ሓዳስ ኤርትራ ትመጽእ ኣላ!

ኩቡራት ኣንበብቲ፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ራዲዮ ኤረና ተቃሊሑ ምንባሩን ምስ ህሉዉ ኩነታት ሃገርና ብምግንዛብ፡ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ንጥቅዖ ምህላዉና ክንሕብረኩም ንፈቱ። ሰናይ ንባብ!!

********************

እቶም፡ ንልዕሊ 7 ግዜ ካብ መቅተልቲ ንዋራ ዝወጹ፡ ንስለ ናጽነት ኤርትራ ሙሉእ ዕምሮም ዝኸርተቱን ዝተቃለሱን ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ 1994 ከምዚ ክብሊ ተዛሪቦም፡ ነበሩ፡

‘’ ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ቅርጹሙ’ዩ ዘውዲ ደፊኡ ዝርከብ’ሞ፡ ነዛ ዘዉዲ ዝትንክያ ወይሉኡ!’’

እዛ ኣቦይ ወደልደኣብ ወደማርያም ዝገለጽዋ ዘዉዲ፡ ናጽነት ምንባራ ፍሉጥ’ዩ።ናጽነት ብናጽነታ..ንምምጻኣ ክንደይ ትንፋስ ኣባጽሕን ጎራዙን ዝጠለበት ናጽነት! ናጽነት ብናጽነታ..ናይ ኣስታት ክልተ ወለዶ ዕምሪ ዝወሰደት ናጽነት! ናጽነት ብናጽነታ..ክንደይ ገድልን ገደልን፡ ጽምእን ጥመትን፡ ሕማምን ስንክልናን፡ ብዓቢኡ ድማ ረዚን መስዋእቲ ዝተገዝመት ናጽነት!

ስለዚ’ዩ እምባረይ፡  ናጽነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ  ልዕሊ እቲ መዝገበ-ቃላት ዝህባ መግለጺ ዝኸይድ ትርጉም፡  እትፈጥረሉ። ንገሊኡ ጋል ጋሉ፡ ንገሊኡ ጋል ወዱ፡ ንገሊኡ  ጋሉ፡ ንገሊኡ ድማ ኣዲኡን ኣቡኡን’ያ ናጽነት። ወይ፡ ደበስ ፖሎቲካዊ ዝኽትምንኡ፡ ካሕሳ ናይ ዘመናት ጭኮኑኡን ሓድጊ ደቁን ደቂ ደቁን’ያ ንህዝቢ ኤርትራ፡ናጽነት።

ብወስጠዝኣዊ ኣዘራርባ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነት ኣስከሬን’ዩ ተቀቢሉ። እቲ ኣስከሬን ሂወት ንክለብስ ግና፡ ግድን ትንፋስ ሓርነት ክምዑግ ኔርዎ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ሓርነት ዘይብሉ ናጽነት፡ ከምቲ ትንፋሱ ዝጠለሞ ኣስከሬን’ዩ። ንሱ ድማ፡ ኣየዛርብ ኣይዛረብ። ሓርነት ዘይብሉ ናጽነት፡ ከምቲ ኣዕኑዱ ዝሰንፎ ገዛ’ዉን ይምስል። ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ከዕለብጥ ይዉዕል’ሞ፡ ኣምስዩ ዝመጾ መንጠሊና፡ ንሓዋሩ መሰረቱ ነቂሉ፡ ነበረያ ነበረ ይገብሮ።

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ሓርነት ናብ ናጽነት ወይ ካብ ናጽነት ናብ ሓርነት ዝጋዓዝ ቃልሲ’የን ኣካዪደን። ዘካይዳ’ዉን ዘለዋ። ህዝቢ ኤርትራ ግዳ፡ ናጽነቱ ንምርካብ ጥራይ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ልዕሊ ክብደት ማያት ቀይሕባሕሪ ዝዕቀን፡ ርዝነት’ዩ ዘሎዎ። እዚ ርዝነት’ዚ ግን፡ ክብደት ሓርነት ምስዘይድመሮ እናፈኾሰ’ምበር፡ እናረዘነ ከምዘይከይድ ንክርዳእ 10 ዓመት’ዩ ወሲድሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ።

ነዚ ዘይምርዳእ፡ ሳኣን ልቡ’ዩ ተሪፉዎ ኢልካ ምሕሳብ፡ ቆማት ጌጋ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግንቦት 24.19991 ጀሚሩ፡ እንታይ ተቀቢሉ፡ እንታይ ከ ተሪፍዎ ኔሩ ክጽብጽብ ቦኺሩ ኣይፈልጥን’ዩ። እቲ ነታ ክብርቲ ዘዉዲ፡ ከም መልክዓን መብጽዓኣን ኣብ ኢዱ ከረክቦ፡ ሓደራ ታሪኽ ዝተቀበለ፡ ጉጅለ ይኹን ዉዱብ ወይ ዉልቀሰብ፡ ሓደርኡ ዘንጊዑ ንርእሱ ከም ዋናን ኣዉራን ወራሲ ገይሩ ከቅርባ እንከሎ ድማ ብልቦና’ዩ ክዕገሶ ጸኒሑ።

‘’ሽገይ ሃቡኒ..ኣይተታሉልኒ’’ኢሉ ብዓዉታ መዝሙር ሓርነት ዝዝምረሉ ሰዓት ግን፡ እናቀረበ ይመጽእ ኣሎ። ብዘይ ናጽነት ሂወት፡ ብዘይ ሓርነት ድማኒ ክብረት፡  ከም ዘይየልቦ ኣዳዕዲዑ ስለዝፈልጥ ከኣ፡  እነሆ ንሓድሽ መስዋእቲ ርእሱ ከቅንዕ ፡ ዝተረፎ የሎን።

2013-fo

እቲ ናይ ሓደራ ንብረት ዘሪፉ ዘሎ፡ጉጅለ ይኹን ዉዱብ ወይ ዉልቀሰብ፡ ‘’ ነታ ብቅርጽመይ ዘምጻእኩዋ ዘዉዲ፡ ‘ተደልየ ኣብ ርእሰይ የንብራ፡ ተደልየ ንከልበይ ይሃባ ንመን ይምልከቶ? ይምልከተኒ’ዩ ዝብል ’ተሎ ከኣኒ፡ መቅፈዲኡ ሰንሰለት፡ መቅበሪኡ ድማ ቃረዛ ሒዙ ተላይ ናባይ ይቅረብ።’’ እናበለ፡ ነቲ ስርዓት ክስራዕ ‘ከሎ ዝፈልጦ ወረጃ ህዝቢ ብመስፈናዊ ቃንቃ የሽካዕልለሉ ይርከብ።

እዚ ምሽክዕላል ናበይ ከምዘብጽሖ ንምፍላጥ፡ ኤርትራ ነቢ ዘይወለደት ኢልካ ምዝራብ ጣቃ የብሉን። ከመይሲ፡ ትዕቢት ንዉድቀት ስለ ትቅድማ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ተጋዲለልካ ’የ ’ሞ እግረይ እንተዘይሰዓምካ ኢሉ፡ ምእታዉን ምዉጻእን ከሊእዋ ዘሎ፡ ጉጅለ ይኹን ዉዱብ ወይ ዉልቀሰብ ድማ፡ ተድሕሪ ትዕቢቱ’ዩ ዝጎዪ ዘሎ።

ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጎነጽ ድላዩ ንምርካብ ዘፍቅደሉ ባህሊ፡ ኣይጸነሖን። እቲ ኣብ 60ታት ዝተራኣየ ብረታዊ ተጋድሎ ንባዕሉ፡ ተገዲዱ ዝወሰዶ ‘ምበር ፈትዩ ዝመረጾ መገዲ፡ ኣይነበረን። ቁጠዐኡን ጽልኡን ንከዋህልል ሓየለ ግዜ ከምዝወስደሉ ድማ፡  ታሪኹ ይነግረና።

ምናልባት፡ እዚ ብክልተ ኢዱ በትሪ ሕዙ ዝመርሖ ዘሎ ፡ጉጅለ ይኹን ዉዱብ ወይ ዉልቀሰብ፡ ንትዕግስትን ስቅጣንን ናይዚ ህዝቢ፡  ምስ ፍርሕን ልኡምነትን ይሓስቦ ይኸዉን። ከምኡ ይሓስቦ ‘ተሎ ድማ፡ ከምቲ ሓንቲ ጻሓፊት ዝበለቶ፡ ነዚ ተጋዲለልካ እየ ዝብሎ ህዝቢ፡  ጠሪሹ ኣይፈለጦን ዘሎ ማለት’ዩ።

እምባረይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ደገን ታተ ምባል ዝጀመረ ቃልሲ ኣበጊሱ ይርከብ። ኩሉ ድማ ነታ እትመጽእ ሓዳስ ሃገር ብኣጉል ሃረርታ ካብ ሃንቆዉ ምባላ ተጋላጊሉ፡  ብተስፋ ይጽበያ ኣሎ።

ልቢ ዘሎዎ ይስዓብ፡ ኣእሙሮ ዘሎዎ ድማኒ የስተዉዕል። ምኽንያቱ፡ ሓራን ፍትሓዊትን ኤርትራ፡  ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ።  ከም ፎነክስ ካብ ሓሙኽሽቲ ወልቀመላኽነት እትትስኣሉ ደቂቅ፡  ሎምን ጽባሕን ኣብ ዘይባሃሎ፡  ኣመና ቀሪቡ ስለ ዝርከብ።

ሰሰናዩ!

