ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ

   ብሶፊያ ማህደረ

ከመይ ከመይ ዳኣሉ እዚ ጉዳይ፡ ወረ ከመይ ከመይ ኢዩ እዚ ነገር? ኦ ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ ሓንሳብ ንዘቲ ። ሃገር አምበር ተገዲዓ። እቶም ሕድሪ ኣሰኪምኩም ዘፋነኽሞምስ በሉ ኣይግድን። ፋሕ ብትን ኣቢሎምና።ፋሕ እምበር ኢልና’ታ! ረጊጽናኩም’እምበር ወጺእና።  ኦ,,,ሰማእቲ፡ ናዓና ዲኹም ክትዕዘቡስ ንመንግስቲ? ብዘይተሓዝ ምስ ተታሓዝና፡ ዘይከውን ኮይኑና እንዳኣልና ዓዲ ሓዲግና። ረጊጽናኩም ምውጻእና ኣይትቕየሙን ትኾኑ። ታይ ዳኣ ክንገብር’ሞ፡ ነገር እኮ እያ ተሪራትና። ኣቱም ሰባት ! ከመይ ከመይ ኢዩ ግና እዚ ጉዳይ ወረ ከመከመይ ኢዩ እዚ ነገር!? ኦ,,,ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ! እሕሕ ‘ባ በሉ!እንተስ ብሕልሚ እንተስ ብጋህዲ  ሓንሳብ ተቐልቀሉ።

      ፍትሒ እምበር ዓዲ ኣርሒቓ! ኢሕን ኣሕን ኮይኑ ቀለብ ህዝቢ። ሰበይ ሰብካ ነጊሱ፡”ንሕና ዳኣ ከመይ ኢሉ ክኾነልና ሰብ ዘይብልና”ዝብል በዚሑ። ከመይ ከመይ ዲዩ ነይሩ እቲ ውዕል? ከመይ ከመይ ዲዩ ነይሩ እቲ ሕድሪ? ሕድርኹም እምበር ተበሊዑ ‘ታ! ኦ,,, ሰማእቲ! ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ!

      እቶም ትማሊ”ደቅና ዳርጋ ዘይተረፉ፡ ዳርጋ ዘይሓለፉ”ዝበሉ ወለዲ’ምበር ይነብዑ ኣለዉ። ኣፍደገ ማዕጾ ሒዞም’ምበር ቁሊሕ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ምንታይ ‘ሲ ዓድና,,, ናዓይ ጥራይ ዝብል ዳይኖሰር በላዒ ሰብ ኣትይዋ። እቲ ምንታይ’ሲ ገና ከይሓለፉ እንከለዉ ሕድርኹም ክብላዕ ብዓይኖም ይዕዘቡ ኣለዉ።

     እታ ኣዕጢቓን ኣስኒቓን ዘውፈረት ወላዲት’ምበር”ማእሰርቲ ብውክልና”ኣርኪቡዋስ ከክንዲ እቲ ከፋት ማዕጾ ሸዊት ገዛኹም ክትእሰርን ክትፍታሕን ትውዕል ኣላ። ዘኪራ ኻኣ እንቃዓን ደምን ትነብዕ ኣላ። እቶም ዓዲ የእቲኹም ብደምኩም ዘሸምክሞም’ምበር ኣግዲዖምኹም። ኣብቲ ብደምኩምን ዓጽምኹምን ዝተነድቀ ወምበር ኮፍ ኢሎም እምበር የባጭዉ ኣለዉ። ኦ,,,,,ሰማእቲ፡ ኣታ ንዑ’ባ ንዘቲ!

     ኣታ ዓዲ’ምበር ትጽልምት ኣላ! ህዝቢ’ምበር ብበትርን ብረትን ዓቕሉ ጸቢብዎ! ጥሜትን ሕሰምን ‘ምበር ገዛ ገዛ ይኩሕኩሓ ኣለዋ። ህዝቢ እምበር ኢሕን ጸሎትን ተደሪሩ ይሓድር ኣሎ!

      ኣታ ህዝቢ’ምበር ንሓድሕዱ ተፈራሪሑን ተጨኻኺኑን! ናይ ልመናን ከማዓልካን መልሲ እምበር እናራኣናየን እንድዕላኖኻ ይኸውን ኣሎ መልሰን! ስኒት’ምበር እናራኣናያ ዓዲ ተርሕቕ ኣላ! እቲ ቆሎ ዓተር ኣብ ክልተ ፈንጪሉ ብምክፋል ሕሰም ዝሳዓረ ህዝብኹምስ በሉ እንድዕሉ’ዩ! ኦ,,,ሰማእቲ፡ ኣታ ንዑ’ባ ንዘቲ! ሃገር ‘ምበር ተገዲዓ!

       እቲ ብደምኩም ዘጌጸ በዕጽምትኹም ዘብረቕረቐ ቀይሕ ባሕሪ ዝኣክል ‘ምበር ጽምዋ ብሒትዎ! ቀይሕ ባሕርስ በሉ” ጽምዋ ተበሊዐ” ኢሉ እምበር ዝኽትምና ተሰሚዑዎ የስተማስል ኣሎ ። ኦ,,,ሰማእቲ፡ ኣታ ንዑ’ባ ንዘቲ!

       ምድሪ፡ ባሕርን ሰማይን ዓድና’ምበር “የለን” ብትብል ቃል ተጎቢኣ!”ኣሎ” ትብል ቃል ዓዲ ኣርሒቓ! ኦ,,,ሰማእቲ፡ መንእሰይኩምስ በሉ ዓዲ የርሕቕ ኣሎ! ከይዱ በቃ! ሃጽ ኢሉ ነፊጹ! ከይዱ’ወ – እግሩ ናብ ዝመርሖ! ታይ ‘ሞ ክገብር ዳኣ? እታ ብደምኩም ኣበሳኣ ዝጸርግኩምላ ኤርትራ ክነብረላ ኣይካኣለን! ጸጋታት ሃገር ሽታ ማይ ምስ ኮኖ፡ ኣብ ማእከል ሃገሩ ካላኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ምስ ተጓነየ,,,,ታይ ዳኣ ‘ሞ ዘይገበረ? ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ መንእሰይ እምበር’ዩ በዚሑ። ኦ,,,ሰማእቲ ደምበታትኩም እምበር ሓመድ ክሽትት ጀሚሩ። ዑናታትኩም እምበር ይዓኑ ኣሎ! ኤርትራ ‘ምበር ክትቅመጣ ዘይኮነስ ክትዛወር እትመጽኣ ሃገር እናኾነት ትኸይድ ኣላ! ከመይ ከመይ ኢዩ ግን እዚ ጉዳይ? ወረ ከመይ ከመይ ኢዩ እዚ ነገር!? ወረ እንታይ እዩ ክግበር? መንእሰይ ‘ምበር ከም ማይ    ን ዓዲ ጓና ይፈስስ ኣሎ! ታይ ዳኣ ‘ሞ ክገብር? ጨኒቕዎ እንዳኣሉ! ኦ,,,ሰማእቲ! ሃገር እምበር ሰብ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ኣላ!

       ናይ ሓደራ ማእሰርቲ እንዲዩ በዚሕዎ። ባንኪ ናይ ገንዘብ ‘ምበር ባንኪ ናይ ሰብ ዳኣ’ሞ ኣበይ ተራእዩ ኢልክሞ!? ጎበዝ ‘ምበር ኣብ ጎዳጉዲ ቤትማእሰርትን ድፋዓትን ዕድሚኡ ይፈቅድ ኣሎ! እቲ ዘባረርክሞ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ደርጊ ‘ኮ ትግርኛ ብዝዛረብ ደርጊ እዩ ተተኪኡ ዘሎ! ከመይ ከመይ እዩ ደቀይ እዚ ጉዳይ? ከመይ ከመይ እዩ እዚ ነገር!? ኦ,,,,ሰማእቲ! ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ!

        እቲ “በዓል ሓሞት” ዝተባህለሉ መንእሰይኩም፡ ተቐባሊ ሕድርኹምስ በሉ ጃጂዩ እዩ። ሰሪቖምን ሓስዮምን ብስምኩም ክምሕሉ እናተዓዘቦም ከምዘይራኣየን ከምዘይሰምዐን ‘ዩ ስቕ ዝብል ዘሎ! ጃጂዩ በቃ! ኣይንነብሱ፡ ኣይንስድርኡ፡ ኣይንሃገር ገይሮም እምበር ብላሽ የትርፍዎ ኣለዉ! መንእሰይኩም እምበር ብዝባኑ ካብ ሞት ዝኸፍእ የጋጥሞ ስለ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ግዲ ኮይኑ ምስ ሞት ይፋጠጥ ኣሎ! ሞት መሪጹስ ናብ ሞት ይሳግም ኣሎ! ከመይ ከመይ እዩ ግን እዚ ነገር!? መሬት እኩት ኢሉ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ,,,,”,,,ከይደ በሊ ዳሓን ዓሊ፡ ምስ ዘለዉ ጥራይ ተማሰሊ,,,,” እናበለ ብእግረይ ኣውጽእኒ ‘ምበር ዓዱ ራሕሪሑ ይሳግም ኣሎ!

        “በዓል እገለ ኸ ኣበይ ኮን ይህልዉ?” ጥራይ ‘ምበር ኮይኑ ዕላል ዓድና’ታ! ተኣሲሩን ከይዱን ጥራይ’ምበር ኮይኑ ስማዕና! ከመይ ከመይ እዩ ግና እዚ ጉዳይ? ወረ ከመይ ከመይ እዚ እዚ ነገር!? ኦ,,,ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ’ታ ንዘቲ! ኣሕ! ሃገር ‘ምበር ጥርሓ ትተርፍ ኣላ’ታ! ሽማግለታት ወለድኹም እምበር ኣብ ከንፈር እቲ ሰብ ዝቐለቡ ፍጡር ገዲፍናዮም ወጺእና! የግዲ! ታይ ከ ዳኣ ‘ሞ ክንገብር?! እቲ በላዒ ሰብ ድማ ንዖም እናበልዐ ዕድሚኡ የናውሕ ኣሎ። ኦ,,,,ሰማእቲ፡ ንዑ’ባ ‘ታ ንዘቲ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ዘዕበናዮም ነኣሽቱ ዲክታቶራት

ሽሻይ ገብረሃንስ

መልክዕ ኣነባብራና ንሓደ ካብ ስድራቤትና ብፍላይ ንኣቦ ወይ ድማ ንዓቢ ሓው ሳሕቲ ድማ ንሓፍቲ ክትምእዘዝ ብዝብሉኻን ዝሓስቡልካን ኪትከይድ ዝድርኽ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ በቲ ዝዓበናሉ መለክዕን ኣመለኻኽታን ኣወንታዊ ኮይኑ ዝበዝሕ ሕብረተሰብና’ውን ይቕበሎ። ብገለ ምኽንያታት ነቲ ካብ ኣቦ ወይ ዓቢ ሓው ዝመጸ ትእዛዝ ኮነ መምርሒ እንተጥሒስካን ኣብያ እንተኣስሚዕካ፣ ወይ ካልእ ርእይቶ እንተ ኣቕሪብካ መብዛሕቲኡ ግዜ ዘይምእዙዝ ተባሂልካ ትጽረፍን ክሳብ ትርገመሉ ግዜ’ውን ኣሎ።

ኣቦ፣ ብዓይኒ ሕብረተሰብና ክቡርን ተፈራሕን ሰብ እዩ። ዝቕጽል’ውን ይመስል። እዚ ኣካይዳ’ዚ ኪጠፍእ ኣለዎ ዝብል ድፍረት የብለይን ከማኹም ፍርሒ ስለ ዘሕደርኩ። ይኹን’ምበር ኣቦ ተፈታዊ ተኸባሪ ክነሱ ኩሉ ግዜ ኪስማዕ ኣለዎ እናፈራህና ንውልቁ እናጠመትና ክንነብር ግዴታና’ዩ ዝብል መረዳእታ ግና የብለይን። በታ ነፍቅራ ኣደና እቲ ነፍቅሮ ኣቦና ዝበሎ እዝጊ ዝበሎ ኮይኑ ስለ ዝተነግረና ኦ! ንኣቦና ዋላ ተጋግዩ ኸሎ ስቕ እንተዘይቢልና ኣደ ብመርገም ኣቦ ብመቕጻዕቲ ከጥፉኡና እዮም፣ ንፈርሕ። ምእዙዛትን ንፉዓትን ንክንበሃል ኣቦና ወይ እቲ ነታ ገዛ ኪኣሊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ኣባል ናይታ ስድራ ዋላ እናተጋገየ ስቕ ንመርጽ። ምኽንያቱ፣ ካብ ኣደና ንረኽቦ ዝነበርና ሓላፋታት ኪጎድለና’ዩ በቲ ሓደ። ንብርክት ዝበለ መዓልቲታት ተነጽሎ ከጋጥመና’ዩ። በቲ ካልእ። ዘይሰምዕ፣ ደረቕ ፣ስዲ፣ ዘይተቐጽዐ፣ እልቢ ዘይብሎም ጸርፊታት ይስዕቡና። ሓራቕን ቁጡዕን ኣቦ እንተሃልዩና ድማ ማህረምቲ ይወርደና። ስለዚ ካብ እግሪ ተኽልና ንሓደ ሓላፍነት ዘሰከምናዮ ወይ ባዕሉ ዝተሰከመ ኣባል ናይቲ ስድራ እናፈራሕና ዓቢና። ርእይቶና ፣ሓሳባትና ፣ድልየትና… ከይተሰምዐልና ተኾስኲስና፣ ዘይምሉእ ኣኳሳኹሳ።

እዚ ኣብተን ኣቦ ዝናብየንን ዝኣልየንን ስድራቤታት ዝርአ ጽቡቕ እናመሰለ ዓሚቝን ብቐሊሉ ዘይብሕጎጉን ንእሽቶ ዲክታቶርነት ዝፈጠረ መልክዕ ኣነባብራና ኮይኑ ይስመዓኒ። ዋላኳ ብዕድመ በሲልካ እኹል ሓሳባትን ጠቓሚ ነገራትን ከተበርክት ትኽእል ኩን ነታ ዕብየትካን ለውጢኻን ኪቕበልዋ ተፍርሖም፣ ብዙሓት ወለዲ ከም ዘጓነፍኹም ይግምት። ክሳዕ ጎጀኻ ፈሊኻ ናብ ቆልዓ ምውላድ ትደርስ ቀልጢፎም ኣይቅበልኻን። ወይ ኣፍልጦ ኣይህቡኻን ስለዚ እታ ሓላፍነት ካብ ኣቦ ከይተመዘባለት ትነብር። ንስኻ ድማ ኣብታ ቀዳመይቲ ስድራኻ ብሂግካ ዘይረኸብካዮ ተፈራሕነትን ተኸባርነትን ብቕልጡፍ ኣብቲ ዝመስረትካዮ ስድራ መታን ኪትረኽቦ ፈለማ ንሰበይቲኻ ፣ነታ ሓዳስ መርዓትካ ኣብ ንእዲ ሕጽኖት ከላ ከተፈራርሓን ንደቅኻ’ውን ኪፈርሑኻ ኪትመኽሮም ከም ዘለዋን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ትሕብራ ።

እቲ ሓላፊ ናይታ ቀዳመይቲ ስድራ ነታ ተፈራሕነት- ነታ ኣኽብሮት ዝስእና ስለ ዝመስሎ’ዩ ‘መስለኒ ኪከላኸል ጥራይ ዝነብር። ከምቲ ድሒሩ ዝተገልጸ እታ ኣደ ነቲ ናይ ኣቦ ተፈራሕነት ኣብ ደቃ ከተስርጾ ትግደደሉ ምኽንያት ንሳ ቀዳመይቲ ፈራሕ ናይቲ በዓል ቤታ ስለ ዝኾነት ይመስልኒ። ንሱ ኣብቲ ዝምስርትዎ ዘለዉ ስድራቤት ንዓኣ ፍርቂ ኣካሉን መንፈሱን ኣእምሮኡን ሓሲቡ ዝበለቶ ሰሚዑ ተማኺሩ ዝኸደሉ ሚኢታዊት ዓቢ ነይሩ እንተዝኸውን ምናልባት ናይ ዕስራ ዓመት ለውጢ ናይቲ ስድራቤትን ናይቲ ሃገርን ኣብ ዓሰርተ ዓመት ምተረኽበ። ገምጋማዊ መለክዒ።

እዚ ከይከውን እታ ኣደ ካብ ኣደታታ ዝወረሰቶ ኣይኮነን። ስለዚ ንሳ ኪትጅምሮ ድማ ሓድሽ ሓሳባትን ድልየታትን ምፍላቕ ተቐባልነት ኣይህልዎን። በቲ ኣባታዊ ስልጣን እሞ ድማ ብሰበይቲ ንዝመጸ ይብል ኣባታዊ ትዕቢት። እቲ ሰብኣይ ውን ካብ ኣቦታቱ ዝወርሶ ኣዛዚን ተፈራሕን ሰብ ስለ ዝኾነ ነቲ ዘሎ ከየመሓየሸ ኪቕጽሎ ይቐሎን ይደሊን። ምኽንያቱ ንሳ ንመሰላን ንማዕርነታን ክትቃለስ ካብ ኣደኣ ኣይተመኽረትን። ብኣንጻሩ ነቲ ሰብኣይ ዝብልዎ ሓያል ቀላጽም ዘለዎ ፍጥረት፡ እናፈርሓቶ ኪትነብር ጥራይ ምዃኑ ምርጫኣ ትንገር። ነዚ እናሓብሓበትን እናሓለወትን ንውሉዳ ተመሓላልፎ ውርሻ’ዩ።  ቀሊል ውርሻ ድማ ኣይኮነን። ብዓይኒ’ቲ ገዛኢ ሰብ፡ ብዓይኒቲ ዲክታቶር ኣቦ። ወይ ኣላዪ ናይቲ ገዛ።

