገሊኦም ዝኣተዎ ውዕልን ደኣ ተልይዎ’ምበር ከምዚ ገይሩ ኣይምጨከነን። ባህግኻ ተዘስምረልካ ግን እንታይ ‘ስከ ነይርዎ?

ያ መተዓብይቲ፡ በዓል ኣይግዳዶምስ በል መሊሱ ገዲዱዎም። ኣማኢት ዕምበባታት ኣብ ደቓይቕ ሓሪርኩምና ኣሕን ኢሕን እናበልናስ. .”እዛ ዕምበባ ታእዋና ዓምቢባ “ ኢሎም ይደርፉ ኣለዉ። የገርም’ዩ! ያ ሳሚ. .ሳይሞን’ሲ በል. .”ጻዕዳ ኣዲዳስካን ጻዕዳ ካምቻኻን ጌርካ’ባ ነዓ ጎደናታት ኣስመራ ርገጸን፡ ይጽበያኻ ‘ኮ ‘የን ዘለዋ። ፊኖ ዓርከይ ነዓ’ባ ተመለስ ምሳይ ይሕሸካ” ኢሉ ከምዘልቀሰልካ ገዛና ነጊሮምኒ። ያ ሳሚ ነዓ’ባ እቲ ካብ ማዕዶ ሰብ ዝዕድም ሰሓቕካ ኣስመዓና። ነዓ’ባ እቲ ኣፍ ዘየኽድን ጭርቃንካ ናፊቕናዮ። ንስኻ’ኮ ሳሚ. . ንበይንኻ ስድራ ምሉእ፡ ገዛ ምሉእ; ብዓቢኡ ድማ ዳስ ምሉእ ኢኻ። እዋይ’ባ ምስ ተፈለኻና ዝኾንናዮ ተትርኢ። ዝንታ በዚሑ ተጠማሚትና ንፈላለ ኔርና። ተዘይንፈላለስ እንታይ’ስከ ነይሩዎ?

ክላእ ምዃን ግዜ አንድዩ ሓሲሙና’ታ ሳሚ! እንታይ ዘይገበርና!? ግና ሕጂ አንዶ’ሞ ዝገደደ መጺኡና! ሳሚ! ዝተፈላለናላ ምሸት ዝተዛረብካዮ ክሳብ ሕጂ’ያ ኣብ ርእሰይ ትድውል ዘላ። “ቁጠባ ገዛና ባይታ ዘቢጡ ትሕቲ ዜሮ ወሪዱ። ድኽነት ብማዕጾን ፍኒስትራን ኣትያ ብዘይብረት ማሪኻትና። ኣነ ስቕ ኢለ ኣብ ውትድርና መንበር ሰብኡት ከማይ ክሕሉ፡ ዕረፍቲ ኢለ ምስ መጻእኩ ኣደይ ብጥሜት መይታ ተጸንሓትኒ ኸ? ኣይንነብሰይ ኣይነደይ ሓዲግ’የ ዘለኹ’ኮ።

ኣነ ኣብ ውትድርና ዝኽፈለን ዘለኹ ካብ ትራንስፖርት ኣይሓልፋን። ንሳ ሓኾት ኢላ ምስ ምኑቹብዮ እናተመናጠለት ዝረኸበተን ንገዛ ክራይ እንተሸፊነናላ ጸሎትን ኩባያ ማይን ተደሪራ’ያ ተውገሖ ለይቲ። ስለዚ ኣነ ዝኣክል ጠላዕ ሰብኣይ ዝውላዳ ወላዲት ብጥሜት መይታ ሓዲራ ክበሃል’ኮ ወንጀል’ዩ። ብምድርን ብሰማይን’ዩ ዘኽስስ” ኢልካ ኢኻ’ኮ ኣፍና ኣትሒዝካና።

“ሓደ ስለዝኾንካስ ከይትጠፍእ ኢና’ኮ በቒቕናካ” ምስ በልና ”ብሂወት ከለኻ ትጠፍኦ ስለዝኸፍእ’ሲ ንእስነተይ ሪስክ ወሲደ ታሪኽ ድኽነተይ ክቐርፍ ምስ ሞት ክተሓናነቕ”የ ነቒለ ዘለኹ” እንዲኻ ዝበልካና። ሕጂ እንደሞ ዝገደደ መጺኡና ሳሚ! ኦሮማይ! ሕጂ ግና ሳሚ ሚዓርከይ ናትካ ኣይኮነን ዘተሓሳስበኒ ዘሎ። ንስኻ ደኣ ኣይትርእዮ ኣይትሰምዖ። ናየዴኻ እዩ ዘተሓሳስበኒ። ኣቤት! እንታይ እያ ትኾኖ!? ኣየ ባሕሪ! ጭንቅኻ እንተዝርደኣልካስ እንታይ’ስከ ነይሩዎ?

ያ ሳሚ፡ ንስኻ ኸ ነቲ ባሕሪ እንተዘይትኣትዎስ እንታይ’ስከ ነይሩዎ? ናትካስ’ምበር ሓለፋ ኣለዎ። እቲ “ብድሕረይ ካብ ሞት ዝኸፍእ የጋጥመኒ ስለ ዘሎስ ሓደራኻ ሓግዘኒ” ኢልካ ዝኣተኻዮን ዝሓረኻዮን ባሕሪ ኣግዲዑካ። ሳሚ ዓርከይ በዓል ኣይግዳዶምስ በል”ኣሰየ ኣሰና ብርሃን ረኣና”እናበሉ ምስ ሙዚቃ ይደርፉ ኣለዉ። ንሕናስ’ምበር ግዜ ጸሊሙ ምድረ ሰማይ እኩት ኢሉና’ዩ ዘሎ። ግን ከኣ ቀቃንዛኻ’ዩ በጃኻ!

በል ሳሚ፡ ኩሎም መተዓብይቲ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። እታ ሃለዋትካ ዘይፈለጠት ኣብ ኢዳን ሑቕፋን ክትኣትወላ የእዳዋ ዘርጊሓ ሃረር ትብል ዘላ መንሽማ ድማ ብዙሕ ሰላም ትብለካ ኣላ። በል መተዓብይቲ፡ ኩነታት ኣዴኻ ዝነግር ካልእ ደብዳበ ክሳብ ዝጽሕፈልካ በቃ ደሓን ኩነልና። ደሃይ መንሽማ ውን ኣይክርስዓልካን’የ። ካብ ኩላትና ንሓዴና ሰሚዕካና ኔርካ እንተትኸውን ግን እንታይ ነይሩዎ!?

መተዓብይትኻን ዓርክኻን።

 

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ኣቕርቦ መጽሓፍ

ብዛዕባ ኣኳውና ደብዳቤታት ሰይጣን

ብዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

ደራሲ ኣቶ ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

ካብ መወዳእታ ነሓሰ ጀሚሩ <ደብዳቤታት ሰይጣን> ዝተሰየመት መጽሓፍ ደሪሰ፡ ኣሕቲመ ናብ ኣንበብቲ ምዝርጋሕ ጀሚረ ኣሎኹ። እቲ ኣርእስቲ‘ቲ መጽሓፍ ኣሰንባዲ እዩ። ቈራቢ ኣማኒ እየ ከም‘ዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ብኢደይ ኣይትንክፍን! ኢሎም ዝብርግጉን፣ ከም‘ዚ ዝኣመሰልዎ መጽሓፍ ስለዘየንብቡ ከኣ ብጽንዓት እምነቶም ዝሕበኑን፡ ሰይጣናዊ እንተኾንኩ ክፈልጡ ዝደልዩን፡ ነፍሰይ ንዘልኣለም ኣብ ገሃነመእሳት ከይትሳቐ ምንእንታን ክጽልዩለይ ዝመባጽዑን ኣይውሑዳትን። ንስለ ሓልዮቶም አመስግን።
ሰይጣን ድኣ እንታይ ዝበሃል ሃልዪዎ ኴይኑ እዩ!? ቢሎም ዝተገደሱን ነቲ መጽሓፍ ከኣ ዘንበቡዎን ወጣማትን ደፋራትን‘ውን ብዙሓት። እቲ መጽሓፍ ብዘልዕሎም ሕቶታትን ዋዛዊ መልስታትን እውን ተመሲጦም። ነቲ መጽሓፍ ካብ ዘንበበ ኣሉታዊ ጸረ መልሲ ክሳብ ሔዚ ኣይሰማዕኩን።
ኣብ‘ቲ መጽሓፍ እንተድኣ ኣገዲስካዮ ዝግደስ ሳልሳይ ጠባይ ከኣ ኣሎ። እንታይ ክብል ዝደለየ መጽሓፍ እዩ‘ዚ ኣቐዲሙ ክፈልጥ ይደሊ። ደራሲ፡ ወርትግ፡ ነዚ ሕቶ‘ዚ ኣብ መቕድሙ ይምልሶ እዩ። እንተኾነ እዚ ዓይነት ኣንባቢ‘ዚ ነቲ መጽሓፍ ኣንቢቡ ርእይቶ ዝህቦ ሞያዊ የድልዮ። ብሰንክ‘ቲ ትሑትን ጸቢብን ስነጽሑፋዊ ምዕብልና ግን ነዚ ዝገብሩ ሞያተኛታት ኣይነብሩን‘ሞ፡ እቲ ደራሲ ባዕሉ ነፍሱን መጽሓፉን የፋልጥ። እሞ ምስ ነፍሰይን መጽሓፈይን ከፋልጠኩም። ብርቱዕ ስራሕ ኣይኮነን።  ነታ ቀዳመይቲ ገበር ምግንጻል ጥራሕ’ዩ ዘድልየኒ።

ሰላማት። ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ እበሃል። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት <ሓላዊ‘ታ ወርቃዊት ገረብ፣ ዘፍጥረት ውልቀመላኺ> ዝተባህለት መጽሓፍ ጽሒፈ ነቢረ። ተፈጺማ። ኣይተፈጸመትን ከኣ። ሔዚ‘ውን <ደብዳቤታት ሰይጣን> ዝተባህለት መጽሓፍ ጽሒፈ ኣሕቲመ እዝርግሕ ኣሎኹ። ተፈጺማ። ኣይተፈጸመትን ከኣ። ትምህርተይ ኣይፈጸምኩን። ገድለይ ኣይፈጸምኩን። መጻሕፍተይ ኣይፈጸምኩን። ኣነ ኣይተፈጸምኩን። ‘እቲ ዘይተፈጸመ‘ ኢልኩም እውን ክትጽውዑኒ ትኽእሉ። ገና ቀጻሊ እዬ።
***
ሔዚ ገበር ገንጺለ።

መቕድም ንደብዳቤታት ሰይጣን
ንድፈ ጽሑፍ ‘ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ ካልኣይ መጽሓፍ’ እንዳኣሰናዳእኩ፡ እቲ ቴክኒካዊ ድርሰታዊ ሽግራት እንከጓንፈኒ፣ ብማርክ ትወይን ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ‘ደብዳቤታት ካብ መሬት’ ክትርጕም ጀመርኩ። ኣብ’ዚ መቕድም እዚ ከኣ ብዛዕባ ማርክ ትወይን ገለ ክብል ክብረት ይስምዓኒ።
ሳሙኤል ላንግሆርን ክለመንስ (ሕዳር 30, 1835 – ምያዝያ 21, 1910) ብዝበለጸ ብስም ብርዒ ማርክ ትወይን ዚፍለጥ ኣሜሪካዊ ጸሓፋይን ተዋዛዪን ነበረ። ዕንደራ ሃክልበሪ ፊንን ቶም ሶውየር እተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተወርያ መጻሕፍቱ ‘የን። እተን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣሜሪካ ከኣ ዓቢዪ ጽልዋ ዘሕደራ። ንኣሜሪካዊ ስነ ጽሑፍ ዕንደራ ሃክልበሪ ፊን (1885) እያ ፈጢራቶ ዚብሉ’ውን ኣሎዉ። … ።

እቲ ዚዓበየ ኣበርክቶኡ፡ ማርክ ትወይን፡ ንእሜሪካ ፈለማዊ ኣሜሪካዊ ስነጽሑፍ፣ ንዓለም ከኣ ስሓቕን ኣሽሙርን ምሃቡ እዩ። ትወይን፡ ዘይቀስን ድልየት ፍልጠትን ትኵር ክእለተ ትዕዝብትን ዚነበሮ ዓቢዪ ሰብን ደራስን ኣሽሙራዊን ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይውቱ ብ1910 ዚሓንጠጦም ንድፈጽሑፋት(manuscripts)፡ ደብዳቤታት ካብ መሬት፡ ንሃይማኖታዊ እምነታት ዘለምቲ እዮም ኢላ ክላራ ጓሉ ከይሕተሙ ከልከለት። ብ1962ዓም ሓሳባታ ቀይራ ከኣ ንፈለማ ጊዜ ተሓትሙ። ቅድሚ ገለ ሰላሳ ዓመታት ነቶም ጽሑፋት ኣንቢበዮም ሓያል ተመሲጠ። ብዙሕ ሓሲበ። ብዙሕ ስሒቐ። ሓደ መዓልቲ ከምዝትርጕሞም ከኣ ካብ ሽዑ እፈልጥ። ንበይነይ ክስሕቕ ጨካን ስስዕቲ ም‘ነበረ። እቲ ነገር ግን ስሓቕ ጥራሕ ኣይነበረን እቲ ጽሑፍ ንመንፈሳዊ ንቕሓተይ፡ ስለ‘ዚ ንነፍሳዊ ነጻነተይ ዓሚቝ ከምዚተኵቶኸ እፈልጥ።
ሰይጣን ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝለኣኾም ደብዳቤታት እዮም። ስለ’ዚ <ደብዳቤታት ካብ መሬት> ተባሂሎም። ካብ ቤት ጽሕፈት ሰነዳት መንግስተ ሰማይ፡ ክፍሊ ጥርዓናት፡ ናብ ሓደ ዓሚል (ኣማኒ) ኣብ ዓለም ዝተጻሕፈት ሓንቲ ደብዳቤ’ውን ምስ‘ኦም ኣላ።

ዓሰርተው ክልተ ብኢድ ዚተጻሕፉ፡ ትወይን ተመሊሱ ዘንበቦም ዘይመስሉ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝተኣታተዉን ዝደጋገሙን ፈለማዊ ንድፊ ጽሑፍ እያቶም። ሕድሕዳዊ ምድግጋሞም ኣልጊሰ ምስ ተርጔምኩዎም ከኣ ናብ ዓሰርተ ደብዳቤታት ተጸሚቖም ብቍጽሪ ገጻት ኣዝዮም ውሒዶም ከም ርእሱ ዚኸኣለ ጽሑፍ ክቐርቡ ከምዘይክእሉ ረአኹ። ብቐደሙ‘ውን ምስ ‘ሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳም‘ን ካልኦት ጽሑፋትን ተደሪቦም እዮም ተሓቲሞም። ድሕሪ ምጽሓፎም ስነፍልጠት ብዙሕ ማዕቢሉ ስነፍልጠታዊ ሓቅታት’ቶም ከዓርዮምን ከመሓይሾምን ነቢሩኒ። ንኣሜሪካዊ ኣንባቢ ዝቐረበ ኣስሊ ጽሑፍ ንኣንበብቲ ትግርኛ ብዝስሕብ ቢለ ዝሓሰብኩዎ መንገዲ ከኣ ከጻርዮም ጀመርኩ። ሓያሎ ጊዜ፡ እንዳሰዓረኒ፡ ነቲ ስነሞገት ዋዛን ላግጽን ቁምነገርን ትወይን ከይሰሓትኡ፣ ካብ’ቲ ኣስሊ ሓሳባቱ ከይወጻእኩ ከስፍሖምን ከዕምቖምን ጀመርኩ። ነቲ ዘይተደምደመ ንድፈ ጽሑፍ ክምዝምዞን ብመገደይ ከኣ ከጓዕዞን ከይሰድዕ ኣይከኣልኩን። ናብ ትግርኛ ከኣ ኣርዓምኩዎ። እንተኾነ ገና ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ኪኸውን ኣይከኣን። ስለ’ዚ ንሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳም’ውን ክትርጕም ነቢሩኒ። … ወይ ከኣ … ሓደ ሓዲስ ሓሳብ መጻኒ። ንሰይጣን፡ ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ምልእቲ ዓለም ዘየዛውሮ! ሓሰብኩ። ጊዜን ክእለትን እንተዝነብሮ፡ ማርክ ትወይን፡ ናብ ምልእቲ ዓለም ከም መዛወሮ ርግጸኛ ኮንኩ። ካብ ጽሑፋቱን ታሪኽ ህይወቱን ብዙሕ ኣንቢበ ነቲ ሰብኣይ ደሓን ዝፈልጦ ኴይኑ እስምዓኒ። ንመንፈስ ኣጸሓሕፋኡን ስነሞገት ዋዛኡን ብዝተኻእለኒ መጠን ተኸቲለ ከኣ ንሳጥናኤል ናብ ዝሰፍሐ ዓለም ኣዛወርኩዎ። ካብ ዚረገጾ ዘበለ መሬት ከኣ ዓሰርተው ኣርባዕተ ናተይ ደብዳቤታት ኣጽሓፍኩዎ። እዚ ድማ ስለምንታይ ንክርስትና ጥራሕ ትወቅስ ንዝብል ክሲ‘ውን ከምዝምልስ ሓሰብኩ። እቲ መስርሕ ኣይሓድግን ኢሉ ብክሳደይ ሓኑቑኒ ከኣ ነቶም ደረቕ ጻልጣ ደብዳቤታት ማሕበራዊ ድሕረ መሬት ኣንጸፍኩሎም። ከይዶም ከይዶም ከኣ እቶም ጽሑፋት ናብ‘ቲ ሓዲስ ቅርጻ ጽሑፍ ተዋሃዱ። ንሰይጣን ከኣ ታሪኻዊ ድሕረመሬት ሰራሕኩሉ። ከም‘ዚ ኢሉ ከኣ እቲ መጽሓፍ ኮነ።