Advertisements
Posted in Uncategorized | Leave a comment

ብርዒ ፡ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም

21 ጥሪ 2013  ረፋድ፡ ፎርቶ ኣብ ኢድ ደለይቲ ለዉጢ ምእታዋ ምስ ተነግረ፡ ብዙሕ ሰብ ዕላማ ናይቲ ስርሒት በብዝርድኦ ወይ በብቲ ዝደልዮ’ዩ ዝትርግሞ ዘሎ። በቲ ኢልና በቲ ግዳስ ናብ ሓደ መደምደምታ ክንበጽሕ እንተኾይና፡ እቲ ስርሒት ነቲ እልቢ ዘይብሉ ትንፋስን ዕድልን ዝተኸፈሎ ሓርነትና፡ ናብ ልክዕ ሰፈሩን ናብ ኢድ ዋናታቱን ንምምላስ’ዩ።

ሓርነት እንታይ’ዩ? ዋና ሓርነት መን’ዩ? ነዚታት ክሓስብ እንከለኹ ናብ ኣእሙሮይ ትመጸኒ ጽሕፍቲ ኣላ። እታ ብኢደ-ልቢ ኣቦና ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማሪኣም ዝተጻሓፈት ዓንቀጽ፡ ገና ልዕለንት ሓርነት ኣብ ምዕራባዉን ምብራቃዉን ኩርናዓት ዓለምና ከይተረጋገጸ ኢንከሎ፡ ዝተጻሓፈት ብምኻና፡ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ከምይ ዝኣመሰሉ ለባምን ብንጹር ዝሓስቡ በሊሕን ምንባሮም፡  ተገንዝበካ። በሉ፡ ኩቡራት ኣንበብቲ፡ እታ ጽሕፍቲ ከምታ ዘለታ ኣብ ታሕቲ ኣስፊረያ ኣሎኹ’ሞ ሰናይ ንባብ።

*************

ሃገር ናይ ህዝቢ ህይወት ኢያ፣ ሃገር ዘይብሉ ህዝቢ ህይወት የብሉን።  ሃገር ናይ ህዝቢ ህይወት እያ ክብሃል እንከሎ ግና፡ ናይ ህዝቢ ደኣ እምበር፡  ናይ ዝኾነ ይኹን ካልእ፡  ኣይኮነትን ማለት’ዩ።  ሃገር ናይ ህዝቢ ህይወት ምእንቲ ክትከውን  ዚዕንቅፋ፡ ዚጭቝና። ወይስ ዜጽብበላ ነገር ክህሉ፡  ከቶ ኣይግባእን። ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ህይወት ምእንቲ ክረክብ፡  ብህይወት ከኣ ምእንቲ ኺነብርስ ብምሉእ ሓርነት ኪመላለስ፥ ንቕዱስ ሃቐናኡን ንጽቡቕ ፍቓዱን ከኣ ወሰን ከይግበሮ የድሊ።

ሓርነት ናይ ዕብየትን ናይ ክብረትን፡  ናይ ሓጎስን መሰረት ወይ ከኣ ክንፊ ኢዩ።  ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓርነት ኪህልዎ፡  ብሓርነት ክነብር ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓርነት፡  ናይ ምሉእ ህዝቢ ሓርነት ኢዩ።  ናይ ህዝቢ ሓርነት ከኣ፡  ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡  ሓርነት ይኸውን።  ሓደ ሰብ፡  ወይ ከኣ፡  ሓደ ህዝቢ፡  ምንም እኳ ሃገር እንተ እትህልዎ ሓርነት ካብ ዘይህልዎ፡ ብሓርነት ከኣ፡  ካብ ዘይነብርስ፡  እታ ሃገር እንታይ ምጠቐመቶ?!

ሓደ ህዝቢ ንጥቕሚ ኻልኦት፡ ንኣገልግሎት ካልኦት እንካብ ዝነብር፡  ከመይ ኣቢልካ ሃገር ኣላቶ ኪብሃል ይከኣል? ሃገር እንተ እትህልዎ‘ሞ፡  ኣብታ ሃገሩ ሓርነት እንተ ዘይህልዎኸ፡  እታ ሃገር እንታይ ምጠቐመቶ? ኣብታ ሃገሩ ሓርነት እንካብ ዘይህልዎስ ሃገር የብሉን ማለት እዩ’ሞ፡  እቲ ህዝቢ’ቲ ብቐንዱ ህይወት የብሉን ማለትዶ ኣይኮነን? እወ ክቡራን መንእሰያት ደቂ ኤርትራ፥ ንሓርነት ድለዩዋ፥ ደሊኹም ርኸቡዋ፣ ብዝረኸብኩሙዋ ከቶ ኣይትስደዱዋ! መለኮታዊት ወይስ ኣምላካዊት ኢያድ እያ’ሞ ስገዱላ!

ሓደ ሰብ ምእንቲ ሃገሩ ተዋጊኡ፥ ተጋዲሉ፡  ሞይቱ ኺብሃል ከሎ ምእንቲ ሓርነት ማለትዶ ኣይኮነን? እወ! ሓርነት ናይቲ ክሳዕ ናይ መወዳእታ ነጥቢ-ደም ዝፈሶ፥ ምእንቲ ሓንቲ ሃገር ዚግባእ ውግእን ገድልን ትሕጃ ወይ ከኣ ውዑል ኢያ! ሓርነት ኣንጻር ባርነት ማለት ኢያ። ኣብ መንጎ ክልቲኤን ካልእ መንገዲ የልቦን።  ሓርነት ዘይብሉ ወይስ ሓራ ዘይወጸ ሰብ፡  ጌና ኣብ ባርነት ዘሎ ሰብ ማለት ኢዩ።  እወ ኣብ ናይ ዘይትምህርቲ ባርነት፥ ኣብ ናይ ስእነት ባርነት፥ ኣብ ናይ ከም ዝደሌኻ ምምልላስ ዘይምኽኣል ባርነት፥ ኣብ ናይ ዕዮ ምስኣን ባርነት፥ ኣብ ናይ ከም እተራእየካን ከምእተበርሃካን  ዘይምሕሳብን ዘይምእማንን ዘይምጽሓፍን ዘይምዝራብን ባርነት ኣርዑት፡  እተቝርነ ሰብ ማለት ኢዩ።

ABOY WEDEAB WELDEMARIAM

ሓርነት ማለት ግና፡ ክቡራን መንእሰያት ደቂ ኤርትራ፥ ዝደሌኻ ምሕሳብ፡ ቃሕ ዝበለካ ምግባር፡ ከም ዊን ዝበለካ ምዝራብን ምምልላስን ማለት ከም ዘይኮነ፥ ሓርነት ማለት ወይስ ናይ ሓርነት ሕጊ ድማ… “እቲ ኣብ ልዕሌኻ ኽገብርዎ ዘይትደልዮ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይትግበር። ኪገብሩልካ እትደልዮ ነገር ከኣ ንኻልኦት ግበረሎም!” ዚብል ሕጊ ከም ዝኾነ፡  ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡  ብዛዕባ እዚ’ኳ ክጽሕፈልኩም ኣይመድለየን።

እምበኣርከስ ናይ ካልኦትን ንኻልኦትን ኣይትኹኑ። ካብ ማእከልኩም መራሕቲ ግበሩ።  ብደቂ ላምኩም ተመርሑ። እቶም በእምሮን ብትብዓትን ብደግነትን ብቕዉም ነገርን ብጽቡቕ ኣካይዳን ዝሓሹ ኣሕዋትኩም ይምርሑኹም።  ጎይታ ወይስ ዋና ዚኾነኩም ወይስ ዚኾኑኹም ከቶ ኣይትድለዩ።

ናጽነትን ሓርነት ክልቲኤን ዳርጋ ሓደ ኢየን።  ናጽነት ምርካብ ማለት ካብ ወጻእተኛ፡  ወይስ ካብ ባዕዳዊ ስልጣን፡  ምንጋፍ ማለት ኢዩ፣። ሓርነት ምርካብ፡ ወይስ ሓራ ምውጻእ ማለት ከኣ፡ ካብቲ ውሽጣዊ ጎይታኻ ተናጊፍካስ ብዝመሰለካ ኣነባብራን ብራህዋን ምንባር ማለት ኢዩ።  እቲ ናጽነት ዝደሊ ሰብ፡ እቲ ሓርነት ዝደሊ ኢዩ።  ናጽነት ዚደሊ፡  ሓርነት ግና ዘይደሊ፡ ወይስ ግዲ ናጽነት ደኣ’ምበር ግዲ ሓርነት ዘይብሉ ሰብ፡  ናጽነት ዝደሊ ወዲ ናጽነት ኪብሃል፡  ከቶ ኣይከኣልን፣

ኣይግባእን ከኣ፣ ናጽነትን ሓርነትን ዘይብሉ ህዝቢ ሃገር የብሉን። ሃገር ናይ ሰብ ቤትን ሓዳርን ኢያ’ምበር ናይ ባሮት ደንበ ኣይኮነትን።

ህዝቢ ኢዩ ስልጣን ዝህብ፣ ህዝቢ ድማ ኢዩ ስልጣን ዜግድፍ። ንስልጣን ኢሉ እተወልደ ወይስ እተፈጥረ ሓደ’ኳ የልቦን።  እቲ ጻድቕን ቅዱስን ፈጣሪ፡  ኣድላውን ዓማጸኛን ኣይኮነን። ንሰብ ካብ ሰብ ዜብልጾስ ኣእምሮን ቅውም ነገርን ጥራይ ኢዩ። ኣቦታትኩም ‘በዓል ቆጽሊ፥ ‘ሹም ኣሕዋት’፡  ዚብሃሉ ሰባት፡  እናመረጹ ኢዮም ዝምርሑን ዚናበሩን ዝነበሩ።  ነዚ ኣቦታትኩም ዝሓደጉልኩም ቅዱስ ውርሻ እዚ፡  ከይተጥፍእዎ ወይስ ከይተበላሽውዎ፡  ተጠንቐቑ!