ካብ ኣደና ዝወረስናዮ ንሕና ደቂ’ቲ ስድራቤት ድማ ነቲ ኣቦ ዝብልዎ ደፊርካ ምዝራብ፣ ምስቲ ኣቦ ዝብልዎ ምጽዋት፣ ነቲ ኣቦ ዝብልዎ ሓሳባትካ ምሃብ፣ ምስቲ ኣቦ ዝብልዎ ምምምጋብን ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ምምላስን፣ ብዙሕ ሓጢኣት ከም ዝፈጸምካ ይቑጸር። ንስኻ እቲ ቦኹሪ ውሉዶም እንተዄንካ’ሞ ግደፎ ኩሉ ነገራት ብቀይዲን ዶብን ተሓጺሩ ንዓኻ ዝፍቀደካ ዳርጋ ዘየለ ይጸንሓካ።  ኣደኻ እታ ቀዳመይቲ ንዲክታቶርነት ኣቦኻ ኣፍልጦ ዝሃበትን ዝተቐበለትን ናባኻ ብውዑዩ ከይረሰዓቶን ከላ ዘመሓላለፈቶዩ። ልሳን ከተጽሪ ምስ ጀመርካ ኣቦኻ ከይርእዩካ ኣቦኻ ከይሰምዑኻ ኣቦኻ ከየጥፉኡና እናበለት ነቲ ኣቦ ዝበሃል ዘይብሩህ ነገር ኪትፈርሖ ትቐስበካ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ እታ ፍርሒ ትበሃል ምብቋል ትጅምር። ካብ ኣቦ ዝበሃል ዓቢ ግዛዕ። ኣብ ዝጸንሐ ጸኒሑ ምዕጉርቲኻ ትንክፍ ኣቢሉካ ዝኸይድ ገዚፍ ነገር ፣ምፍራሕ ግቡእ ምዃኑ ይስወጠካ። ቀዲምና ምፍራሕ ስለ ዝተመሃርና ካብ ዘይምፍራሕ ዝርከብ ነገር ዘሎ ኣይመስለናን። ካብቲ ኣቦ ወይ ኣላዪ ምፍራሕ ዑቕባ ምንባር ኮይኑ ክሳብ ዝሰመዓና ኣደና ተፍርሓና፣ ምኽንያቱ እንተደፊርና ኪንጠፍእ ኢና። ናበይ ኢና ኪንጠፍእ ምጥፋኣ እንታይ ኣዩ ኣይንፈልጥን ግና ምጥፍእ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕማቕ ነገር ምዃኑ ንመሃር ኣለና። ኩሉ ዘይተስዕብ ነቲ ኣቦ ዝበሃል ወይ ምፍራሕ ምኽባር ዘይምጥማት ምስኡ ዘይምጽዋትን ዘይምምጋብን ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ተናግፍ እንተኾይና ንምንታይ ዘይንመርጻ። እቲ ቦኹሪ በዚ ምፍራሕ ምስ ተመሃረ ነቶም ድሕሪኡ ዝስዕቡ ኣሕዋቱ ባዕሉ የፈራርሖም። ስራሕ ኣደ ብዛዕባ ኣቦነት ምዝራብን ምሕባርን ይፈኹሰላ ስለዚ በቲ ፍርሒ ጥራይ ትነብር ምስቶም ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ደቃ።

ኣብተን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብኣቦ ኪእለያ ዕድል ዘይረኸባ ስድራቤታት ግድነት ነታ ኣደ ወይ ነቲ ቦኹሪ ዝዓበየ ኣባል ናይታ ስድራ ኪፈርሕ ይጅምር። ኣደታት ናብ ደረጃ ዲክታቶርነት ዘይዓብያሉ ማለት ብጻዕቂ ዘይረኣያሉ ምኽንያት ልበን ብፍቕርን ብድንጋጸን ስለ ዝመልእ ይመልስለኒ ኣቦታት ኣይፍቅሩን ዝበል መረዳኣታ የብለይን ግና ምስ ናይ ኣደ ተነጻጺሩ ዝስዕር ኣይመስለንን። ኣብዘን ስድራቢታት እዚእተን እቶም ዝሰዓቡ ህጻናት ወይ ቆልዑ እናጎበዙ ምስ ከዱ ካብቲ ቦኹሪ ምፍራሕ እናተመሃሩ ይኸዱ ስለዚ ንሓደ ሰብ ዝመረጸልካ ወይ ኣደኻ ዝመረጸትልካ ሰብ ምፍራህ ግቡእ ይኾነካ። ንሱ ድማ እንተዘይተፈሪሑ መንቀኛን ርጉምን ይኸውን’ሞ ብዙሕ በደላት የውርደልካ። ምኽንያቱ ኣደኡ ዝሃበቶ ስልጣን ዲክታቶርነት ንብሕቱ’ምበር ንኣሕዋትካ ዝበሉኻን ዝደልየዎን ስምዓዮም ኣይተመኸረን።

ካብ’ዚ ተጋኒኑ ተመሳሳሊ መልክዕ ሒዙ ንረኽቦ ኣመዓባብላ ዲክታቶርነት ኣሎ። ብፍታውካ መራሒኻን ቀያዲኻን ምፍጣርን ምስራሕን። በቲ ዝፈጠርካዮን ዝሰራሕካዮን ተኣስርካ ምንባር ድማ ዝሳዕረረ ናብ ዲክታቶርነት ዝሓኾረ ጠባይ። ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ነታ ትመሃረላ ዘለኻ ክፍሊ ዝመርሕን ዝኣሊን ሞኒትር ክትመርጽ ትግደድ። ባዕልና ኪንመሓደር ኢና መራሒን ኣላዪን ኣይንደሊን ኣይትብልን። ምኽንያቱ ንነብስኻ ከተመሓድር ኣብ ገዛኻ ኣይተመሃርካን። እቲ ሞኒተር ኣብ መብዛሕቲኡ ክፍሊታት ካብቲ ዝግብኦ ይሓልፍ። ኩሉ ምንቅስቓስካ ተኸታቲሉ ናብ መምህር ብምትሕልላፍ ከም ትቕጻዕ ይገብረካ ስለዚ ንሱ’ውን በታ ዘላቶ ስልጣን ኪፍራሕ ይደሊ ካብ ክፍሊ ወይ ካብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ሓሊፉ ኣብ ካልእ ቦታ

እንተረኺቡካ’ውን ዝነግረልካ ስለ ዝመስለካ ትፈርሖ።እታ ፍርሒ ካብ ቤት ወጺኣ ኣብ ካልእ‘ውን ትጸንሓናሞ ንሕልዋ ካብኣ እንተወጺእናን እንተተቢዕናን ዝወርደና መቕጻዕቲን መጥፋኣቲን ይረኣየና ስለዚ ኣይንደፍርን። ፍርሒ፣ ንዝኾነ ዓቢን ካባኻ ተመሪጹ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ዝበለን ኪፍራህ ኣለዎ- ብኣተዓባብይና። ኣብ ክንዲ ዝኹሉ እንታይ ኪኸውን ከም ዝነበሮ ኩልና ዝተፈላለየ ኣረኣእያን መረዳኣታን ይህልወና እዚ ግና ኣብቲ ካብ ህጻንነትና ምሳና ዝቦቖለን ዝዓበየን ፍርሒ ጎዳኢና ምዃኑ ኣብ ዘሰማምዕ ነጥቢ ምስ በጻሕና እዩ። ምናልባት ባህልና ክብርና ስለ ዝኾነ ኪንዕቅቦ ጥራይ’ዩ ዘለና ዝብል መረዳእታ ይህልወና ይኸውን። ኪንጽግኖ ከም ዝግበኣና ክሳብ ንረዳዳእም ግን በቶም ዝፈጠርናዮም ነኣሽቱ ዲክታቶራት ኪንጭቆን ኢና ማለት’ዩ።

እዚ ኣብቲ ዝዓበናሉ ከባቢ ንርእዮን ብቐረባ ዝተሰወጠና መፈራርሒ ተሞኩሮታትን እዩ። ክሳብ’ቲ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ዓቢ ዲክታቶር ጸዊዑ ናብቲ ዝደለዮ ቦታ ወሲዱ ንሱ ዝመረጾም ነኣሽቱ ዲክታቶራቱ ጌሩ ኪመርሓና ዝጅምር ድማ እታ ፍርሒ ኣብ ልብና ኣላ። ንሱ ውን ነታ ዘዕበየትና ስድራቤታዊት ፍርሒ ስለ ዝምዝመዛ ካልእ ሜላታት ፍርሒ ተጠቂሙ መታን ከፈራርሓና ከም ሓላዪ፣ ሓለፍትኹም ምረጹ ይብለና። እቶም ዝመረጽናዮም ሓለፍቲና ድማ ቅድም ቀዳድም ነታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ፍርሒ ከም ትሕደስ ብምግባር ንገለ ካባና መርኣያ ኪኸውን ብምቕጻዕ ክንርዕድ ይድርኹና። እቲ ዝመረጽናዮ መፈራርሒ ሓላፊ ምስራሕ እናኸልኣናን ነቲ ትካል ኮነ ነቲ ኣሃዱ ዕንቅፋት ምዃኑ እናረኣናን ንመሳሰሎ። ንሱ ብሱል ርእይቶታትን ጠቓሚ ኣሰራርሓታት ኣቕሪብካ ኣይሰምዕ ጎኒጻካዮ ኣይወድቕ ተሪሩ ይቃወመካ። ኣብ ናይ ውልቂ ትካል ይሰጎካ፣ ኣብ ኣሃዱታት ድማ ይኣስረካ። ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ንእሽቶ ዲክታቶር ባዕሉ ዓብዩ ይጎብጠካ። ስለዚ ዲክታቶራትና ኪፍጠሩ እንተሓጊዝናዮም ቀልጢፎም እንተዓበዩን እንተደሃኹናን ኪገርመና የብሉን።

ኣብ እስራኤል ካልእ ኣገባባት ፍርሒን ሜላታትን ኪንርእይ ከሪምና ኣለና። ሳዕቤኑ ድማ ከቢድ ባእሲን ክርክርን ኮይኑ። መብዛቲኦም ብሓንሳብ ዝቕመጡ ካብ ኣርባዕተ ሰባት ዘይውሕዱ ስለ ዝኾኑ ሓደ ካብኣቶም ነቶም ድሒሮም ዝመጹ ብገንዘብ ኮነ ብሞራል ዝሓገዞም ይኸውን’ሞ ክሳብ መጠረሽታ ኪጸቕጠሞን ኪድህኾንም ይደሊ። ቋንቋን ኣነባብራን እስራኤላውያን ፈሊጡ ስለ ዝጸንሐ በቲ ንሱ ዝህቦም ሓቤሬታ ተመሪሖም ኪኸዱ ጸኒሖም መባእታውያን ነገራትን ኣነባብራን ምስ ፈለጡ ዘእትዎምን ዘውጽኦምን ስራሕ ምስ ረኸቡ ናጽነቶም ኪእውጅ ይህንጠዩ። ይኹንምበር እታ ዲክታቶርነት ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣላይኦም ሳዕሪራ ስለ ትጸንሕ ኪቅይርዋ ይጽገሙ። ክሳብ ዝደልወካ ክትሕንክስ ስለ ዝርእየካ ብዝበለካ ኪትከይድ ፍቓድን መሰልን ስለ ዝሃብካዮ እግርኻን ርእስኻን ምስ ደልደለ እንተሓንጊድካ ኣይወሓጠሉን። ኣብ ትሕቲኡ ኮይንካ ትመሻኸን ትፈርሕ ትምእዘዝ ስለዝጸናሕካ ሃንደበት እንተተለዊጥካ ጽቡቕ ኣይስምዖን ዝወደቑ ስለዝመስሎ ግርጭት ይለዓል። ካብዚ ዝተላዕለ መብዛሕቲኦም ኣሕዋት ቤተሰብን ናይ ነዊሕ ግዜ ዕርክነት ዝነበሮምን ኪፈላለዩ ንርእይ ኣለና። ብፍላምይ ኣብ ኣሕዋት ወለዲን ደቆምን ብጻዕቂ ምፍልላይ የጋጥም። ምኽንያቱ ኣተዓባብያና ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ ናጽነት ብዙሓት ዘየፍቅድ ብእኩብ ሓሳባትን ናይ ኩሎም ድልየታት ኣብ ግምት ዘእተወን ስለ ዘይኮነ።

ኣመራርሓን ኣነባብራን እስራኤላውያን ንሓደ ኣምሊኹ ነቲ ካልእ ዝጸቅጥ ከም ዘይኮነ መዓልታዊ ትርእዮን ትመሃረሉን ልምዲ እዩ።ወለዲ ንውሉዶም ንኽዛረቡን ሓሳቦም ንኽገልጹን ይደፋፍእዎም ዋላ ጌጋ ይኹንምበር የዛርብዎም ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎም እቶም ህጻናት ንወለዶም ናብ ዝደለይዎ ቦታ መሪሖም ይኸዱ ቦኹሪ ኮነ ሕሳስ ልደቲ ገዛ ማዕረ ይዛረቡን ይማጎቱን ክሳብ ዝኣምኑሉ ድማ ኣይዓርፉን። ኣደ ንኣቦኹም ፍርሑ ኣይትብልን። ስለዚ እቶም ቆልዑ ኣብ ውሽጦም ዝዓቢ ፍርሒ የብሎምን።
ኤርትራዊ ትብዓት ዝምህሮ’ምበር ፍርሂ ዝውስኸሉ ኣይሰኣነን። እቲ ክሳዕ ሕጂ ካብ ውሽጥና ዘይጠፍአን ከነጥፋኦ’ውን ኣጸጊሙናን ዘሎ ፍርሒ፣ ነቶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉጅለኣዊ ጉዕዞታት ኪመርሑና ኢልና ንመርጾም ሰባት እንገብረሎም ምቁጽጻር ኮነ ምክትታል ስለ ዘየለ ይመስለኒ። እቲ ንመርጾ ሰብ ኮነ ጉጅለ ነቲ ንሕና ንደልዮ ከተግብር ኣምበር ነቲ ንሱ ዝደልዮ ንሕና ከነተግብር ጥራይ ከም ዘይኮነ ኣይተማሃርናን። ኣብታ መበቆላዊት ቤትና ኣቦና ዝበለናን ዝወሰነልናን ዕጫ ኣንተዘይኮይኑ ንሕና ዝወሰኽናዮ ሓሳባት ኮነ ድልየታት ተቐባልነት ዝረኽበሉ ሳሕቲ ስለ ዝነበረ። ድልየትናን ምርጫናን ብኣና ኣብ ክንዲ ዝውሰን በቶም ዝመረጽናዮምን ዝሰራሕናዮምን ዲክታቶራትና ደኣ።

ሕጂ ይጠራጠር፣ ዓለም ጠባይ ህዝብና ፈሊጣ ከይትኸውን ህዝቢ ኤርትራ ኪውስን ኣይክእልን’ዩ ዝበለት። ግና ቅንዕና ኣይነበሮን ፣ ደቅናን ኣሕዋትናን ኣቦታትና’ውን ከፊልና ኣብ ስልጣን ዘንበርናዮ ሕዋይ መራሒ ንሶም ኣብ ሜዳ ዝሰርሕዎን ዘጎበዝዎን ዲክታቶር ምዃኑ ብዙሓት መጻሕፍቲን ናይ ታሪኽ ፈላጣትን ይሰማምዕሉ። ዝገርመኒ ድማ ነቲ ዝፈጠርናዮን ዘዕበናዮን ዳይኖሰር ንምውዳቑ ተጸጊምና ምህላውና’ዩ። ልዕሊቲ ንሕና ዝፈለጥናዮ ንሱ ፈሊጡና፣ ንዑኡ ዘድከምና እናመሰለና ብስም ተቓወምቲን ተጣበቕቲን ብዙሓት ነኣሽቱ ዲክታቶራት ንፈጥር ዘሎና ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ደምበ ተቓውሞን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ንርእዮ ዘለና ንጥፈታት ናይ ሓባር ምዃኑ ዝዘንጋዕና ንመስል። ድሮ ስም ውልቀሰባት ብፍሉይ እናረቛሕና ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ተሓጋገዝቲን ውፉያትን ረሲዕና ስሞም ከም ጣኦት ምድግጋም ከም ሞዴል ይተኣታቶ ኣሎ። ብዙሓት ነኣሽቱ ዲክታቶራት ነጎብዝ ዘለና ኮይኑ ይስመዓኒ እዚ ነቶም ደምበታት ተቓወሞን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝተፈላለየ ርክባት ነቐፌታ ምስ ትህቦም ኪትእርሞም ምስ ትፍትን ኣብ ልዕሌኻ ዘሕድርዎ ጽልኢን ዝገብሩልካ ተነጽሎን መርኣያ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ካብ እስራኤል
ፔታህ ቲክቫ

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ፍጹም ዘሚኪኤልን ናይ ሙዚቃ ዓለሙን

 

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ ድምጻዊ ፍጹም ዘሚኪኤል ዝተወሰደ ስእሊ።

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ ድምጻዊ ፍጹም ዘሚኪኤል ዝተወሰደ ስእሊ።

ድምጻዉን ጸሓፊ ሕድማን ዝኾነ ፍጹም ዘሚኪኤል፡ ሓደ ካብ ሳልሳይ ወለዶ ሙዚቀኛታትና’ዩ።  ካብ ፈለምኡ ናተይ ዝብሎ ዕሊ ኣዘያይማ፡ ህርመት ፡ ቅዲ፡ ስነ-ጥበባዊ ቓንቃን ምንቅስቃስን ሒዙ’ዩ ናብ ዓለመ ሙዚቃ መጺኡ። ኣብ ቦኽሪ ፍርያቱ ድማ ኣመና  በሪኹ ተራእዩ። ኣበጋግስኡ ጥራይ፡  ናብቲ ዝራሓቀ ኣድማስ ስነ-ጥበብን ንኪኖ ኪንኡን ዝበርር፡  ተወንጫፊ ኮኾብ ምኻኑ፡  ይእምት። ብርግጽ’ዉን ንሱ ተወንጫፊ ኮኾብ’ዩ። ስነ-ጥበባዊ ጉዕዝኡ፡ ንዕኡ ልዕሊ ዝናን ነገራዊ ጻማን ዝኸይድ፡ መንፈሳዊ ዕላማ’ዩ ዘሎዎ። እቲ ነፍሲ ወከፍ ካሊኢት ካብ ሂወቱ፡  ንምእንትኡ ኢሉ ዝበጀወሉ ሞያ ድማ፡   ካብ ሂወቱ ከም ዝዓብዮ’ዩ ዝዛረብ። ንስለኡ ኢሉ ዘይገብሮ ድማ የልቦን። ንሞይኡ ከዕቢ ብምሕላን፡  ዘይሰገሮ ሓጹርን ዘይሓኾሮ እምባን’ዉን ፡ የሎን። እነሆ ድማ፡ ናብ ጥርዚ ሙዚቃዊ ብቅዓቱ ዝድይበሉ ኣንፈት፡ ገጹ ይምርሽ።