ነቲ ውጽኢት ጠሚተ ድማ እንታይ‘ዬ ገቢረ? ን <ደብዳቤታት ካብ መሬት> ተርጕመዮ ድዬ? ኣርዒመዮ ድዬ? ወይ‘ሲ ደጊመ ምሂዘዮ እዬ? ኢለ ሓሰብኩ። ተራይን ዝምድናይን ምስ‘ቲ መጽሓፍ ከኣ እንታይ‘ዩ ክውስን ሸገረኒ። ነቶም ደብዳቤታት ክትርጉም ተበጊሰ ብርግጽ ልዕሊ ንቡር ምትርጓም‘ዬ ከይደ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ነቲ ሓዲስ ውጽኢት ደብዳቤታት ካብ መሬት ኢለ ክሰምዮ ኣይከኣልኩን፡ ኣይክእልን። ሽሕ‘ኳ ንመንፈሱን ማእከላዊ ትሕዝቶኡን እንተዘይቀየርኩ፡ ንመልክዑን ኣቀራርብኡን ቀዪረዮ እዬ። ነቶም 12 ደብዳቤታት ናብ 10 ደብዳቤታት ጸሚቖዮም፣ ስነሞጎታዊ ኢለ ብዝሓሰብኩዎ ኣቀማምጣ ከኣ ኣቐማሚጠዮም። ምዕማቝን ምግላጽን የድልዮም እዩ ቢለ ንዝሓሰብኩዎም ሓሳባት ድማ ኣስፊሐዮምን ኣዕሚቘዮምን።

እቶም ጽሑፋት ክጻረዩ ፈለማኦም ኣይኮነን። በርናርድ ደ ቪቶ፡ ኣሰናዳኢ Saturday Review of literature ዝነበረ፡ ካብ 1000 ንላዕሊ ካብ ዝኾኑ ንድፈ ጽሑፋት ትወይን፡ ካብ 1932 ክሳብ 1939 ኣብ ዝነበረ እዋን ደብዳቤታት ካብ መሬትን፡ ሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳምን፡ ዳብዳቤ ናብ መሬትን፡ ዓቢዪ ጸልማትን ቢሉ ዝኸፋፈሎም ጽሑፋት ንማሕተም ኣጻረየ። ክላራ፡ ጓል ትወይን፡ ግን ምሕታሞም ከልከለት። ብ1960፡ ሓሳባ ቀይራ፡ እቶም ጽሑፋት ክሕተሙ ኣፍቀደት። እቲ ኣነ ደጊመ ኣጻርየ ዝተርጎምኩዎ ጽሑፍ ከኣ እቲ ብደ ቪቶ ዝተጻረየን ንማሕተም ዝተቐረብን እዩ። እቶም ደብዳቤታት ኣብ ነዊሕ እዋን ስለዝተጻሕፉ ዝደጋገሙን፡ እንሓንሳብ እውን ሕድሕዶም ዝጓነጹን ነበሩ‘ሞ ብዘይካ ምጽራይ ደ ቪቶ ይትረፍ‘ዶ ከም መጽሓፍ‘ስ ከም ንጽል ጽሑፋት‘ውን ክሕተሙ ኣንበይተኻእሉን። ኣሰራት ናይ‘ቲ ዘይተወደብ ፈለማዊ ንድፍዊ ኣጸሓሕፋ ትወይን ድማ ኣብ‘ቲ ዝተጻረየ ጽሑፋት ደ ቪቶ‘ውን ይርኣዩ። ሕድሕዳዊ ምድግጋማትን ግርጭታትን ትሕዝቶ ደብዳቤታት ብምልኣት ኣዓርዩ ክውግን ዘይምፍታኑ፡ ደ ቪቶ ብዝተኻእለ መጠን ንትወይን ምስ ጉድለታቱ ከቕርቦ ከምዝደለይ እርዳእ።

እቲ ደ ቪቶ ዘይገበሮ ኣነ ዝገበርኩዎ።

ሳጥናኤል ኢለ ንዝሰመኹዎ ሰይጣነይ (ትወይን ብደፈንኡ ሰይጣን እዩ ዝብሎ) ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ሰሪሐሉ። ኣብ መጽሓፈ ቅዱሳት ዝጥቀሱ ሰይጣውንቲ ብዙሓት እዮም። ኣነ ነቲ ከይዱ ከይዱ ናብ ሰይጣን ዝተሰርሐ ሳጥናኤል ኣተኵረ። ዘፍጥረቱ/ኣከዋውንኡ ከኣ ክገልጽ ፈቲነ። ጽውጽዋዩ ከኣ ካብ ኣቦ ሓጎኡ ቅሮኖስ/ሳቱርን ጀሚረ።

ንኵሎም ጻልጣ ደብዳቤታት ማሕበራዊ ድሕረ መሬት ክፈጥሮም ፈቲነ። ፈጢረሎም። ነቲ ትወይን ዝሰርሖ ሰይጣን ከኣ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ናብ ካልኦት ክፍለዓለማት ኣዛዊረዮን ብዛዕባ‘ቶም ዝተጓነፍዎ ኣህዛብን እምነታትን ከኣ ርእይቶ ከጥርን ብዛዕብኦም ክጽሕፍን ገቢረ። ነተን 10 ደብዳቤታት ትወይን 14 ካልኦት ናተይ ደብዳቤታት ወሲኸለን። ብዘይካ እተን 14 ተወሰኽቲ ደብዳቤታት ከኣ በቲ መጽሓፍ ኣቢለ ክብሎ ዝደለኹዎ ብምልኡ ኣይምበልኩን።

ነተን 14 ደብዳቤታት እንክጽሕፍ ኣብ ፍሽጢ ነፍሲ ማርክ ትወይን ክኣቱ ፈቲነ። እንተዘንብበን‘ውን፡ ብዝወሓደ፡ ጽቡቕ ፈተነ ኢሉ ፍሽኽ ም‘በለ። ምናልባት ድማ ሽፍታ! ሕግን ልምድን መልክዕን ዘይግድሶ ግደኣልቦ፡ ዕዋላ ስነጽሑፍ ኢሉ ኣመልካቲት ኣጻብዕቱ መወጣወጠለይ። ናብ ነፍሱ ክኣቱ ብምፍታነይን፡ ናብ‘ቲ ንሱ ናብ ዝምኸዶ ግን ዘይከዶ ገሚተ ናብኡ ክኸይድ ብምፍታነይን ብምድፋረይን ድማ ዝምተሓጎሰ እመስለኒ።

ሓደ ሓሳብ ካልእ ሓሳብ እንዳፈጠረ፣ እንዳተጫለደ፣ እንሓንሳብ ከኣ እንዳተገራጨወ፣ ነቲ መስርሕ ጽሑፍ ምቍጽጻሩ ብርቱዕ ነበረ። ኣብ ገለ ነጥቢ ናይ‘ቲ መስርሕ ከኣ እቲ መጽሓፍ ተቈጻጺሩኒ ከም ሰይጣን ዝዓሰሎ ጸሓፍኩ። ጸሓፍኩ። ንመጠረስትኡ ከኣ ነቲ ዝኾኖ ኴይኑ እንሆ። እቲ እንክጽሕፍ ብዛዕባ ስምን ገበርን መጽሓፍን፣ ሕጋውን ስነጽሑፋዊ ስነምግባርን ኣይሓሰብኩን። እቲ መጽሓፍ ተወዲአ ምስ በለ ከኣ እንታይ ዝኾነ መጽሓፍ እዩ‘ዚ በልኩ? ናይ መን‘ዩ? ተራይ ኣብ‘ቲ መጽሓፍ እንታይ‘ዩ? እንታይ‘ዩ ዝምድናና? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ እቲ ቃንዛ ሕርሲ ኮነ።

ነቶም ናብ 32 ገጻት ዝጸመቝኩዎም ደብዳቤታት ትወይን ናብ 58 ገጻት ነፊሐዮም። እቲ ዝተረፈ ክልተ ሲሶ ናይ‘ቲ መጽሓፍ ኣነ ዝጸሓፍኩዎን፡ ኣነ ጥራሕ‘ውን ዝሕተተሉን እዩ። ነዚ እንታይ እበሎ? እንታይ‘ዬ ፈጢረ? እንታይ‘ዩ ተራይ? ነቲ መጽሓፍ ዘንበበ ክብለኒ እደሊ። ምትርጓም ምትርጓም‘ዩ። ነቲ ኣስሊ ጽሑፍ ከምዘሎዎ ብልክዕ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም‘ዩ ንዝብለኒ፡ እወ፡ ሓቅኻ! ጥራሕ‘ዬ ክብሎ ዝኽእል ስለምንታይ ሓቁ እዩ። ኣነ ግን ሓደ ማዕድን ወርቂ ረኺበ ሰዲዐ ክሳብ ዝከኣለኢ ኵዒተ። ሓጢአ። ምእንቲ እቲ ዝገበርኩዎ ክሓጥእ ከኣ ሕጉስ እዬ። ማርክ ትወይን ከምዝምሕረኒ ከኣ ርግጸኛ እየ።

እቲ መጽሓፍ ዘይኮኖ ሓደ ነገር ግን ከረጋግጸልኩም። ስነጽሑፋዊ ዘረፋ ኣይኮነን። ኣብ መቕድሙ ኣፍ ልቡ ቀሊዑ መሰረቱን ኣገባብ ኣከዋውንኡን ዝገለጸ መጽሓፍ ተሰሪቑ ክበሃል ኣይክእልን።

እቲ መጽሓፍ ዝኾኖ ሓደ ነገር ድማ ክነግረኩም። ኣብ ልዕሊ ልሙዳዊ ኣተሓሳስባን ደብተራዊ ኣረዳድኣ እምነታትን ዝተደርበየ ነታጕ እዩ።

ነቲ ሕቶ ዝምድናይ ምስቲ መጽሓፍ ምሰልዓልኩ ንመሰል ደራስነትን ስነምግባር ስነጽሑፍን ዝምልከቱ ጽሑፋት ኣንቢበ። ተርጓሚ እውን ደራሲ ናይ‘ቲ ዝተርጎሞ ጽሑፍ ምዃኑን፣ መሰል ደራስነት‘ውን ከምዘሎዎን ተረዲአ። ደራሲ ናይ‘ቲ <ደብዳቤታት ሰይጣን> ቢለ ዝተሰየምክዎ መጽሓፍ‘ዬ፡ ነቲ መሰረታዊ ተራ ማርክ ትወይን ከኣ ኣብ መቕድም እገልጾ ቢለ ሓሰብኩ። እዚ ግን ነቲ ‘ዘረባታት‘ ብዛዕባ‘ቲ መጽሓፍ ካብ ትሕዝቶ ናብ ሕቶታት መልክዕን ሕግታት ስነጽሑፍን ከይኣልውዮ ፈራሕኩ። ድሒረ ከኣ ከም ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ከሕትሞ ወሰንኩ። ንነፍሰይ ማዕረ ትወይን ክሰርዕ ድማ ኣፍርሓኒ። ንመጠረስትኡ ተርጕመን ናተይ ድርሰት ከኣ ጸንቢረን እዬ( ክልተ ሲሶ ናይቲ መጽሓፍ) ቢለ ‘ደራሲ ትርጕም‘ በልኩ። ዘይተለምደ ገለጻ። እቲ ዝገበርኩዎ እውን ዘይተለምደ እዩ።

እቲ መጽሓፍ ኢእምነት ንምትብባዕ ዕላማ የብሉን። ኣመንቲ ኣምረ ኣምላኾም ደጊሞም ክምርምሩን ከዕምቑን ግን ይትኵቱኵ። ንመጽሓፈ ቅዱሳትና ንስጋውን መንፈሳዊ/ኣእምሮኣዊ ምዕብልናን ንቕድሚት ዚደፍኡ ትርጕማት ክንመርጽ ይደፍእ። ነቶም በዚ መጽሓፍ’ዚ ዝስንብዱን ዝጽየኑን ዕጹዋትን፡ ጸበብትን፡ ፈራሓትን፡ ህዉኻትን ከኣ፡ እቕረታ፡ ካብ ሰይጣን ድኣ እንታይ ትጽበዩ እብል። ሃ! ሃ! ሃ!

ንመደምደምታ፡ እዚ መጽሓፍ‘ዚ ብመሰረቱ ባጫ (Satire) ምዃኑ አዘኻኽር። ነዚ ረሲዕካ ምንባቡ ናብ ዘይምርዳእ ትሕዝቶ መልእኽቲ መጽሓፍ ከብጽሕ ይኽእል። ዓሚቝ ኣፍልጦ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን መንፈሳዊ ተሞክሮታትን ዘሎዎም ነቶም ኣብ ውሽጢ‘ቲ መጽሓፍ ዝዘሓቑ ጸለምቲ ዋዛታት ብዝበለጸ ከም ዝርድእዎም እግምት።

ግሩም ምንባብ ይግበረልኩም።

25.09.2013

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ ደራሲ ናይታ፡ ‘ሓላዊ‘ታ ወርቃዊት ገረብ፣ ዘፍጥረት ውልቀመላኺ” ዝተሰመየት ኣብ 2009 ዝተዘርገሐት መጽሓፍ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ‘ዉን ቀጻሊ ብዝጽሕፎም ዓንቐጻትን ግጥምታትን’ዉን ዝፍለጥ፡  ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ደራሲ’ዩ። ነዛ ”ደብዳበታት ሰይጣን” ዝተሰምየት ሓዳስ መጽሓፉ ክትዕድጉ ምስ እትደልዩ ንደራሲ  ዳንኤል ሰ.ተስፋይ ብምርካብ ጥራይ ክትዕድጉ ከም እትኽእሉ ብምሕባር፡ ኣብታ መጽሓፍ ንዘለኩም ጦብላሕታ ይኹን ህየሳ ምስ እትሰዱልና ድማ ንምዝርግሑ ዕጥይ ምጥይ ከም ዘይንብል ቓል ንኣቱ።

Posted in ስነ - ጥበብ | Leave a comment

ኣብ ጽባሕ እታ ዕለት

ኢድካ ታኣሲሩ ኩሩንኩሪት

‘ህህ’ ተበሉኻ ብኩርኒዒት

እንተመኸሩልካ ለይትን ቀትርን

እንተደርበዩልካ እምንን በትርን

ኣይበልካ ዳሓን ክትል ክትል

ኣይተስግል ሕደግ ኣይትስፍልል . . በየነ ሃይለማርያም ( ‘ከም ቆሎ መሸላ ‘ ካብ እትብል ግጥሚ ዝተጨፍጨፈ )

ሎሚ ጽባሕ ናይታ ትማሊ ንመበል 11 ዓመታ ተዘኪራ ዝዋዓለት ፡ ጃምላዊ ምእሳር ናይቶም ንኣካይዳ መንግስቲ( መንግስቲ ማለት ፕረዝደንት ምኻኑ እዩ ) ዝተቃዎሙ ደለይቲ ለዉጢ- ሰበ -ስልጣናት መንግስቲ ፡ ኣዘዝቱ ሰራዊት ፡ ኣባላት ባይቶን ነቲ ተቃዉሞ ኣሳሲኹም ዝተባሃሉ ጋዜጠኛታትን ዝተፈጸመላ ዕለተ -18 መሰከረም 2001 ።

ብቅንያቱ እተን ዝርካበን ናይ ለዉጢ ማዕከናት ዜና ፡ ዉዱባት ፡ ማሕበራትን ቁንጣሮ ጉዱሳት ዜጋታትን ኣብታ ኣብ ታሪኽ ናጻ ኤርትራ መዘና ዘይብሉ ግህሰት ሕግን መሰልን ዝተፈጸመላ ዕለት ታዓብዒቡ ዘሎ ጽዋ ናብ ኣእዛን ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምብጻሕ ክደኽሙ እዩም ቀንዩም ። እታ ኣዉራ ዕለት ድማ ትማሊ  ካብ ናይ ሓደ ብጽምዋ ዝተበለዐ ነጨ -በረር ዘሕልፋ ተዝካር ሞት ወላዲቱ ብዘይፍለ ኣገባብ እያ ተዝኪራ ሓሊፋ ዘላ ።

እዚስ ኣይሕንኽን ዶ . . .