ሓርነት ናይ ፈጣሪ ህያብ እያ። ፈጣሪ ንነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ገይሩ እዩ ፈጢሩኩም ዘሎ’ሞ፡  ፈቲኹም ወይስ ዓሺኹም ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቆረኑ።  እወ ሓራን ደቂ ሓርነትን ኢኹም እሞ፡  በጀካ ነታ ሃገርኩምን ኣምላኽኩምንሲ፡  ንዝኾነ ይኹንን ካልእ እትህብዎ ጸብጻብ የብልኩምን።

ልዑል! ልዑል! ልዑል! እምልዑላን! እቲ ቅቡእ! እቲ ኣድሓኒ! እቲ ጸጋዊ እናበልኩም እተቀባጥርሉ ሰብ፡  ኣይሃልኹም፣። “እንሆልካ ገመድ ሕነቐኒ፥ እንሆልካ ካራ ሕረደኒ!” እናበልኩም፡  እትፈርሕዎን እትንቅጥቀጥሉን ሰብ፡  ኣይሃልኹም።

ግናኸ፡  ነቲ ባዕላትኩም ፈቲኹም ዘሰልጠንኩምዎ ስልጣን ኣኽብርዎ።  ተኣዘዝዎ። ተኸተልዎ። ኣገልግልዎ።  ኣብቲ ሓርነት ዘለዎ፡  ስርዓት ኣሎ።  ምክብባር ሓድሕድን፡  ምኽባር ሕግን ኣሎ። “እቲ ሓርነትስ ንሓርነት ካልኦት ኣይዓግቦ!” ዚብል ሕጊ፡  ኣብታ ሓርነት ዝወጸት ሃገር፡  ነጊሱ ይነብር።

ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ
5 መስከረም 1951
ቍ. 90

Posted in Uncategorized | 3 Comments

ፎርቶ ኣብ ትሕቲ ከበባ

ሎሚ ረፋድ ኣስታት ሚእቲ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡  ብክልተ ታንኪ ተዓጂቦም ነቲ ሚንስትሪ ዜና ዝርከበሉ ብፎርቶ ዝፍለጥ ህንጻ:  ኣብ ከበባ ኣእቲዮሞ ከምዘለዉ፡ ረዲዮ ኤሬና ሓቢራ። እታ ራዲዮ ብተወሳኺ፡  እቶም ወተሃደራት፡ ንሓለፍቲ ናይቲ ምንስትሪ፡ ብብረት እናኮብኮቡ ናብቲ ላዕላዋይ ደርቢ ናይቲ ስቲድዮ ኤሪ-ትቨ ዝርከበሉ ህንጻ  ብምእካብ፡ ንኣስመላሽ:

– ቅዋም ክትግበር ምኻኑን

– ናይ ፖሎቲካ ፡ ናይ ሕልናን ስግረ ዶብን እሱራት ድማ ክፍትሑ ምኻኖም-  ብቅጥታ መግለጺ ከሕልፍ፡ ብብረት ከም ዝገደድዎ እታ ረዲዮ ገሊጻ።

እቲ ናይ ኣስመላሽ መግለጺ፡ ንሓጺር ግዜ ኣብ ኣየር ድሕሪ ምፍናዉ ክቃረጽ ከምዝተገብረ ድማ ወሲኻ ትገልጽ።

juk

ነዚ ዕልዋ መንግስቲ ክኸዉን ከምዝኽእል ዝግመት ዘሎ ወተሃደራዊ ከበባ፡ መን ይእዝዞ ከምዘሎ ዛጊት ከምዘይፍለጥ ድማ፡ ረዲዮ ኤረና ትገልጽ። ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘሎዉ ሰራሕተኛታት ናይቲ ምንስትሪ፡ ጋል ፕረዝደንት ዝኾነት፡ ኤልሳ ኢሰያስ’ዉን ሓንቲ ምኻና እታ ረዲዮ ገሊጻ።

ብወገነይ ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ነዚ ዜና ንምርግጋጽ  ምስ ሓየለ ሰባት  ብኢመይልን ተለፎንን ብምዝርራብ ከም ዝተረአዳእኩዎ፡ እቲ ዜና ሓቂ ከም ዝኾነ’ዩ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣስመራ ግና ዝተራኣየ ዘይኑቡር ምንቅስቃሳት የልቦን።

Posted in Uncategorized | Leave a comment

2013 ባብ ሓርነትን ክብረትን!!

ታሕሳስ 21,2012 ብኣቃጻጽራ ማያ መጠረሽታ ዓለም ወይ ማዓልቲ ምጾታት’ያ። ነቲ ትንቢት ዝኣመነ ዘበለ ድማ ክንደይ ሸበድበድ ክብል ከም ዝቀነየ ይንገር። መንግስቲ ቻይና፡ ዓለም ካብ ዓርቢ ጀሚራ ንሰለስተ ማዓልቲ ክትጽልምት እያ ኢሎም ንዝኣመኑ 1000 ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ከምዝኣሰረት ድማ ቢቢሲ ይገልጽ። ዶ . .

ዶ ኢልካ ዶ’ሞ ‘ሕለፍ ! በቲ ኮይኑ በቲ እታ ዓመተ ምጾታት’ያ ተባሂሉ ዝተነበየላ ዓመት፡ ከም ሰባ ሓሊፋስ እንሆ ‘ኳ ”ርሑስ ሓድሽ ዓመት” ክንባሃሃል በቂዕና። እምበኣረይ ቅድሚ ኩሉ ንኩሉኹም ኣንበብቲ አሪ-ኣፕ ብሎግ ”ርሑስ ሓድሽ ዓመት” ይግበረልኩም እናበልኩ ሰናይ ትምንዩተይ ይገልጸልኩም።

ንዓመተ 2012 ኣብ ቅድመና ኮፍ ኣቢልና ምስ እንርእያ፡ ካብ ጽፍራ ክሳብ ርእሳ ብ ኣዋርቅ ፍጻመታት ዝተሰለመት’ያ። ናይ ሎንዶን ኦሎምፒክ፡ ሞት ኣርባዕተ ፕረዝደንታት ኣፍሪቃ፡ ሞት ዊትኒ ሆዉስተን፡ ዳግማይ ምምራጽ ፕረዝደንት ኦባማ፡ ዝባኣሰ ኩነታት ሶርያ፡ መጥቃዕቲ ኢስራኤል ኣብ ቓዛ፡ ቅሉዉላዉ ማሊን ዲ.ሪ.ኮንጎን ድማ እቶም ቀንድን ፍሩያትን ፍጻመታት ዓመታት 2012 ‘ዮም። ብዉልቃዊ ትዕዝብተይ ድማ ንርእሳ ንእሽቶይ ምጾታት እያ ነይራ።

ብኣንጻሩ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ‘ቲ ደማዊ ኩናት –  እታ ትስፍዉቲ ዓመት፡  ኣየንተን እያ ተባሂለ እንተዝሕተት፡ ከይ ተወላወልኩ ዓመተ 2012 ምበልኩ። እወ . . ሕጂ’ዉን እታ ትስፍዉቲ፡ ሕሰም ኤርትራ ካብ ስሩ ተማሕዩ፡ ዕምበባታት ራህዋ ዝዝራኣሉ፡  ቀዉዒ ሓርነትን ክብረትን ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ናብ ገጽና ምቅሪቡ  ዘርኣየትኒ ዓመት፡ ዓመተ 2012’ያ ኔራ። ምንዛዝ ገይርኩም ደኣ ከይትቆጽሩዎ’ምበር፡ ብዘብለጭልጩ ባዕለ-ግምታተይ ሰኺረ  ትስፍዉ ወይ ኦፕቲሚስቲክ ንምኻን ተበሪሁኒ ኣይኮንኩን፡ ነዛ ኣብራኽ ዓለም ረድረድ ዘበለት ዓመት ንኤርትራ መባልዕታ’ያ ኔራ ዝብል ዘለኹ። የግዳስ ክንዲ እምባ ሶይራ ዝኸዉን ምኽንያት ኣሎኒ።

ምኽንያተይ ክነግረኩም ትደልዩ?

ግርም. ..እታ ማያዉያን ዓመተ ምጾታት’ያ ዝበሉዋ ዓመት 2012፡ ንህግደፍ መጀመርታ ምጾታት ዘበነ ስልጣኑ ኮይና’ያ ሓሊፋ ዘላ። እቲ ከርሳ ዕቁር ዝኸረሞን ዝሓገዮን ረዘንቲ  ፍጻመታታ ግና  ኣብ ጀጅብኦም ደርብያትሎም’ያ ታዓዚራ። ከምቲ ዝጀሃርዎ፡ መለኮታዊ ጥበብ እንተዝነብሮም ነታ እቱዉ ክትብል ዘይባዓል ለይቶም ምኻና ዘርኣየት ዓመት፡ ገና ኣብ 3ይ ወርሓ እንከላ ካብ ዑደት ጊዜ  ”ቢያ’ ክብልዋ ኣምበይ ምጸሉኡን። ኣበይ እሞ . . .ንገጽ 2012 እንክጥምቱ፡  ሞቶም እናተራኣዮም ወላ ካብ ቅድሚ ዓይኖም ዝኣሊ ሓይሊ ክረኽቡ ኣይካኣሉን።

እስከ ብኸምዚ ክትርኾ . . .