ድሮ፡  እታ ናይ ፈለምኡ ዝኾነት ኣልበሙ ካብ ዝዝርግሕ ፡19 ዓመት ፡ተዓዚሩ ኣሎ። ኣብ መንጎ’ዚ ናይ ክልተ ዕቁድ ዓመታት፡ ኣርባዕተ ኣልበማት ናብ ኣእዛን ሰማዕቲ ብምላኽ፥ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ፡  ሻዱሸይቲ ኣልበሙ ንምዝርጋሕ፡ ኣብ ጽዑቅ ምሽብሻብ፡ ይርከብ። መጺእዎ ዘሎ ስነ-ጥበባዊ ጉዕዞ፡ ነዊሕ – ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ዘጥረዮ ክእለትን ተመኩሮን፥ ሕሉፍ – ኣብ ሑጻ ኤርትራዊ ሙዚቃ ኣንቢርዎ ዝርከብ ኣሰር ድማ፡ ግዙፍ ክንሱ፡ ዉሑድ ዝተመጎሰን ዘይተመስገነን ስነ-ጥበባዊ፡  ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ፥ ፍጹም ዘሚኪኤል።

ዝሓለፈ ሰሙን፡  ኣመሪካ ዝመደበሩ ስነ-ጥበባዊ ኣማኒኤል ዘሚኪኤል ፡ ሓንቲ ብስራት፡  ኣብ ፈይስ ቡክ፡ ኣካፊሉ ኔሩ። ኣነን ኤማን ኸእ፡ ናይ ፈይስ ቡክ ኣዕሩኽ ብምንባር፡ና ነታ ብስራት ከም ሰበይ ክካፈላ፡ ዕድል ጌረ። ከፍ ዘለዎ፡ ወኒ ዝቅስቅስ፡ ብስራት’ዩ። እንታይ ‘ሞ ክብለኩም’የ. . ብሓጎስ ክዓብድ ደልየ። በርከ!  ሰናይ ዘይየሐጉሶ’ሞ መን ከይህሉ።

እቲ ብስራት፥ ፍጹም ዘሚኪኤል ናይ ግሉ መርበብ ሓቤረታ፡ ከም ዝዘርገሐ፡ ዝገልጽ’ዩ ኔሩ። ተቃላጢፈ ንመላግቦ ናይቲ ዜና ምስ ጠወቅክዎ ድማ፡ ዓይነይ ብዝርኣዮ ባህ በለኒ።’ ድንቂ. . .ኣማን ብኣማን ድንቂ!’ በልኩ። ሰብ ፋሕተርተር ኢሉ፥ ሓሳባት ተሓሊቡ፡  ባህጊ ተወንዚፉ፡ ዝሰረሖ ኩሉ፡ እጹብ’ዩ። ድሕሪ’ዚ ዝመጽእ፡  ናይ ተመልካቲ ዕግበት’ዩ። እቲ ዕግበት እቲ ናይ ልቢ፥ ናይ መንፈስ’ዩ። ወትሩ ድማ ካብ ሕልናኻ ከይተኣለየ ይነብር። ንሓዋሩ የሳልየካን የናብረካን። እንድዒ’ምበር ንኻልኦት ናዓይሲ ከምኡ ዓይነት ተምሳጥ’ዩ ፈጢሩለይ።

ብኡንብኡ ብዛዕባ ፍጹም ምሕሳብ ጀመርኩ። የግዳስ ዝጅመር’ምበር፡  ዝዉዳእ ሓሳብ ኣይነበረን። ክብል ክብል ግዳ፡ ብዝኽረት ናብ ድሕሪት፡  ናብ ንእስነተይ፡  ናብ ገዛዉትና፡ ናብቲ ክራር እናሃረምና ነማስየሉ ዝነበርና፡  ኩርናዕ ኣበልኩ። ኣካለይ ኣበ ገለ ገሊኡ፡ ኣእሙረይ’ዚ ናፋቂ ድማ፡  ናብቲ ዝዓበኽሉ ገዛዉቲ፡  ኸደ። ናይ ፍጹም ደርፍታት ብፍላይ እታ፥

ሰብ ጠላም ረጋጺ መኣዱ

ብጥቅሚ ይልወጥ ንከብዱ

ገንዘብ ግን ገንዘብ ግን ሓላፋይ

ሓድጊ’ዩ ጽቡቅ  ግብሪ ተራፋይ

ከምኡ’ዉን፥

ኩሉ ግደፍዮ ኣይትቀየምኒ

ካልእ ኣየፍቀርኩን ንዓይ እመንኒ

ብመን ክምሕለልኪ ብመን ትኣምንኒ

ካልእ የብለይን ንዒ ተለመኒ

. . . ናይ ዝመሰላ ዜማታት፡ ብናይ ተልመዴን ህርሚት፡ ናይ እትዝይም ክራር ድምጺ፡ ኣብ ኣእዛነይ፡  ኣቃለሐ። ሓንሳብ. . .ሓንሳብ . .እስከ ሓንሳብ! ኣበይ ድየ ዘለኹ? ካብ ኣንጎሎ ናይ ገዛዉተይ ደኣ ኣዝየ’ዶ ርሒቀ ኣየለኹን ግዲ ። ግና. .ግና ቃና ናይታ ክራር ክህርህር፡ ዘዳምጾ ዝነበርኩ ኮይኑ፡  መሰለኒ።

ኣይናይ ሕልምን . .ናይ ጋህዲ’ምበር።

እቲ ድምጺ ድማ፡ ቀስ እናበለ ናብ ኣእዛነይ  ዝቀረበ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ምስኡ ኸኣ፡ ሓጎስ ብሓጎስ ኮንኩ – ብሓርኮትኮት ፍጹም ዘሚኪኤል ተሓጎስኩ። ኣብ መወዳእታ፥ ‘ እዚ ወድስ ኣኺልዎ ሓድሽ ክፈጥር ክነብር’  ብምባል ኣስተንተንኩ። ነቲ ብትሕቲ መልሓሰይ ዝበልክዎ ድማ፡ ኣብታ ኣማኒኤል ዘሚኪኤል ዝለጠፋ ዜና፡ ዳሕዳሕኩዎ።

ንቀልዓለም ዝበልክዎ ኣይነበረን። ካብ ልበይ ናይ ልበይ’የ ተዛሪበ። ሕጂ’ዉን ይደግሞ ኣሎኹ። እቶም እትፈልጥዎ፡ ብዕድመ መዛንኡ ዝኾንኩም፡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡  ልዕሊ’ዚ  ናተይ ጌርኩም ክትገልጽዎ ከምትኽእሉ፡ ጥርጥር የብለይን። እቶም፡  ጠሪሽኩም ዘይትፈልጥዎ፡ ወይ ደብዛዝ ዝኾነ ስእሉ ዘለኩም፡  ኣሓትን ኣሕዋትን ግና፡  ኣብ ባህ ዝበለኩም ከይድኩም፡ ክትሓትሉ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደራ ክብለኩም ግና ኣፍቅዱለይ።

እ. . ወ ሓደራ! ፍጹም ዘሚኪኤል መን ምኻኑ ክትፈልጡ፡ ፈለማ ናጻ ኩኑ። ናጻ ኹኑ ድየ ዝበልኩ። ካብ ቅድመ-ፍርዲ፡ ግልል በሉ ዝብል ኣፍ’ዩ። ናጻ ምኻን’ዉን ዝጽላእ ኣይኮነን። ቅድሚ ዝኣገረ፡  ካብ ቅድሚ ፍርዲ ርሓቁ ክብል እንከለኹ፥ ናይ ገዛእ ርእስኹም እለሻ ኣብ ምግባር  ተጸሚድኩም ክርኢ፡ ስለ ዝሃረፍኩ፡ ጥራይ ምኻነይ፡ ክትርድኡለይ፡  ተስፋ ይገብር። ዳሓር ከኣ ከም ቅድመ ፍርዲ ዝበለ፡ ንፍልጠት ሓንካሊ ዝኾነ ነገር፡ ኮቶ ከም ዘየልቦ፡ ድሮ ፈሊጥኩሞ ከም ዘለኹም፡  ግምት ኣሎኒ።። መን ከም ዝነደቆ ደኣ እዝጊ ዋንኡ’ምበር፥  ቅድሚ ፍርዲ፡  ኣብ መንጎ ድንቁርናን ፍልጠትን ዝተተኽለ፡ዓቢ መንደቅ’ዩ። ነዚ  መንደቅ እዚ ኣፍሪሰ ንእዒንተይ ኣርሒቀን መታን ክርእያለይሲ  ዘይፈንቀልክዎ እምኒ የሎን። ቀሊል ዕማም’ዩ ኣይብሎን። ምስ ፍጹም ዘሚኪኤል ካብ ምዕላል ግና ኣይዓገተንን። ስለዚ ነቲ ሓቐኛ ሰብነት ናይዚ ሙዚቃዊ ዓወት ዝኾነ ፍጹም ዘሚኪኤል ንምርኣይ ዘኽኣለኒ ጥበብ’የ እምበኣረይ ምሳኹምን ምሳኽንን ኩቡራት ኣንበብተይ ዘካፍል ዘለኹ።

ትማሊ ምሸት፡   ንፍጹም ዘሚኪኤል፡ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓት፡ ከዕልሎ፡ ዕድል ረኺበ ኔረ። ቅድሚ ገለ ማዓልታት፡ ናይ ፈይስቡክ ኣዕሩኽ ንኽንከዉን  ተወከስክዎ። ንዕድመይ ምስ ኣኽበረለይ፥ ከይዋዓልኩ ከይሓደርኩ ከዕልሎ ከምዝደልን ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ ሂወቱ ክጽሕፍ ዉጥን ከም ዘለንን ጸሓፍኩሉ። መን ደኣ ትባሃል ኢሉ ኣይየዋጠረንን። ክይደንጎየ ’ሕራዩ ’ ለኣኸለይ። ንጽባሒቱ ንኽንራኸብ ድማ ብቆጸሮ ተፈላለና። ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ቆጸራና ተራኸብና። ድሓን ኣይእቶ ናይ ኢንተርነት መስመር ግዳ ተጻባኣና። ካልእ ቆጸራ ከይ ገበርና ክንፋላለ ድማ ግድን ኾነ። ድሕሪ ሳልስቲ ኣብ መስመር ጎፍ ተራኸብና። ድሕሪ ‘መዓልካ. . .መዓልኻ’’፥ ከነዕልል ይጥዕሞ እንተኾይኑ ተወከስክዎ። ብቅልጡፍ ፍቃዱ ኣስማዓኒ። ኣብ . .ኣብ በበይኑ ጆግራፊካዊ ነጥቢ ዝተደኮና ናይ ክልተና ቤት ኮይና ድማ ነቲ ናይ ቪድዮ ወግዕና ብሰላምታ ጀመርናዮ።

ቅድሚ ናብ ጽማቅ ዕላልና ምእታወይ ሓደ ነገር ክጠቅስ’የ። ፍጹም ዘሚኪኤል ንነፍሲ ወከፍ ዘቅርበሉ ዝነበርኩ ሕቶ ናብ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ጠርኒፉ’ዩ ክምልሰለይ ኣምሲዩ።

‘’እዚ ወለዶ ንፍልጠት ዕላማይ ኢሉ ክሕዞ ኣሎዎ። ‘’ ትብል ሓሳብ ሓንሳብ መኽፈቲት ሓንሳብ ድማ  መኽደኒት ኣፉ ’ያ ኮይና ኣምስያ። ኩሉ ዕላሉ ድማ ካብዛ ንጽል መስመረ-ሓሳብ ፈንከት ከይበለ ኢና፡ ተፋላሊና። ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ድማ ሃገር ብትምህርቲ’ምበር ብደርፊ ከም ዘይትህነጽ ርግጸኛ ኮይኑ ተዛሪቡኒ ኔሩ።

ብጥቁልሉ ኣብ ኣራኣኣይኡ ኣዝዩ ትስፉዉ ጥራይ ኢለ ክገልጾ ዘስክፈኒ ናይ እምንቶ ምንፈስ’የ ተዓዚበሉ። ብፍላይ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ ዘለዎ እምነትን ግዳስን ሕልፍ ዝበለ’ዩ። ነዚ ድማ ነዛ ኣብ ቀረባ ግዜ ክዝርግሓ ዝዳሎ ዘሎ ኣልበሙ ንምዉዕዋ ዝጥቀመሉ ዘሎ ቴማ ንባዕሉ ገላጺ ኣብነት’ዩ። 4ይቲ ኣልበሙ ንባዕላ ኣብ ክንዲ ልሙድ ብዝኾነ ስያመ ትጥመቅ ኮይኑዎ ስማ “new generation’ ወይ ሓዲሽ ወለዶ’ያ ትባሃል።እእእምምም. .

ሓንሳብ፡ ንእመሪካዊ መንፈሳዊ ምኒስተርን  ጸሓፍን  ኖርማን ቪንሰንት ኣዝዩ ከም ዘድንቆ ነጊሩኒ ብምንባሩ፥ በቲ  ናይ ዓለምና ሻምፕዮን ናይ  ‘ብኣወንታ ምሕሳብ’ ምኻኑ ዝንገረሉ ጸሓፋይ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጸለወ ክርዳእ  ኣይተጸገምኩን።

ብተወሳኺ ፍጹም ዘሚኪኤል ብ ኣያታት ኤርትራዊ ሙዚቃ  ብፍላይ ናይ ዘመናዊ ደርፍታት ዝኾኑ፥ ሃይለ ገብሩ፥ ዕስማን ዓብደሪሑምን ተኽለ ተስፋዝግን ኣመና ከምዝተጸለወን እቲ ሕጂ ዝዓየሉ ዝርከብ ቅዲ ድማ ዉጺኢት ናይቲ ጽልዋ ሙኻኑ ከይከዋወለ’ዩ ገሊጹለይ። ንኣብራር ዑስማንን የማነ ባርያን ድማ ናይ ኤርትራ ‘ኣይኮን’’ዮም  ድሕሪ ምባል፡ ክንዲ’ቲ ነፍሶም ሰሊዖም ዝሃቡና ልዑል ዝኾነ ክብሪ ከነርእዮም ዘይምኽኣልና ከም ዘሕዝኖ  ርእሱ እናነቅነቀ ነጊሩን።

ብሓፈሻ ንፍጹም ዘይሓተትክዎ ሕቶ ኣይነበረንን። ምናልባት እቶም ሕቶታት ሕቶ ነፍሲ ወከፍ ፈለጥቱን ሰዓብቱን’ዮም ኢለ እኳ እንተዘይተጃሃርኩ፡ ተዛማዲ ብዝኾነ ገምጋመይ ግዳስ፡ ንፍጹም ይምልከት’ዩ ኢለ ዝገመትክዎ  ሕቶ ካብ ምሕታት; ኣይተቆጠብኩን። ንሱ’ዉን ነቲ ቤላ-ቤለዉ ዓይነት፡ ናይ ተጸናጸንቲ ሕቶታተይ፡ ከይተረፈ’ዩ ብምቁሉል ርትዑ፡ መሊሱለይ።

ንኣብነት፥  ብዛዕባ’ቲ ድሕሪ ፍጹም፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጲያ ምጋሹ ዝተነዝሐ ፡ ናዓይ’ዉን ዘይሓለፈኒ ወረን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጲያ ኮይኑ ኣንጻር ኤርትራዉያን፡ ፈጺምዎ ዝብሃልን ከይተረፈ’የ ሓቲተዮ። ፍጹም፡  ንሕቶታተይ ሸለል ከይኣዘዘ፡ ማዕቀኑ ዝኾነ መልሲ ካብ ምሃብ ግን  ኣይሓንገደንን።

ነዝን ንሕብራዊ ወግዑን ድማ ኣዝየ የምስግኖ።

እምባረይ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ ኤሪ-ኣፕ ንሎሚ ነዚ ጽሑፍ ኣብዚ ከምንግዎ’የ፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ድማ፡ ጽማቅ ወግዐይ ምስ ድምጻዊን ጸሓፊ ሕድማን ዝኾነ ፡ ፍጹም ዘሚኪኤል ሒዘ ክምለሰኩም’የ። ክሳብ ሽዑ ግን  . .

ሰስናዩ ምሳኽንን ምሳኹምን ይኹን!

Posted in ስነ - ጥበብ | 7 Comments

ጸሓይ ኣብ ዓዱኹም ኣላትኩም ዶ?

ኣንታይ  ዝበልዎ  ዓሻ  ሕቶ’ዩ  እዚ !

ወላ  ንሓደ ካብ  ኣላስካ  ዝመጸ ወዲ  ኣስኪሞ  ‘ዉን  ከምዚ ዓይነት  ጥያቀ  ምቅራብ  ኩልኩል  ሙኻኑ  ዘይ ፈልጥ  ኣሎና? ነዚ  ዝመስል  ሕቶ  ዘቅርብ  ድማ  ንስሙ  ኣብ  ሊስታ  ናይ  ዝዓሸዉ  ሰባት  ብምስፋር  ጥራይ  ዝሓልፈሉ   ኣይኮነን ። ካብኡ   ዝገደድ  ኣሎ. . . . .