ብዝኮነ ሎሚ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመላ ዕለት   12 ዓመታ ንምድፋን ኣሃዱ ኢላ ትፍልም ኣላ ። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ ድማ ናይ 12 ዓመታ ተዝካር ክንገብረላ ኢና ማለት እዩ ።

ሰላም የቅንየና ስጋብ ሽዑ !

እንተለቢምናን ተቢዕናን  ድማ  ነታ ተዝካር ከምዘን ዝሓለፋ ናይ 11 ዓመታት ተዝካር ብጽሙዋን ሓዘንን ዘይኮነ ብሓበንን ተድላን ኢና ክንዝክራ ።

ይኹን እስከ በሉ . .

ከይተበራበርካ ዝሰጠማቀር ንግሆ ስለዘየልቦ ግና . . .ፈለማ ካብ ድቃስና ክንባራበርን ካብቲ ን11 ዓመት ደቂስናሉ ዘሎና ናይ ነብሰ-ምትላል ዓራትና ወሪድና ነታ ድሮ በሪቃ ዘላ ጻሓይ ሓቂ ገጽ ንገጽ ንምጥማታ ትብዓት ከነጥሪ ይግባኣና ።

ትማሊ እታ ዕለት ከመይ ዊዒላ ትኸዉን !

እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተፈጺሙ ዘሎ ግፍዒ ክንደይ ማዓት – ብሰንኩ ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩ ዘሎ ስምብራት መሪር -ኣብ ገጽ ኤርትራ ገዲፍዎ ዘሎ በሰላ ገዚፍ  ክንሱ ገና ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ነታ ዕለት ከምዘይናቱ ኣጋንይዋ ምርኣይ ”ኣበት . .እንድዒኸ . .እንድዒኸ ‘ ዘብል’ዩ ። እቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎስ ዝጸቀጠ ጸቂጥዎ – ትም ‘ተለ ግርም ፡ ንፍትሒ እንተጨደረ ድማ ግርም ‘ዩ ነይሩ ። ናይቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፋሕ ኢሉ ዘሎ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዝግመት ኤርትራዊ ስቅታ ወይ ዕሽሽታ ዳኣ ብምንታይ እዩ ክምኽነ ?

ነስተዉዕል ልዕሊ 1 ሚልዮን ኤርትራዊ ፍቀዱኡ ፋሕ ኢሉ ኣሎ  ንብል ኣሎና ።  ክንደይ ካብዚ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ እዩ ግና ነዛ ንዛረበላ ዞሎና ዕለት ( 18 መስከረም 2001)  ኣብ ታሪኽና ማዕረ 24 ግምቦትን 20 ሰነን  ዕዙዝ ሰፈር ሒዛ ምህላዋ ዝተሰዎጦ ?ንምኻኑኸ  እታ ናይ ትማሊ ዕለት   ባቡር ታሪኽ  ናጻ ኤርትራ  ካብ ሓዲዱ ዝወጻኣላ ምኻና ዝርዶኦ ክንደይ ይኸዉን ? እታ ካብ ሓዲዳ ዝወጸት ባቡር  ገና ናብ ህልም ዝበለ ዉቂያኖስ ጸልማት ኣንፋ ብፍጥነት ተሕምበብ ምህላዋ ዘፍርሖ ኤርትራዊ ኸ ክንደይ ይኸዉን ? ነብስና ንሕተ. . .ት

ከምዚ ኢልና እስከ ንሕሰብ . . .

ነቲ ብ ዉዱብ ሑቡራት ሃገራት ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዘሕሎፎ እገዳ ( ታሕሳስ 2009) ንምቅዋም( እምቢ ‘ዘለ ኩርኒዒት ትረዶ’ዩ ነይሩ ) ኣብ ለካቲት 2 ናብ ጎደናታት ኣመሪካን ኦዉሮፓን ዘወጸ ኤርትራዊ  ፡ ቁጽሩ ክንደይ ምንባሩ ንዝክሮ ኢና ። ወላ እካ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንኤርትራ መሕነኺኣ እንተነበረ ፡ ንህግደፍ ግና ንጊዚኡ ግርም መጃሃሪ ዝኾኖም ግዝፊ ‘ዩ ነይሩዎ ።

ሕጂ ክንሓስቦ ዘሎና ግና ስለምንታይ’ዩ ክንድኡን ብኸምኡን መገዲ ንተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ዝኹንን ሰልፍታት ክዉደብ ጋዶ ኮይኑ ዘሎ ? ስለምንታይ እዩ ኸ ዝበዘሐ ህዝቢ ተዋላዋሊ ፡ ተጠራጠሪ ወይ ዘይሻራዊ መርገጺ ክሕዝ ዝመርጽ ዘሎ ?

እናፈለጥካ ከምዘይፈለጥካ . . .

ን 18 መስከረም 2001ን ከርሲ  ናይታ ዕለት ጸይሩዎ ዝነብር ዘሎ ጸሊም ታሪኽን ካብ ኣእሙሮ ኤርትራ ንሓዋሩ ንምፍሓቁ ዘተገብረ ወፍሪ ማይ ዓሚኹ ኣይተረፈን ። ዳርጋ ካብ ኣእሙሮ መላኣ ህዝቢ እታ ዕለት ከምዘይነበረት ኮይና ኣላ ። ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ንሞያን ታሪኽና ናይቶም ኣብታ ጸላም ሰሉስ ግድይ ዝኾኑ ሓርበኛታት ክዝክርሲ ይትረፍ ፡ መን መን ምኻኑ ፈልዩ ኣብ ዘይገልጸሉ ኩነት-ኣእሙሮ እዩ ጢሒሉ ዘሎ ። ዉሑድ ዝቁጽሩ ህዝቢ ድማ ብሳላ ዉልቃዊ ጻዕሩን ህንጡይነቱን ‘ዩ ነታ ዕለት  ከም ስእሊ ወላዲቱ ኣብ መናድቅ ልቡ ጠቂዑ ምስኣ ክዛረብ ወጊሓ ትዓርቦ ዘላ ።

ሓቂ ዘረባ እናፈለጠ ከምዘይፈለጠ ክኸዉን ዝደሊ ደኣ ይበዝሕ ‘ምበር ፡ ንፍጻመ  መስከረም 18, 2001ንን ግዳያታን ዘይፈልጥ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ዘይኩዉንነታዊ እዩ ።እቲ መንግስቲ ዘቅረቦ  ናይ ጎዶና ክሲ ” ምሻጥ . .ሃገር ” ብዝብል መዐመምያ እኳ እንተተጎልበበ ኣማስያኡስ ባህርያትን ጡሙሓትን ፕረዝደንት ጉልባቡ ምስ ቀለዐ ፡ እቲ ናይ ጎደና ክሲ ንፋስ ጎደና  ከምዝወደሰዶ’ዉን ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የልቦን ።

ብዓቢኡ ዓምን ሎምን እቶም ቁዩዳት ‘ ሸየጥቲ ዶ ኣይሸየጥን . .ንጹሃት ዶ ጠላማት ” እናበልካ ምጥርጣርን ምክታዕን እዋኑ ከምዘብቀዐ ዝጭድር ድምጺ ኣብ ዉሽጢ ኩሉና የእዊ  ኣሎ። ሎሚ እቶም ” ቁዋም ይተግበር ” ጥራይ ስለ’ዘሉ ዝተጋደሉላ ሃገር እናራዩ እናሰምዑ ቀቢራቶም ዘላ ተቃለስቲ ፡ ፍትሕን ሓርነትን ዝረኽብሉ – ብመስዋእቶም ዝምጎሱሉ – ብኣበርኩቶኦም ኣኽሊል ሓርነት ዝሽለምሉ እዋን ምኻኑ ዝኾነ ልብን ኣእሙሮን ዘሎዎ ኤርትራዊ ዘስተንትኖ ዘሎ፡ ካብ ጻሓይ ዝደምቅ ሓቂ እዩ ።

ኩሉ ኤርትራዊ ግና ነዚ እናፈለጠ ከምዘይፈለጠ ምኻን ከም ጨልነት ወሲድዎ ሰላም ኣብዘይብሉ ናብርኡ ዘገም ይብል ኣሎ ። ዘገም ይብል ኣሎኹ . . .ዘገም ትብሊ ኣሎኺ . . .ዘገም ትብል ኣሎኻ . .ዘገም ትብሉ ኣሎኹም . .

ባህሊ እናፈለጥካ ከም ዘይፈለጥካ !!

እናፈለጥካ ከምዘይፈለጥካ ምኻን ኣብ ትሕቲ ብምልኪ ዝምራሕ ህዝቢ ዝረአ ኣዕናዊ ባህሊ እዩ ።ከም ሩድኡ እቲ ብዙሕ ዝደጋገም ልምዲ እዩ ናብ ባህሊ ዝምዕብል ።ባህሊ ድማ ተሰጋጋራይ ብምኻኑ ንመጻእቲ ወለዶ ከዕኑን ክሃንጽን ዘኽእሎ ሓይሊ ኣሎዎ ።

እዚ እናፈለጥካ ከምዘይፈለጥካ ናይ ምኻን ባህሊ ኣብ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከምዝማዕበለ ንምርዳእ ነዛ ብጆርጅ ኦርወል ካብ ዝተጻሓፈት 1984 እትብል መጽሓፉ ዝተመንጨተት ሕጥቦ -ጽሕፍቲ  እስከ ብሓንሳብ ነንብባ ። እታ መጽሓፍ  ንሓንቲ ኦሾንያ ዝተሰምየት ልብ -ወለዳዊት ሃገር ንዝገዝእ ብዓቢ ሓዉ(BIG BROTHER) ብዝፍለጥ ዉልቀ መለኺ ንዝምራሕ ናይ ምልኪ ምምሕዳር እትገልጽ ብርቂ መጽሓፍ እያ ።

ኣዉራ ጠባይ ናይታ መጽሓፍ ዊንስተን ስሚዝ ዝስሙ ሰራሕተኛ ኒዉ-ስፒክ ‘ዩ ። ኣብታ መጽሓፍ ድማ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ከምዚ እናበል ይሓስብ . .እስከ በሉ ንሕና ድማ ምስኡ ንሕሰብ !

” . . .እቲ ሰልፊ ኦሻንያ ምስ ኡረሽያ ተማሕዝያ ከምዘይትፈልጥ’ዩ ዝምድር ። ዊንስተን ስሚዝ ንባዕሉ ቅድሚ 4 ዓመት ኦሻንያ ምስ ኡረሽያ ምሕዝነት ከምዝነበራ ኣጸቢቁ እዩ ዝፈልጥ ። እዚ ፍልጠት ግና ኣበይ ተደቢቁ ይህሉ ? ምስዋሩ ዳኣ ኣይተርፎን እምበር ኣብ ትሕቲ ዉኑኡ እዩ ዝነበረ ። ዳሓር ከኣስ፡ ኩሉ ሰብ ነቲ እቲ ሰልፊ ዘስገደዶ ሓሶት ይቅበሎ እንተኾይኑ -ሰነዳታት ዘቦኦም ሓደ ዓይነት ጽዋ ዝደግሙ እንተኾይኖም – ዝተርፍ ነገር ፡ እቲ ሓሶት ናብ ታሪኽ’ሞ ይሳጋገር ሓቂ ኾይኑ ይነብር ። ከምቲ ጭርሖ ናይቲ ሰልፊ ዝብሎ ‘ ንሕሉፍ ዝተቃጻጸረ ንመጻኢ ይቃጻጸር ፡ እቲ ንህልዊ ዝተቃጻጸረ  ድማ ንሕሉፍ ይቃጻጸር ‘ ። ሕሉፍ ብባህሪኡ ተለዋጣይ ዳኣ ይኹን እምበር ፡ ንምልዋጡ ግና ኣይተኻእለን ። እቲ ሎሚ ሓቂ ኮይኑ ዘሎ ፡ ቀደም ሓቂ እዩ ነይሩ ፡ ንዘንተእለት ድማ ሓቂ ኮይኑ እዩ ክነብር ። ኣዝዩ ቀሊል ኣዩ – እቲ ዘድሊ ኣብ ዝኽረትካ ዘይርብርብ ዓወት ክትጋናጸፍ ምኽኣል እዩ  . . . .”

ጆርጅ ኦርወል እንታይ ኢሉ እዩ ዝጻሓፈ . .” ኩሉ ሰብ ነቲ እቲ ሰልፊ ዘስገደዶ ሓሶት ይቅበሎ እንተኾይኑ -ሰነዳታት ዘቦኦም ሓደ ዓይነት ጽዋ ዝደግሙ እንተኾይኖም – ዝተርፍ ነገር ፡ እቲ ሓሶት ናብ ታሪኽ’ሞ ይሳጋገር ሓቂ ኾይኑ ይነብር  ” ድዩ ዝበለ ። ነዛ ቆጽሊ ሓሳብ እስከ ናብ ኤርትራ ወሲድና ንርኣያ’ሞ ፡ ከምይ ኢሉ ባህሊ ናይ  እናፈልጥካ ከምዘይፈለጥካ ከምዝዓምበበ ግንዛበ  ከተሕድረልና ትኽእል እያ  ።

ብድብዱቡ ኣብ ትሕቲ ብዘይካ ምእሳር ፡ ምፍታሕ ዘይፈልጥ ! ብዘይካ ምኩናን ፡ ምቅባል ዘይፈልጥ ! ብዘይካ መቅጻዕቲ ሕድገት ዘይፈልጥ መንግስቲ እናነበርካ ፡ ፍልጠትካ መቅተሊኻ እምበር መሕወይኻ ኣይኮነን ። ስለዚ ነቲ ትፈልጦ ዘበል ኩሉ ከምዘይናትካ እናራኣኻ ነብስኻ ከተዉጽእ ኢኻ ትመርጽ ።

ነቲ ሓቂ ኣብ ክንዲ ብዓዉታ ምስ ነብስኻ ጥራይ ከተዕልለሉ ኢኻ ትግደድ ። ነዚ ንምግባር ንባዕሉ  ከምቲ ጆርጅ ኦርወል ዘፍኣሞ ኣብ ልዕሊ ዝኽረትካ ( memory ) ዘይርብርብ ዓወት ክትጋናጸፍ ኣሎካ ። በዚ ድማ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ፡ ኩዉንነትን ፕሮፖጋንዳን ዘሎ ፍልልይ ንምልላዩ ኣይትሽገርን ኢኻ ።

ሕጂ’ዉን ንሕሰብ . .

እናፈለጥካ ከምዘይፈለጥካ ኮይንካ ምንባር ኣብ ዉሽጢ ሃገር’ምበር ኣብ ወጻኢ ክዉሰድ ዘይብሉ ምርጫ እዩ ። ብቀደሙ ካብ ሃገርና ዝወጸናሉ ምኽንያት እካ ሓርነት ዘሎዎ ሂወት ንምምራሕ እምበር ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ እንከሎና ብዘይፍለ መንገዲ እናፈራሕናን ገጽ ሰብ እናረኣናን ንምንባር ኣይኮነን ።

እሂ. .  ገጽ ካድረታት ህግደፍ እናረኣኻ ምስኪንኪን ንምባል ኢሉ ዝተሰደደ ኤርትራዊ ኣሎና ድዩ ? የብልናን እንተኮይኑ መልስና ፡ ናብታ ኣብ መእተዊ ጽሕፎይ ዝሓተትኩዋ ሕቶ እየ ክምለስ !

ናይቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፋሕ ኢሉ ዘሎ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዝግመት ኤርትራዊ ስቅታ ወይ ዕሽሽታ ደኣ ብምንታይ እዩ ክምኽነ ?

ኣብ መወዳእታ . .ነነብስና ንሕተት

እዚ ሕቶ ድማ ሞራላዊ ‘ምበር ፖሎቲካዊ ዛዕባ ዘላዓዕል ጌርና ኣይንቁጸሮ ። ሎሚ ንመስከረም 18,2001 ዕሽሽ ዝብል ሰብ ናይ ሞራል ድኽነት ዝረመሶ ፍጡር ጥራይ እዩ ። ንመስከረም 18 ፣2001ን ግዳያታን ዝረሳዕና ድማ ሓርነትን ፍትሕን ከምዝርስዓና ክስቆረና ይግባእ ።

ሰሰናዩ !!