ኣብዛ ዓመት እዚኣ ሞት ናይቲ ሰንሰሎማይ መራሒና ተኣወየ። ኣቤት. . .ሽዑ ዝነበረ ሻቅሎትን ዳንከራን ማዓስ ኮን’ዩ ክርሳዕ? ገሊኡ ብሓጎስ ክሰራሰር ክብል ሰማይ ክጥንቁር ዉርዲ ክተርፎ። ገሊኡ ድማ ብሓዘን ከምቲ ናይ ዓድና ዎጮ ተኸዲኑ ኣብ ሓምድ እንተዘየንገርገርኩ ኢሉ ኣካኪ ዘራፍ ክብል፡ መስደመም ተባሂሉ ዶ ይሕለፍ? መብዛሕትኡ እቲ ሓዛንተኛ ኣብ ኦዉሮፓን ኣመሪካን ስለ ዝነብር፡ ንወጮ ዝኾኖ ቆርበትን፡  ወጮ ምስ ተረኽበ’ዉን ዘንገርግረሉ ሓመድ ስለ ዘይረኸበ ክልተ ሓዘን ከም ዝኾኖ ሰሚዐ ኣሎኹ።

ሽዑ ቅነ እብለኩም . .ኣደይ ካብ ካናዳ ትድዉለለይ። ናይ ስንባደ’ዩ ዝኸዉን’ምበር ብሞት ይኹን ብህላወ ኩቡር ፕረዝደነት፡ ኣነ ከም ዘይሕተት ትፈልጥ  ኔራ’ያ። ከፍ. . .ኣደይ እኳ’ያ! ምስ ኩቡር ፕረዝደንት ብዘይካ ብተለቪዥን፡ ዳሃይ ሓድሕድ ዘተሓትት ዕርክነት ከምዘይብልና ከመይ ዘይትፈልጥ? ብዝኾነ ደወለትለይ ደኣ . . .

” ኣንታ ሃብቶም ወደይ ኢሰያስ ደኣ ናይ ባሓቂ ድዩ ሞይቱ?” በለትኒ- ቅድሚ ሓደርካን ማዓልካን።

” እንድዒ! እንታይ እሞ ፈሊጠ” ብምባል ሃዲአ መለስኩላ። ብሱሩ ክሓብኣላ ዝነበረኒ ምስጢር’ዉን ኣይነበረንን።

”እንታይ ኮይናካ ዘይትፈልጥ. .ኢንተርነት ዶ ተንብብ የለኻን ኢኻ?” ኣዋጠረትኒ። ካብ ቃናኣ ዝተረበሸትን ዝደንገጸትን ኮይና ተሰሚዓትኒ፡ ብግደይ ደንገጽኩላ። ኖኖእ. .ወረ ፈሪሓ ኔራ። እንታይ ኮይና ትፈርሕ? አእ . .ክንዲ ቦኽርን ሕሳስልደን ዝኾነ ፕረዝደንታ እምበር’ዩ። ከምቲ መሰልቲ ዝብልዎ ድማ ‘ኣደ ሓደ ከሎ ትበኪ’ ኮይንዋ ‘ኸዉን? እንድዒ . .ከሕርቃ ስለ ዘይደለኹ ግና ኣመና ተጠንቂቀ ተባሂለ፡ ከምዚ እናበልኩ መለስኩላ።

”ንስኺ እንታይ ትደልዪ?”

” ክህሉ . .ክህልወለይ’ባ ‘ደሊ” ድማ በለትኒ ተመሲጣ፡ ኣፍልባ ሒዛ ከም ዝተዛረበትኒ ድማ ተረደኣኒ።

” በሊ ከም ድላይኪ ይኹነልኪ”ኢለያ፡ ናብ ካልእ፡ ናብ ጉዳይ ናይ ዉሉድን ወላድን ሰገርና።

ፕረዝደንትና ‘ዉን ንሞት ሰጊሩ፡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ቀሪቡ፡ ኣለኹ. .ኣለኹ . .ኣለኹ እናበል ክሳብ ምጭዳር በጸሐ። ሻቡ፡ ኩሉ ነገር ጸጥ በለ። ኹሉ እቲ ብሞቱ ሕጉሽ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ድማ ጊዜ ጠጠዉ በሎ። እቲ ብዕላል ዝሰምዖ ዝነበርኩ- ሓደ ጊዜ መልኣከ ሞት ነቲ ክወስዶ ዝመጸ ኒሒፉ ንጎረቤቱ ወሲዱ ዝብል ዕላል ብጋህዲ ተፈጸመ። ኣብ 2012 ድማ እቲ ንኢሰያስ ክወስድ ዝተላኣኸ መልኣኽ ሞት፡ ንፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ ገዲፉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ናብ ዓደ-ሞት ወሰዶ

ኢትዮጲያ፡ ብሞት ናይቲ ን20 ዓመት ብከበድቲ ኣእዳዉ ዘመሓደራ መራሒኣ፡ ከም ግሪኻዊ ትርጉመ-ስማ ዝነደደ-ገጽ መሰለት። ኣብ ወርሑ’ዩ ዝኸዉን፡ ካብ ትጽቢት ዝኾነ ፈላጢ ኢትዮጲያ ዘይነበረ ብርቂ -ወላ ኣብ ኣፍሪቃ ብርቂ ዝኾነ ነገር ግና ተዓዚብና። እቲ ዓዉዓዉን ገልጠምጠምን ዘይተራኣዮ ህዱእ ምስግጋር ስልጣን ድማ፡  መለስ ዘይከም ኢሰያስ ደገፍቲ ዘይኮነ ተካእቲ መራሕቲ ይምልምል ምንባሩ ኣመስከረ። ኩሉ ብፖሎቲካዊ  ቁሉዉላዉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝስከፍ፡ ከብዱ ሓቁፉ ዝነበረ ሰብ ድማ ብኢትዮጲያ ቀሰነ። ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ ግዳ ዘየቅስን ንፋስ ሽዉሸዉትኡ ይብርትዕ ኔሩ’ዩ።

እቲ ንዜጋታቱ ሓሓንቲ ባኒ ንምብጻሕ እካ ዘይከኣለ መንግስቲ፡ ኣብ መፋርቅ ናይ ዓመተ 2012 ጀሚሩ ብረት ምዕዳል ጀመረ። ሽማግለ ዶ ተሪፉስ ትሕቲ ዕድመ! ሰብኣይ ዶ ተሪፋስ ሰበይቲ! ሕሙም ኣይፈለየ  ስንኩል፡  ንኹሉ ስርሓት ራሻ ዝኾና ብረት ኣዕጠቆ። ስለዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ፡ ስእሊ ስዉእ ዉላዱ ወይ ኣባል ስድራበቱን ከላሽን ኮቭን ዘይሰቀለት ገዛ ትከሰስ ዝባሃለሉ ጊዜ ኣርኪብና። ከምቲ ኣብ ገለ ገዛ ካብ ክልተ ንላዕሊ ስእሊ ስዉኣት ዘይሳኣን ‘ዉን ካብ ክልተ ንላዕሊ ብረት ኣብ ሓንቲ ገዛ ዝኣተወን ስድራቤታት ምህላወን ምስ ትሰምዕ፡ ትሓዝን።

ነዚ መጠነ-ሰፊሕ ምዕጣቅ እንታይ ኢልካ ትገልጾ? ሓሞት ናይቲ ህዝቢ ዶ ወላስ ሓድነት ናይቲ ህዝቢ ንምፍታን? ኣብ ታሪኽ ናይቲ ህዝቢ፡ እቲ ዝኸፈአ ግፍዒ ምኻኑ ምስ ዝገልጹ ሰባት ኣነ’ዉን ይሳማማዕ’የ። እንግዳዓ ናይቲ ከክንዲ ክልተ-እምኒ-ሓይሊ ዝኸዉን ኣኻዉሕ -መግዛእቲ፡ ኩናት፡ ድርቂ፡ ዓመጽ፡ ማእሰርትን ስደትን ብምስካም ላሕ ዝበለ ህዝቢ፡ ክንዲ ዕረፍቱን ራሃዉኡን ከላሽን ኮቭ ከተሰክሞስ፡ ባርባራዊ ግፍዒ ዶ ኣይኮነን?

ብሰንኪ እቲ ህዝቢ ናይ ምዕጣቅ ዕቡድ ወፍሪ፡ ፕረዝደንት ካብ መጻይቅቱ ተሪር ተቃዉሞ ከምዝገጠሞ ብሰፊሑ ከም ዝተነግረሉ፡ ኻልእ ዓመተ 2012 ዘሰነደቶ ተርእዮ’ዩ። እቲ ሰንሰሎማይ መራሒና ግና ንክልሰ ሓሳብ ምሕደራ-ቅልዉላዉ ከም ከብዲ ኢዱ ግዲ ይፈልጦ ኾይኑ፡ ተቀላጢፉ ቁጽጽር ሓደጋ ናብ ምግባር’ዩ ጎዩ። ከምቲ መጻሕፍ ቁዱስ ዝብሎ ድማ ሻቡ እቶም ትሕት ኢሎም ዝነበሩ ክልዕሉ፡ እቶም ልዕል ኢሎም ዝነበሩ ድማ ንኣንጻሩ ክኾኑ ታዓዚብና። ኣብ መንጎ’ዚ፡  ብዙሕ ነገር ታሓላሊኹ ከም ዘሎ ድማ ይዕለል። ነገር ነገር ወሊዳ ናብ ዕዳጋ ክትወጽእ፡  ቁሩብ ተሪፉዋ ኣብ ዘሎ ቅነ ድማ ዓሊ ዓብዱ ነቲ ስርዓት ጠንጢኑ ምስ ዘዕቁብኦ ሃገራት ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ።

new_year_wallpaper_2013-6

ምኩብላል ናይ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ጽፍዒት ንስሪ’ዩ። ብዘይ ምግናን ድማ ድሕረ ምኹባላል ዓሊ ዓብዱ መጠረሽታ ህግደፍ ኣመና ቀርባ ምኻኑ ተጋሂዱ ኣሎ። ንህግደፍ እዚ ዝርከብሉ ዘሉዉ ዘይርጉጽ እዋን- ጊዜ ኩናት እዩ። ካብ ታሓታትነት ንምህዳም፡ ኩናት። ሞት ሓዉ ቃዛፊ ከይተርክበካ፡ ኩናት። ክልተ ጊዜ ንከይትረአ፡ ኩናት። ኩናት. . ኩናት . .ኩናት! ክሳብ መጠረሽትኦም ካብ ኩናት ከዕርፉ ከም ዘይኮኑ ድማኒ ፍሉጥ’ዩ።