ምናልባት  ንሓደ  እንተ  ብስደት  እንተ  ብዝሮት  ናብ ዓድኻ ዝመጸ  ጋሻ  ፡ ምስ  ዓዱ  ከላልየካ  ዝክእል   ሽሕ  ሕቶ  ክትድርብየሉ  ሓላል እዩ ። ሕቶኻ  ግና ካብ  ጆኦግራፊ ፡ ፖሎቲካ ፡ ኢኮኖምያ ፡ ሕብረተሰብ ፡ ታሪኽ ፡ቓንቃ ፡ ባህሊ ፡ ሃይማኖት ዝመሰሉ ወጺኡ  ብጥሪኣ ‘ጻሓይ ኣብ ዓድኹም ኣላትኩም’ዶ’ ዝብል ምስዝኾውን ፡ ጸርፊ ንነብስኻ ፡ ጽርፊ ንሕብረተሰብካ ፡ጸርፊ ንሃገርካ  እዩ ።

መን ፡ ወዲ መን ፡ ወዲ’በይ እዩ ከምዚ ኢሉ  ዝሓትት ዶ ትብሉ ኣሎኹም ? ከዕልለኩም እየ ! ነምሺ በስ ድዮም ዝብሉ ሰብ  ሶዳን  ነምሺ  በስ. . . .    ኣነ  ዝሰማዕኩዎን  ዝራኹዎን  ክጽሕፍ  እየ ። ንስኹም ድማ ኣንብቡ. . .

ሓደ  እዋን  እዩ ፡ ሶዳን  በጺሑ   ንዝተመልሰ  ዘመደይ   ክርኢ ፡ ብኡ ቢለ ድማ ድሃይ ስደትን ስደተኛታትን  ንከጥልል  ናብ  ቤቱ ይኸደልኩም ። ገሪሙኩም  ዶ . . .ንገለና  ሶዳን በጺሑ  ተመሊሱ  ዝብል  ዘረባ  እንክንሰምዕ  ድንቅ  ኢና  ንብል ። ከምዚ  መይቱ  ነይሩስ  ተንሲኡ  ዝተባሃልና ድማ  ሶዳን  በጺሑ  ከመይ  ኣቢሉ  ይምለስ  ኢልና ንጠፈር  ዝሕንቦብ  ሮከት  ሕቶ  ንውንጭፍ ። ነገር  ግን  ፡ ገለ ይኸዱ’ሞ  ኣይምለሱን ፡ ገለ  ይኸዱ’ሞ  ይምለሱ ፡ገለ ድማ ጨሪሾም ኣይከዱን እዮም ።

ቁሩብ  ዶ  ይህውትት ኣሎኹ ? ዳሓን ዘመደይ  ናብ  ሶዳን  ጉዳይ  ጥዕና  ክገብር’ዩ  ከይዱ  ነይሩ፡ ‘ ነይ . .ነይ  ኣይሰለጦን  እምበር  ባኣኣ  ገይሩ  ሸተት  ክብለላ’ዩ  ሓሲቡ ነይሩ ‘ ኢልኩም  እንተኸተርኩምኒ  ፡  እዝጊ  ዋንኡ  ጥራይ  እያ  መልሰይ  ። ወይለይ  ከመይ  ኣቢለ  ዳኣ  ብዛዕባ  ሓደ  ዓይነይ  መሊአ ዘይሪኦ  ንዓይ  ዝኣያይ  ሰብ  ክምሕል ። ኣይኮነን  ብኣዝማድና  ብነብስና   እካ   ምምሓል  ተመንዩና ኣሎ. . . ነምሺ ግዳ. . .

ብዝኾነ  ኣነ  ናብ  ሶዳን  ናይ   ምስጋር  ጥሙሕ  ስለ  ዝነበረኒ  ፡ ንዘመደይ  ትስዕም  ኣቢለዮ  ፡  ገና  መቃምጦይ  ከይየጣጣሕኩ  እየ  ናብ  ምጥያቅ  ኣትየ ። ኣነን  ይሓትት  ንሱ  ድማ  ይምልስ ። ብዛዕባ  እዛ  ናይ  ምዕራብ  ጎረቤትና  ዝፈልጦ  ዝነበርኩ  እናኣምጻእኩ  ንክዉስኽ  ይቅስቅሶ .  . . .

ሶዳንን ፖሎቲካን ፡  ሶዳንን ኢኮኖምያን ፡ ሶዳንን ህዝባን ፡ ሶዳናውያንን ባህልን ፡ ሶዳናውያንን ናብራን ፡ ሶዳናውያንን ንቅሓትን ፡ ሶዳናውያንን ስደተኛታትን ፡ ኤረትራውያን ስደተኛታትን ሂወቶምን . . .

ሽሕ  ሕቶ’ዩ . . . . . .

ዘመደይ  ሓየት  ድማ  ንእለት  ናብ  ሶዳን  ስፐሻሊስት  ተቀይሩለይ  ዊዕሉ ።

‘ ስማዕ  እንዶ  ስልጣነኸ .  . .ሰልጢኖም ዶ?’ ኢለ    ክሓቶ  እንከለኹ ‘ ነቲ  ዑደት  ኩቡር ፕረዝደንት  ኢርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ሱዳን ‘ ዝብል ኣርእስቲ  ኣምሪሑ ፡ ፕረዝደንት  ኣብ ትካላትን  ከተማታትን  ሶዳን  ሓንሳብ  ብእግሩ  ሓንሳብ  ከኣ  ብማኪና  ኣናጎየየ  ዘርኢ ናይ  ቲቪ -ኤረ መደብ  ይቕጀለኒ  ነይሩ ። ካመራ  ናይ ቲቪ -ኤረ  ዝቀዳሓቶ  ፡  ስእሊ ናይ  ሓንቲ ኣብ  ዝባን  ዕና  ዝበቆለት ምጭውቲ ዕንበባ  እትመስል  ከተማ -ካርቱም  ድማ ወትሩ እቲ መደብ  እንክምጽእ ካብ ዝምስጠኒ ዝነበረ እዩ ። ከም ዎዮ ሓደ  ሊቅ (ኣማኑኤል ካንት ዶ ይኸውን) ዝበሎዩ ፡ ሰብ  ነቲ  ክሪኦ  ዝደሊ ስለ ዝርኢ ፡  ኣነ ድማ ክሪኦ ዝደሊ ሪአ . . . ነምሺ  በስ

. . . .   .  ኣብ ስልጣነ ዶ በጺሕና  ነይርና ?

ንባዓል  ስልጣነ ፡ ሰልጠነ ፡ ሰለጠ ፡ ስልጣንይ  ፡ ሳላጣ   ዝባሃሉ ክፍተውኒ ጉድ ‘ዮም ። ሰብ  ንስልጣነ  ክሰልጠሉ ኣሎዎ እየ  ዝብል ። ስልጣነ  እኩብ  ሽቶ  ስለ ዝኾነ  ድማ  ቅድም ቀዳድም  ኩሉ  ሰብ  ነነብሱ  ከስልጥን  ኣሎዎ   ። ድሕሪ  እዚ ኩሉ  ሰልጠነ  ዘበለ  ምስ  ስልጡናት  ጀሚዑ  ካብ ሓንቲ  ስልጣንያ   ሳላጣ  ይምሳሕ ማለት እዩ ። ከመይ ፍቾሪስቲክ  ዶ  ኣቢለ ! በሉ ንዓኹም  ስልጣነን  ሳላጣን  ከመይ  ከም ዝዛመዱ  ክትሓስብሉ እናሓደግኩኹም ፡ ናብ  መልሲ  ዘመደይ  ክዎስዶኩም . . . .

ኪር . .ክር .( ነዊሕ  ሳሓቅ)

ዘመደይ ገለ  ዘኪሩ ከምዝሳሓቀ ጥራይ ‘የ  ርግጸኛ  ነይረ ።

ዘይነገርኩኹም እባ . . .

እቲ ቀደም . . . ሰብ  ኤርትራ ገለን  ናብ  ገድሊ  ገለን  ድማ  ናብ  ስደት  ዝብተንሉ  ዝነበሩ  እዋነ  ጁጅ -ማጁጅ ( ካብ  ሓንቲ  ግጥሚ  እየ  መንዚዐያ ) ዘመደይ ‘ዉን  ናብ  ሶዳን  ተሰዲዱ ነበረ ። ቡኡ ቢሉ ከይ ቀጸለ ግና ፡  ኮለነል ዑመር ኣልበሽር  ን ኣልማህዲ  ብዉሑዳት ካልቾ  ኣብ  ዝዓለወሉ  ቕነ  ናብ  ገድሊ  ተጸንቢሩስ ፡ ናይ ተገዳላይ  ቅጽል  ሒዙ  ናብ  ኣስመራ ኣትዩ  ነይሩ ። ኣይወርሒ ኣይዓመት  ግዳ   እዛ   ተገዳላይ  ኣትብል  ቅጽል   ናብ  ናይ  ተስዓ  ተቀይራ ። ዘመደይ በዚኣ  ሕጉስ  ከምዘይነበረ  ድማ  ሓደ  ምሸት  ኣንፊሱለይ   ከምዝነበረ ይዝክር ።

ስለዚ  ዘመደይ  ዓረበኛ ከምዝመልኽ ሒዝኩምኒ ኣሎኹም. . . .ሳሕ( ብዓረበኛ ሓቀይ ዶ  ንማለት እዩ)

ኪር . . ኪር (ሓጺር ሳሓቅ) ኣነ ‘ውን  ሲሒቁ ኢለ  ዳኣ  ሰሓቅኩ ። ዘመደይ ንሓንቲ ኣብቲ ዝሕከመሉ  ዝነበር ኦስቢዳለ ዝረኸባ ሱዳናዊት ሰበይቲ  እናጠቀሰ  ድማኒ  ዕላል -ስልጣነ ጀመረ ። ዘመደይን ኣታ ሰበይትን ዝተማላለስዎ ዝርርብ  ነዚ ይመስል ነበረ . . .

እታ ሰበይቲ – ኢትዮጲ ዲኻ ? ( ብሱዳኒ ኢትዮጳዊ ማለት እዩ)

ዘመደይ – ኣይኮንኩን

እታ ሰበይቲ – ሓበሻ ዶ ኣይኮንካን ?

ዘመደይ  –  ሓበሻ እምበር

እታ ሰበይቲ – ሓበሻን   ዘዪትዮጲን ዳኣ ከመይ  ኣቢሉ  ይኾውን !

ዘመደይ ኮነ ኢሉ ኤርትራዊ  ምኻኑ  ክነግራ ከምዘይ ደለየ  ብሓበን  ኣብራሃለይ ።  ስለምንታይ ኢለ  ብሕቶ ከያዋጠርኩዎ  ከለኹ   ድማ  ጸኒሑ ኤርትራዊ   ምኻኑ ከምዝገለጸላ ሓበረኒ ። ኣልግብ ኣቢሉ ድማ ንኤርትራ  ትፈልጣ  ኣንተኾነት ከምዝሓተታ መለአ ።

ኣታ  ሰበይቲ  ብወገና  እዛ  ዘመደይ  ዝገለጸላ  ዓዲ  ኣብ  ኢትዮጲ  ትርከብ  እንተኾይና  ክትብል  ብሕቶ  ምስመለሰትሉ ፡  ዘመደይ   ብትዕግስቲ  ኤርትራ መን ከምዝኾነት ገለጸላ . . .

. . ንኤርትራን ህዝባን ፡ ታሪኻን ገድላን  እናኣልዓለ . . .

ንሳ  ድማ  እንተ  ናይ  ነገር  ዕብየት (50ታት) ፡  እንተ ናይ  ነገር  ሓድሽ  ፍልጠት  ጽን ኢላ ሰመዓቶ ። ሌሉኡ ምስ ጠረሸ   ድማ  ንትዕግስቱ  ትጥርሽ  ሕቶ  ደርበየትሉ .  . .

‘ ጻሓይ  ኣብ  ዓድኹም  ኣላትኩም’ዶ?’

. . . ዘመደይ ብሳሓቅ  ትዋሕ በለ ። ሰበይቱን ኣብ ሞንጎ ዕላልና ታሓዊሶም ዝነበሩ  ኣጋይሽን  ድማ  ሰዓብዎ ። ኣንተ ኣን  ግን  ምስ ዝሰሓቀ  ዘመደይ  ኣይሰሓቅኩን ። እምበሺ ናብ  ዲቅ ዝበለ  ሕሳብ  ጠሓልኩ ።

. . . ወረ  እንታይ  ከምዝበለ ኣይተረዳንን ። ብዘይ ስክፍታ  ድማ ንክደግመለይ  ተማሕጸንኩዎ ።

ዘመደይ  ሰሓቑ  ከይበተኸ፥  ”ኣብ ዓድኹም ጻሓይ  ኣላትኩም’ዶ ”ኢልትኒ፥  በለኒ ። ነታ  ቀዳመይቲ  ዘረቡኡ  ብካልእ  ስዋሱው ሰሪዑ ። ቀጺሉ ድማ  ሱዳናዉያን  ኣዝዮም  ገርህታትን  ሕያዎትን  ምኻኖም  ናብ   ምግላጽ  ኣተወ  ።

ብርግጽ . . .

ሱዳናዉይን  ገርህታትን  ሕያዎትን  እዮም  ። ዝኾነ ሕብረተሰብ ብጥርኑፍ  ከረአ  እንከሎ  ብኸምዚ ይግለጽ ይኸዉን  ። ናይዞም   ‘ተፈደል’  ንእትብል  ሓረግ   ማዕረ  ስም  ነቢ ማሓመድ  ዝደጋግሙዋን  ዝትግብርዋን  ህዝቢ  ሕያዉነትን ግርህነትን  ግና ፍሉይ  እዩ ። ፍሉይኖቱ ኸኣ  ድሕሪ  ዓመት  ካብታ  ምስ  ዘመደይ  ዘዕለልናልእ  ግዜ  ብትሕቲ ኣፍሙዝ  ብረት  ሓለውቲ ዶብን  ራሻይዳን  ንስክላ ወጺአ  ናብ  ሶዳን ምስ ሰገርኩ  እየ  ኣስተብሂለሉ ።

ሶዳናዉያን  ኣብ ሎሚ  እዮም  ዝነብሩ ። ሎሚ  ፡ ከመይ  ገይሮም  ድራር  እለቶም  ይረኽቡ  ጥራይ  ይሓልሙ ። ከም ትዕዝብተይ  ድማ  ብዛዕባ  ጽባሕን ኪኖ ኪኖኣ ዘለዋ ማዓልታትን  ዝጭነቁ  ኣይኮኑን ።  መንብሮ ድዩ ሓይልዎም  ወላ ነዊሕ ዘታተዩዎ ልምዲ  እዩ  ናብዚ  ኣዉዲቅዎም ኣይፈልጥን  ። ኣብዛ ዓዲ ዓመት ገይረ  ዝተዓዘብኩዎ ግን ንሱ እዩ ።

ናብ  ጻሓይና  ንመለስ . . .

ናዓይ  ዓደይ  ሓቲቱ  ጻሓይ ዶ ወርሒ ዝምልእ ሱዳንዊ ኣይጎነፈንን ። ሓቂ ትሓይሽ ፡ ብዙሕ ዓረበኛ ስለዘይመለኽኩ ‘ውን  ከምቲ  ዝብህጎ  ገይረ  ምስ  ስዳናዉያን  ኣያዕለልኩን ዘለኹ ። ዕድል ምስ  ዝረክብ  ግና ብኣስቶርጋሚ  ገይረ  ታሃነይ  የውጽእ እየ ። ኣዘንግዕ ኣቢለ ‘ውን ደርጎስጎስ  ምባል  ኣይሓደግኩን ።

ዕላል  ዘመደይ  ባዕለ ፈጠራ ዶ ይኸውን ?

ኣብ  ካርቱም  ዓመታት  ዝተቀመጡ  ኤርትራውያን  ከምቲ ናይ ዘመደይ ዝመስል፥  ሕቶ ዘይ ኣኸለ ሕቶ ሰሚዖም  ከምዝፈልጡ  ዘዕለሉኒ  ኣሎው ። እንተ ኣነ  እሞ  ነዛ  ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰንጣቂት ዘለዋ ። ካብ  ዓለምና   ብልዕሊ 100 ዕጽፊ ኣትገዝፍ ፡ ብልዕሊ 300 ሽሕ  ዕጽፊ ድማ  እትከብድ ጻሓይ  ኣብ ሰማይ ኤርትራ  ከምዘላን ዘይየላን   ዝሓትት ኣይረኸብኩን ። ንኤርትራ ተቀቢሉ  ንጻሓይ  ዝነጽግ  ሰብ ግን . . . .

ብድሕሪ  እዚ ዓሻ ዝመስል ሕቶ ዝጠሓብአ  ጽልማት  ነገር ግኝ ኣሎ ። ንሱ ድማ  እቲ  ንኤርትራ  ምስ ኢትዮጲያ  ሓዊሱ  ዘርኢ ኣብ ኣእሙሮ ዓለም  ዝሰፈረ  ምስሊ እዩ ። ኤርትራን ኢትዮጲያን ከም ጎሮባብቲ  መጠን ፡ እቲኣ  በቲኣ  እቲኣ  ድማ  በቲኣ ፡ ክጥቀሳ  ንቡር’ዩ  ።  ንኤርትራ ከም ኣብ  ክሳድ  ኢትዮጲያ  ዝተንጠልጠለት  ሰንሰለት  ፡  ወይ  ኣብ  ኢድ  ኢትዮጲያ  ከምዝታኣሰረት  ኣንባር ገይሩ  ዘርኢ   ስእሊ ግና ሓደገኛ  እዩ ።

ልዕሊ  20  ዓመት  ናይ  ናጽነት  ዕድመ  ዝገበረት  ሃገር  ኣላትና ። ናጽነት  ዝብሎ ዘሎኹ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራ  ጥራይ  ከም  እትዉክል  ዝገበረ  ናጽነት  እየ  ዝዛረብ  ዘለኹ ። ስለዚ  ደጊም ብኢትዮጲያ  ወይ  ንኢትዮጲያ   እትዉክል  ኤርትራ  ፈጺማ   የላን ። ከምዚ ኢሉ ስማ  ኣብ   ስም  ጎሬበታ ጠሊቁ ክትሰምዕ  እንከለኻ ድማ  ትርጉም  ናጽነት  እንታይ  ድዩ  ዘብል እዩ ።

ናጽነት . . ናጻ ምኻን  እዩ !