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ቤተ-ቕርሲ ኣብ ዉሽጢ ቕርሲ

‘’ተራ ሓሳብ ኣይንሕሰብ ተራ ስራሕ ከይንሰርሕ’’

ጉጅለ ፕሮጀክት ሽዳ

ኣብ ጎደና ሰማእታት ተተኺሉ ዝነበረ ሓወልቲ ሽዳ። ሎሚ እቲ ሓወልቲ ተነቂሉ ይርከብ።

ብግርማይ ዮዉሃንስ

ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ ኮሌጅ ኢ.ኣ.ቲ(collage E.I.T) እዮም። ሳባ ተኸስተ፡ ዓንደብርሃን ሃብቶም፡ ፊልሞን የማነ፡ ናትናኤል ተስፋማሪያም፡ ረዴት ሃብተማሪያም፡ ሻም ምኪኤል፡ ተስፋዝጊ ወልደጼን፡ ተወልደብርሃን ወልደሚካኤል፡ ወደብ ወልደእግዚኣብሄር፡ ሓሺም እድሪስ፡ ቴድሮስ ሃይለ ከኣ ይብሃሉ። ኣብ ጉዕዞ ትምህርቶም፡ 4 ናይ ትምህርቲ ዓመታት ዛዚሞም፡ ንናይ ክረምቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክፋላለዩ እንከለዉ፡ ከም ጉጅለ ብምቓም ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንዘዳለዉዎ ናይ መዛዘሚ መጽናዕታዊ ዓመት ንዘዳልዉዎ ናይ መዛዘሚ መጽናዕታዊ ወረቀት (Senior project) ክመያየጡ ተኣኪቦም።

ኣብ ሓደ ሰዓት ክልተ ሰዓት ‘ከምዚ ይሕሸና፡ ከምዚ’ባ ኢሎም ኣብ መደምደምታ ዝበጽሕሉ ጉዳይ ስለ ዘይነበረ፡ 5ይ ዓመት ንኽመሃሩ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ ክምለሱ እንከለዉ ሓሓሳቦም ሒዞም ክመጹ ብምስምማዕ ተፈላልዮም።

ኣብ ስምምዖም፡ ተራ ነገር ክሰርሑ ስለ ዘይብሎም ተራ ሓሳብ ክሓስቡ ከም ዘይብሎም ቀንዲ ዛዕብኦም ኔራ። እቲ ድሕሪ ሓሳብ፡ ዝሰርሕዎ ስራሕ፡ ኣብ ህንጻ ዘተኮረ ክኸዉን ግድን ኔሩ። ምኽንያቱ ተማሃሮ ሲቪል ኢንጂኔሪንግ ‘ዮም። እዚ ትምህርቲ’ዚ ኸእ ብዝያዳ ኣብ ህንጻ የተኩር። ዲጋ፡ ጽርጊያ፡ ህንጻ(ኣባይቲ)፡ ተጻርዩ ኣብ ጥቕሚ ክዉዕል ዝግበኦ ረሳሕ ማይ (ከም ማይበላ) ምሕደራ ማይን ዝኣመሰሉ የተኩር።

ኣይከረም’ዮም ከሪሞም። ‘’ከምዚኣ እንተሰራሕና ኸ? ‘’ኢሎም ይሓስቡ’ሞ ‘’ተራ ነገር ኣይንሕሰብ ተራ ስራሕ ከይንሰርሕ’’ ትብል ናይ መወዳእታ ለበዉኦም ዘኪሮም የዋድቕዋ። ካብዞም ዓሰርተ ሓደ ተመሃሮ ፍርቆም ካብ ኣስመራ ወጻኢ’ዮም። ኣብ ክረምታዊ ዕረፍቶም ድማ ዝሓርስ ኣብ መንጎ ማሕረሱ ዝጓሲ ኣብ መንጎ መጓስኡ ሩባ ወረዱ ጎቦ ደይቡ ክሓስብ ክረምቲ ከየስጠማቐራን ብሓሳብ ካብታ ሓንቲ ናብታ ሓንቲ ክናጠር መስከረም ኣርኪቡ። ደቂ ኣስመራ’ዉን ከምኡ። ካብ ጎደና ናብ ጎደና ክናጠሩ ብሓሳብ ክዛወኑ ክረምቲ ሓሊፉ።

‘’ኣይከረም’ዩ!’’ ብምባል ከኣ ይገልጽዎ። ልዕሊ’ቲ ስራሕ ‘’ተራ ሓሳብ ሓሲብና ተራ ስራሕ ከይንሰርሕ’’ ትብል ናይ ሓባር ለበዋ’ያ ከቢዳቶም።

ኣዉሪዶም ኣደይቦም፡ ይሕሸና ዝብልዎ ክሓስቡ ድሕሪ ምኽራም፡ ሓሙሻይ ዓመተ ትምህርቲ ዝጀመረሉ ግዜ ስለ ዝኣኸለ ኣብ ቤት ትምህርቶም ተኣኻኸቡ። ኣብ ጠረጴዛ ከቢቦም። ዝሓሰቡዎን ክስራሕ ኢሎም ዝኣመኑሉን ኩሉ ኣብ ጠረጴዛ ወሪዱ። ካብ ናይ ሓድሕድ ዘይበላለጽ ሓሳብ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ናይ ወደብ ገብረእግዚኣብሔር ሓሳብ ተሰማሚዖም- ቤተ መዘከር ሽዳ።

ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ቲቪ(Euro News) እናተኸታተለ እንከሎ’ዩ። ኣብ ዜና ብዛዕባ ኣዘርቫጃን ትብሃል ሃገር ይትንተን ኔሩ። ኣብ መንጎ እቲ ትንተና ሓንቲ ፍልይ ዝበለት ዓባይ ህንጻ ተዓዘበ። እታ ህንጻ መግለጺ መንነት ናይታ ሃገር’ያ። ፍሉይ ኣቃዉማኣ ኣድኒቅዎ። ኣብ ምድናቓ ዝጠፍእ ግዜ ግን ኣይነበሮን። ናብ’ታ ንዕኡን ኣባላቱን ድቃስ ዝኸልአት ፕሮጀችት’ዩ ሰጊሩ። ምስ ፍሉይነት ናይ’ታ ኣብ ቲቪ ዝዕዘባ ዝነበረ ህንጻ ብምህንዛብ ‘’ፍልይቲ ህንጻ’’ ከመይ ዝበለት ክረክብ ከም ዝኽእል ሓሰበ። ‘’ተራ ሓሳብ ኣይንሕሰብ ተራ ስራሕ ከይንሰርሕ’’ ትብል ለበዋ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ ከም መማቕርቲ በለጭ ክትብል ግድን ኔሩ።

እታ ዝሓሰባ ህንጻ ፍልይቲ መለለይት ህዝብን ሃገርን ክትከዉን ወሰነ። ንታሪኽ ትዉክል ክትከዉን’ዉን ምስ ነብሱ ተሰማመዐ። ምስ ባህሊ ትተኣሳሰር ክትከዉን’ዉን ተመነየ። ታሪኽን ባህልን ኣተኣሳሲራ ወለደታት ኣላጊባ  ትጓዓዝ ዘላ ሽዳ ብቐጥታ ኣብ ርእሱ መጺኣ ብልጭ በለቶ። እታ ኣብ ቲቪ ዝተዓዘባ ናይ ሃገረ ኣዘርባቫጃን ህንጻ፡ ንባህሎም ትዉክል ኮይና ኣብ  ሑቅፋ ዝተፈላለየ ዓይነት ዕዳጋታት ዝሓቖፈት’ያ።  እዛ ከም ህንጻ ክትቀዉም ዝሓለማ ህንጻ ኸ ከመይ ትኹን ዝብል ምጉት ምስ ነብሱ ገጠመ። ምስ ዘለዉና ቅርስታት ብምትሕሓዝ፡ ዋሕድን ሕጽረትን ቤት-መዘክር ንምሽፋን፡ ካብዚ ሓሊፉ’ዉን ንምዉካል ቅርሲ ሽዳ፡ ህንጻ ኮይና ንኽትቀዉም ምስ ነብሱ ተሰማመዐ።

ሃንደበት፡ ካብ ኮፍ ዝበሎ ብድድ ብምባል ስእለ ኣእሙሮኡ ኣብ ወረቐት ኣስፈሮ። ቀጺሉ ናብ ኣቦ ዓርኩ ኮ/ሌ ተስፋማሪያም (ሃለቃ) ተሃንፈፈ። ሃለቃ፡ ብዝሰመዖ ዕላል ብታሕጓስ ተሰራሰረ። ሽዑ ንሽዑ ተተኺላ ክርእያ ኣይጸለአን። ‘’ዕዉርሲ ጽባሕ ክትነቁሕ ኢኻ እንተበልዎ ብትሃዋኽ ጸዲፉ ሓደረ’’ ከም ዝብሃል ዓይነት ኮይንዎ። ምዕባለታትን መዓልቦኣን ክፈልጥ ደድሕሪኡ ጋሊቡ። ‘’ፎርሳ!’’ ኸኣ መዉጺኢት ኣፉ።

ምኽንያቱ፡እታ ብዘየምቲ ዝተዘይምርላ ሽዳ፡ ብገጠምቲ ዝተገጥመላ ሽዳ፡ ብቐባእቲ ዝተቐባኣላ ሽዳ፡ እታ ‘’ዋልታን እግርን ሰዉራ’’ ዝተባህለላ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ መንኮርከር ብምኻን ዘዙዓዘትን ሰዉራ ዘሳለየትን ሽዳ፡ እታ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ቕርሲ እትልለ ቢት ቕርሲ ኮይና ተተኺላ ክርእያ ስለ ዝተመነየ።

መሬት ምስ ወግሐ፡ ናብ ከኢላ ከተማ ፕላን(Town Planing) ኣርክተክት ኣለምሰገድ’ዩ ንተወሳኺ ሓበሬታ ከይዱ -ተማሃራይ ኢንጂኔር ወደብ። ኣርክተክት ኣለምሰገድ፡ ኣብቲ ሓሳብ ዘለዎ ኣድናቆት ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝኽእሎን ዝፈልጦን ርእይቶን ሓበሬታን ሂቡ ንተወሳኺ ሃበሬታ ናብ ኣርክተክት ሙሴ ሃብተ(ሚኒስትሪ ህንጻ) ሰዲድዎ። ኣርክተክት ሙሴ ብወገኑ፡ ዘድሊ ምጽብባቃት ጌሩ ዘድሊ እንተሎ ኣብ ጎኖም ከም ዘሎ ብምትብባዕ ጸጽቡቑ ብምምናይን ኣፋኒዎ።

ወደብ፡ በቲ ዘበገሶ ሓሳብን ዝሰነቖ ርእይቶታትን ሃጢሩ ንምጅማር ትምህርትን ምእካን ኣባላት እቲ ፕሮጆክትን ተጸበየ። ሰዓት ኣኺሉ – ኣባላት ጉጅለ ተኣኻኺቦም። ሓሓሳቦም ንምፍሳስ ‘ዉን ኣብ ጠረጴዛ ከቢቦም። ‘’ኢዚኣ . . .ከምዚኣ. .’’እናበሉ ሓሓሳቦም ሂቦም። ወደብ’ዉን ከም ሰቡ ሓሳባቱ ኣብ ጠረጴዛ ኣዉረደ። ኣባላት ጉጅለ ኣድናቖቶም ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ሓሳቡ ረዓሙ።

ከም ተራ ሓሳብ ክሰግሩ ኣይደለዩን። ‘’ተራ ሓሳብ ኣይንሕሰብ. . .ተራ ስራሕ ከይንሰርሕ’’ ትብል ለበዋ ኩላቶም ተመሊሳ ተዘከረቶም። ብዕብየት ሓሳባ ኸኣ ኪንዮ ምድናቅ ብሓጎስ ተሰራሲሮም። ጭድድ ፍንጭሕ በሉ። ምኽንያቱ ታሪኽን ትርጉምን ሽዳ ኣድዕዲዖም  ይርድእዎ ‘ዮም። ብመንፈስ ካብ ዝኽሪ ስዉኣት ኣያታቶምን  ኣሕዋቶምን ከም ዘይራሓቑ  ዝገልጸሎም ስለ ዝኾነ። ሕድሪ ስዉኣት ኣብ ምትግባር ካብቲ ክገብርዎ ዝግብኦም ሓደ ዕማም ከም ዝዓመሙ ዘርኢ ስለ ዝኮነ። ንህልዋት ብፍላይ ካኣ ነየታቶም ከም ፍልይትን ቦኽርን ህያብ ስለ ዝሓሰብዋ።

ነዛ ብሮጀክት ኣብ ምትግባራ ብማዕረ ተወናጪፎም፣ ካብ የማን ናብ ጸጋም ብኣካልን ብመንፈስን ጋሊቦም። ታሪኻዊ ምትእስሳር ወለዶታት ንምፍታሽን ርዝነት ሽዳ ንምልካዕን ካብ ዘለዉዎ እዋን ንድሕሪትን ንቕድሚትን ብሓሳብ ተንቀሳቒሶም። እዛ ቐርሲ፡ ቤት ቐሲ ኮይና ክርእይዋ ዕድመ፡ ጥዕናን ኣሳልጦን ተመንዮም።

ንነብሶም ከቢድ ሓላፍነት የሰክምዋ ከም ዘለዉ ንሓድሕዶም ተሰማሚዖም’ዮም። ርዝነትን ክብደትን ታሪኽ ሽዳ ጥራይ ዘይኮነ ቅርጻዊ ኣቃዉማ ሽዳ ኣብ ተግባራዊ ስራሕ ክኸብዶም ከም ዝኽእል’ዉን ከም ትሑዝ ወሲዶሞ ‘ዮም ግን ካኣ ከም ዝትግብርዎ ተሰማሚዖም።

ገለ ምንቅስቓሳቶም ዝተዓዘቡን ምኽሪ ዝተሓተቱን፡ ከም ዘይክእልዎን ሓሳቦም እንተቐየሩ ከም ዝሕሸሙን ርእይቶኦም ወስ ካብ ምባል ኣይተቖጠቡን። ‘’ኣቃዉማ ሽዳ ስሩዕ ኣይኮነን። እቲ ጋህ ዝበለ ክፋላት ከም ቅርጺ ንክቐዉም ከቢድ’ዩ። ምኽንያቱ ዓንዲ ከተቑሙሉ እንተ ኾይንኩም ቄናን ስለ ዝኾነ (90 ዲግሪ ስለ ዘይኮነ) ኣይትድከሙ’’ ብሃልቲ’ዮም።

ኣባልት ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ግን ነዚ ከም ርዱእ ወሲዶም፡ ነታ ‘’ ተራ ሓሳብ ሓሲብና. . .ተራ ስራሕ ኣይንስራሕ’’ ትብል መርገጺኦም ዘከሩ። ተራ ስራሕ ካብ ምስራሕ ግና ምስ ስጊንጢር ስራሕ ምግጣም ስለ ዝመረጹ ናህሮም ኣይነከዩን። መምሃራን ኢ.ኣይ.ቲ፡ ብፍላይ መምሃራን ሲቪል ኢንጂነሪን ኣብ ጎኖም ደዉ በሉ።

ጉጅለ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ዕማማ ብንጥፈት ተካይድ። ዝምልከቶ ኪኢላ ሰብ ተሓቲቱ። ኢንተርነት ተፈቲሹ። መጽሓፍ ተገንጺሉ። እታ ሽዳ ብዓባያ ፍርቂ ክቢ (Arch) ዝበዝሓ’ያ። ከምዚ ዓይነት ኣቃዉማ ዘለዎ ህንጻ ኣብ ዓድና ልሙድ ኣይኮነን። ብኸመይ ከም ዘቑምዋ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ክኾኖም’ዩ። ‘’ክንገብራ ኣለና፡ ክንገብራ ኢና’’ ግን መዉጺኢት ኣፎም ገበርዋ።

ኣብዛ ፕሮጀክት ‘ዚኣ ናይ ስራሕ ምክፍፋል (Jobe distrubition) ዝግበረሉ ጨኝፈር የለን። ኩሎም ብሓደ ክህሉዉ ኣለዎም። ብሓባር ይዝትዩ። ካብ ናይ ምምኻር ጊዜን ቦታን ምብኳር ማለት፡ ጋግ ናይ ስራሕን ናይ ሓሳብን ምፍጣር ማለት ስለ ዝኾነ። ብሓደ ህርመት ልብን ብሓደ ሱግምን ኣብ ሓደ መስመር ክህልዉ ኣለዎም። ኣብ ዕዮ ምስ ተተኽሉ  ቅንዕ ኣይበሉን። ካልእ ነገራት ኣይዘከሩን።

ምሸት ካብ መኣዲ ድራር  ተሰኦም ኣብ ማኣዲ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ምስ ከበቡ፡ ንግሆ መኣዲ ቁርሲ የርክቦም። ምስ ድቃስን ዕረፍትን ከም ዘይፋለጡ ተማዓዳድዮም ይጣማመጥቱ።

ዓዉዲ ‘’ሲቪል ኢንጅነሪን’’ ብዝያዳ ዘተኩረሉ፡ ቁጠባን ዉሕስነትን’ዩ። ገሊኦም ቁጠባ የቐድሙ ብዙሕ ገንዘብ ንዘይምህላኽ። ገሊኦም ዉሕስነት የቐድሙ ዝፈሰሰ ፈሲሱ ዉሑስ ዕዮ ንምዕያይ። እዞም ዉልዶ መሃንድሳትና፡ ቁጦባ ንየማን ኣጽኒሖም ኣብ ዉሕስነት’ዮም ጸቒጦም።

ንተገዳም ኣዕኑድ ዝስከሙ ዓንድታት ከብዝሑላ ኣይደለዩን። ኣብዘይ ቦትኦም ተተኺሎም ቅርጺ ሽዳ ከየበላሽዉ ምእንቲ፡ ምስጢራዊት ህንጻ ሽዳ ግን ብዓወት ክትዛዘም ኣለዋ። ግን ከኣ ዉሕሳት ክኾኑ ኣለዎም። ብዘይ ገለ ጸገም እንተወሓደ ክልተ ዘመን (200 ዓመት) ዕድመ ክህልዋ’ዉን ሓሊኖምን ሓሊሞሙን።