ኣብ መንጎ እዚ ብርቱዕ ኩናት እምባኣር’ዮም እቲ ዝሓየለ ተዋጋኢኦም ብምስላም ከሲሮሞ ዘለዉ።ብዝኾነ ናይ ዓሊ ዓብዱ ህድማ ኣብ ገጸ-መሬት ህግደፍ ዘይጽገን መንቃዕቲ፡  ፈጢሩ’ሎ ኢልካ ምድምዳሙ እኹል እዩ።

ኣብረርቲ ዉልቃዊት ነፋሪት ፕረዝደንት ዝነበሩ ኣብረርቲ ምስ ነፋሪቶም ዝጠፍኡላ ዓመት’ዉን 2012 ጥራይ’ያ። እቲ ባንደራ ኤርትራ ብኹርዓት እናኣምበልበለ ኣብ መዳ ኦሎምፒክስ ሎንደን ዝተራኣየ፡  ኣትለት ወይናይ ምስ 4ይ ርእሱ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ይሕሸኒ ዝበለላ ዓመት ‘ዉን 2012’ያ። 17 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ምስ ሓኪሞም ኣብ ኡጋንዳ ዝተሰወሩላ ዓመት ከማን 2012’ያ ኔራ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ድማ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ቁጽሪ ናይቲ ካብ ኤርትራ ዝስደድ ዘሎ  መመሊሱ ክዛይድ’ዩ ተራእዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብ ሲናይ ዝተቃልሑ ስእልታትን ድምጽታትን ናይቶም ብበዳዊን ዝሳቀዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣመና ኣሰቃቂ እናኾነ ብምኻዱ ኣቃልቦ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ፕረዝደንት ባራክ ኦባማን ዝረኸቡላ ዓመት፡ ዓመተ 2012’ያ። ምስኡ ዝተሓሓዝ ድማ፡ ደጊም ኤርትራዊ ጃልባ ምስ ጠለመቶ  ሳኣን ረዲኤት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃልቀሉ ሕማቅ ጊዜ  ሳላ ተወፋይነት ጉዱሳት ዜጋታት፡ ከም ዘብቀዐ ዝራኣናላ ዓመት፡ ዓመተ 2012 ጥራይ’ያ።

ብኻልእ ኩርናዕ፡  ዓመተ 2012 ሕሰም ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ’ዉን ንጥርዚ ገጹ ዝጎየየላ ዓመት’ያ። ብዙሓት ድማ ነዛ ዓመት እዚኣ ዓመተ ምብርባር ከም ዝኾነት ገይሮም እዮም ዝገልጽዋ። ንኣብነት ሬድዮታት ወጋሕታን ኣሰናን ብሳትላይት ናብ ሙሉእ ኤርትራ ምዝርጋሓ ዝጀመራላ ዓመት፡ ዓመተ  2012’ያ። ኣዝዩ ፍናን ዝድርዕ፡ ወኒ ሓርነት ዝንቅንቅ ዓወት’ዩ። እቲ ብሬድዮ ኤሬና ዝባህረረ ስርዓት ድማ ሰለስተ ኾይነን፡ ናብታ ከም ሰለዳ-ዳምኡ ዝርእያ ዘሎ ሃገር ምስ መጽኦ፡  እንታይ ከምዝገብረን ክምህዝ ተካሉ ጸጊቡ ምህላዉ ፍሉጥ’ዩ።

ዝያዳ ኹሉ ግና፡ ዓመተ 2012 ኣዝዩ  ፍሉይ ዝኾነ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ዝራኣናላ ‘ዉን’ያ። ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ምስ ዓርከ ማሓዛኻ ሸናዕ እብል ኣሎኹ ኢልካ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ ዉዕዉዕ ጎደና እንከለኻ ሞባይላካ ተድወል።  እናተፈሳሕካ መንነት  ደዋሊ ከተራጋግጽ ምስ ፈተንካ፡ ናይ ወጻኢ ኮይና ትጸንሓካ እሞ ትህንጠ። ከመይሲ ካብ ወጻኢ ክድወለካ እንከሎ፡ ምስቲ ምድዋል እትሰምዖ ደሃይን ብስራትን ንዓኻ መዕበዲኻ’ዩ። መን ይፈልጥ. . .ሓዉኻ/ሓብትኻ ገንዘብ ከም ዝሰደዱልካ ይሕብሩኻ ይኾኑ! ወይ ስድራኻ ምስኦም ንክትጽንበር መገዲ ከም ዘዳለውልካ የበስሩኻ ይኾኑ! ኩሉ ናዓኻ ብስራት እዩ። ብዘይካ ካብ ፈጣሪ ካብ ሰብ ዘይትጽበዮ ዝነበርካ ብስራት፡  ዘበስር ደዋሊ እንተትረክብ ደኣ እንታይ ምገበርካ? ብስራት ብብስራቱ፡  ዳግማይ ምላድካ ምእካሉ ዘበስር ብስራት! ልብኻ ብሓጎስ ካብ ሰፈራ ነጢራ ናብቲ ብጽባቀ፡ ብሳሓቕ፡ ብሕሽኹታ ፍቅርን ዕርክነትን ቀምበይበይ ዝበለ፡  ባሕሪ ዝመስል ጎደና ምስ ጠለቀትካ ፡ ኣሰራ ኣበይ ክትሓድግ! ልብኻ ብስራት ሓርነት፡    ባህጊ ዘልኣለማ ብምንባሩ ዓቢዳ መዕበደትካ ዶ ሓቀይ?

” ኣነ ካብ ዓርቢ ሓርነት’የ. .መልእኽተኛ ሓርነት” እብለካ እቲ ደዋሊ። ”ተረዲኡኒ ኣሎ” ኢልካ ምምላስ እኹል እዩ። ” ባህገይ ሰሚሩለይ” ኢልካ ኣብቲ ሓርነቱ ዘይጸደቀሉ ጎደና፡  ጨርቅኻ ደርቢኻ  እንተዓበድካ’ዉን ግርምን ጉሩምን ምኾነ። እዚ. .ዓርቢ ሓርነት’ዩ!!

ዓመት 2012 ኤርትራ ብ ሮቦኮል ወይ ሮቦታዊ ጻዊዒት ተለፎን ክትብጽበጽ እያ ከሪማስ ሓግያ ዝነሀት። እቲ ምብጽባጽ ናይ ትናፍቆ  ዳሃይ ብምኻኑ ግዳ ተረቢሸ ኢላ ርእሳ ናብ ኣፍልባ ኣየድነነትን። ቀነዐት ደኣ። ናይ 2 ደርዘን ዓመታት ሓሳራን ሕሰማን በልዩ፡  ራህዋኣ ቀደድ ኢሉ ተራእይ።   ሰማይ ዝዓረገ ትምኒታ ምስ ሓይልታት ደበና ተመሻጢሩ፡  ኣዝመራ ትስፉዉ መጻኢ ኣዝኒቡላ።ግርም  . . .

ኣብ ዘበነ ሓቤሬታ ንኤርትራ ኣብ ባዓቲ ሕመቁ ክሽጉጣ ዝወፈረ ህግደፍ ድማ መጠረሽትኡ ምስ ፕሮጀችት ዓርቢ ሓርነት ከምዝታሓሓዝ ድሮ ተረጋጊጹ ኣሎ። ስልዚ፡  ጽባሕ ንግሆ ብዉድቀት ህግደፍ ኣዉራ ታሓታቲ ፕሮጀችት ዓርቢ ሓርነት ጥራይ’ዩ። ኣርእስቲ ናይ መጠረሽታ ምዕራፍ ህግደፍ ‘ዉን ‘ዓርቢ ሓርነት’ ጥራይ እዩ ክኸዉን።

ኣብ መደምደምታ፡ ታሕሳስ 21, 2012 ማዓልቲ ምጾታት ምኻና ማያዉያን ተነብዮም ምንባሮም ኣብ ምእተዊ እዚ ጽሑፍ ገሊጸዮ ኣሎኹ። ኣብታ ዕለት እቲኣ ብኣማኢት ዝቁጸሩ መንፈሳዉያን፡ ካብቲ ዑናታት ጥንታዊ ስልጣነ ማያ ዝርከበሉ ናይ ሳዓትን ፈረቃን ኣብ ዝራሓቀት መሪዳ እትባሃል መክሲካዊት ከተማ ተኣኻኺቦም ምንባሮም ቢቢሲ ይጽብጽብ። ብዙሓት ድማ ጻዓዱ ክዳዉንትን ተባራዒ ቀመማትን ሒዞም- ነታ ምዉላድ ሓድሽ ዘበን እተብስር ጻሓይ በርቂ፡ ተጸበይዋ።

‘እቲ ጋላክሳዊ ድልድል ድሮ ተሃኒጹ እዩ” ይብል መንፈሳዊ መራሒ ኣልበርቶ ኣሪባልዛይ። ብምቕጻል ንሱ፡”ኮስሞስ ናብቲ ዝላዓለ ደረጃ ምንብድባድ- ናብቲ ወዲ ሰብ ዝኸብረሉን ዝፍሳሓሉን ደረጃ ክንድይብ ኢና” ብምባል ቅድሚ ሰሙን ኣቀዲሙ ገሊጹ ምንባሩ፡  ቢቢሲ ኣብ ዓንደ ሓቤሬትኡ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ገለ ተመራመርቲ ናይቲ ጥንታዊ እምነት፡ ነቲ ዓዉደ ኣዋርሕ ማያ ን2012 ከም ዓመተ ምጾታት’ዩ ዝርእያ ዝብል ትንተና ብምንጻግ፡ እንታይ ደኣ ንዓመተ 2012 ከም ዓመተ ምስግጋር ናብ ዝበረኸ ንቅሓት ገይሩ ከም ዝተነበየላ ይገልጹ።