እዚኣ ብፖሎቲካ  ትታኣረም  ፡  ቢኢኮኖሚ  ትጠዓቀን ንሳን ንሳን እያ። ናጽነት . . . ናጻ ምኻን  እዩ ። ከም ናጻ ሃገር  ወይ  ህዝቢ ድማ  ኣብ    መድረኽ  ዓለም ትዋሳእ ። ናትካ ሃገር ፡ መንነት ፡ ቓንቃ ፡ ባህሊ ፡ልምዲ ፡ድራር ፡ ምሳሕ ፡ ቁርሲ ፡ ሓሳባት ፡ መጽሓፍ ፡ ሙዚቓ ፡ስእሊ ፡ ሳእዕሲዒት ፡ተዋስኦ ፡ፊሊም፡ ጋዘጣ ፡ ሬድዮ ፡ ስርዓት ፡ ሕጊ ፡ ፍትሒ  ከምዘሎካ ድማ ኣብቲ  ዓቢ መድረኽ ተንጻባርቆ ።

ኤርትራ ኣብዚ ዓቢ መድረኽ ንርእሳ   ወኪላ ምውሳእ ካብ  እትጅምር 20 ዓመት ሓሊፉ ‘ዶ ክንብል ጸኒሕና ሓቀይ ? ንማንታይ ደኣ ( ነቶም  ብፖሎቲካን ንግድን  ሕስይስይ ዝብሉላ ሓዲካ ) ኣብ  ካርታ ዓለም ናይ  ተራ ዜጋ ናይዛ ፕላነት ሃሰው ኢልካ ዘይትረኽባ ደቀይ ! ከምገለ እንተረኸብካያ  ‘ውን  ኣብ ከርሲ ጎሬቤታ   ጢሒላ ትጸንሓካ  እሞ  ካብቲ  ገዚፍ  ከርሲ  ከተውጽኣ ኢልካ  እንክትፍትን ድማ  ከምቲ ንዘመደይ ዝገጠሞ   ዘይንቡር ሕቶ  ዝሓቱ  ታዓዘብቲ ትረክብ ።

ኣብዚ ክጥቅልሎ . . .

ኤርትራ ሎሚ  ፡ ኣብ  መድረኽ ዓለም ፡  ሰነፍ ኣላዪን  ፈራሓት ተዋሳእትን  ዝዋዓሉላ ተዋስኦ ትምሰል ። እዛ ተውስኦ ወላ ብርቂ ጽሕፍቲ ትንበር  ፡ ክሳብ ሃብሮም  ኣላይን ፥ ተባዓት ተዋሳእትን  ዘይኮኑላ   ኣብቲ  ዓቢ  መድረኽ  ክንዲ  ጻዕራ  ዝዳረግ  መልሰ -ዕግበት ኣይክትድረርን  እያ ።

ሰሰናዩ !

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ኤርትራ እታ ዘይተነበበት መጽሓፍ(2ይ ክፋል)

”ዘይንብብ ህዝቢ መሰሉ ኣይፈልጥን’ዩ። ሓርነቱ’ዉን ጎዶሎ’ዩ። ሕሉፍ ታሪኹ ብዝግባእ ዘይፈልጥ ወለዶ፡ ሃገር ክርከብ ዓቅሚ የብሉን። ዝኾነ ዜጋ መሰሉ ክሓትት ዝኽእል፡ ክፍልጥ ምስ ዝኽእል ጥራይ’ዩ።”

ኩቡራት ኣንበብቲ Eri-Up ብሎግ፥ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም። ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ናይዚ ብደራስን ጋዜጠኛን ተስፋዮ ገብራኣብ ዝተጻሕፈ’ሞ ብኣሉላን ፍጹምን ድማ ዝተተርጎመ ዓንቀጽ፥” ንውዲ ትኹል ትፈልጦዎ’ዶ’ ኢሉ ምስ ሓተተና ኢና ኣሞንጊናዮ ቀኒና።  በሉ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናይቲ ጽሑፍ ይቕጽል ኣሎ’ሞ፥ ተምሳጥኩም ይኹን ተወሳኺ ሓሳባትኩም ኣብ እግሩ ከተስፍሩ ከም እትኽእሉ ብኣኽብሮት እናዓደምኩ፥  ሰናይ ንባብ ይምነየልኩም!

ንወዲ ትኹል ትፈልጥዎ ዶ?

ኣይፈልጦን ዝበል ሰብ እንተ’ሎ፡ ቅድሚ 1980 ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ክኸዉን ኣሎዎ። ወዲ ትኹል ምስ ዝለዓል፡ እታ ‘’ይከኣሎ’’ እትብል ደርፊ ናይ ግድን’ያ ምስኡ ክትዝከር። ኣብዛ ደርፊ፡ ‘’ዓዲ ሽሩም- ታንኪ ምስ ለኮታ” እትብል መስመር ኣላ። ንኤርትራ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ‘’ዓዲ ሽሩም’’ እንታይ’ዩ ኢሉ ክሓትት ይኽእል’ዩ። ጎቦ ድዩ? ሩባ ድዩ? ድልድል ድዩ? እንታይ’ዩ?

ዓዲ ሽሩም ብልክዕ ከመይ ይመስል?

ካብ ኮነ ኸ ኣብኡ እንታይ ተፈጸመ?

ወዲ ትኹል ብዝግባእ ከብርሆ ኣይከኣለን። እቲ ምንታይ፡ ደርፊ ብጠባዩ ኪንኡ ምሉእ ስእሊ ክህብ ኣይክእልን’ዩ። ናይ ደርፊ ግጥሚ (Lyric)፡ ዝተማልአ ስእሊ ናይ ምቅራብ ዓቅሚ የብሉን። ብጽሑፍ እንተ ዘይተደጊፉ፡ ’ዓዲ ሽሩም ታንኪ ምስ ለኮታ’’ ዝብል ግጥሚ ናብ ኣፈ-ታሪኽ ናይ ምልዋጥ ተኽእልኡ ርሒብ’ዩ።

‘’ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ንሓመድ ድጉሪ የዉጽኦ ከም ዝብሃል፡ ኣብ ዓዲ ሽሩም በጺሐ ኔረ። ኣብቲ ቦታ፡

ኣብ ታሪኽ ካብ ዝጥቀሱ ዓበይቲ ወጉኣት ተኻይዱ’ዩ። እንተኾነ፡ ከምቲ ዝድለ ኣይተጻሕፈን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብስሩ’ዉን ኣይተተንከፈን። ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ፡ ብወገን ኤርትራ ዝነበረ ዉዕሎ፡ ኣቲ ሰብ ታሪኽ ትም መሪጾም ኣሎዎ። ‘’ናይ ሓባር ደኣ’ምበር ናይ ዉልቀ ሰብ ታሪኽ የለን’’ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎዎም ይብሃል። ሓደ ሰብ፡ ብዛዕባ ዝወዓሎ ዉዕሎ እንተ ጽሒፉ ከም ጃህራ’ዩ ዝሕሰብ። ዘይሩ-ዘይሩ ግና፡ ታሪኽ እኩብ ድምር ናይ ዉልቀ-ሰባት ፍጻመ’ዩ። መብዝሓትኡ እዋን፡ ብእኩብ ዝዝንቶ ታሪኽ፡ ከም ናይ ደርፊ ግጥሚ ‘’ዉዕሎ ናይቲ ጅግና’’ ኢሉ ጥራይ’ዩ ዝሓልፍ። ተኪአ በየነ፡ ‘’ካብ ሪቅ ሕፍንቲ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፋ መጽሓፍ፡ ጽቡቅ ተበጉሶ ይመስለኒ። ክንደይ ኮን ከም ናቱ ተበጉሶ ይወስዱ ይኾኑ?

ናይ ንባብ ባህሊ ብኸመይ መገዲ ይኹስኾስ ሃሰዉ ምባል ኣገዳሲ’ዩ። ናይ ንባብ ልምዲ፡ ተፈጥሮኣዊ ዉህብቶ ኣይኮነን። ክዕንብብን ክደክምን ዝኽእል ባህሊ’ዩ። ኣብ ሓሙሳታት ኣብ እዋን ፈደረሽን ዝነበሩ ኤርትራዉያን፡ ብምንባብን ምጽሓፍን ፍሉጣት ኔሮም። ፈደረሽን ምስ ፈረሰን ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ መጸን፡ ትግርኛ ብኣምሓርኛ’ዩ ተተኪኡ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ሓደ ወለዶ ናይ ንባብ ባህሉ ብኸፊል ክስእኖ ተገዲዱ። ናይ ምጽሓፍ ጥበባት ተደብዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ዝተገብረ ፈተን ንምንእኣስ ኣይኮነን። ሚዛን ዝዋሃቦም ከም ዘይኮኑ ክንኣምን ግና ይግባእ። ምስቲ ክዕየ ዝነበሮ ምስ እነናጻጽሮ፡ ፈጺሙ ኣይተተንከፍን ንዝብል ዘረባ ምቕባሉ ግድን ይኸዉን።

ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ህዝቢ ናይ ንባብ ባህሊ ንኸማዕብል ዓመታዊ ምርኢት መጽሓፍቲ እናዳለወ ብ20% ጎደሎ መጽሓፍቲ ከም ዝሽየጡ ይገብር’ዩ። ብተወሳኺ፡ ፈጠራዊ ዛንታን ናይ ትርጉም ስራሕን ተቀቢሉ ብምርታዕ መጽሓፍቲ የሕትም ኣሎ። ‘’ባህላዊ ጉዳያት’’ እዉን፡ ዓመታዊ ሓንቲ እኩባት ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ የሕትም’ዩ። ኣብ ጋዜጣ ‘’ሓዳስ ኤርትራ’’፡ ንመንእሰያት ዝምስጥ ተኸታታሊ ልቢ-ወለድ ዛንታ ሰሙናዊ ይወጽእ’ዩ። ኣብ ኤሪ-ቲቪ ይኹን ድምጺ ሓፋሽ፡ ናይ ንባብ ባህሊ ንምኹስካስ ዝዓለመ ናይ ምልላይ ስራሕ ከም መደብ’ኳ እንተ ዘይተሰራሓሉ፡ ሕልፍ-ሕልፍ ኢልካ ግና ትረኻታት ይቀርቡ’ዮም። ብሓልዮት ሃማመተኤ ክልተ ወርሓዊ እትሕተም መጽሔት ‘’መንእሰይ’’፡ ደረስቲ ሳሕቲ ምስ ህዝቢ ከም ዝላለዩ ትገብር’ያ። እዚ እኹል ኣይኮነን።

imageasmera librery

ኪኖ’ዚ ካልኦት ሃነጽቲ ሓሳባት ምቅራብ ይካኣል’ዩ። ወረቀት ብዘይ ቀረጽ ከም ዝኣቱ፡ ከም እወታዊ ኣድልዎ ተራእዩ ድማ ደርስቲ ግብሪ ካብ ምኽፋል እንተ ዝሕደጉ መሰረታዊ ፍታሕ’ኳ ከምጽእ እንተ ዘይከኣለ፡ ሓጋዚ ክኸዉን ግና ይኽእል’ዩ። ማሕበር ደረስቲ ንምምስራት ባይታ እንተ ዝጣጣሕ፡ እቲ ማሕበር ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ምኸኣለ። እቲ ዝምስረት ማሕበር፡ ነቶም መጽሓፍ ንምጽሓፍ ፕሮጀክት ዘቅርቡ፡ እቲ ዝቀረበ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ንዝተወሰነ እዋን ወርሓዊ ክፍሊት እናሃበ ከም ዝነጥፉ ክገብር ይኽእል’ዩ። ካልእ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ መጽሓፍቲ ገምጋም (Book Review) ብስሩዕ ምትእትታዉ፡ ናይ ንባብ ባህሊ ኣብ ምኹስኳስ ዝህልዎ ኣበርክቶ እምብዛ ዓቢ’ዩ። ትካላት መንግስቲ’ዉን፡ ኣብ ትሕቲአን ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓንቲ መጽሓፍ ምስ ደሞዝ ከም ዝዋሃቡ ክገብራ ይኽላ’የን። ኣብ ተለቪዥን ሬድዮን፥ መጽሓፍቲ ናይ ምልላይ መደብ ከም መደብ እንተ ዝስራዕ ዓቢ ዉጽኢት ምሃለዎ። ኣነ ዝጻሓፍኵአን ክልተ ‘’መዘከራት’’ መጽሓፍቲ፡ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ተሸይጠን ኩውድኣ ዝኸኣላ ኣብ ቲቪን ሬድዮን ክትረኻ ምስ ጀመራ ምኻኑ ካብቲ ኣካፋፋሊ ሓበሬታ ረኺበ ኣለኹ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ተለቪዥንን ሬድዮን ንባብ ኣብ ምኹስካስ ዝህልዎ ኣበርክቶ ዓቢ ምኻኑ ምግማቱ ኣየጸግምን።

ኤርትራዉያን ሰብ ጸጋ’ኸ እንታይ ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል? እዚ’ዉን ክድህሰስ ኣሎዎ። ምዝርጋሕ መጽሓፍቲ፡ ብዙሕ መኽሰብ እትረኽበሉ ንግዳዊ ንጥፈት ስለ ዘይኮነ፡ ነጋዶ ዝመርጽዎ ዓይነት ቦዝነስ ኣይኮነን። ስተሺነሪታት፡ ኣብ ምዝርጋሕ መጽሓፍቲ ዝህልወን ተራን ክገብራኦ ዘለወን ለዉጢ ብኸመይ ይግምገም? ርእሱ ዝኻኣለ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ዩ። ከምዚኦም ዛኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ብምትእትታዉ፡ ናይ ንባብ ባህሊ ምኹስኳስን ቁጽሪ ሽያጥ መጽሓፍቲ ምዕባይን ዝከኣል ኮይኑ ይስማዓኒ።

‘’ምስግዳድ፡ ሓደ ካብቲ መፍቲሒ ሓሳባት’ዩ’’ ኢሎም ዝኣምኑ ኣሎዉ። ነቲ ሓደ እዋን ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ፡ ‘’ድንሽን ሩስያን’’ ተባሂሉ ዝፍለጥ እወንታዊ ተጽዕኖ ድማ ከም ኣብነት የቅርብዎ። ኣብ 18 ክ/ዘ፡ ሩሳዉያን ድንሽ ክተኽሉ ብኑጉስ ምስ ተኣዘዙ፡ ተቃዉሞ ኣስሚዖም ነበሩ። ኣብቲ አዋን ዝነበረ ንጉስ፡ ድንስ ዘይዘረአ መሬቱ ከም ዝሕደግ ኣወጀ። ብዙሓት ሓረስቶት፡ መሬቶም ከይሕደግ ፈሪሖም ድንሽ ተኸሉ። ምስ ፈረየ፡ እንተ ጣዓምዎ ዘይጽገብ ኮኖም። ድሕሪ ዓመት፡ እውዝን ዘራእቲ ኣተወ፡ ብፍታዎም ድማ ድንሽ ተኸሉ። ኣብ እዋን ከቢድ ኩናት፡ ከተማታትን ዓድታትን ክዓንዋ ከለዋ፡ ድንሽ ኣብ ትሕቲ ባይታ ተሓቢኡ ሂወት ሩሳዉያን ከድሕን ከኣለ። ‘’ሎሚ ድንሽን ሩስያን ፈላሊኻ ክትርእዮም ኣይከኣልን’ዩ፡’’ ይብሉ። ንሱ እንተ ዘየንበቦ ወዱ የንብቦ። ወዱ እንተ ዘይንበቦ፡ ዘመዱ ወይ ድማ ጎረቤቱ የንብቦ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ‘’ምስግዳድ’’ ናይ 18 ክ/ዘ ኣሰራርሓ ስለ ዝኮነ፡ ኣብዚ ዘመን’ዚ ተቀባልነት የብሉን። ኣብዚ መበል 21 ክ/ዘ፡ ሰብ ብፍታዉ ብኸመይ መገዲ ገንዘብ ኣዉጺኡ ከም ዝሽምት ዝድርኹ ብርክት ዝበሉ ሜላታት ተኣታትዮም ይርከቡ።

ናይ ፖዉሎ ኬሎ መጽሓፍ ‘’ኣልኬሚስት’፡ ብብዝሒ ክትሽየጥ ዝኸኣለት ቢል ክሊንተን ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ስለ ዝተረኣየ’ዩ። ህቡባት ሰባት፡ ኣብ ሚድያ ቀሪቦም ብዛዕባ መጽሓፍ ሓሳቦም ከካፍሉ ክኽእሉ ኣሎዎም። ክለብ መጽሓፍቲ መንእሰያት ምምስራት ዓቢ ዉጽኢት ከምጽእ ይኽእል’ዩ። ኣብ ዓዉደ ኣዋርሕ፡ ‘’መዓልቲ ንባብ’’ ኢልካ ዕለት ምፍላይ ይክኣል’ዩ። ኣብታ ዕለት ድማ ኣንበብቲ ኣዋዳዲርካ ምሽላም የነቓቕሕ’ዩ። ከም ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ መንእሰያትን ብወልፊ ኢንተርነት ስለ ዝተጠቕዑ፡ ከም ዉጽኢቱ ድማ ካብ ናይ ንባብ ባህሊ እናረሓቁ ይኸዱ ስለ ዘለዉ፡ ናብቲ መተካእታ ዘይብሉ ግሩም ልምዲ ንምምላሶም ዝተፈላለየ ሜላታት ኣብ ምፍታን ይርከቡ። ናይ ካልኦት ሃገራት ተመክሮ ብመጽናዕ’ዉን ዘድልየካ ምዉሳድ ይክኣል’ዩ።