ቅማረታት ኣብዚሖም። ይድመር፡ ይጎድል፡ ይባዛሕ ይምቀል፡ ይስረዝ ይድገም፡ ይድገም ይደጋገም። ተተከልትን ተገደምትን ኣዕኑድ ብዉሕልነትን ብዉሕስነትን ክቖሙ ኣለዎም። ‘’እዚኣ ትቐነን፡ ኢዚኣ ትድነን’’ እናበሉ ብዙሕ ጊዜ ተኸራኺሮም። ኣብ መወዳእታ ኻኣ ኣብ ኣርባዕተ ነጥቢ በጺሖም።

ሞደል ተዳልያ(ስእሊ ተዓዘብ)። ናይ ክልተ ክፋል ዘለዋ ህንጻ ሽዳ። ካብ ፍርቂ ንቕድሚት (ናብ ኣጻብዕ ወገን) ካብ ፍርቂ ንድሕሪት (ቀንዲ ተረጋጺ ሸነኽ ሽኾና) ማለት’ዩ። ዳሕረዋይ ተረጋጺ፡ ግራዉንድ ፕላስፎር (በዓል ኣርባዕተ ደርቢ) ኮይኑ፡ ቢት ጽሕፈት፡ ቤት ምርምር፡ መጋዘን፡ ቢት ቕርሲ ባህላዉን ብሔራዉን(ብሔር) ዘጠቃለለ ክኸዉን። ቀዳማይ ተረጋጺ፡ ግራዉንድ ፕላስ ቱ (በዓል ክልተ ደርቢ) ኮይኑ፡ ማእከል ዘይንቀሳቐሱ ፍርያት ስነ-ጥበብ፡ ቢት ቕርሲ ብረታዊ ገድልን ንነገድቲ መዕረፍን ዝኸዉን ቤት መግብን ከም ዝህልዎ ብምሕላም’ዮም ኣቑሞማ። መከበቢያኣ ጥዉዮ ነጸላ ክኸዉን’ዩ። ካብዚ ወጻኢ፡ መዐሸጊ መካይን (Parking area) ክህሉ’ዩ። ከምዚ ክትከዉን ከላ ምስ ቤት መዘክር ብዙሕ ጊዜ ተመያይጦም  – ብዛዕባ ኣቃዉማ። ዶ/ር ዮሴፍ ልብሰቃል ዝነበሮ ተራን ዝገበረሎም ኣበርክቶን ዓቢ ከም ዝነበረ ይምስክሩ።

ብጉጅለ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ዝተዳለወ ሞዴል ህንጻ ሽዳ

እዛ ኣብ ዝባን ማይ ጮሆት ኣብ 37500m(250×150m) ክትቅመጥ ዝሃንደስዋ ፕሮጀክት ሽዳ እዚኣ፡ ስፍሓት ህንጻ ሽዳ 140×60 ክሽፍን’ዩ። ዝበዝሐ ክፋል’ዉን 30ሜ ብራኸ ከም ዝህልዋ ገይሮም ‘ዮም ኣዳልዮማ።

ኣብ ኮሌጅ ኢ.ኣይ.ቲ መቃልዒ (demonstration) ክግበረላ እንከሎ፡ እቶም ዝሰምዑ፡ ንሽዳ እንታይ ከም ዝገበርዋ ክዕዘቡ፡ እቶም ዘይሰምዑ ኻኣ ምሲጢር ዕዮኦም ክፈልጡ ብህንጡይነት ናብ ኣዳራሽ ወሓዙ። በቲ ስራሕ ኣድናቖት ዘይገለጸ ዳርጋ ኣይነበረን። ‘’ኣብ ባይታ ምኻኣልዋ፡ ኣይምኻኣልዋን’’ ዝብል ዝተኸፋፈለ ሓሳብ ዝነበሮም’ዉን መሊኢም።

ብዝኾነ ናይዛ ጉጅለ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ዕዮ ገዛ ተዛዚሙ ፍዳሴ ‘ዉን ኮይኑ። ጉጅለ ፕሮጀክት ሽዳ ግን ኣይደቀሰትን። ‘’ክሳብ ኣብዝስ በጺሕና፡ በቃ የእኪልና ማለት ዲዩ!’’ ዝብል ሓሳብ ድቃስ ከሊእዋ። ከም ብሓድሽ ብምርኻብ ካኣ፡ ኣይፍለጥን’ዩ ብምባል ንቦርድ ምህዞን ሰንዓን ሃማመተኤ ከርእይዋሞ ዝስዕብን ዝኸዉንን ክካታተሉ ወሲኖም።

ነዚ ድሕሪ ምግባር ኣብ ዝተረፈ ዋኒን ትምህርቶም ተዋፊሮም። ‘’ኮይንዋ ሞዴል ኮይና ተሪፋ ማለት ዲዩ!’’ ዝብል ሓሳብ ግን ዕረፍቲ ከልኦም። ‘’ተራ ሓሳብ ኣይንሕሰብ ተራ ስራሕ ከይንሰርሕ’’ ትብል ጭርሐኦም ድምጺ ደወላ ካብ ርእሶም ምዉጻእ ኣበየ። ተራ ስራሕ ብዘይምዃና ክድቅሱላ ኣይደለዩን።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ምሕቋን ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ’ዩ ‘ምበኣር ሃማመተኤ ብላምባዲና ነታ ጉጅለ ፈቲሹ ዝረኽባ። ድሕሪ ቀጻሊን ጽዑቕን ምትብባዕ ካኣ፡ ኣብ ፈስቲቫል መንእሰያት 2012 ሳዋ ክሳተፋ ካብ ዝግበአን ዕዮታት ሓንቲ ከም ዝኾነት ነታ ጉጅለ ተነግራ። እናጣዓመ ኸደ። ጉጅለ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ብታሕጓስ ትኾኖ ጠፍኣ። ከም ስርዓት ነጢራን ዓንዲራን።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ መንበር ሃማመተኤ ሒዝዎም ናብ ኩባንያ ህንጻ ሰገን ተሃንፈፈ። ሓላፊ ኩባንያ ህንጻ ሰገን ሓጎሱ መግለጺ ስኢኑሉ። ኪንዮ ሞዴል ከይዳ ከም ህንጻ ቆይማ ክርእያ ተመነየ። ብምርድዳእ ድማ፡ እታ ክንዲ ፈርኔሎ ዝነበረት ሞዴል ክንዲ ገዛ ኮይና ከም እትዳሎ ተገብረ። በጣሕ ተወጢሓ ኻኣ ጉዕዞ ንሳዋ ተተሓሓዘቶ – ኣብ ፈስቲቫል መንእሰያት ሳዋ -2012 ንምራኢት ንምቕራብ።

ጉጅለ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ብታሕጓስ ተደናፊቓ። ሕጂ’ዉን እናጣዓመ ኸደ። ኣብ ሳዋ ንምርኢት ቀሪባ። ፕረዝደንት’ዉን መሪቑ ከፊትዋ። ኣድናቖቱ ድህሪ ምግላጽ ካኣ ‘’ኣብ ትግባሪኣ የራኽበና ኢልዎም ከይዱ። እቲ ዘረባ ኣይተረደኦምን። እንተስ ተደናጊሮም እንተስ ‘’ከተባብዓና ኢሉ’ዩ ‘ምበር. .’’ ኢሎም ተጠራጢሮም ዘተንፈስዎ ኣይነበረን።

‘’ክርእይዋ ዝግብኦም ሰባትን ኣካላትን እንቋዕ ረኣይዋ ‘ምበር ደሓን . ‘’ ኢሎም’ኳ ተስፋ ተሰሚዕዎም ሩፍ እንተበሉ፡ ከምቲ ዝድለ ግን ኣይቀሰኑን። ኣብ ሓደ ሰዓት ናይ ሓንቲ መዓልቲ ተለፎን ተደዋዊሎም። ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሱልጣን ሲዒድ’ዩ ኔሩ። ብኣገዳሲ ጉዳይ ይድለዩ ስለ ዝነበሩ ተኣኪቦም ክመጽእዎ ሓቢርዎም። እታ ሓንቲ ጓል-ኣንሰተይቲ እትርከብ ጉጅለ መሃንድሳት ግን ኣብ ሓደ ሰዓት ክትተኣኻኸብ እትኽእል ኣይነበረትን። ምኽንያቱ እቶም ሓሙሽተ ካብቶም ዓሰርተ ሓደ ኣባላት እታ ጉጅለ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ማለት ዓንደብርሃን ሃብቶም(ድባርዋ)፡ ረዲአት ሃብተማርያም (ዓረዛ)፡ ተስፋዝጊ ወልደጼን(ሃይኮታ)፡ ተወልደ ወልደሚካኤል (ከባቢ ሞልቂ)፡ ሓሽም እድሪስ(ናቕፋ) እዮም።

ብዝኾነ፡ ኣቶ ሱልጣን፡ ኣባላት ጉጅለ ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ምስ መጽእዎ ሒዝዎም ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ከይዱ። ኣብ ሓደ ኦፊስ ኣትዮም። ኣበይ ከም ዘለዉን እንታይ ከም ዝግምቱን ኣይተረደኦምን። ‘’ኣበይ ኢና ዘለና?’’ ዝዓይነቱ ቀባሕባሕ እናበሉን ንሓድሕዶም እናተጠናመቱን እንከለዉ ፕረዝደንት መጺኡ። ተደናጊሮም። ክገልጽዎ ዘይኽእሉ ስሚዒት ወሪርዎም። ከይተረድኦም ካኣ ሃሰሰሰ እናበሉ ኮፍ ክብሉ ደለዩ። ፕረዝደንት፡ ‘’ኦይ! ንኺድ ደኣ ዘንደቀይ! ኢሉ ሒዝዎም ከይዱ። ናብ ቦታ ፕሮጀክት። ናብታ ‘’ኣብ ትግባረ የራኽበና’’ ዝበሎም ‘’ፕሮጀክት ሽዳ’’ ንምትግባር ምስኦም ወፊሩ። ናብታ ታሪኽ ገድሊ ክትገልጽ ሓወልቲ ንኽትከዉን ቤት-መዘከር ኮይና ታሪኽ ክትሓቁፍ፡ ኣብ ዉሽጣ ምስጢራዊ ህንጻ ቤተ-ቕርሲ ንኸትቕዉም ብመንእሰያት ዝተሃንደሰት ቅርሲ ሽዳ ብሓባር ወፊሮም።

መጽሔት መንእሰይ

2012 ቁ፡36

Posted in Uncategorized | 2 Comments

20 ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ‘’ድኳን ትበርህ’’

’ኣጆኻ ኣነ ኣብዚ ከትርፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ምሳኻ ሒዝካኒ ኺድ፡’’

‘’. . . .ብዙሕ ድምጺ ኣይሰምዐን፡ ዝባና ዝቀለዐት ሰሚራ ካብቲ ጸልማት ዉሻጠ ናብ ሙሉእ ኣካላቱ ተኻዕያቶ። ሽታ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ንኣፍንጭኡ ሰርሲሩ ክኣቱ እንከሎ ተሰሚዕዎ። ብጸሓይን ብንፋስን ዝተረረ ከናፍራ ምስ ከናፍሩ ብሓጎስ ተፋሕፊሑ ኣድሚይዎ። ኣካላታን ኣካላቱን ተዋሓሒጦም፡ ብዝመንጨወ ረሃጽ ዝተበረዘ ደሮናታትን ጨናገረድን ነቲ ናይ ፍቅሪ ቃልሶም ኣልዚቦም ብሰልሚ ባህታ ናብ ናይ መወዳእታ ዕግበት ድላይ በጺሖም። ከምዚ’ሉ ድማ ብሕቡር ግጥሚ ህርመትን ድልየትን ፍቕርን ለይቲ ናብ ወጋሕታ ኣረኪብዎም።

ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ካብ ልዋም ድቃስ ከተስኡዎ እንከለዉ ሰሚራ ኣይነበረትን። ስሚዕቱ ዓጊቱ’ምበር፡ እቲ ክድሃዩ ዝመጸ ተጋዳላይ፡ ሃብተ ነቒሑ ዘይምጽንሑ ዝተገረመ ይመስል ነይሩ። ሃብተ’ዉን ቀልጢፉ ተረዲእዎ ኣብ ክዳዉንቱ ክጠልቕን ጥቕላል ጾሩ ኣልዒሉ እግሪ እግሪ መረሒኡ እናተኸተለ ናብታ ማኪና ዘሊሉ ክድይብን ጊዜ ኣየሕለፈን።

ብኡ ንብኡ እታ ብዉሕሉል ጥበብ ናብ ተንቃሳቃሲ ገረብ ተቀይራ ዝነበረት ማኪና ብሓንሳብ ሰላሕታዊ ጉዕዞኣ ጀሚራ። ሃብተ ምሉእ ኣቓልቦኡ ናብ ድሕሪት ገይሩ ካብቲ ጫፍ ጎቦ ናይ ሰሚራ መፋነዊ ሰላምታ ንኽሪኢ ብዉሽጢ ልቡ እናተመነየ መገሽኡ ቀጺሉ። ማኪና ድማ ስምዒቱ ከይተረድኣ ካብቲ ብናፍቖት ዝጥምቶ ዝነበረ ዕላማ ብቐጻሊ እናራሓቐቶ ክትከይድ እንከላ፡ እቲ ዝቋመቶ ዝነበረ ቦታ ብቐጻሊ ኸኣ ቀስ ብቐስ ኣካላቱን ምልክቱን እናቐያየረ ካብ ዓይኑ ተሰዊሩ ጠፊኡ። ደሓን ኩን ክትብሎ ከም ዘይሃቀነት ምስ ኣለጋገጸ ገጹ ንቕድሚት ገይሩ ክጎዓዝ ጀሚሩ። መጀመርያ እዚ ዘይብሃል ክብደት ጓሂ ንዓይኑ ሸፊንዎ። ድሕሪ ኽንደይ ግን ካብ ዉሽጢ ዝነቐለ ድምጺ ኣብ እዝኑ ሕሹኹ ክብሎ እንከሎ ተሰሚዕዎ ‘’ኣጆኻ ኣነ ኣብዚ ከትርፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ምሳኻ ሒዝካኒ ኺድ፡’’ እቲ ለበዋ ሓቂ ምኳኑ ብቕጽበት ተረዲእዎ። ምስኡ ሒዝዋ ይኸይድ ከም ዝነበረ ኣብ ንስነቱ ዝሰረጸ ብዙሕ መዘኻኸሪ ነይሩዎ። ኣብቲ ሽታ መኣዛታት፡ ቃናታት መልክዕ ምድሪ ኤርትራ ክዕብልል እንከሎ ስለ ዝተሰመዖ ሰሚራ ምስኡ ትኸይድ ከም ዝነበረት ኣረጋጊጹ። ንሳ ካብኡ እንታይ ከም ዘትረፈት ግን ደፊሩ ከነጽሮ ኣይከኣለን።’’( መጽሓፍ ድኳን ትበርህ፡ ገጽ 90-91)

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ በየነ ሃይለ ዝተወሰደ ስእሊ፡

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ በየነ ሃይለ ዝተወሰደ ስእሊ፡

በየነ ሃይለ እቲ ፖሊማት

 ዓሚ ከምዛ ሎሚ፡ 29 ሰነ 2012 ኤርትራ ሓደ ግዙፍ ሰነ-ጥበባዊ ሰብነት ኸሲራ፡ ደራሲ፡ ቀባኣይ፡ ቀራጻይ፡ ገጣሚ፡ ጸሓፊ ድራማ፡ ወራቢ ሙዚቃን ናይ ምሕደራ ባዓል ሞያን ዝኾነ በየነ ሃይለ። በየነ ሃይለ ኣብ 1941 ካብ ኣቡኡ ፊተዉራሪ ሃይለ ካሳን ኣዲኡ ውይዘሮ ዘዉዲቱ ኪዳነ.ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። እታ ናይ መጀመርታ መጽሓፉ ዝኾነት ”ዓቢዱ ዶ ትብልዎ’፡ ዘርእስታ መጽሓፉ  ክጽሕፋ ኸሎ ገና ወዲ 18 ዓመት እዩ ኔሩ። በዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ካብ መዛንኡን ወለዶኡን ጸብለል ዝበለ ባዓል ገፊሕን በሊሕን ኣእሙሮ ምንባሩ ይበርሃልካ። ”ጻዊዒት” ይብሎ ንሱ ፡ ንጻዊዒቱ ከዳምጽ ድማ ቅርቕረ ልቡ ናብ ዝመረሖ ኣንፈት ብምምራሽ ከም ሓደ ኣልከማዊ ኣብ መገዲ ሂወት ነዊሕ ተጓዒዙ። ስደትን ፍንጢጋር ናብሩኡን ጸይሩ ን ኤርትራ ንናጽነታ ዝሙጉስን ዘረድእን ስነ-ጥበባዉን ኣእሙራኣዉን ሂያብ ኣበርኪቱላ። በየነ ሃይለ።