ስልዚ፡ ከምቲ እቲ መንፈሳዊ መራሒ ዝገለጾ  ‘ጋላክሲካዊ ድልድል’ ዝመስል ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሓላ ዓመት፡ ዓመተ 2012’ያ ኮይና ተመዝጊባ ትርከብ። በዛ ዓመት እዚኣ ገይርና ድማ ናብቲ ክብረትን ሓርነትን ንረኽበሉ ዘበን ከም እንበጽሕ ጥርጥር የብለይን። እዛ ክንቅበላ ንሻባሸብ ዘሎና ዓመት፡ ዓመተ 2013 ድማ ባብ ሓርነት እተርሑ፡ ታሪኻዊት ዓመት ክትከውን ዘሎኒ ተስፋ ክገልጽ ከለኹ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ዝቕጀለኒ ምዕሩግ ስእሊ ኣሎ። መሻጉራት ኣብያተ እሱሪቢት ተሰይሩ፡ እሱራት ክፍትሑ! ፍትሒ ዘንግስ ቅዋም ክትግበር ! ዝፈርሓኒ’ምበር ዘይፈርሖ መንግስቲ፡ ዘገልግለኒ’ምበር ዘየገልግሎ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ባይቶኡ ክተክል እንከሎ፡ ይራኣየኒ።

2013 ባብ ሓርነትን ክብረትን !

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን

ሰስሰናዩ!!

Posted in Uncategorized | 2 Comments

ሓጺር ዛንታ ሓዳር – መበል 301 ደርሆ

ብግርማይ. ሳንዲያጎ

ቅድሚ ገል ዓመት ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እሰርሕ ኔረ። ቦታና ኣብ እምባትካላ እዩ ኔሩ። ሱዚ ኸኣ ቖልዑ ሒዛ ሰገነይቲ ትቅመጥ ኔራ። ሱዚ በቲ ንመጣየሲኣ ዝተዋህበቶ ገንዘብ ቢዝነስ ክገብር’የ ትበለልኩም። ሹዑ ኣብ ሰገነይቲ ገዛ ተኻሪና። ሸሞንተ ኣባጊዕ ገዚኣ ” እናኣፋረኹ ክሸጠን’የ” ኢላትኒ። እተን ኣባጊዕ ተገዚአን።ሓደ ትካል መፍረ ኣባጊዕ ተኸፊቱ ማለት እዩ።

ኣነ፡ ኩሉ ጊዜ ዓርቢ ምሸት ካብ ስራሐይ ( እምባትካላ) ተበጊሰ ኣስመራ እኣቱ። ብ ኣዉቶቡስ ደቀምሓረ ወይ ከኣ ትኽ ኢላ ትኸይድ ኣዉቶቡስ እንተ ረኺበ ሰገነይቲ እበጽሕ። ቀዳመ-ስንበት ምሕላዉ ኣባጊዕ ናባይ’ዩ። ገዛና ኣብታ ጥቃ ቢተ ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ስለ ዝኾነት ወሰን እያ። ነተን ኣባጊዕ ኣብቲ ኸባቢ እየ ዘዉፍረን። ጓሳ ከይንቆጽር ከኣ እታ ባዓልቲ ቢዝነስ ኣብያትኒ። ገንዘብ ንጓሳ እንተ ተኸፊሉ ደኣ እንታይ መኽሰብና ዝብል ሓሳብ ኣቅሪባ።

ኣቤት ንግዲ ”ማርኬቲንግ” ኣይተማህረት ”ቢዝነስ” ኣየጽነዐት ኩሉ ባዕላ ፈሊጣቶ። (ንቢል ጌትን ንሮክ ፈለርን ግና ብስም ትፈልጦም እያ ።) ዘልኩ ደኣ፡ ዘልኩሲ . . . .

ካብተን ኣባጊዕ እቲ ማጉላ ምሕላዉ ትንፋሰይ ኣዉጺኡኒ። ኣባጊዕ ብማዕዶ እንተ ርእዩ ናብአን ይኸይድ። እናሓንሳብ ሽርብ ኢሉ ይጠፍእ። ደልየ ደልየ እረኽቦ። ብኸምዚ ገለ ኣዋርሕ ሓሊፉ። መላኣት ስለ ዝነበራ ሓሙሽተ ኻብተን ኣባጊዕ ወሊደን። ናብ ኣባጊዕ ክወፍር ከለኹ፡  መጽሓፍ ከይማላእ በታ ዋና ናይቲ ትካል ተደጋጋሚ ሓበሬታ ተዋሂቡኒ ኔሩ። በዝኾነ መጽሓፍ ሓንሳብ እማላእ ሓንሳብ እገድፍ ኔረ። ሓንቲ ቀዳም  ብንግሆኡ  እቲ ማጉላ ጠፊኡ። ደሊና ደሊና ዳርጋ ቅባጸት ኮይኑ። ምስቶም ኣባጊዕ ሒዞም ነስመራ ዝሓለፉ ሸቃጦ ታሓዊሱ ኽኸይድ ከም ዝተራኣየ ገለ ናይ ዜና ምንጭታት ሓቢሮሙና። ሽዑ ገዛ ሓዊ ተኣጊዱዋ። ቀንዲ ካፒታል ናይቲ ትካል ጠፈኡ። ምስ ሱዚ ተሓራሪቅና።

” ኣነ ድሕሪ ሕጂ ኣባጊዕ ከምዘይወፍር፡ ካብ እምባትካላ ከዕርፍ ኢለ’ምበር ኣባጊዕ ክወፍር ኢለ ከምዘይመጽእ፡” ዘፍልጥ ተሪር መግለጺ ኣዉጺኤ። ብወገን ዋና ትካል’ዉን ሓደ መግለጺ ወጺኡ። ”ኣነ ሱዚ፡ ከም ሱዚ መጠን፡ ንደቅና ንእሽቶ ዳጌፋ እንተ ኾነ ዝብል ቅዱስ ሓሳብ’ምበር፡ ከምቲ ብወረ ዝብሃል ሮክ ፌለር ወይ ቢሊ ጌትስ ንምኻን ከም ዘይኮነ ፍለጥ። ኣነ ሓሙሽተ መዓልቲ ቆሉዑ ሒዝው እወፍረን። ንስኻ ግን ኣብዘን እተብርየኒ ኽልተ መዓልቲ ጥራይ ክንድዚ ቖጭ ቖጭ ክብለካ ኣይምተገብአን። ሕጂ’ዉን ደድሕሪ’ቶም ሸቃጦ ብኣዉቶቡስ ኬድካ ነቲ ማጉላ ኣርክቦ እንተ ዘየሎ ግና. . .”ዝብል ዘይተደምደመን ካብ ናተይ ዝተረረን  ወግዓዊ መግሊጺ ኣዉጺኣ።

ሽዑ፡ ብኣዉቶቡስ ናብ መንገዲ ኣስመራ ተበጊሰ። ኣብ ከባቢ ኣደ’ብዑር ሸቃጦ ኣባጊዕ ሒዞም ስለ ዝረኣኹ፡ ካብ ኣዉቶቡስ ወረድኩ። ዓወት ብዓወት ኮይኑ። እቲ ማጉላ ኣለልየዮ። (ብኣታኽላ እዝኑ ፈሊጠዮ።) እቶም ሸቃጦ’ዉን ክመልስዎ ብዙሕ ከምዝጻዓሩ  ነጊሮሙኒ (ግና ኣይኣመንኩዎሙን።) ዘልኩ ደኣ፡ ዘልኩሲ . . . .

ብዘይፍቃድ ናይ ዋና ትካል መፍረ ኣባጊዕ (ሱዚ ማለት’ዩ) ነቲ በጊዕ ነስመራ ወሲደዮ። ኣነን እቲ ዱዑልን (ማጉላ) ዕዳጋ ሓሙስ እንዳ ከብቲ ብሓንሳብ ኣቲናያ። ንሱ ንኽሽየጥ ኣነ ኽሸይጥ ምኻና ግን ብሩህ ክኸዉን ኣሎዋ። ዓዳጎ መመጺኦም ይሓቱኒ።

”በዓል በጊዕ ክንደይ ኢልካዮ?”

”ዉሰዶ 220፡”

”ንእሽቶ ድዩ?”

”ንእሽቶ’ዩ ሓደ ሸረፍ፡” ኢለ ኸናፍሩ ቀሊዐ ስኑ የርእዮሞ።

ሽዑ፡ ሓደ ካብቶም ዓደግቲ ስኒ ናይቲ በጊዕ ርእዩ ”እንታይ ደኣ እዩ እቲ ስኑ ባዕካኽ?” ይብለኒ።

ኣነ ኸኣ ትቅብል ኣቢለ፡ ”በጊዕ መወጽ ሒዙ ስኑ ክምዉጽ፡ ወይ ማይ ምዒጉ ክጉጽጉጽ ሪኢኻ ትፈልጥ?” ኢለዮ። ዘልኩ ደኣ፡ ዘልኩሲ .