እዚ ጽሑፍ፡ ነቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ዝተዳለወ ስለ ዝኾነ፡ ናይዞም ዜጋታት ተሳትፎ ግብራዊ መታን ክኸዉን ሓደ ሓሳብ ከቅርብ ክፍትን። ንኣብነት፡ ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ካብ ከተማታት ኤርትራ ንሓንቲ ብሓላፍነት ክሕዝዋ ይኽእሉ። ኣብ ከተማ ከረን፡ ሓደ ህዝባዊ ቤት-ንባብ ከፊቶም ኣብ ሓደ ደረጃ ከብጽሕዎ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ዋሽግተን ዲሲ ዝርከቡ ኤርትራዉያን፡ ቁጽሮም ሒደት ስለ ዘይኮነ ንኣሰመራ ክሕዝዋ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ንመንደፈራ፡ ኣብ ሲዊዲን ዝርከቡ ንምጽዋዕ፡ ከምዚ እናገበርካ ነተን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ከተማታት በብሓደ ብምሓዝ፡ ሓደስትን ናይ ቀደም መጽሓፍትን ኣኻኺብካ ህዝባዊ ቢት-ንባብ ምኽፋት ኣመና ቀሊል ስራሕ’ዩ። ኣብ ምብጋስ፡ ዝኾነ ላይብረሪ ብሚእቲ መጽሓፍቲ ክጅምር ይኽእል’ዩ። ሰብ ዘብቦም መጽሓፍቲ፡ ንላይብረሪታት ከም ህያብ ክህቡ ዕድመ ብምግባር ከብሕታት ብመጽሓፍቲ ከም ዝሃጥሩ ክትገብር ይክኣል’ዩ። ጡረተኛታት፡ ብዘይ ክፍሊት ወለንታዊ ኣጎልጉለት ኣብ ኣብያተ መጽሓፍቲ ከም ዝገብሩ ምዕዳም’ዉን ከቢድ ኣይኮነን። ብኸምዚኦም ዓይነት ቅልል ዝበል ተበጉሰታት ህዝቢ ናይ ንባብ ባህሊ ብዓሰርተ ዕጽፊ ከም ዝዓቢ ክትገብሮ ይክኣል’ዩ።

እዚ ሓጺር ጽሑፍ፡ ምሉእ ፍታሕ ንምቅራብ ዝዓለም ኣይኮነን።

መሰረታዊ ፍታሕ ዝርከብ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሃሂዶም ምስ ዝዝትዩ ዝዓዩን ጥራይ’ዩ። ስለዚ ሓደ ናይ ዘተ መኣዲ እንተ ዝግበር፡ እቲ ሽግር ተለልዩ ፍታሕ ክርከቦ ምተኻኣለ። ኣብቲ ዝካየድ ዘተ፡ ምስቲ ዓዉዲ ምትእስሳር ኣሎዎም ዝብሃሉ ሞያዉያን ካብ ዓለም ዓዲምካ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከም ዘቅርቡ ምግባር ሃናጺ’ዩ። ብሉጻት ሓሳባት’ዉን ክምንጩው ይኽእሉ’ዮም። መዛተዪ ነጥብታት፡ ንኸም ታሪኽን ስነ-ቅርስን፡ መጽሓፍትን ናይ ንባብ ባህልን፡ ስነ-ጽሕፉን ግጥምን፡ ሕትመትን ምዝርጋሕ መጽሓፍትን ወዘተ ዝድህስስ ክኸዉን ይግባእ። በዚ ድማ ካብቲ ዝካየድ ዓዉደ ዘተ፡ ሓደ መሰረታዊ ፍታሕ ክርከብ ከም ዝከኣል ኣይጠራጠርን’የ።

ንምዝዛም. . . .

ዘይንብብ ህዝቢ መሰሉ ኣይፈልጥን’ዩ። ሓርነቱ’ዉን ጎዶሎ’ዩ። ሕሉፍ ታሪኹ ብዝግባእ ዘይፈልጥ ወለዶ፡ ሃገር ክርከብ ዓቅሚ የብሉን። ዝኾነ ዜጋ መሰሉ ክሓትት ዝኽእል፡ ክፍልጥ ምስ ዝኽእል ጥራይ’ዩ። ፍልጠት ብምንባብ’ዩ ዝርከብ። ሰብ፡ ሕሉፍ ታሪኹ ክምርምሮን ከገናዝብን ዝኽእል፡ ጽቡቅ ይኹን ሕማቅ ምስ ዘንብብ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ብዕምቆት ኣንቢቡ ንሓቂ ሃሰዉ ክብላን መምዩ ፍርዲ ክህብ ክኽእልን ዓቕሙን ፍልጠቱን ከዕሙቕ ይግባእ።

ሰስሰናዩ!

Posted in Uncategorized | 4 Comments

መዓልቲ ፍቁራት

ዓመት መጸት ኣብ  14 ለካቲት፡ ዕምበባታት፡ ሕብስትን ህያባትን ኣብ መላእ ዓለምና ብዝርከቡ ፍቁራት ብሰም ቁዱስ ቫላንታይን ይላዋወጡ። እዚ ቁዱስ ቫላንታይን ዝተባህለ ምስጢራዊ ግን መን’ዩ? እዞም ልምድታት ከ ብኸመይ ዝመጹ ይኾኑ? ነዚን ካልእን ዝተናኽፍ ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኣበጋግሳ ናይዚ ናይ ዘመናት ዕድመ ዘለዎ በዓል – ካብ ልምድታት ጥንታዊት ሮም  ክሳብ ቪክቶርያዊት ብሪጣንያ ዝድህስስ ጽሑፍ ፡ ቀጺሉ ይቀረብ፡  ሰናይ ንባብ!

ገድሊ ቁዱስ ቫለንታይን

ታሪኽ ዕለተ ቫላንታይንን – ዛንታ ናይቲ ኣዉራ ወራሲኣ ዝኾነ ጻድቅን ብምስጢር ዝተጎልበበ’ዩ። ለካቲት ካብ ቀደም ጂሚራ ከም ወርሒ ፍቅሪ ትባዓል ምንባራ ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ድማ፥ ማዓልቲ ቁዱስ ቫላንታይን፡  ኣሰራት ልምድታት ክሪስትያንን ሮምን ዝሓዘ ምኻኑ ኢና ንርዳእ።

ቁዱስ ቫላንታይን ግን መን’ዩ? ምስዚ ጥንታዊ ባዓል ከ ከመይ ኣቢሉ ተዛመደ?

ካቶሊካዊት ቤት ክሪስትያን፡  ክሳብ ሰለስተ ዝበጽሑ ቫላንታይን ወይ ቫላንቲኑስ ዝተሰመዩ ጻድቅ፡  ኣፍልጦ ከም እትህብ ይፍለጥ። ኩሎም ድማኒ ሰማእቲ’ዮም። ኣብ ሓደ ዛንታ፥ ቫላንታይን ኣብ ናይ ሳልሳይ ክ/ዘ ሮም ዝነበረ ጻድቅ ምኻኑ ይንገር። ገዛኢ ሮም ዝነበረ፡ ክላዉድዮስ 2ይ ዘይምርዑዋት ካብ ምርዑዋት ንላዕሊ ንዉትህድርና ዝሓሹ ምኻኖም ምስ ወሰነ፡ መንእሰያት ከይምርዓዉ ኣዘዘ። በዚ ኣዋጅ ዘይተሓጎሰ ቁዱስ ቫላንታይን፡ ነቲ ትእዛዝ ብምቁዋም፡  ንናኣሽቱ ፍቁራት ብሱቱር ቓል-ኪዳን የእስር ነበረ። ተግባራት ቫላንታይን ምስ ተፈልጠ ድማ፡ ክላዉድዮስ ንክቅተል ኣዘዘ።

images

ኣብ ካልእ ዛንታ፥ ቫላንታይን ነቶም ካብቲ ዘስካሕክሕ መግረፍትን ምስቃይን ዝነበሮ ኣብያተ ማእሰርት ሮም ንዘምለጡ ክርስትያን ብምትሕብባሩ ከም ዝተቀተለ’ዮም ዝጸዉዩ። ኣብ ገለ ዛንታ፡ ቫላንታይን ድሕሪ ምስታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናመጸት ትበጽሖ ዝነበረት ጓል፡  ኣብ ፍቅሪ ምዉዳቁ፡ ( ጓል ሓላዊ እሱሪ ቤት ከም እትኸዉን’ያ ትግመት።) ነታ ናይ መጀመርታ ናይ ‘‘ቫላንታይን’’ መልእኽቲ ከም ዝሰደዳ ይንገር።

ቅድሚ ምማቱ፡ ነዛ ክሳብ ለይተ ሎሚ  ኣብ ጥቅሚ እትርከብ፡ ‘’ ካብ ቫላንታይንኪ’’ እትብል ሓረግ፡  ዝሓዘት ደብዳበ ከምዝሰደደላ ድማ ይዕለል። ሽሕ እኳ ሓቅነት ናይዞም ዛንታት ኣሻማዊ እንተኾነ፡ ኣብ ኩሎም ዝላዓል ነጥቢ ግን ኣሎ። ቫላንታይን፡ ተደናጋጺ፡ ጅግና ልዕሊ ኩሉ ድማ ሮማንቲካዊ ምንባሩ’ዩ። ብሳላ ዝንኡ ድማ፥ ኣብ ፈረንሳን ኢንግሊዝን ቫላንታይን ኣብ ማእከላይ ዘበን እቲ ኣዝዩ ዝሃበበ ጻድቅ ንምኻን በቀዑ።

መበቆል ማዓልቲ ቫላንታይን፡ ናይ ባጋን ፈስቲቫል ለካቲት

ገሊኦም ማዓልቲ ቫላንታይን ኣብ መፋርቅ ለካቲት ምብዓሉ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ 270 ቅ.ል.ክ ዘጋጠመ ሞት ወይ ቀብሪ ቁዱስ ቫላንታይን ንምዝካር ምኻኑ ክኣምኑ ከለዉ፡ ገሊኣቶም ድማ፥ ቤት ክርስትያን ነቲ ብሉፕሪካሊያ ዝፍለጥ ናይ ባጋን ፈስቲቫል ንምክስታን ኢላ፡ ንማዓልቲ ቁዱስ ቫላንታይን ኣብ መፋርቅ ለካቲት ክዉዕል ከምዝገበረት፡  ይኣምኑ። እቲ ኣብ መፋርቅ ለካቲት- 15 ለካቲት ዝዉዕል ሉፕሪካሊያ ን ፋኑስ( ናይ ሮማን ጣኦት ሕርሻ) ከምኡ’ዉን ንመስረቲ ሮም ዝኾኑ ሮሙለስን ረሙስን ዝተወፈየ ናይ ፍርያምነት ፈስቲቫል’ዩ ዝነበረ።

እቲ ፈስቲፋል ኣብ ምጅማሩ፡ ኣባላት ሩፕሊሲ ዝኮኑ ኣቅሽቲ ሮም ኣብ ሓዲ ቅዱስ ዝኾነ ባዓቲ ይእከቡ። እቲ ባዓቲ፡ መስረቲ ሮም ዝኾኑ ዕሸላት ሮሙለስን ረሙስን በታ ሉፓ ተባሂላ እትፍለጥ ኣንስተይቲ ተኹላ  ዝተዓንገልሉ ቁዱስ ሰፈር’ዩ።

እቶም ኣቅሽቲ፡ ጤል ንፍርያምነት፡ ከልቢ ድማ ንንጽህና ኢሎም ይስዉኡ። ብደም ዝተሓበሰ ቅላጥ ቆርበት ናይታ ጤል ሒዞም ናብ ጎደና ብምዉጻእ ንኣንስትን ግራዉትን በቲ ቆርበት ገይሮም ይጥፍጥፍዎም። ኣንስቲ ሮም፡ እቲ ምጥፍጣፍ ኣብ ትቅጽል ዓመት ዝያዳ ፍርያም ከም ዝገብረን ስለዝኣምና፡ በቲ ደም ዝተጸየቀ ቆርበት ጤል፡  ፍርሒ ዝብልዎ  ኣይቀርበንን’ዩ። ብመሰረት ገለ ጽዋታት፡ ኣብ ኣጋ ግዜ ናይቲ ባዓል፡  ኣዋልድ ሮም ኣብ ሓደ ገዚፍ ጻሕሊ ኣስማተን የንብራ ነበራ። ነጨበረር ናይታ ከተማ ድማ፡ ካብቲ ገዚፍ ጻሕሊ ስም ብምምራጽ፡ ምስታ ሰበይቲ ንዓመት መመላእታ ይቃረኑ ነበሩ። በቲ ምዝማድ ድማ ዝበዘሐ ግዜ ንመርዓ ይበጽሑ ነበሩ።

ማዓልቲ ቫላንታይን፡ ዕለተ ፍቅሪ

ወላ እኳ ሉፕሪካሊያ ኣብ ወሳኒ እዋነ ምስፍሕፋሕ ክርስትና ሰሪሩ ‘ተነበረ፡ ኣብ 5ይ ክ/ዘ ጳጳስ ገላሲዎስ ንለካቲት 14 ከም ማዓልቲ ቁዱስ ቫላንታይን ክትከዉን ምስ ኣወጀ ግና ፡ ሉፕሪካሊያ ዘይክሪስታንያዊ ተባሂሉ ንከይባዓል ተወገዘ። ነዊሕ ከይጸነሐ’ዩ እምባኣር እቲ ባዓል ምስ ፍቅሪ ክትኣሳሰር ዝጀመረ። ኣብ ማእከላይ ክ/ዘ፡ ኣብ ፍራንስን ኢንግሊዝን፡ 14 ለካቲት ኣዕዋፍ ዝፋቀርሉ ወቕጢ ምኻኑ ብሰፊሑ ይእመነሉ ብምንባሩ፡ ነቲ መፋርቅ  ለካቲት፡ ማዓልቲ ፍቁራት ክኸዉን ኣሎዎ ዝብል ሓሳብ ዘራጉድ ነበረ።

ሽሕ እኳ፡ ናይ ቫላንታይን ጽሑፍ ክሳብ ድሕሪ 1400 ዘይጀመረ ይንበር፡ናይ ቫላንታይን መልእኽታት ግዳስ ቅድሚ ማእከላይ ክ/ዘ ጀሚሩ ዝዉትሩር’ዩ ዝነበረ። እታ ስጋብ ሕጂ ተዓቂባ ዘላ ዝገደመት ቫላንታይን ምኻና ዝእመነላ-ኣብ 1415  ዱክ ናይ ኦረሊነስ ዝነበረ ቻርለስ፡ ናብ ባዓልቲ ቤቱ ዝጻሓፋ ግጥሚ’ያ።

ቻርለስ፡  ነታ ግጥሚ ድሕሪ ኣብ ኩናት ኣጊኒኮርት ምምራኹ ምስ ተኣሰረ ካብ ሎንደን ታወር ኮይኑ’ዩ ሰዲድዋ።( እታ መልእኽቲ ድማ ኣካል እኩባት ጽሑፋት ኮይና፡ ኣብ ሎንደን ኣብ ዝርከብ – ቤት ንባብ ብሪትሽ ተዓቂባ ትርከብ።) ድሕሪ ሓያለ ግዜ ከም ዝተፈልጠ ድማ፡ ንጉስ ሀንሪ 5ይ፡ ጆን ሊይድገት ንዝተባህለ ጻሓፋያ ብምቁጻር ንጓል ቫሎይስ ዝኾነት ካተሪን ናይ ቫላንታይን ጽሑፍ የሰናዳኣላ ኔሩ’ዩ።

ዝዉቱር ናይ ማዓልቲ ቫላንታይን መልእኽታት

ማዓልቲ ቫላንታይን፡ ብዘይካ ኣብ ሕ.መ.ኣ፡ ኣብ ካናዳ፥ መክሲኮ፡ ንግስነት ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ኣዉስትራልያን ይባዓል። ኣብ ንግስነት ብሪጣንያ፡ ማዓልቲ ቫላንታይን ክክበረሉ ዝጀመረ ኣብ ከባቢ 17 ክ/ዘ’ዩ። ኣብ 18 ክ/ዘ ኣዕሩኹን ፍቁራትን መላእ ሕብረተ ሰብ ንግስነት ቢሪጣንያ፡ ናኣሽቱ ህያባት ፍትወት ወይ ብኢድ ዝተጻሓፉ መልክእኽታት ይላዋወጡ ነበሩ። ብሰንኪ ዝተራኣየ ናይ ሕትመት ተክኖሎጂ ፡ ኣብ 1900 ዝተሓትሙ ካርድታት ብኢድ ንዝጻሓፉ ዝነበሩ ደብዳበታት ተክእዎም።  ቀጥታዊ ናይ ምግላጽ ስምዒት ምስ ዝዳኸም፡ ሰባት ረዲ መይድ ዝኮኑ ካርድታት መተካእታ ዘይብሎም ዝቀለሉ መስተንፈሲ ስሚዒታቶም ገይሮም ወሰድዎም። ዝሓሰረ ናይ ፖስጣ ኣጎልጉለት ብግድኡ ንምስፍሕፋሕ ምስዳድ ናይ ቫላንታይን መልእኽትታት ዓቢ ተራ ተጻወተ።

ኣመርካዉያን፡ ብኢድ ዝተሰርሐ ናይ ቫላንታይን መልእኽታት ኣብ 1700ታት ኣቢሎም ክጥቀሙ ከም ዝጀመሩ ይግመት። ኣብ 1840ታት፡ ኢዘር.አ.ሆዋልድ ኣብ ኣመሪካ ናይ ፈለማ ዝኾነ ብብዝሒ ዝፈረየ ቫላንታይን ምሻጥ ጀመረት። ሆዉላንድ ትሸጦ ዝነበረት ቫላንታይን፡ ሕልፍ ዝብለ ፈጠራ ዝንጸባረቀሉ፡ ብርኪያሞ፡ ሪበንን ሕብራዊ ስእልታት ዝወቀበ ብምንባሩ፡ ‘’ ኣደ ቫላንታይን’ ዝብል ስም ክጠብቃ ኪኢሉ’ዩ። ብመሰረት ጸብጻብ፡ ማሕበር ናይ ካርድ መልእኽታት(The gretings card association) ዓመታዊ 1 ቢልዮን ካርድታት ከም ዝስደዱ ይፍለጥ። በዚ ድማ፡ ማዓልቲ ፍቁራት ን ባዓል ልደት( ዓመታዊ 2.6 ቢልዮን ካርድታት ይስደዱ) ተኸቲሉ ኣብ ዓለም 2ይ   ዝበዘሐ ካርድታት ዝስደደሉ ባዓል ኮይኑ ንረኽቦ።

ብገምጋም 85% ቫላንታይን ብደቂ ኣንስትዮ ከም ዝዕደግ ምስ እንሰምዕ ግን እንታይ ምበልና? ደቅኣንስትዮ ሓሸሽቲ ዶ ወላስ ፈቃራት ‘የን ምበልና? እዛ ሕቶ ንዓኹም’ያ ኩቡራት ኣንበብቲ!