39 ዓመት ድሕሪ ምዝርጋሕ መጽሓፍ ‘’ ዓቢዱ ዶ ትብልዎ’( ናብ ቃንቓ ኢንግሊዝ  ”MEZGEBEHE would you think he is mad” ብዝብል ኣርእስቲ ተቶርጒማ ትርከብ)፡ በየነ ሃይለ ‘’ ድኳን ትበርህ’’ ዝሰመያ ትንግርታዊትን ኣካታዒትን መጽሓፍ ንንባብ ከም ትበቅዕ ገይሩ። እታ መጽሓፍ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ እቲ ሂወት ኣሻሓት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘህለቀን ንሂወት ክልቲኡ ህዝብታት ዘበሳበሰን ኩናት ምዝርግሓ፥ ነቲ በቲ ኪናትን ብሰንኩ ዝሰዓበ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ነዉጺ ደንዚዙ ዝነበረ ኣእሙሮ ኤርትራ ዘበራበርትን ዘነቃቐሐትን ፥ ሓድሽ ኣንፈተ-ርእየት ነገራት ዝሓበረትን ኣድባዕሊላ መጽሓፍ ኢያ።

እታ መጽሓፍ ምስ ኩሉ ሰነ-ጥበባዉን ቃንቓዉን ጽባቀኣን፥ ብሃብታም ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ዝተጠቕጠቐት’ዉን ‘ያ። ሽሕ እኳ ብኤርትራዉያን ሙሁራን ብዓይኒ ጥርጣረን ነቀፈታን እንተተራኣየት ሻሕ ሻሕ ዝብል ናእዳን ነቀፈታዊ ሞጎስን ካብ ምጉንጻፍ ግዳ ኣይተዓገተትን። ድሮ ንድሮ ድማ በየነ ሃይለ ማዕረን ልዕልን እቶም ኣብታ ስንክስራዊት መጽሓፉ ዝፈጥሮም ገዘፍቲ (ሆሞርዉያን) ጠባያቱ፡ ኣብ መድረኽ ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ በሪኹ ተራእዩ። ብብዙሓት ኣብቲ ዓዉዲ ብትግሃት ዝዋስኡ ሙሁራትን ጸሓፍትን በየነ ሃይለ መዘና ዘይብሉ ደራሲ ምኻኑ ተመስኪሩሉ። ንኣብነት፥ ኣብ መዳይ  ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ እንተሪኢና ፕሮፈስተር ግርማይ ነጋሽ ተቃጻጺ ዘይተረኽቦ ዝለዓለ ባዓል መዚ ኢዩ። ንኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንኽረክብ ከይ ተሓለለ ኣብ ምዕያይ ዝርከብ ዓቢ ሙሁር’ዉን  ኢዩ። ኣብ ሓደ  ንመጽሓፍ ‘’ድኳን ትበርህ’’ ዝግምግም ዓንቀጹ

‘’ ብመገዲ በየነ ሃይለ፡ ኤርትራ ናይ ሕሉፍን ህልዊን ባህላን ታሪኻን ዝስንድን ዝትንትንን ብደረጃ ዓለም ዝስራዕ ደራሲ ረኺባ ኣላ።’’

ብምባል ንበየነ ሃይለ ይገልጾ።

ኣብ 2006: በየነ ሃይለ ‘’ትጽቢት ባህጉ’’ ዝሰመያ ካልእ ካብ ‘’መጽሕፋ ድኳን ትበርህ’’ ዘይትሰንፍ መጽሓፍ’ዩ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ። 2 ዓመት ጸኒሑ ፡ ኣብ 2008 ዓ/ም ‘’ወግዒ ልቢ’’ ዘርእስታ ተምሃሮ ዉኒቨርስቲ ኣስመራ ዝተዋስእዋ ናይ መድረኽ ድራማ ኣቕሪቡ። ነታ ብኣብራሃም ተስፋሉኡል ዝተኣለየት፡ ቅድሚኣ ካብ ዝቀረባ ድርማታት ኣዝያ ዝተፈለየት ብርቂ ስራሕ ምኻና ብቡዛሓት ተዓዘብቲ ዝተመስከረላ ድራማ ዘሰነየ ሙዚቓ’ዉን ባዕሉ፡ በየነ ሃይለ ዝወረቦ እዩ ኔሩ። ካብ ሰነ-ጹሑፍ ወጻኢ፡ ኣብ ቅብኣን ቅርጻን ፍሉይ ግዳሰን ሕልፍ ዝበለ ክእለትን ዉሕልነትን ከም ዝነበሮን ኣቤት ዘበለ ናይ ምሕደራ ባዓል ሞያ ምንባሩን ምስ እንዝክር ኸኣ ብቅጽበት በየነ ሃይለ ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ዝበለጹ ሰባት ምንባሩ ኢና ንርዳእ። ብዘይ ምግናን ምስ እኒ ሊናርዶ ዳቪንቺ፡ ቫን ጎተ፡ በንጃሚን ፍራንኪሊንን ኣይዛክ ኒውይተንን ዝስራዕ ብሉጽ ሰብ ወይ ብግሪኻዊ ኣጸዋዉዓ ድማ ፖሊማት ኢዩ።

               

 ‘’ድኳን ትበርህ’’ እታ ዘይትጠፍእ ሰነ-ጽሑፋዊት ቀንደል

ኩቡራት ኣሕዋት መንቀሊ እዚ ጽሑፍ  ታሪኽን ኣድማዕነትን በየነ ሃይለ ንምትንታን ኣይኮነን። ንሱስ ንሰነድቲ ታሪኽን ተመራመርትን ምግዳፉ ዘምሕር ይመሰለኒ። ብዛዕባ መጽሓፍ ‘’ ድኳን ትበርህ’ ግዳስ ከም ዝሃበንን ከም ዝኾነለይን ገይረ ኣስፊረዮ ኣሎኹ።  እዚ ጽሑፍ ግና ንምግምጋማ ዝዓለመ ዘይ ምኻኑ ከም ትርድኡለይ ባዓል ብዙሕ ሃረርታ ‘የ።

ንመጽሓፍ ‘’ድኳን ትበርህ’’ ካብቲ ፈለማ ዝተዘርግሓትሉ ጊዜ ጀሚረ ስጋብ ‘ዛ ሕጂ 5 ሳብ ኣንቢበያ ኣለኹ። ገለኹም 10 ፣ ገለኹም 12  ሳብን ትሕቲኡን ዘንበብኩማ ከም ትህሉዉ እኣምን።  ነቶም ጨሪሽኩም ዘየንበብኩማ ፍትዋት ኣዕሩኽተይ’የ ድማ ነዘን ትሒተን ተር ኢለን ዘለዋ 20 ጥቕስታት ንሎሚ ምሳኹም ዝካፈለን ዘለኹ።

ንመጽሓፍ ‘’ ድኳን ትበርህ 5 ሳብ ኣንቢበያ ኢለ ዶ ተጃሂረልኩም ጸኒሐ ሓቀይ። እታ ሓሙሸይትስ በሉ ቅድሚ ሰሙን ኢያ ነይራ። ኣኣብ ነታ መጽሓፍ ዘንበብኩሉ ጊዚያት ድማ ብዘይ ስምዒት ምስልቻዉን ምምናዉን ከም ፈለማይ ብጋህታፍ ሸዉሃትን ሃንዳፍ ወንን የንብባ ምንባረይ ወትሩ ‘ዩ ዝገርመኒ። ብዙሓት ፈለጠይ እታ መጽሓፍ፡ ብነዋሕትን ዓጸቅትን መስመራት ዝተነድቀት ብምኻና፡ ካብ ቀዳማይ ገጽ፡ ቀዳማይ ሕጡበ-ጹሑፍ ክሰግሩ ምሒር ከም ዝተሸገሩ፡ ‘’ኔዉ በላ’’ ብዘስምዕ ቆላሕታ እናጠመቱ  ክምልሱለይ ከለዉ ግን ዝያዳ እግረም።

ብልበይ ግን ሲ . . . .

ምስ እኒ ባዓል ትበርህ፡ ጸጋይ፡ዶክተር ጃብር፡ ሕርይቲ፡ ትርሓስ፡ ጉዕላይን ኣቡኡን፡ ረጋድ፡ ዓብዱ፡ ዶክተር ኣሚና፡ ዳንድሽን ሚላሹ ጓሉን፡ ሃብተን ዓደንን( ናይ ቀደም ሽማ ኤደን ኢዩ)፡ ሰሚራ፡ ወዲ ዶንጎላ፡ ወዲ ጸጸርን ከይተፋለጡ እነብሩ ምህላዎም ይድንግጸሎም። ካብ ሂወት ንዝዓቢ ሓቒ ንምፍላጥ ምማት፡ ካብ ነዊሕ ዕድመ ምንባር ይሓይሽ በሃላይ ኢየ። ብሂወት ነይሩ እናተባሃልካ፡ብዛዕባ ‘’ምሸት ሕርይቲ’’- ኣብ እንዳ ዳንድሽ ባር ዘምሰየ ያዕያዕ፡ዕግርግርን ተዋስኦን ከይሰማዕካ ምንባር ሲ ምንባር ደኾን ኢዩ ክብሃለለይ።

ሕርይቲ ጥራሕ ዕርቃና ኮይና ‘’ብምንታይ ኢኹም ትሪኡ?’’ እንበለት ሰብ ከም ዘዋጠረት ከይፈለጥካ ምንባር ሲ፡ ምንባር ድዩ ክሕሰበለይ!

ናይ ዓብዱ ‘’ፍልስፍና ዕንበባ እምኒ’’፡ ናይ ጉዕላይ ‘’መድረኽ ፍጹም ተኽኡለታት’’ ዝመሰሉ ንሓፈሻዊ ክልሰ-ሓሳብ ህንጸት ኣብ ኩሉ መዳይ ዝድርዑ ሓሳባት ከየስተንተንካሎም ምንባርሲ፡ ምስ ምንባር ድዩ ክሕሰበለይ!

እንድዒ! እንድዒ! እንድዒ!

ብዝኾነ 20 ጥቅስታት ተባሂለን ኣብ ታሕቲ ሰፊረን ዘለዋ ነጥብታት፡ ንህንጡይ ነባቢ ይድርኻለይ ዶ ካብ ዝብል ሕያዋይ ሕልና እምበር፡ ካብ ‘’ድኳን ትበርህ’’ ትኣክል መጽሓፍ 20 ጥቅስታት ጥራይ ምዕዳን ብሓቂ ብሓቂ ኣመና ዉሑድ ኢዩ።

ሰናይ ንባብ . . . . .

1.ንዓይ ዝገርመኒ፡ ኣድማስ ንደቂ ሰብ ርሑቅ ኢዩ ዝመስሎም፡ ብተመኩሮይ ግን ኣድማስ ዉሱንነት ዓይኒ ሰብ መረጋገጺ እምበር ጥቃ ፍጹም ርሕቀት ኣይቀራረብን ኢዩ።(xii)

2. ሓደ ክኣልሞ ዝጸነሐ ፈጠራዊ ዛንታ ካልእ ክዛዝሞ ድሕሪ ኽኢሉ – ማለት እቲ ቀዳማይ ዘብጸሖ ዉሱን ምዕራፍ ጉዕዞ ሂወት ብዘይ ጥርጥር ኣለልዩ ክቅጽሎ ድሕሪ ኽኢሉ – ካብዚ ዝዓቢ ሓድነት ወዲ ሰብ ዝምስክር ተግባር ዘሎ ኣይመስለንን። ብሕልፊ ድማ ኢንተርነት ንጸርፊ ዘይኮነስ ነዚ እንተ ነዉዕሎስ ክንደይ ዝገጣጠም ድርሰት ምኣከብና። (xvii)

3. ምዉት ይረሳዕ፡ ሕሉፍ ኣይዘከር እናበሉ ምስ ቀደም ክፈልዩኻ ዝደልዩ ክብሪ ኣይትሃቦም።(xv)

4. ርኢኻ! ናጽነት’ዉን ከምኡ ኢዩ ዝገብረካ። ህሩግ ምስ በለካ ዳርጋ ናብ ተገዛእነት ህደም ኢዩ ዘብለካ። (5)

5. መጀመርያ ኩሉ ክትሓዋወስ ኢዩ፡ ክሕበር ኢዩ፡ ክፋሕፋሕ ኢዩ፡ ክጻዓር ኢዩ፡ ድሓር ክዉለድ ኢዩ! (11)

6.ኩሎም ሕቶታት ሂወት ዝምልሽ ትካል ትምህርቲ የለን፡ ኣብ ካልእ ተማሕጸን፡ ናብ ሂወት ስገድ፡ ተሰደድ፡ ሞባት ኣዉድቅ፡ ብሂወትካ ተማባጻዕ፡ ዕበድን ተጸለልን፡ ሓሙኽሽቲ ተለኸ፡ ስብሒ ገንቢ ቕንፍዝ ተቀባእ፡ ኣብ ዉሽጢ ሙቁሕ ዓለም እቶ፡ ኣብ ጭቃ ተለዊስካ ካብኡ ብቆል። (17)

7. ናጽነት ከቢድ ጾር ኢዩ። ክብደት ኣሎዎ። ብርቱዕ ጸቅጢ የዉርድ ኢዩ። ጸቅጢ ናጽነት ሕሱም ኢዩ። ብኻልእ ዝዉሰን ዝነበረ ኹሉ፡ ናይ ዉልቂ ይኩን ናይ ሓባር ባዕልኻ ዉስን ኢዩ ዝብለካ ናጽነት። እንተዘይወሲንካ ንኸይ ትዉስን ወሲንካ ኢዩ ዝብለካ። ካብ ምዉሳን ዘምልጥ የልቦን ኢዩ ዝብለካ ናጽነት።(21)

8. ካን ወጻኢ ሃገራት ይምጻእ ኣብ በረኻ ወይ ኣብዚ ይጽናሕ፡ ኩሉ ሓቂ ሂወት ኣብ መሸጓሹግ ሳንዱቅ ኣስመራ ዘሎ መሲልዎ ይፍትሽ ኣሎ። ሳንዱቅ ኤርትራ ዘሎ ኣይመስሎን ወይ ከኣ ኣይተራኣዮን። እቲ  ጠፊእዎ ዘሎ ኣነጺሩ ስለ ዘይፈለጠ

ስነ-ኣእሙራኣዊ ጭንቀት የሕስሮ ኣሎ። ገሊኦም እሞ ናብታ ሂወት ኤርትራዉያን ዘጥፈአት ሃገር ከይዶም ነፍሶም ዝእልሹ ኣይተሳእኑን። እቲ ዝደልይዎ ግና ኣብ ገማግምን ማዓሙቅን ባሕሪ፡ ኣብ ከርሲ ምድሪ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ዉሽጢ ሕልናኦም ኮይኑ ይስሕቆም ኣሎ።(22)

9. ምናልባት ኣነ ሓደ ካብቶም ዝተዓደሉ ኢየ፡ ዝጠፋኣኒ እፈልጥ ዝረኸብክዎ ኸኣ እፈልጥ፡ ዓቢ ዕድል ኢዩ። ካልኦት ዝጠፍኦም ዘይፈልጡ፡ ዝረኸብዎ ዘየለልዩ፡ ዝደለይዎ ዘይእምቱ፡ ካብ ሕሉፍ ዝሃድሙ፡ ንሕጂ ዝኽሕዱ፡ ንመጻኢ ዝፈርሑ ኣለዉ።(22)

10. እቲ ጥንታዊ ባህልና ድሕሪ መሊስና ተኺልናዮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓድን ቤተ ሰብን ዴሞክራስያ ኣተኣቲና ማለት እካ ኢዩ። ከምዚ ሕጂ ዝብሃል ዲሞክራስያ ካብ ሰማይ ዝወርድ ዘይኮነስ ኣብ ምድሪ ዝበቁል ክኸዉን ኢዩ። መራሒ ከምቲ ቀደም ብቆጽሊ ኣባላት ድሕሪ ተመሪጹን ባይቶ ድሕሪ ማዕቢሉን ካልእ እንታይ ይድለ።(35)

11. ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ንዝነበረ ህዝቢ ካብ ኣፍሙዝ ጠበንጃ ናብ ዓይኒ ካሜራ ከተሰጋግሮ ከቢድ ኢዩ።(42)

12. ርእሰ ተኣማንነት ብዘይ ባንደራ ክርከብ ኣይክኣልን’ዩ።(76)

13. ካብቲ ናጽነት ምርካብና ዘጠራጥረና ቐንዲ ምኽንያታት፡ ገዛእትና ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣበሃህላን፡ ኣሰራርሓን፡ ኣተሓሳስባን፡ ኣደራርፋን፡ ኣጸራርሓ ጎደናታትን ክጎንፉና ኸለዉ ስለ ዝኾነ ኩሎም በብሓደ ቅሂሞም ክሳብ ዝጠፍኡ ባንደራ ምርኣይ ሓጋዚ ኢዩ።(77)

14.ንሂወት ክንዲ ተዋስኦ ዝቀርባ ዘመድ የብላን።፣(83)

15. ድኹም ሰብ ህልዉናኡ ኣብ ካልእ ሰብ ቃንዛ ብምፍጣር ኢዩ ዘመስክር። (116)

16. እቲ ሓቂ ብጽላሎት ድንቁርናኻ ይሽፈን ኣሎ  ብርሃን ኣርእዮ በጃኻ! (131)

17. ናይ ገዛእ ርእሱ ተእማንነት ዘይብሉ ሰብ ብስም ጉጅለ ወይ እካበ ሰብ ጥራሕ ኢዩ ህልዉናኡ ከረጋግጽ ዝጽዕር። (153)

18. ስራሕ ድሕሪ ዘይተመሊኹ እቲ ስራሕ ሓርማዝ ይኸዉን እቲ ሰብ ድማ ኣንጭዋ ይኸዉን። እቲ ስራህ ድሕሪ ተመሊኹ ኣንጭዋን ይኸዉን እቲ ሰብ ድማ ሓርማዝ ይኸዉን። (255)

19. ብዙሓት ሰብ ሞያ፡ ወለዲ፡ መምሃራን፡ መራሕቲ ዝገብርዎ ጌጋ ኣሎ፡ ሕሙም ባዕሉ ከም ዝፍወስ፡ ተማሃራይ ባዕሉ ከም ዝመሃር፡ ሰብ ባዕሉ ከም ዝምራሕ ኣይፈልጡን። (355)

20. ዋጋይ ክፈሉኒ ካብ ዝብል ኤርትራዊ ትካልን ዉልቀ ሰብን የድሕነና(378)

ሰሰናዩ!!