ምስ ዓደግቲ ” ተዛረብ. . .ንዓ. . .ንዓ. . .ክንቀርበካ. . . .ቅረበና. . .ንዓ. . .” ክበሃሃል ዊዒለ። ኣጋ ምሸት ብ200 ሸይጠዮ። ኣዉቶቡሰይ ተሰቂለ ሰገነይቲ ኸይደ።

ነታ ዋና  ናይቲ ትካል መፍረ ኣባጊዕ ” ክሳብ ኣስመራ በጺሐ ስኢነዮ፥” ኢለያ። ሱዚ ጉህያ። ወላ ሓንቲ ኣይበለትንን። እቲ ሽያጥ በጊዕ ሰኺረሉ። ሰኺረሉ ካብ ምባል ግን ”በጊዕ” ኮይነሉ ምባል ይሓይሽ። ብድሕሪኡ ኣብ ምሕላዉ በጊዕ ኣይተሳተፈኩን። ሽዑ ጊዜ ንሳ ንስራሕ ትብለኒ ኔራ። ኣነ ግን ከም ኸልቢ 24 ስዓት እድቅስ ኔረ። (ወሪዱዎ ኸልቢ ዉሕ’ኳ ክብል ይሓድር) ንባዓል ቤትካ ምሕጋዝ ነዉሪ የብሉን ዝብለኒ መዓዳይ ከኣ ኣይረኸብኩን። ብሰንከይ ዓቢ ትካል ፓንክራብት ኣቢሉ። ኣባጊዕ ተሸይጠን። ሱዚ ጌይትስ ከም ቢል ጌይትስ ከይሃብተመት ተሪፋ። ዘልኩ ደኣ፡ ዘልኩሲ .. . .

ብኣንጻር ናተይ ድማ ካልእ ትርኢት ኣሎ። ሽዑ እዋን’ዩ። ሓደ ዓርክና በተን መጣየሲኡ እንዳ ደረዉህ ኣዉጺኡ። መፍረ ደረዉህ ስርሑ ብዙሕ’ዩ። ነዘን 300 ደረዉህ ጽቡቅ ገይሩ’ዩ ዝከናኸነን። ወጊሓ ክሳብ ትዓርብ ክሰርሕ ይዉዕል። ሰበይቱ ሓደ ወዲ ሰለስተ ዓመት ቖልዓ ኔሩዋ። ኣብ ስራሕ እተን ደረዉህ ሓንቲ መዓልቲ’ዉን ትኹን ኢዳ ኣንቢራትለን ኣይትፈልጥን። ሽዑ ወዲ ኣንጸርጺሩ። (ዓቅሉ ወዲኡ።)

”ስምዒ ዘይትሕግዝኒ ንሓዳርና’ኳ እየ ዝጽዕር ዘለኹ።”

”ኣነ ጨና ናይ ደርሁ ኣይፈቱን’የ።”

”ጨና ገንዘብ፡ ጨና ምግብን ከ ትፈትዊዶ?”

”ኦፋ. . . .ዘይከዉን እስከ ኣይትሕተት። ጨና ደርሁት፡ ጨና ገንዘብን፡ ጨና ምግብን በየንከ ይራኸብ?” ኢላመሊሳትሉ።

እታ ሰበይቱ፡ ንግሆ ንግሆ ዳርጋ 6 እንቋቁሖ’ያ ትቆርስ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣመና እናገዘፈት እናገዘፈት ከይዳ። ብሓጺሩ ክምብልብል ኢላ። ኣብ መጨረሻ ምስኪናይ ዓርክና ምስተን ደረዉህ ብሓደ ኽኣልያ ጀሚሩ። ሰበይቱ መበል 301 ደርሆ ኮይናትሉ። እሞ ኸኣ እንቋቁሖ ትበልዕ’ምበር እንቋቁሖ ዘይትወልድ።

ሰባት ባህርያቶም ይፋላለ’ዩ። ገለ ስራሕ ይፈቱ፡  ገለ ሃካይ፡ ገለ ለባም፡ ገለ ዓሻ ወዘተ. . . እዩ። ኣብ ቡዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ክልተ ኣንጻር ባህሪ ዘለዎም ይዋሰቡ እዮም። ሓደ ዕሽዉ ዝበለ መንእሰይ ንሓደ ዓርኩ ብዛዕባ ሕጽይቱ ኣዕሊሉዎ።

”ሎሚ ተሓጽየያ ዘለኹ ናይ ክልተ ሰብ ሓንጎል ዘሎዋ’ያ፡”

”እሞ እዚኣ ኸተምልጠካ የብላን፡ ንዓኻ ትኸዉን’ያ፡” ኢሉዎ ይባሃል።

በሉ ንደቂ ኣንስትዮ ንዐአን ዝኸዉን ይፍጠረለን። ንደቂ ተባዓትዮ ኸኣ ንዖኦም ዝኾና ይፍጠረሎም። ግና ክልተ ሃካያት እንተ ተዋሲቦም፡ እንታይ ክበልዑ’ዮም? ኢለ ጭንቅ ይብለኒ።

ካብ መጽሓፍ፡ ዘልኩ ደኣ ዝተወስደ

ግርማይ ዮሃንስ . ሳንዲያጎ

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ጉያ ንሓርነት

‘ብዛዕባ ተደጋጋሚ ናይ ምጥፋእ ፈተነ  ናይታ ሃገራዊት ጋንታ  ካብ ሰበስልጣናት   CECAFA ናይ መጠንቀቅታ መልእኽቲ መጺኡና ነይሩ – ንሕና ድማ ን ፖሊስ ዩጋንዳ ሓቢርናዮም ነይርና ኢና  ” ዩጋንዳዊ ኣባል CECAFA  ሞሰስ ማጎግ !!

” ኣዝማዶም እዮም ዝርእዩ ዘለዉ ” ጠርነፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ !

፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨

ኤርትራ ኣብ ዓዉዲ ስፖርት ኩዑሶ እግሪ ደርማስ ዓቅሚ እኳ እንተሃለዋ ገና ግና – ነቲ ናይ 90ታት ኣብ ናይ ህጻናት ውድድር ዘመዝገበቶ ኣንጸባረቅቲ ዓወታት  ገዲፍካ – ካብ ብሽልማት ብብዚሒ ናይቶም በብዝገሽዎ ዝጠፍኡ ዘሎዉ ተጻወታ እያ ዜና ትሰርሕ ዘላ ።

ሎሚ ሶኑይ ካብ ኡጋንዳ ዝተፈነወ ዜና ከም ዘራጋግጾ ድማ ኣስታት 18 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብታ ሃገር ተሰዊሮም ኣሎዉ ።እታ ብኣግማል ቀይሕባሪ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኡጋንዳ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 36 ውድድር ሴካፋ ንምስታፍ እያ ናብታ ሃገር ዘምረሐት። ድሕሪ ክልተ ተከታተልቲ ስዕረታት ካብት ዉድድር ዝተገለፈት ሃጋኤ ንኣስመራ ዘይከም ተቀዳደምቲ ብሽግለታና ሓፊስ ዓወት ሲ ይትረፍ ፡ እቶም ዝርካቦም ተጻወታ  ኣጥፊኣ እያ ተመሊሳ ዘላ ።

_54040341_red-sea

ዋሃቢ ቃል ፈደረሽን ኮዑሶ እግሪ ኡጋንዳ ሮድጀርስ ሙሊንድዋ፡ ንሮይቶርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ” ሓቂ እዮ ገለ ካብ ተጻወቲ ሃጋኤ ጠፊኦም ኣሎዉ ‘ ብምባል ካብ ሰምበት ኣትሒዞም ኣብ ሆተሎም ከምዘይተራኣዩ ሓቢሩ። ጠርነፍቲ ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ድማ እቶም ተጻወቲ ኣዝማዶም ‘ዮም ዝርእዩ ዘሎዉ ክብሉ ምላሽ ሂቦም ኣሎዉ ።

ሓቅኹም !  መን እሞ ኣብ ዓዲ ከይነብሮም. .

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ  ኣብ ጉያ ንሓርነት !!

እቶም ኣብ ጉምቦት 2006 ኣብ ከንያ ዝጠፍኡ 4 ተጻወቲ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ግዜን ፡ ሃብስ ቀደስ ህግደፍን ዘይድምስሶ ተመስጦ’ዮም ንመጻዉቶም ሓዲጎምሎም –እቲ ዝበለጸ ዕድል ሓንሳብ ጥራይ ከምዝርከብ ። ድሓር ድማ  እታ ንሶም ብነጻ ዝረኸብዋ ትኬት፡  ካልእ $ 5 000 ከፊሉ + ሂወቱ ኣብ ሓደጋ  ኣእትዩ ከምዝረኽባ፡  ዓቢ ትምህርቲ ኣቅሲሞም ናብቲ ብዓዲ ድሓን ዝፍለጥ፡  ካልእ ዓለም ገስጊሶም ይርከቡ ።

ኣብ ኣሰሮም . . .

መጋቢት 2007 – 6 ተጻወቲ ሃጋኤ ኣብ ታንዛንያ ጠፊኦም

2009 – 12  መንእሰያት ተጻወቲ ሃጋኤ ኣብ ከንያ ጠፊኦም

2011 – 12 ተጻወት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ታንዛንያ ጠፈኦም – ካብኦም ሳሚኤል ገብሪሂወትን ኣምበስ ሲዩምን ምስ ኣዉስትራላዊት ጋንታ ጎልደን ኮስት ዩናይትድ ንምጽዋት ከምዝፈረሙ ኣይርሳዕን ።

ፕረዝደንትና እንታይ ኢሉ ይምልስ ይኸዉን ?