ርሑስ ማዓልቲ ፍቁራት ይግበረልና.ይግበረልኩም ኢለ እናተፋነኹ፡ ነዛ  ብተመስገን ያረድ እትድረፍ ዜማ ይጋብዘኩም።

ኣብዚ ዘመን መምዘኒ  ሰብ – ሃብቲ ምስ ኮነ መዕቀኒ.

ወሰን ወሰን ምኻድ ጀሚረ ኣግሊለ ካብ ሕምብርቲ ፍቅሪ

ከመይ ኢለ’ሞ ክሓልሞ እናፈለጥኩዋ ‘ዛ ነብሰይ

ምስ ፈቃር ልበይ ከለኹ ተዳሂለ ኣድኒነ ርእሰይ

ኣብ መደረብታ ናይዛ ሽኮር ደርፊ፡ ወዲ ያረድ ከፍ ዘሎዎ ግጥሚ’ዩ ዘስምዓና

‘’ክብል ክብል ቆንጆ ረኺበ – ክብል ክብል ልበይ ረኺበ’’ እናበለ ድማ በቲ መንጫዕጫዕታ ዝጥዕም ጎረርኡ ገይሩ የዛንየና።

በሉ እታ ደርፊ  ኣብዚ ለጢፈያ ኣሎኹ’ሞ ጆባእእእእእእእ.እእእእእእእ !

መወከሲ፡ http://www.history.com/topics/valentines-day

ሰሰናዩን ረርሑሱን ንዓኹም!

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ኤርትራ እታ ዘይተነበበት መጽሓፍ

ኩቡራት ኣንበብቲ! ንተሰፋዬ ገብራኣብመቸም ትፈልጥዎ ትኾኑ ኢኹም ዝብል፡  ግምት ኣሎኒ! ደራሲ ናይታ ”የ ጋዜጠኛዉ ማስተወሻ ” ዝተበህለት፡  ናብ ትግርኛ ብ”መዘክር’ቲ ጋዜጠኛ” ተባሂላ ብኣሉላን ፍጹምን ዝተተርጎሞት መጽሓፍ’ዩ። ፕሮፈስር ኣስሞሮም ለገሰ፡ንተሰፋዬ ገብራኣብ፡ ”ብዘይ ጥርጥር እቲ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ዲያሪስት ናይ ዘመና ”ክብሉ ከም ዝገለጸዉ ኣብ ገብር ናይታ ዝጠቀስናያ ትርጉምቲ መጽሓፉ ሰፊሩ ኣሎ። ምስ ሪኢቶ ናይቶም ኩቡር ፕሮፈሰርና ክርክር የብለይን!

ቅድሚ ገለ ግዜያት እዛ ቀጺላ ትርከብ ዓንቀጽ ብሓደ ፈታዊየይ ተላኢኻትኒ! ነቢበያ..ነቢበያ..ኣንቢበ ምምናዉ ሲኢነያ!ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት እዩ ዝጥይቀካ።

እዚ ወዲ ቢሸፍቱሲ ክንደይ ምጥያቅ ክፈቱ’ዩ በጃኹም! ንፍሉይ ላዛ ኣጸሓሕፉኡ፡ ከምዛ ጥመት ከርሶም ዝፈልጥዎ ተርጎሙቲ ብምርካቡ ድማ ንሱ ተዓዊቱ ፡ ንሕና ኸኣ…..ረቢሕና! ግ..ርም!

በሉ ኤርትራ እታ ዘይተነበበት መጽሓፍ’ያ ይብለና ኣሎ፡ተሰፋዬ ገብራኣብ። ንሕቶታቱ መልሲ ኣሎኒ ዝብል ሓየት እንተ’ሎ ኮይኑ፡  ሃየ ዝመስሎ ድዩ ዝተረድኦ መልሱ ኣብ እግሪ እዚ ጽሑፍ ይግደፍ’ሞ፡ ንዛተየሉ።

እምበኣር 1ይ ክፋል ናይቲ ጽሑፍ ይስዕብ፡ ሰናይ ንባብ!!

***************************

ኤርትራ እታ ዘይተነበበት መጽሓፍ

ብተሰፋዬ ገብራኣብ

ከምዚ ከማይ ንኤርትራ ከምቲ ዝድለ ዘይፈልጣ ሰብ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ምንባብ ባህሊ ከመይ ከምዝመስል  ዝምልከት ጽሑፍ ከዳሉዉ ኣዝዩ ከም ዝኸብዶ፡ ፍሉጥ’ዩ። እንተኾነ ግና ብኣዝዩ ንእሽቶይ ፍልጠት’ዉን ይኹን ርእይቶይ ከቅርብ ክፍትን’የ።

‘’ኣብ ኤርትራ መኣስ መጽሓፍ ምናባብ ተጀሚሩ?’’ ዝብል ሕቶ እንተኣልዒልና፡ መልሲ ንረኽበሉ ኣይመስለንን። ምናልባሽ ኣብ ቆሓይቶ ካብ ዝርከብ ሓወልትታት ክንጅምር ንግደድ ንኸዉን። ተኾንዳዕ፡ ከስከሰ፡ መጠራ… ዝኣመሰላ ጥንታዉያን ናይ ስልጣነ ከባቢታት፡ ኣብ እኣማን ተወቒረን ዝተጻሕፈ ኮይኑ ግና ብዛዕባአን ከምቲ ዝድለ ዘይተጻሕፈለንን ዘይተነበባን መጽሓፍት’የን።

ኣብ ኣስመራ፡ ጎደና ከስከሰን ናይ ሓደ ሆተል ስምን ርእየ ኣሎኹ። ከስከሰ ዘርእስታ መጽሓፍ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣይረኣኹን። ከስከሰ ዝምስጥ ታሪኽ ኣለዋ። ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ፡ ከስከሰ ትብሃል ሓንቲ ዝጠፈት ዓባይ ከተማ ኔራ። ኣሰር ሓዉልትታት ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። ኣብቲ ሓወልቲ ዝተወቀረ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ንጉስ ከስከሰ ወዲ ወዱ ንሳሊም ‘’ወዓራን ህይወት’’ ይባሃል ኔሩ። እዚ ንጉስ’ዚ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ስለ ዘይፍለጥ፡ ታሪኽ ህይወቱ ብዝግባእ ክጽናዕ ኣሎዎ። ኣብዚ ጥንታዊ ታሪኽ’ዚ፡ ሓደ ገዚፍ ታሪኻዊ ልቢ ወለድ እንተ ትረኽቡ እንታይ ምተሰማዓኩም? ነዚ ንምርካብ ደረስቲ ተጊሆም ክጽሕፉ ኣሎዎም። ደረስቲ ኣበርቲዖም ብምዕያይ፡ ኣንበብቲ ከፍርዩን ናይ ንባብ ባህሊ ክኹስኩሱን ከቢድ ሓለፍነት ኣሎዎም።

ኣብ ኣስመራ፡ ገጀረት ዝብሃል ገዛዉቲ ኣሎ። ገጀረት ማለት እንታይ ማለት’ዩ?፡ (መራኽብን ጀላቡን ዝነበራኦ ገደረት ዝብሃል ንጉስ ኣብ ኤርትራ ኔሩዶ ይኸዉን?)

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ሓወልቲ ኣእማን ዳህሳስ ብምክያድ ሓበሬታ ክርከብ ይክኣል’ዩ። ሓደ ሰብ፡ ‘’መበቆል ዓድኻ ኣበይ’ዩ? ተባሂሉ እንተ ተሓቲቱ። ‘’ማዕረባ’’ ኢሉ ክምልስ ይኽእል’ዩ። ማዕረባ እንታይ ማለት’ዩ? ስለምናታይ ማዕረባ ተባሂሉ?( መእሪብ፡ ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ጥንታዉያን ተቐማጦ ከተማ ኔራዶ ትኸዉን?) ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኣእማን መጽሓፍቲ ምድህሳስ ከድሊ’ዩ። ምጽዋዕ፡ ካላኣይ ስማ ባጽዕ’ዩ። እዛ ወደባዊት ከተማ ስለምንታይ ክልተ ኣስማት ተዋሂብዋ? ሩባ መረብ ስለምንታይ መረብ ተባሂሉ? ናይ ኩሉ ኣከባቢ ስም፡ እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ መበገሲ ታሪኽ ስለ ዘሎዎ ምስዚ ወለዶ’ዚ ምትእስሳር ኣሎዎ። ኤርትራ፡ ብጥንታዊ ቅርስታት ዝተኸበት ሃገር ምኻና ንምፍላጥ ብዙሕ መጽናዕቲ ምግባር ዘድሊ ኣይኮነን። እንተኾነ ግና፡ መጻኢ ወለዶ ብዝርዝር ከይፈለጦም እኹላት መጽሓፍቲ ኣይተዳለዉልን። ብዘይካ’ዚ፡ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ንመጻኢ ወለዶ ታሪኽ ክስንዱ ዝኽእሉ ጸሓፍቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎዉ ኣይመስለንን። እቲ ምኽንያት ብዝግባእ ክጽናዕ ኣሎዎ።

ኤርትራዉያን ኣንበብቲ ድዮም?

ቀልጢፍካ መልሲ ክትህበሉ ምሒር ኣጸጋሚ’ዩ። ምናልባሽ፡ ‘’ኣይኮኑን’’ ወይ ድማ ‘’እዮም’’ ክባሃል ይካኣል ይኸዉን። ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ እንተ ኾይኑ እቲ መልሲ፡ መልሲ ክኸዉን ኣይክእልን’ዩ። ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ብመንግቲ’ካ እንተ ዘይተገልጸ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ምኻኑ ግና ይግመት። መርበብ ሓበሬታ ሲ.ኣይ.አ፡ 5.7 ሚልዮን ይበጽሕ ኢሉ ኣስፊሩዎ’ሎ። ካብዚ ኣሃዝ’ዚ፡ እቲ ክጽሕፍን ከንብብን ዝኽእል ልዕሊ 70% ምኻኑ ይእመን። ኮይኑ ግና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ እታ ብልጽቲ እትባሃል መጽሓፍ ልዕሊ ዕስራ ሽሕ ቅዳሕ ክትሽየጥ ኣይከኣለትን።

ኣብ ኤርትራ፡ ዋጋ መጽሓፍቲ ክቡር ስለ ዝኾነ ልዕሊ ዓቅሚ ምግዛእ ናይ ኣንበብቲ’ዩ። ኮይኑ ግና ነዚ ከም ምኽንያት ከይትቅበሎ ዝሕብሩ ነጥብታት ኣለዉ።

ኮይኑ ግን ነዚ ከም ምኽንያት ከይትቅበሎ ዝሕብሩ ነጥብታት ኣለዉ። ክብሪ ዋጋታት ኣብ መጽሓፍቲ ጥራይ ኣይኮነን። ዋጋ ሓደ መጽሓፍ ምስ ቢራ ምስ ዝነጻጸር፡ ናይ ድለት ጉዳይ ደኣ’ምበር ክቡር ከም ዘይኮነ ክትግንዘቦ ይካኣል። 32 ዝገጻ መጽሔት ‘’ ሕዝብን ፖሊስን’’፡ ዋጋኣ ዓሰርተ ናቅፋ’ዩ። ኣብ ክልተ መዓልቲ ድማ ዕስራ ሽሕ ቅዳሕ ተሸይጡ ይወዳእ። ኣብ ሓምሳታት ትሕተም ዝነበረት ሰሙናዊት ጋዜጣ ‘’ዘመን’’፡ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ኣፍልጥኡ ኣብ ምዕባይ ትሕግዞ ስለ ዝነበረት ብርክት ዝበሉ ዓማዊል ኔሮማ። ናይ ዶክተር ክብርኣብ ፍረን መስፍን ገብረህይወት መጽሓፍቲ፡ ኣብ ዕዳጋ ሃሰዉ ኢልካ ክትረኽቦም ኣይትኽእልን ኢኻ። (ሓቂ’ዩ፡ ኣጸሓሕፋኦም ከም ናይ ስድኒ ሼልደን ነቲ ናይ ንባብ ልምዲ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ዝምስጡ’ዮም። እዚ ቅዲ፡ ናይ ንባብ ባህሊ ስለ ዘስርጽ ኣመና ሓጋዚ’ዩ።)

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ምዉላዕ፡ ‘’ቆንጆዉቹ’’( ቀጥታዊ ትርጉሙ- እቶም ጽቡቃት) ዘርእስታ ልቢ-ወለድ ኣምሓርኛ፡ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ልዕሊ 5000 ቅዳሕ ተሸይጣ ከም እተወደአት እፈልጥ። ብኣለምሰገድ ተስፋይ እተጻሕፈት ‘’ኣይንፋላለ’’ ዘርእስታ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ፡ ዕስራ ሽሕ ቅዳሕ ተሸይጣ ተወዲኣ። ሳልሳይ ሕታም ኣብ ምዉጻእ ከምእትርከብ’ዉን ሰሚዐ። ብኤርምያስ ሰለሞን ዝብሃል ዘይቕዩድ ጋዜጣኛ(Freelancer) እተጻሕፈት ‘’እሰይ’’ ዘርእስታ ናይ ቆልዑ መጽሓፍ፡ ኣብ ዉሽጢ ሒደት መዓልታት ካብ ዕዳጋ ከም እተሰወረት ሓበሬታ ኣሎኒ። ‘’ባህላዊ ጉዳያት’’ ዘሕተማ 12 ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ቅዳሕ ተሸይጡ ከምዝተወደአ’ዉን ሓቤረታ ኣሎኒ። ብኣንጻሩ፡ ሰለስተ ሽሕ ቅዳሕ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ሸይጦም ክዉድእዎ ዘይከኣሉ ብብዝሒ ኣሎዉ። እዚ ነቶም ብትግርኛን ዓረበኛን ዘንብቡ ንጠቅስ ስለ ዘለና’ዩ። ብኻልኦት ቃንቃታት ኤርትራ ዝተጻሕፋ መጽሓፍቲ ክሕተሙ ዝጀመሩ ድሕሪ 1991’ዩ። ንሱ’ኸ ከመይ ይመስል? ምርኣዩ ኣገዳሲ’ዩ?

ሓደ ቓንቓ፡ ማዕርነቱ ተሓልዩሉ ከም ዝሰፍሕን ዝዓብን ክትገብር ግዜ ዝወስድ ነዊሕ መስርሕ’ዩ። ዕድመ ሓደ ወለዶ’ዉን ክወስድ ይኽእል’ዩ። ሓደ መዝገበ-ቃላት ንምስዳእ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ እንተ ኾይኑ፡ ንሓንቲ ሓዳስ ሃገር’ዉን ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዝፈረዩ ናይ ስነ-ጽሑፍ ስራሓት ንምግምጋም ዕስራ ዓመት እምብዛ ሓጺር ግዜ ክኸዉን ይኽእል’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ፍልጠት ጽምኢ ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ጽምኡ ዘርዉየሉ መጽሓፍቲ ግና የድልዮ’ዩ። ጸሓፍቲ፡ ህዝቢ እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ከንብብ ይደልዩ ጥራይ እናበልካ ኩሉ ግዜ ክትጽሕፍ ተመራጺ ኣይኮነን። ጸሓፍቲ፡ ኣመቲ ወይ ድማ ሓበርቲ ክኾኑ ይግባእ። መጽሓፍ ዝላዓለ ምንጪ ንቅሓት ስለዝኾነ ዝበለጸ ብልጫ ኣልዎ። መብዛሕትኡ ተለቪዥን ስለ ዝካታተል፡ ኣብ ተለቪዥን ዝግበሩ መዋዕዋዓትር ምስ ምዝርጋሕ መጽሓፍቲ ናይ ቀረባ ርክብ ክህልዎ ሓጋዚ’ዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ብርግጽ ሓደ ንእሽቶ መጽናዕቲ ምግባር ከድልዩ’ዩ።

ሆላንዳውያን፡ ብምንባብ ካብ ዝፍለጡ ህዝብታት ሓደ’ዮም። ኣብ ሆላንድ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 34 ሽሕ ሓደስቲ መጽሓፍቲ ይሕተሙ። ግብጺ ብገምጋም ልዕሊ 2000 ሓደስቲ መጽሓፍቲ ከተሕትም ከላ፡ እታ 4.9 ሚልዮን ህዝቢ ዘሎዋ ነርወይ ድማ ን800 ሰብ፡ ሓደ ላይብረሪ ሃኒጻ ትርከብ። ኣብ ኤርትራ፡ ቤት መጽሓፍቲ ዳርጋ የለን ክባሃል ይከኣል። ብዝኾነ ናይ ንባብ ባህሊን ሕትመት መጽሓፍትን ንምንጽጻር ክሳዕ ሆላንድን ግብጽን ምኻድ ኣይድልይን’ዩ። ኢትዮጲያ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ትርከብ። ኣብታ ሃገር፡ ብገምጋም ዓመታዊ 240 ሓደስቲ መጽሓፍቲ ይሕተሙ። ኣብ ኤርትራ ድማ 106 ሓደስቲ መጽሓፍቲ ከም ዝሕተሙ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ብዘለኒ ሓፈሻዊ ገምጋም፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ምንባብ መጽሓፍ ንላዕሊ፡ ሰብ ዝያዳ ናብ ደርፊ ምስማዕ ዘድህብ ይመስለኒ። ንሓደ መንእሰይ ጸዊዕኩም፡ ‘’እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል መን’ዩ?’’ ኢልኩም እንተ ትሓትዎ፡ ክምልሰልኩም ግዜ ምወሰደሉ። ‘’ቆርጫጭ መን’።ዩ?’’ እንተ ትብሉዎ ግና፡ እናደረፈ ምተወዛወዘልኩም። ንቆርጫጭ ወይ ድማ ጣኒቆ ምፍላጥ ሓጥያት ኣይኮነን። ‘’ሮዛን ሴሌን ዘርእስታ ክልተ ክፋላት ልቢ-ወለድ ንዝደረሰ ደራሲ ዘይምፍላጥ ግና ናይ ሚዛን ጸገም ከምዘሎ ዝሕብር’ዩ።