 

 

Posted in ስነ - ጥበብ | 2 Comments

ንምንታይ እጽሕፍ፣ ብኸመይከ?

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ በየነ ሃይለ ዝተወሰደ ስእሊ፡

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ በየነ ሃይለ ዝተወሰደ ስእሊ፡

ብበየነ ሃይለ

ነዚ ሕቶ ንሰብ ዘይኰነስ ንነብሰይ ኢለ’የ ክቃለሶ ክፍትን። እቶም ነዚ ክጽሕፍ ዝሓተቱኒ ሰባት፣ ንኣንበብቲ መጽሔቶም ዘርዊ ጽሑፍ ክረኽቡ ብውሽጢ ልቦም ስለዝምነዩ፣ የንውሓልና’ዶ ይሕጽረልና! የመቅሮ’ዶ የምጽጾ! ሸውሃት ኣንበብትና የጕድም’ዶ የብልሕ እንዳበሉ እንተ ተሻቐሉ ኣየኽፍኣሎምን። ኩሉ ቀራብ መጽሔት ድቃስ ዝስእነሉ ንቡር ስክፍታ እዩ። እቶም ኣውሃሃድቲ መጽሔት ተስፋ ብዘይቀብጽ ትምኒት ተመሪሖም ተኣምራዊ ጋህዲ እንተ ተጸበዩ’ውን መን ይፈልጥ! ነዚ ናይ ሃገር ከቢድ ጾር ኰይኑ ዘሎ ሕቶ ዘፋዅስ ሰብ ከይተጸበይዎ ደበኽ እንተ ኢሉሎም’ሞ ኽኣ ንኣንበብቶም ብምሕጓሶም ክሕጐሱ እዮም። ምኽንያቱ ሕቶኦም ሕቶ ኩሉ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ቁጽሮም ኣይፍለጦም ድኣ’ምበር፣ ብዙሓት ፈጠራዊ መጽሓፍ ካብ መዓሙቝ ሂወቶም ክደርሱ ዝጽበዩሉ ዘሎ ግዜ እዩ ዝመስል። እቲ ክንገር ዘለዎ ዛንታ ኣብ ውሽጢ ሰብ ኰይኑ የእዊ’ሎ ዘብል ወቕቲ እዩ። ተዓቢጡ ዘሎ ብርሃን ስነጽሑፍ ፈንጺጉ ንኽውጽእ ዘስምዖ ዘሎ ነጐዳ ተለላያይ ድምጺ ኰይኑ ኣሎ። እንታይነት ፈጠራዊ ድርሰትን ደራስን ከም ሕጂ ኣብ ኢድ ምላሽ ዝጽበዩ ሓተትቲ ወዲቑ ኣይፈልጥን። ንኽጽሕፍ መፍትሕ ሃብታም ተመኵሮይ ሃቡኒ ዝብሃለሉ ግዜ በጺሕና ከይንኸውን እየ ዝብል።
ግን ቀሊል ኣይኰነን። ኣይከምሕቶኡን። ምጽሓፍ ክብል እንከለኹ ናይ ፈጠራ ጽሑፍ ማለተይ እየ። ብዛዕባ ስነጥበባውያን ደረስትን ስነጽሑፎምን’የ ከስተንትን ደልየ ዘለኹ። ንኣብነት ከም ንውሕ ዝበለ፣ ሕጽር፣ ወይ ማእከላይ ዝዀነ ፈጠራዊ ዛንታታት ወይ ድማ ተዋስኦታት ማለተይ እዩ። ንግጥሚ’ውን ብኽቡር ደረጃ ኣባል ስነጽሑፍ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ጎይታ ስነጽሑፍ እንተተባህለ’ውን ዒራ ብግሁድ ኣይተተጠቐምኩሉን ኢለ ኣይምተቓወምኩን። ዋና ድሕሪ ረኺቡስ ሓኸለ ስነጽሑፍ ምዃኑ ብልበይ እየ ዝኣምን። ገሊኦም ዝተዓደሉ ክንፊ ግጥሚ ተወጢሖም ዝበጽሕዎ፣ ማለት ንርሕቀቱ ኰነ ንዕቤቱ ዝመዝን ማእለያ ዘይብሉ ሃዋህው ስምዒት የቕንእ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ክብልዎ ዝደልዩ ክብሉ እንታይ ይተርፎም እብል ኣብ ጽምዋ ሓሳበይ ኰይነ። ኣብ ውነ ፍርሓቶም ተላሕጒኑ፣ ወይ ኣብ ቅዲ ድኽነቶም ተሸኲዑ፣ ወይ ድማ ኣብ ሕጽረት ቋንቋኦም ተቐርቂሩ ዝተርፍ መግለጽ ሂወት ዓለሞም የለን።

ብዘይካ ብግጥሚ ብቅዲ ነዊሕ ይኹን ሓጺር ፈጠራዊ ዛንታ ወይ ተዋስኦ ክብጻሕ ዝኽእል ፍጹም ርሕቀት ረሲዐ ኣይኰንኩን። እቲ ዝተዓደለስ ኣብ መንኰርኰራት ውንኡን ትሕተ-ውንኡን ተሰቒሉ እንዳተሓምበበ ናብ መንገዲ ፍጹም ስነጥበባዊ ርሕቀት ይዕዘር እዩ። ብፈጠራዊ ዛንታን ብተዋስኦን ብግጥምን ገይሩ ሰብ በጺሑዎ ናብ ዘይፈልጥ ሓቅታት ሂወት ይውንጨፍ። ኣብኡ ዝተራእዮ ሕልሚ ይኹን ሓሳብ ከም’ቲ ብልጭ ክብል ዝተራእዮ ዘግህድ ደራሲ ዕዉት ፍጡር እዩ። ብክኢላታት ዝተደርሱ ፈጠራዊ ዛንታታት እናኸንብብ ፍሉይ መጻወዲ ራእይ ዘለዎም ደረስቲ’ኳ የለዉን ኣይብልን። ከመይ ገይሮም ድኣ ነቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ተንቀሳቓሲ ሕልሚ ናብ
ቃላት ቀይሮሞ? ኣበይ ሒዞሞ ጸኒሖም’ቲ ኹሉ ዛንታ? ‘ቲ ኹሉ ቅዲ ኣቀራርባ? ነቲ ስውንዋኖ ዕሊ-ፈጠራ በየናይ ሕንቁቕ መትሓዚኡ ጨቢጦም እዮም ከም ልዙብ መሳርሒኦም ገይሮም ብእኡ ድላዮም ዝቐብኡ፣ ብእኡ ቃሕ ዝበሎም ዝቐርጹ? ነቲ ናብ ዓለምለኸ ደረጃ ፍቕሪ ዘስገሩዎ ትሑት ፍሕትሕት ፍትወት ዝነበረ ዕለታዊ ርክብ ኣበይ እዮም ዓቂቦሞ ጸኒሖም? ነቲ ንውግእ ናብራ ናብ መምህር ሂወት ዝቐየረ ዛንታኸ ኣብ ምንታዮም እዮም ቀቢሮሞ ነይሮም? ነቲ ግናይ ተደጋጋሚ ዛንታ ከመይ ገይሮም ናብ ዘይምኖ ሙዚቃ ተስፋ ቀይሮሞ? ነቲ ኣብ ጭቃ ናብራ ዝጥልቅይ ዝነበር ህሩፍ ትሑት ስምዒት ከመይ ገይሮም ብሓድሽ መንፈስ ንልዑል ክብርታት ከምዘስተባህል ገይሮም? ካበይ የውጽእዎ ነቲ ሓድሽ ቅዲ? ሓድሽ ኣነጋግራ ዛንታ? ነቲ ንወድሰብ ናብ ልዑል ፍጡር ዝቕይር ምስጢር ኣበይ ጸኒሑዎም እዩ ብመጻሕፍቲ ዘውሕዝዎ ዘለዉ?

ብደረስቲ ኩሉሻብ ምስተገረምኩ እየ። ብናይ ርእሰይ ዕሊ ኣጻሓሕፋ’ውን ተገሪመ ኣይወዳእኩን። ስለምንታይ ክጽሕፍ ከም ዝደልይ ዝገልጽ ምላሽ የብለይን። ከም ውቃበ ኣብ ውሽጢ ህልውናይ ዝሰረጸ ድፍኢት ጽሓፍ-ጽሓፍ እዩ ዘጽሕፈኒ። ናይ’ቶም ስነጥበባዊ ሓይልታት ውርዉር ኲናት ኰይነ እየ ነቲ ብናብራ ገጢሙኒ ንውሽጠይ ዝሰፈረ ግጥማት ናብ ስነጥበባዊ ህልውና ክቕይር ዝፍትን። ኣብ ናብራይ ካብ ዝገጥሙኒ ዓይነይ ስሕብ ንዘብሉ ፍጻሜታት ኣዝየ እየ ዘቕልበሎም። እዚ ፍሉይ ባህሪ’ኳ ኣይመስለንን። ኩሉ ቀልቡ ናብ ዝስሕቦ የቕልብ እዩ። ካብ ንእስነተይ  ሚረ ነቲ ዝገጥመኒ ዘበለ ተመኵሮ ሂወት ኣብ ወረቐት ብዘይዓለቡ ብመርበብ ቃላት ጸሚደ ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ከቐምጥ ላሕ እብል። እቶም ናይ ውሽጠይ ቃላት ነቲ ግጥሚ ብሓቂ ፈቲሎም ክኣልምዎ እንከለዉ ኣብ መንጎ ውነን ትሕተ-ውነን ወይ ኣብ መንጎ ሕልምን ግህዶን ኰይነ ቅሳነት ይስምዓኒ። ብዘይተሰምዐ ሙዚቃ አሰንዮም። ኣብ ዓለም ወሪድካ ብዘይምለኽ ተኽእሎታት ከም ዝዛነዩ እገብሮም። ንዕኦም እንዳኣለምኩ ጥራሕ ብሩፍታ ምነበርኩ። ዘይገብርዎ ነገር የለን። ናብ ወረቐት ውረዱ ኢለ ግን ብፍቓዶም እምበር ብፍቓደይ ከውርዶም ኣይክእልን። እንተወረዱ ድማ ከም’ቶም ፈለማ ዝተኸሰቱለይ ኣይኰኑን። ንንቕሓት ግህዶ ናብራይ ሙሉእ ንስነቶም ኣይቀልዑለይን። ሂወት ድቃሰይን ዙረት ሕልመይን ዝሕሾም እዮም ዝመስሉ። ተቓሊሰ ምስ ኣውረድኩዎም ዝነበሮም ግርህነት ይገድፍዎ። ክንዲ ርብዒ ብልጭትኦም’ውን ኣይመልኡን።

እምብኣርከስ ከም ደራሲ እቲ ዝነውሐን ሕጂ’ውን ገና ዘይተገንሐ ጻዕረይ እቶም ዝተራኣዩኒ ከምዘለዉ ብቓላት ንምህናጽ እዩ። ስሓቦ ጕተቶ ኢለ ኣብ ዝበጽሖ ከም ዘይብለይ ስለዝተረዳእኩ ከይፈተኹ ገና ብዘይመለኽኩዎ ሜላታት እጥቀም። ክጥብሮም ኢለ ዘይገብሮ የብለይን። ፍቕሪ’ዩ ፈውሶም ኢለ ንመን ዘየፍቀርኩን ዘይተገደስኩን። ማዕረ ፍቕሪ ንዝሕረሞም ሕሙማት ስምዒትን፣ ከድዓት ሰብኣውነትን ከይተረፈ ዘይርድኦም ክቡር ሕውነት ክህብ ዝተኸሻሕኩሉ እዋን እውን ኣሎ። ንዑ ውረዱ ክብል ወጊሑ ይመስየኒ። ብውነይ እንተኣብዮም ብትሕተ-ውነይ ክስሃሎም ዘይገብሮ የብለይን። እዞም ገና ክጽሕፉ ዝምነየሎም መንእሰያት ነዚ ብልሓት’ዚ መሊኾሞ እንተዝርእይ ክንደይ ምተሓጐስኩ! ናብ ውሽጥኻ ምእታው፣ ድሓር ጽንሕ ኢልካ ናብ ገደና ዓለምካ ምቕልቃል፣ ዕግስ ኢልካ ድማ ምስ ሓይልታት ውሽጥኻን ግዳምካን ምቅላስ፣ ድሓር ዝጨበጥካዮም ሓቅታትን ጽባቐታትን ንተፍቅሮ ኣንባቢ ምውፋይ እንተዝኽእሉ ክንደይ ምጸበቐ!

ንረቂቕ ብግዙፍ ንምግላጽ ክክኣል ምእንቲ ዳርጋ ንመን ዘይብሎም ሓይልታት ሞባእ ዘውደቕኩሉ ኩነታት ኣሎ ክብል እኽእል። ከም ረቂቕ ንፋስ ተመሲሎም ኣብ ውሽጠይ ቦታ እንተሓዙ ኢለ ንኣንነተይ ጋህ ኣቢለ’ለኹ። ንኹሉ ንባብ፣ ስራሕ፣ ሰብኣዊ ርክባት፣ ፍጻሜታት ድርኵኺት ትንፋሰይ ሓሊፎም ብኽፉት ማዕጾ ንኽኣትው ኣፍቂደ እየ። ክምስታታት ይኹኑ ጽውግታታት፣ ሰላምን ውግእን፣ ፍቕርን ጽልእን፣ እምነትን ክሕደትን ወዘተረፈ ኣትዮም ቦታ ይሓዙ ዝበልኩሉ ግዜ ሒደት ኣይኰነን። ብውነይን ብትሕቲ ውነይን ተጣሒኖም ይንበሩ ኢለ ዘንበርኩዎም ሕሹኽታታት ሂወት፣ ምስጢር ሓሳባት፣ ፍስሃታት ስምዒት፣ ፍልስፍናታት ዓለም፣ መፍትሓት ስነጥበባት፣ እምነታት ወዲሰብ ኣይውሓዱን። ናብራ እንዳተገላበጠ ውሕጅ ግፍዒ ንመስመራት ሓቂ ክድምስስ እንከሎ ኣብ ገጽ ሰባት ዝርኣኹዎ ስእሊ ኣብ ውሽጠይ ምንባሩ ቦታ ኣየጽበበለይን። ኣብ ወድሰብን ተፈጥሮን ዝርኣኽዎ ዘየቋርጽ ቃጭል ሓጐስን ጽባቐን ድማ ቀንዲ ነባሪ ንክኸውን ተመንየ። ስሓቕ ሰብ ቀለብ መንፈስ ምዃኑ ኣይተጠራጠርኩን። ቀመም ዘንበብኩዎም መጻሕፍቲ ኣብ ውሽጢ ኰይኖም ከምዝምገቡ ከይፈለጥኩ ገሚተ። ነዞም ኩሎም እካበ ዝኽርታት ብተመኵሮታት ናብራይ ይህቦም ብዝነበርኩ ኩላሶታት ክጸግቡ ተስፋ ነይሩኒ።

እምብኣር በዝን ብኸምዝን ጌርካ ኢኻ ንዓቢዱ’ዶ ትብልዎ”ን ንድኳን ትበርህን ትጽቢት ባህጉን ወግዒ ልብን ደሪስካ ንዝብል ሕቶ ግን እወ ኣይምበልኩን። እዚ ሕጂ ዝኸውን ምስ ኰነ ክመራመረሉ ዝፈተንኩ ጽሑፍ እዩ። እቲ ክጽሕፍ እንከለኹ ግን ተመራማራይ ኣይነበርኩን። ተላኣኻይ እየ ነይረ። ኣብ ውሽጠይ ኰይኖም ንዝመርሑኒ ሓይልታት እየ ተገዚአ። ብውነይ ድሕሪ ኰይኑ ካብ ንእስነተይ ኣከያይዳ ዓለም ብዙሕ ዝመሓየሽ ከምዘለዎ ኰይኑ እዩ ተረዲኡኒ። ብዙሕ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ብሓዲሽ ክትካእ ዘለዎ ባህሊ ናብራ እዩ ተራእዩኒ። ነዛ ፍረ ዘይብላ ጎዳም ማሕረሻ እንዳምለኸ ዝነብር ሰብ ተፈትዩኒ ኣይፈልጥን። ስኣን ለውጢ ድሕሪት ዝተርፍ: ንልበይ ተንኪፉ ኣይፈልጥን። ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ ነጊሱ ምርኣይ ብቐደሙ ኣይተበረ ንን። ብሽም ስነጥበብ ዝቐርብ ጽላሎት ሓቅን ጽባቐን ኣይዓ በንን። ንለውጢ ዘይኣምን ኩሉግዜ ምስ ኣጠራጠረኒ እዩ።

ኣብ ዓለም ዘይክኣልኩዎ ኣብ ስነጥበባዊ ዓለመይ ከም ባህገይ ገይረ ዘይንቡር ሂወት ክህብ ምኽኣለይ ንመቐረት ናብራ ትርጕም ሂቡለይ። ሕጂ’ውን እቲ ስምዒት እንዳሓየለ’ምበር እንዳደኸመ ክኸይድ ኣይክኣለን። ገና መዝገበ ንሰማይ ብሕብሪ ክቐብእ ኢሉ ጥስቲ ሕብሪ ኣብ ኣካላቱ ክድፍኦ እንከሎ ብሓጐስ ይዝከረኒ። ዓብዱ ምስ ደንጎላ ክቃለስ ካብ ዓይነይ ኣይፍለይን። እምነት ወዲእምኒ መሊሱ ክተርር እንከሎ ድማ መሊሱ እምነት ይውስኸለይ።
ስለምንታይ እጽሕፍ ብኸመይከ ንዝብል ሕቶ ብምሉኡ ዝመለስክዎ ኣይመስለንን። እንድዒ’ውን እንተመለስክዎ! ሕጂ ዝተጠቐምኩሉ ቃላትን ትሕዝቶን መሊሰ ኣይደግሞን። ንዓይ ደው ኢሉ ዝጽበ ስነጥበብ ኣይገጠመንን። ኣርክብ: ምሳይ ጉየይ እዩ ዝብል። ከም ብሓድሽ ብፍሉያት መኣዝናት ምጥማት እደሊ። እዞም ክጽሕፉ ዝጽበዮም ዋርሳይ ካብ ማልሳ ጉዕዝኦም ናብ ጽሑፎም ከይኣትዉ ዘታርፉ ወግዕታት ከይገጥምዎም እፈርሓሎም። ዕላላት ስነጽሑፍ ኣብ ፈቐዶ መዘናግዕታት ጥራሕ ዝተወሰነ ከይመስሎም’ሞ ናብኡ ዞኽዞኽ ከየብዝሑ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝሰፈረ ራእይ ስነጽሑፍ እንተዝዕቅቡ እብል። ከም’ቲ ኡሊሰስ ኣብ ማልሳ ጉዕዝኡ ብጥዑም መዐንዘዚ ድምጺ ሲረናታት ከይጠፍእ ንባዕሉ ናብ ዓንዲ መርከብ ከም ዝቕየድ ድሕሪ ምግባር: ናይ’ቶም መኻይዱ ኣእዛን ድማ ተወቲፉ ከምዝዕጾ ዝገበረ፣ ሕጂ ድማ ድምጺ ዕንጭራር ብዘዘክር ባዶ ጭርሖ ጭርናዕ እንዳደጋገማ ንኽብረት ታሪኾም ተዂበን ብምድማይ ካብ ዘቝስላ ተጻባእቲ ምርሓቕ ከድልዮም እዩ። ኣብ ጫውጫው ክትዕ ስነጽሑፍ ዝዕወቱ ካብ ዝመስሎም ምርሓቕ እዩ ዝሓይሽ። ውሩይ ደራፊና ፍሒራ ብደርፊ ከምዝገለጾ ነቲ ጽምይዎ ዘሎ ናይ  ጋኑ ጎቦታት እንተዘከሩ ይሓይሽ። ነቲ ኣብ ውሽጦም ሰፊሩ ዘሎ ምስጢራት ሂወት ዘግህድ ቅዲ ስነጽሑፍ ንምእላሽ ናብ ውሽጦም እትው ውጽእ እንዳበሉ ብፈጠራዊ ስነጽሑፎም ከድሕኑና እንተዝጅምሩ እንዳበልኩ እምነ። ብስነጽሑፎም ካብ ጥልቃየ ናብራ ሃፊፍና ብሓቅን ብፍቕርን ናብ ንቃጸለሉ ሂወት በጺሕና ካብ ሓሙዅሽቲ ሕሉፍና ከም ብሓድሽ ክንፍጠር ንኽእል ኢና በሃላይ እየ።

ኣነ ግን ዓለመይ ከካፍል ኢለ እየ ዝጽሕፍ። ዝርኣኽዎ ርኣዩ: ዝሰማዕክዎ ስምዑ እየ ዝብል ኣብ ጽሑፈይ። ናትኩም ዓለም ከኣ ኣርእዩኒ ብሃላይ እየ። ኩልና ማእለያ ንዘይብሎም ንፍጹም ክፍልታት ናብራ ሂወት ሽም ኣብ ምውጻእ ኢና ንርከብ። ኣየናይ ሽም እዩ ኣብየት ዘብላ ንሂወት? ኣየናይ ሽም እዩ ዘሐጕሳ? ንኹሉ ክፍልታታ ዘበራብሩ ኣስማት ይርከቡ’ዶ? በየናይ ስነጽሑፍ ኢና ዓው ኢልና ብናይ ሓቂ ስማ ንጽውዓ? ነቲ ማህለቕያ ዘይብሉ ህልውንኣ ዝጸርሕ ቃላት ካብ ምንታይና ኢና ነውጽእ? ካብ ናፍቖት ሓቅን ጽባቐን ብዝርከቡ ቃላት ዝተሃንጹ ስነጽሑፋት ኣኻኺብና ንዓለም ኣቤት ከነብላ እንድሕሪ ክንነቅል ኴንና: ሓድሽ ራእይ ንሕቈፍ። ርሑቕ ንጠምት። ንሓቀኛ ተመኵሮና ማይ ብዘይጠዓመ ፈጠራዊ ቅዲ ሃኒጽና ንንባብ ነብቅዕ። ኣነ ድማ ጽባቐ ንኽወጽእ ነቲ ብሓሳባዊ ቀለም ኣብ ዝኽሮም ተዓቚቡ ዘሎ ምስልታት ብመጽሓፍ ኣብ ምውራድ ክተሓጋገዝ እብህግ።

(ኣብ ቦዅሪ ሕታም መጽሔት ጸዳል፣ነሓሰ 2006ዝተጻሕፈ)

ምንጪ ፡ ናይ በየነ ሃይለ ወግዓዊ ዓንደ ሓቤረታ

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ

   ብሶፊያ ማህደረ

ከመይ ከመይ ዳኣሉ እዚ ጉዳይ፡ ወረ ከመይ ከመይ ኢዩ እዚ ነገር? ኦ ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ ሓንሳብ ንዘቲ ። ሃገር አምበር ተገዲዓ። እቶም ሕድሪ ኣሰኪምኩም ዘፋነኽሞምስ በሉ ኣይግድን። ፋሕ ብትን ኣቢሎምና።ፋሕ እምበር ኢልና’ታ! ረጊጽናኩም’እምበር ወጺእና።  ኦ,,,ሰማእቲ፡ ናዓና ዲኹም ክትዕዘቡስ ንመንግስቲ? ብዘይተሓዝ ምስ ተታሓዝና፡ ዘይከውን ኮይኑና እንዳኣልና ዓዲ ሓዲግና። ረጊጽናኩም ምውጻእና ኣይትቕየሙን ትኾኑ። ታይ ዳኣ ክንገብር’ሞ፡ ነገር እኮ እያ ተሪራትና። ኣቱም ሰባት ! ከመይ ከመይ ኢዩ ግና እዚ ጉዳይ ወረ ከመከመይ ኢዩ እዚ ነገር!? ኦ,,,ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ! እሕሕ ‘ባ በሉ!እንተስ ብሕልሚ እንተስ ብጋህዲ  ሓንሳብ ተቐልቀሉ።

      ፍትሒ እምበር ዓዲ ኣርሒቓ! ኢሕን ኣሕን ኮይኑ ቀለብ ህዝቢ። ሰበይ ሰብካ ነጊሱ፡”ንሕና ዳኣ ከመይ ኢሉ ክኾነልና ሰብ ዘይብልና”ዝብል በዚሑ። ከመይ ከመይ ዲዩ ነይሩ እቲ ውዕል? ከመይ ከመይ ዲዩ ነይሩ እቲ ሕድሪ? ሕድርኹም እምበር ተበሊዑ ‘ታ! ኦ,,, ሰማእቲ! ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ!

      እቶም ትማሊ”ደቅና ዳርጋ ዘይተረፉ፡ ዳርጋ ዘይሓለፉ”ዝበሉ ወለዲ’ምበር ይነብዑ ኣለዉ። ኣፍደገ ማዕጾ ሒዞም’ምበር ቁሊሕ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ምንታይ ‘ሲ ዓድና,,, ናዓይ ጥራይ ዝብል ዳይኖሰር በላዒ ሰብ ኣትይዋ። እቲ ምንታይ’ሲ ገና ከይሓለፉ እንከለዉ ሕድርኹም ክብላዕ ብዓይኖም ይዕዘቡ ኣለዉ።

     እታ ኣዕጢቓን ኣስኒቓን ዘውፈረት ወላዲት’ምበር”ማእሰርቲ ብውክልና”ኣርኪቡዋስ ከክንዲ እቲ ከፋት ማዕጾ ሸዊት ገዛኹም ክትእሰርን ክትፍታሕን ትውዕል ኣላ። ዘኪራ ኻኣ እንቃዓን ደምን ትነብዕ ኣላ። እቶም ዓዲ የእቲኹም ብደምኩም ዘሸምክሞም’ምበር ኣግዲዖምኹም። ኣብቲ ብደምኩምን ዓጽምኹምን ዝተነድቀ ወምበር ኮፍ ኢሎም እምበር የባጭዉ ኣለዉ። ኦ,,,,,ሰማእቲ፡ ኣታ ንዑ’ባ ንዘቲ!

     ኣታ ዓዲ’ምበር ትጽልምት ኣላ! ህዝቢ’ምበር ብበትርን ብረትን ዓቕሉ ጸቢብዎ! ጥሜትን ሕሰምን ‘ምበር ገዛ ገዛ ይኩሕኩሓ ኣለዋ። ህዝቢ እምበር ኢሕን ጸሎትን ተደሪሩ ይሓድር ኣሎ!

      ኣታ ህዝቢ’ምበር ንሓድሕዱ ተፈራሪሑን ተጨኻኺኑን! ናይ ልመናን ከማዓልካን መልሲ እምበር እናራኣናየን እንድዕላኖኻ ይኸውን ኣሎ መልሰን! ስኒት’ምበር እናራኣናያ ዓዲ ተርሕቕ ኣላ! እቲ ቆሎ ዓተር ኣብ ክልተ ፈንጪሉ ብምክፋል ሕሰም ዝሳዓረ ህዝብኹምስ በሉ እንድዕሉ’ዩ! ኦ,,,ሰማእቲ፡ ኣታ ንዑ’ባ ንዘቲ! ሃገር ‘ምበር ተገዲዓ!

       እቲ ብደምኩም ዘጌጸ በዕጽምትኹም ዘብረቕረቐ ቀይሕ ባሕሪ ዝኣክል ‘ምበር ጽምዋ ብሒትዎ! ቀይሕ ባሕርስ በሉ” ጽምዋ ተበሊዐ” ኢሉ እምበር ዝኽትምና ተሰሚዑዎ የስተማስል ኣሎ ። ኦ,,,ሰማእቲ፡ ኣታ ንዑ’ባ ንዘቲ!

       ምድሪ፡ ባሕርን ሰማይን ዓድና’ምበር “የለን” ብትብል ቃል ተጎቢኣ!”ኣሎ” ትብል ቃል ዓዲ ኣርሒቓ! ኦ,,,ሰማእቲ፡ መንእሰይኩምስ በሉ ዓዲ የርሕቕ ኣሎ! ከይዱ በቃ! ሃጽ ኢሉ ነፊጹ! ከይዱ’ወ – እግሩ ናብ ዝመርሖ! ታይ ‘ሞ ክገብር ዳኣ? እታ ብደምኩም ኣበሳኣ ዝጸርግኩምላ ኤርትራ ክነብረላ ኣይካኣለን! ጸጋታት ሃገር ሽታ ማይ ምስ ኮኖ፡ ኣብ ማእከል ሃገሩ ካላኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ምስ ተጓነየ,,,,ታይ ዳኣ ‘ሞ ዘይገበረ? ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ መንእሰይ እምበር’ዩ በዚሑ። ኦ,,,ሰማእቲ ደምበታትኩም እምበር ሓመድ ክሽትት ጀሚሩ። ዑናታትኩም እምበር ይዓኑ ኣሎ! ኤርትራ ‘ምበር ክትቅመጣ ዘይኮነስ ክትዛወር እትመጽኣ ሃገር እናኾነት ትኸይድ ኣላ! ከመይ ከመይ ኢዩ ግን እዚ ጉዳይ? ወረ ከመይ ከመይ ኢዩ እዚ ነገር!? ወረ እንታይ እዩ ክግበር? መንእሰይ ‘ምበር ከም ማይ    ን ዓዲ ጓና ይፈስስ ኣሎ! ታይ ዳኣ ‘ሞ ክገብር? ጨኒቕዎ እንዳኣሉ! ኦ,,,ሰማእቲ! ሃገር እምበር ሰብ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ኣላ!

       ናይ ሓደራ ማእሰርቲ እንዲዩ በዚሕዎ። ባንኪ ናይ ገንዘብ ‘ምበር ባንኪ ናይ ሰብ ዳኣ’ሞ ኣበይ ተራእዩ ኢልክሞ!? ጎበዝ ‘ምበር ኣብ ጎዳጉዲ ቤትማእሰርትን ድፋዓትን ዕድሚኡ ይፈቅድ ኣሎ! እቲ ዘባረርክሞ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ደርጊ ‘ኮ ትግርኛ ብዝዛረብ ደርጊ እዩ ተተኪኡ ዘሎ! ከመይ ከመይ እዩ ደቀይ እዚ ጉዳይ? ከመይ ከመይ እዩ እዚ ነገር!? ኦ,,,,ሰማእቲ! ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ!

        እቲ “በዓል ሓሞት” ዝተባህለሉ መንእሰይኩም፡ ተቐባሊ ሕድርኹምስ በሉ ጃጂዩ እዩ። ሰሪቖምን ሓስዮምን ብስምኩም ክምሕሉ እናተዓዘቦም ከምዘይራኣየን ከምዘይሰምዐን ‘ዩ ስቕ ዝብል ዘሎ! ጃጂዩ በቃ! ኣይንነብሱ፡ ኣይንስድርኡ፡ ኣይንሃገር ገይሮም እምበር ብላሽ የትርፍዎ ኣለዉ! መንእሰይኩም እምበር ብዝባኑ ካብ ሞት ዝኸፍእ የጋጥሞ ስለ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ግዲ ኮይኑ ምስ ሞት ይፋጠጥ ኣሎ! ሞት መሪጹስ ናብ ሞት ይሳግም ኣሎ! ከመይ ከመይ እዩ ግን እዚ ነገር!? መሬት እኩት ኢሉ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ,,,,”,,,ከይደ በሊ ዳሓን ዓሊ፡ ምስ ዘለዉ ጥራይ ተማሰሊ,,,,” እናበለ ብእግረይ ኣውጽእኒ ‘ምበር ዓዱ ራሕሪሑ ይሳግም ኣሎ!

        “በዓል እገለ ኸ ኣበይ ኮን ይህልዉ?” ጥራይ ‘ምበር ኮይኑ ዕላል ዓድና’ታ! ተኣሲሩን ከይዱን ጥራይ’ምበር ኮይኑ ስማዕና! ከመይ ከመይ እዩ ግና እዚ ጉዳይ? ወረ ከመይ ከመይ እዚ እዚ ነገር!? ኦ,,,ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ! ኣሕ! ሃገር ‘ምበር ጥርሓ ትተርፍ ኣላ’ታ! ሽማግለታት ወለድኹም እምበር ኣብ ከንፈር እቲ ሰብ ዝቐለቡ ፍጡር ገዲፍናዮም ወጺእና! የግዲ! ታይ ከ ዳኣ ‘ሞ ክንገብር?! እቲ በላዒ ሰብ ድማ ንዖም እናበልዐ ዕድሚኡ የናውሕ ኣሎ። ኦ,,,,ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ ‘ታ ንዘቲ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!

Posted in Uncategorized | Leave a comment