ናብ ቆሓይቶ ከይደ ሓንቲ ተደቢና ዘይተፋሓረት ከተማ ከም ዘላ ክርዳእ ክኢለ። እዛ ተቀቢራ ዘላ ከተማ ምስ ተፋሕረት ኣብ ከርሳ እንታይ ክርከብ ከም ዝከኣል ኣቀዲምካ ኣይከኣልን’ዩ። ምናልባሽ ካብቲ ዝርከብ ጥንታዊ ቅርስታት ንላዕሊ ናይ ታሪኽ ጭብጥታት ይርከቡ ይኾኑ። ካብዚ ድማ ግዝፍ ዝበሉ መጽሓፍቲ ክንረክብ ንኽእል ንኸዉን። ቆሓይቶ ኣብ ዝበጻሕኩሉ እዋን፡ እቲ ምሳይ ዝተጋዓዘ ክኢላ ስነ-ጥንቲ( ኣርኪኢሎጂስት)፡ ነቲ ባይታ ብእግሩ እናደግደገ ከም ከበሮ ዝሃምም ድምጺ ኣስሚዑኒ። እቲ ድምጺ፡ ኣብቲ ትሕተ ባይታ ዝተደፍነ ኣባይቲ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንኸተማ ቆሓይቶ ዝደኮኑ ጥንታዉያን ሰባት፡ ትኽ ዝበለ መስመር ክስእሉ ክኢሎም ኔሮም’ዮም። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ጥበብ ብዝፈቀደሎም መሰረት ድማ፡ ታሪኽ ጽሒፎም ክሓልፉ ፈቲኖም’ዮም። ሓቂ’ዩ፡ ዘልኣለም ተካ፡ ፒተር ማቲዉ ኩርቲስን ተሓባቢሮም ንጥንታዊት ኤርትራ ዝደህሰሰ ኣርኪዮሎጂያዊ ስራሕ ተሰሪሖም’ዮም። እታ መጽሓፍ ግና ኣብ ኢድ ኤርትራዉያን ኣንበብቲ ኣይበጽሐትን። ከም እትሓትመት’ካ እንተ ተሰምዐ፡ ዝበዘሐ ኣንባቢ ግና ንሓንቲ መጽሓፍ 50 ዶላር ኣመሪካ ሂቡ ክገዝእ ዓቅሚ የብሉን። ብሰሪ ጽባቀ ቓንቓኡ፡ ኣቀራርባኡን ዋጋኡን ኣብ ኢድ ዝበዘሐ ኣንባቢ ዘይከኣለ መጽሓፍ፡ ንግዜኡ’ዉን እንተኾነ ከም ዝባኸነ’ዩ ዝቁጸር። መጻኢ ወለዶ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ ኢልካ ግና ተስፋ ትገብር።

ኤርትራዉያን ብባሕርን ታሪኽን ዝተኸቡ’ዮም። ኮይኑ ግና ንኽልቲኡ ገና ኣይተጠቀመሉን!’’ ዝብል ጽሑፍ ከም ዘንበብኩ ትዝ ይብለኒ። ከምቲ ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ብሓርነት ዝነብሩ ዘለዉ፡ ከምኡ ድማ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ኣገልግል ምግባር የድሊ። እቲ ምንታይ፡ ናብቲ ኮፍ ኢልካሉ ዘለኻ ኩርሲ ዝመጽእ ታሪኽ የለን። ሕሉፍ ታሪኽ፡ ከም ምፍሓር ወርቂ ብከቢድ ዕዮ ዝርከብ ክቡርን ብርቅን ነገር’ዩ። መስዋእቲ’ዉን ክሓትት ይኽእል’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ከቢድ ጻዕሪ ሓሊፍዎም ዝተሰርሑ ስርሓት ናይቶም ኣንበብቲ ናይ ምፍጣር ዓቅሚ ኣሎዎም።

ኣብ ኣስመራ ብሸነኽ ሰመናዊ ምብራቅን፡ ፍልፍል ሰሎሙናን ፍሸይ ምራራን ዝባሃል ሕዙእ ከባቢ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ዝጽወርድ ግመ ክሳብ ኣማዞን’ዩ ዝዝራጋሕ። ኣብ ወርሒ የካቲት ዕፍን ኣብ ዝብለሉ እዋን በቲ መገዲ ተጋዒዘ ኔረ። ለመም እናበልና ወረድና። ሰዓት ምሉእካ እንተ ወሰደልና፡ መሬት ዕፍን ኢሉ ስለ ዝነበረ ግና ዋላ ሓንቲ ክንርእይ ኣይከኣልናን። ሕልፍ-ሕልፍ ኢልካ ግና፡ ነዊሕ ኣቅርንተን ዓጋዘን፡  ካብቲ ዱር ናብ መገዲ እናወጻ ተመሊሰን ናብቲ  ጫካ፡  ይኣትዋ ነበራ።

ነቲ ምሳይ ዝነበረ ሰብ፡

‘’ፍሸይ ምራራ ማለት እንታይ ማለት’ዩ?’’ ኢለ ሓተትኩዎ።

እናሳሓቂ፡

‘’ሽም ከባቢ!’’ ኢሉ መለሸለይ።

‘’ማለተይ ስለምንታይ ፍሸይ ምራራ ተባሂሉ?’’ ሕቶይ እናዋሕኩ።

‘’ኣነ ንባዕለይ ስለምንታይ ቴዎድሮስ ተባሂለ ኣይፈልጥን’የ፡’’ ኢሉ ተዋዘየ።

ሓቁ’ዩ፡ ኣብ ጥቅኡ ዝንበብ መጽሓፍቲ የለን።

‘’ምራራ’’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀቢላ ኣብቲ ዉሽጢ’ቲ ዱር ሰፊሩ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ክትገናጽል ናይ ግድን’ዩ። ደቂ ደቆም ነዞም ሕጂ ብህይወት ይህሉውዶ ይኾኑ? ከምዚ ዓይነት ገል ክፋል ሓበሬታት፡ ንደረስቲ ግሩም መበገሲ ሓሳባት’ዮም። ነዚ ከባቢ፡ ወተሃደራት ደርግ’ ‘’ኮቦርታ ሻዕብያ’’ ይብሉዎ ከም ዝነበሩ ጀነረላት ደርግ ካብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ ኣንቢበዮ ኣሎኹ። ‘’ተጋደልቲ ሻዕብያ፡ ኣብቲ ዉሽጢ’ቲ ግመ ተመሳሲሎም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ይኸፍቱልና ኔሮም፡’’ ኢሎም ኣስፊሮሞ ይርከቡ።

ታሪኽ ንምፍላጥ፡ ምንባብን ምምርማርን እምብዛ ዘሐጉስ ንጥፈት ይመስለኒ። ኣብ ኤርትራ፡ ብኣሻሓት ዝግመት ዘደንጹ ታሪኽ ኣብ ፈቀዶ ስንጭሮታት ተቀቢሩ’ሎ። ፍሒርካዮም’ዉን ዝዉድኡ ኣይኮኑን። ናብ ጎቦታት ናቅፋ ከይደ ኔረ። በአሉ ግርማ ኣብታ ‘’ኦሮማይ’’ዘርእስታ መጽሓፉ ዝገለጾ ቦታታት ኩሉ ብእግረይ በጺሐዮ። በአሉ ግርማ ነቢይ’ዩ ኔሩ። ጉዳይ ኤርትራ ከም ዘብቀዐ ዝተረደኦ፡ ሻዕብያ ገና ኣብ ታባታት ናቅፋ ዓሪዳ ከላ’ዩ። እዚ ደራሲ፡ ነቲ ዝኣመነሉ ብምጽሓፉ ኩቡር ህይወቱ ከፊሉ። ኣብዚ ከቢድ ኩናትን ምትሕንናቅ ዝተኻየደሉ ዕርድታት ናቅፋ ክኸይድ ከለኹ፡ ጢጥ ዝመስል ጻዕዳ ዓጽሚ ወዲቁ ስለ ዝረኣኹ ኢደይ ሰዲደ ኣልዓልኩዎ። ዓጽሚ እግሪ ናይ ሓደ ሰብ’ዩ። ‘’እዚ ብኢደይ ሒዘዮ ዘለኹ ዓጽሚ፡ ዘይተጻሕፈ ታሪኽ ኣፍሪቃዉያን’ዩ’’ ድማ በልኩ ንብሕተይ። ሰብ ኣብ ዕርድታት ናቅፋ ክበጽሕ ዕድል እንተ ዘይረኸበ፡ ናይ ናቅፋ ስእላዊ ትረኻ ካብ መጽሓፍትሪ ክረኽቦ ግና ምተገበአ። እናሳዕ፡

‘’ብዛዕባ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ኣይተጻሓፈን፡’’ እብል ስለ ዘለኹ ገሪሙኩም ይህሉ።

ግደ ሓቂ ሒደት ዘይባሃል  መጽሓፍቲ፡ ብብዓል ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ Dann Connel፡ ሰሎምን ድራር፡ James Firebrace and Stuart Holland: ሩት ኢዮብ፡ ሚሼል ሮንግ፡ ተኸስተ ፍቃዱ፡ በረኸት ሃብተስላሰ፡ ዘወደ ረታ፡ Roy Pateman ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ክጽሓፍ ተፈቲኑ’ዩ። ልዕሊ ሚእቲ መጽሓፍቲ’ዉን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ‘’Jorney from Nacfa to Nacfa’’ ከምኡ’ዉን ‘’ክልተ ‘’ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት’’(Two weeks in the trenches) ዝብላ ክልተ መጽሓፍቲ ካብተን ክንበባ ዘለወን’የን። ‘’ልዕሊ ሚእቲ መጽሓፍቲ’’ ክንብል ከለና። ንኸም ‘’Ciao Asmara’’ ዛኣመሰላ ትሕዝቶ ኣልቦ መጽሓፍቲ ሓዊስካ ማለት’ዩ። እተን ክንበባ ኣለወን ዝባሃላ መጽሓፍቲ፡ መብዛሕትአን ኣብ ኢድ’ቲ ብዓል ታሪኽ ኣይበጽሓን። ካልእ እዋን ይበጽሓ ዶ ይኾና? ‘’Even the Stones are Burning’’(ቀጥታዊ ትርጉሙ- ኣኻዉሕ ከይተረፉ ተቃጺሎም) ዘርእስታ ብጋዜጠኛ Roy Pateman ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ካብታ ተሓቲማ ዝወጻኣትላ ዕለት ንጽባሒቱ ብትግርኛ ተተርጉማ ክትዝርጋሕ ምተገበአ። ብዛዕባ’ዚ፡ ንሓደ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ናይ ትርጉም ስራሕ ዝሰርሕ ፈታዊየይ ምስ ኣካፈልኩዎ፡

‘’መን ዘንብብ ኣሎ’ሞ?’’ ኢሉ ግዲ ከይገበረ መንኮቡ ሰብሲቡ መሊሱለይ።

ንትንሳኤ ስነ-ጽሑፍ፡ ናይ ትርጉም ስራሕ ንላዕሊ በሊጹ ክቀርብ ይኽእል’ዩ። ህዝቢ ብዝተፈላለየ ቃንቃታት እተጻሕፉ፡ መጽሓፍቲ ከንብብ ስለ ዘይክእል፡ ተርጎምቲ ድልድል ኮይኖም የገልግሉዎ።

ህዝቢ ብሓፈሻ ናይ ንባብ ባህሊ ኣሎዎ ኢልካ ክትግምት ኣይክኣልን’ዩ። ’’የኤርትራ ጉዳይ’’(ጉይይ ኤርትራ)ዘርእስታ ብዘዉዴ ረታ እተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ክሳዕ ሕጂ ብትግርኛ ዘይምትርጋማ ግሉሕ ሓደ ኣብነት ናይዚ ድኻም’ዩ። ታሪኽ ኤርትራ ንምፍላጥ፡ ብዘይካ ብኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተጻሕፋ መጽሓፍቲ፡ እዛ ብዘዉዴ ረታ እተጻሕፈት መጽሓፍ’ዉን ገዚፍ ኣበርክቶ ዘለዋ ይመስለኒ። ኣንበብቲ እንተ ዓንቢቦም፡ ተርጎምቲ ይታባብዑ’ዮም። ደረስቲ’ዉን ንፈጠራዊ ስራሕ ይተግሁ’ዮም። ክንደይ ሰባት ኢኹም ‘’ወዲ ሓደራ’’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘንበብኩም? ብተኪአ ተስፋይ እተሰናድአ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ገዚእኩም ንመንእሰያት ህያብ ዝሃብኩም ክንደይ ትኾኑ? ንኣዝማድኩምን ፈተዉትኹም፡ ክዳንን ጫማን ጥራይ ዘይኮነ መጽሓፍ ገዚእኩም ሰዲድኩምሎምዶ ትፈልጡ?

ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ኣዕርኹተይ ኣብ ገዝኦም ዕድመ ጌሮሙለይ ኔሮም። ሒደት ገዲፍካ፡ ዝበዝሑ ከብሒ መጽሓፍቲ የብሎምን። ከብሒ መጽሓፍቲ ኣብ ሳሎን ምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ባህሊ ኣይኮነን። እዚ ክብል ከለኹ፡ ካብ ዉልቃዊ ትዕዝብተይ ተበጊሰ ደኣ’ምበር፡ ብሓፈሻ ንኹሉ ማለተይ ኣይኮነን። ዝዓበየ ምልክት ስልጣነ ኮይኑ ዘሎ ግና፡ ምትካል ዲሽ ምኻኑ ኣይካሓድን። ኣብ ኣስመራ፡ ናሕሶም ብዲሽ ዘጽለለ ኣባይቲ ቁጽሪ የብሎምን። ብዙሕ ስበ፡ ቃንቃኡ ዘይርድኦ ተኸታታሊ ፊልም ብጽሞና ይከታተል። ናይቲ ፊልም ድያሎግ’ዉን ብግምት’ዮም ዝርድእዎ። ኣብ ኣስመራ፡ ካብቲ ብድሽ ዝመሓላለፍ ናይ ቱርኪ ፊሊም፡ ‘’ማህነድ’’ ናይ ዝባሃል ተዋሳኣይ ስም ዘይፈልጥ ሰብ ኣናዲኻ ክትረክብ ኣይከኣልን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ጸወታ ኩዕሶ እግርን ሙዚቃን ልቢ መንእሰያት ተቃጻጺሮም ከም ዘለዉ ክትዕዘቦ ይካኣል’ዩ። ግጥም ኩዕሶ እግሪ ምዕዛብን ምስማዕን ጽቡቅ’ዩ። ኣርሰናልን ማንቸስተርን እናበልካ ካብ ምጥቃዕ ግና፡ ድባርዋን ከረንን ዝብሃላ ጋንታታት መስሪትካ ንሳተን ክገጥማ ከለዋ ብኣካል ምዕዛበን ምሓሸ። ፍቅሪ ስፖርትን ሙዚቃን፡ ኪኖ ናይ ንባብ ባህሊ ክኸዱ የብሎምን’የ ዝብል ዘለኹ። ሓደ ዘይንብብ ሙዚቃ ዝፈቱ ሰብ፡ ዘየንብብ ተዓዛቢ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ብሉጽ ክብሪ ዘለዎ ዜጋ ክኸዉን ኣይክእልን’ዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ጥራይ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ንጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት 15 ብኣምሓርኛ ዕብይ ዝበላ መጽሓፍቲ ተሓቲመን። እዘን መጽሓፍቲ መብዛሕትአን ብላዕለዎት መኮነናትን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ’የን ተጻሒፈን። እታ ብሻለቃ ማሞ ለማ እተጻሕፈት ‘’የወገን ጦር ትዝታዮ’’ ( ናይ ወገን ሰራዊት ተዘክሮይ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዝርዝር እተጻሕፈት ኮይና ሚዛናዊ ትሕዝቶ ኣለዋ። ተስፋዮ ሃብተማርያም፡ ካሳዮ ጨመዳን ሆሴን ዓሊን ዝበሃሉ ጀነራላት ዝጸሓፍወን መጽሓፍቲ ትሕዝቶአን ብቀጥታ ንጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት’ዩ። ጀነራል ተስፋዮ ሃብተማርያም ሓቀኛ ታሪኽ ጺሒፉ ይርከብ። ካሳዮ ጨመዳ ብዛዕባ ተሳትፎኡ ምግናን ዝፈቱ’ካ እንተ ኾነ፡ ኣብታ መጽሓፍ ግና ብርክት ዝበሉ ሓቅታት  ኣስፊሩ ይርከብ። ብወገን ደርግ ዝነበር ኩነታት ከከም ኣጠማምታኦም ይስንድዎ’ለዉ። ብንወገን ኤርትራ እቶም ሰብ ታሪኽ ትም ምባል መሪጾም ኣልዉ። መጻኢ ወለዶ ዘይተበከለ ክዉን ታሪኽ ክፈልጥ ዝኽእል፡ ካብዝን ካብትን ንዝተጻሕፉ ኣንቢቡ ክመዛዝን ምስ ዝኽእል’ዩ።

ንወዲ ትኹል ትፈልጥዎ ዶ?

ይቅጽል…..

Posted in ስነ - ጥበብ | Leave a comment