እታ ቦኽሪ እዝነይ ትብል መልሱ ኣብ ኩሉ ዝስኩዓ ፕረዝደንትና – ከም ዝለመዶ ሕጂ’ዉን ህንጡያት ጠየቅቲ እንተረኺቡ ወይ ጠይቁኒ ኢሉ እንተጠሪዑ መልሱ ካብኣን ክንዳኣን ዝሓልፍ ከምዘይኮዉን ግምት ኣሎኒ ።እቲ ጸገም ናይ ፕረዝደንትና ስቅ ኣብ ዝባሃሎ ስቅ ፡ ኣብ ዝዝረቦ ድማ ምዝራብ ዘይፈልጥ ምኻኑ እዩ ።ምኽንያቱ፡  ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገር ዘሕንኽ ዉርደት የማሓስብ እምበር፡  ጎፍ መምስዝበሉኻ ሓታቶ እትቅልደሉን ቁጣዐኻ ብባጫ እተንፍሰሉን ኣይኮነንን ።

ነዛ ጽሕፍቲ ክሕንጥጥ ኣብዝተበገስኩሉ ግዜ ባዓል ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እንታይ እብላ ከምዘሎዋ ንምፍላጥ በቲ ሓደ – ዘረባ ክልተ ከይሰማዕኻ ኣይትፍረድ ዝብል ምኽሪ ንምትግባር ድማ በቲ ኻላእ -ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስ ዳህሰስኩ፡  ከፍ ዘይብሉ ናይ ሓሮቆት ዜና፡  ብጸሊም ለቅሊቆም ኣብ እግሪ ዓምዲ ስፖርት፡  ቀርቀሮማ ጸንሖምኒ።

ምሱኡ ድማ ታሪኽ ሂወት ናይቶም ድሮ፡  ታሪኽ ሂወቶም ብUNHCR ኽጻሓፍ ጀሚሩ ዘሎ፡  ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ።

እታ ጽሕፍቲ ከምዚ ‘ያ እትብል  . .

ኤርትራ ተገሊፋ
ኣብ ኡጋንዳ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 36 ውድድር ሴካፋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ሳልሳይ ምድብ ተሰሪዓ ኣንጻር ሃገራውያን ጋንታታት ዛንዚባር፡ ማላዊን ሩዋንዳን ገጢማ። እንተኾነ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ ኣይክኣለትን። እታ ጋንታ ኣብ ፈለማ ምስ ዛንዚባር 0ብ0 ክትፈላለ እንከላ፡ ቀጺላ ኣንጻር ማላዊ ገጢማ ሓያል ተወዳዳርነትን ዘደንቕ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ብጸቢብ 3ብ2 ተረቲዓ።
ኣብቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ግጥማ ኣንጻር ሩዋንዳ ድማ፡ ቅድምን ድሕርን ዕረፍቲ ብዝተመዝገብኣ ሸቶታት 2ብ0 ተሳዒራ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ።
ናይ ሓጺር እዋን ምድላዋት ኣካይዳ ናብ ኡጋንዳ ዘቕንዐት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንመጻኢ ካብ ሕጂ ጀሚራ ምድላዋታ ክተሐይልን ኣቐዲማ ናይ ምሕዝነት ጸወታታት ክትሰርዕን ከምዘለዋ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ውሽጢ ሃገር ርእይቶኦም ይህቡ ብኣሰልጣኒ ነጋሽ ተኽሊት እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ዋላ’ኳ ናብ ዝቕጽል ግጥም ክትሓልፍ እንተዘይክኣለት ብውህደት ጸወታኣ ግን ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፋ ጋንታታት ከምዝመሰጠት ኣብ ኡጋንዳ ዝተዘርግሐ ዜና የመልክት።

ኣብ ደገ ንርከብ ርእይቶና እንተ ሓወስና ኽ ? . . .

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡  ኣብ ዉሽጢ ዝርከቡ ኣፍቀርቲ ተጻወቲ  ሂቦሞ ዝበለቶ ለበዋ – እታ ጋንታ ኣቀደማ ልምምዳ ክትጅምርን ምሕዝነታዊ ጸወታታት ክትሰርዕን ኣሎዋ ፡ ዝብል እዩ ። እዚ ለበዋ ግና ነቲ ፈደረሽንን መንግስትና ዝርከብዎ ዘሎዉ ኣዋጣሪ ኩዉንንነት፡  ፈጺሙ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮንነ ፡ ወይ ከምኡ ንምኻን ኣይደለይን ። እንተገደደ :  እቲ ለበዋ መንግስቲ ካብ ገግኡ ተማሂሩ፡  ናይ ወጻኢ መገሻታት ናይታ ሃገራዊት ጋንታን ክለባትን ፡  ክሳብ ብሂወት ዘሎ ክክልክሎ ዝብል ክኸወን፡ ኔርዎ።

ከምዚ እንተተገይሩ –

1ይን ቀንድን፡  ፕረዝደንትና ብዝኾነት ማዕከን ዜና፡ ብዝዕባ ናይቶም ዝሕሾም ዝመረጹ ተጻወቲ፡ ኣይሕተትን።

2ይ ፡  በብዝጠፍኡ ተጻወቲ፡ ስሙን ስም ሃገርናን መዋራዘዪ ማዕከናት ዜና ካብ ምኻን ይድሕን።

3ይ – መንግስትና ዶላር ይዕቅብ  –

መንግስትና ያኢ ብ100ሽሕ ናቅፋ ከንያ በጸሖም ዝምለስዎ መስሉዎስ ፡ ዝኾነ ዝገይሽ ተጻወቲ  ወይ ስፖርተኛ 100 ሽሕ ከትሕዝ ዘገድድ መምርሒ ኣብ 2007 ኣዉጺኡ ነይሩ’ዩ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ንምኻን ልዕሊ ብቅዓት . .100 ሽሕ ናቅፋ ከተትሕዝ ዓቅሚ ከምዘሎካ ኣሰልጠንትኻ ክምስክሩልካ ኣሎዎም ማለት እዩ ። ከመይ ዝበሉዎ ስግንጢር እዩ እዚ በጃኹም?  (ከምቲ ብሰፊሑ ዝሕከ’ዩ)

ኣብ መወዳእታ

ከም ኣማራጺ ዋጋ ሚልዮን ናቅፋ ምኽሪ ንመንግስትና ክልግሰሉ’የ. .

ሎሚ ሳላ ጠገለ ዘይብሉ ዋሕዚ ስደት( ብCIA ዝማሓደር ዩ )  ኤርትራዊ ዘይብላ ሃገር ኣብ ዓለም የላን ።ስለዚ፡ ብምክትታል ኢምባሲታት፡  ኣብተን ኤርትራዊ ዘለወን ሃገራት፡ ብስም ናይተን ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎዋ ጋንታታት  ፡ ጋንታ ብምምስራት – ዝኾነ ኣህጉራዊ ውድድራት ክህሉ እንከሎ ድማ። እታ ኣብቲ ዝእንገደሉ ሃገር  ወይ ኣብ ጎዶብኡ ትርከብ ጋንታ diaspora፡  ነታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ጋንታ፡  ወኪላ ትጻወት ።

ንኣብነት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከንያ ግጥም እንተሃሊዋ ፡ ኣብ ክንድኣ ኣብ ከንያ ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተመስረተት ጋንታ- ስማ ግድን ቀይሕ ባሕሪ ክኸወን ኣሎዋ – ብዉክልና ትገጥመላ ማለት እዩ ።

ኣግማል ቀይሕ ብሕሪ ድማ፡  ካብ ኩለን እተን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘለዋ ናይ diaspora ጋንታታት፡  ዝተሓረዩ ብምግባር፡  ነቲ ኣዝዩ ገኒኑ ዘሎ ምጥፋእን ምርሕራሕን፡  መግትኢ ክግበረሉ ከምዝኽእል ፡ ጻሓፊ ይመክር ።

ምናልባት፡  ኣዚ ምኽሪ  ብመንግስቲ ደረጃ ተቀባልነት ምስዝረክብ – ነቶም ኣብተን ዝምስረታ ጋንታታት ዝሕቆፉ ተጻወቲ፡   ቅድሚ ታሰሪኖ ምሃቦም፡  ናይ ሃገራዉነት መምዘኒ ብቅዓት ፈተና ክወስዱ ምግዳዶም ተመራጺ ምኻኑ ይኣምን ። ከምዚ ብዘይምግባር ንዝስዕብ ትሕተ ሃገራዉነት ዝፈጠሮ ስዕረት፡ እነ ታሓታቲ ከም ዘይኮንኩ የራጋግጽ።

ንኣግማል ቀይሕ ባሕሪ . .ሰስናዩ ይምነየሎም ።

ሰስናዩ

Posted in Uncategorized | Leave a comment

ናይ ዓሊ ዓብዱ ምርሕራሕ ንቡርን ዝጸነሐን ምኻኑ ተገሊጹ !

ዓሊ ዓብዱ – ኦፐረተር ፡ ምክትል ኣቦ ወንበር ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ዳሓር ድማ ሚንስተር ሚንስትሪ ዜና ኮይኑ ዝገልገለ ፡ ካብ ዝሓለፈ 2 ቅነ ጀሚሩ ኣብ ካናዳ ፖሎቲካዊ ዑቅባ ከም ዝሓተተ ኣሰና ፋዉንደሽን ድሕሪ ምሕባራ ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ፡ ኣብ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ብፍላይ ከቢድ ሻቅሎት ፈጢሩ ኣሎ ።ተመራመርቲ ታሪኽን ኪኢላታት ስነ – ሕብረተሰብን ግና ናይ ዓሊ ዓብዱ ምርሕራሕ (Defection) ምንም ዘሻቅል ዘይብሉ ኣዝዩ ንቡርን ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰብ ድማ ተራ ተርእዮ ምኻኑን  ገሊጾም ።

እቶም ሊቃዉንቲ ናይ ዓሊ ዓብዱ ምርሕራሕ ምርኩስ ብምግባር ክዛረቡ ከለዉ – ደቂ ሰባት ካብ እኒ እኒ ጀሚሮም እንዳራሕረሑን እንዳተረሓረሑን  ኣብዚ ናይ ሕጂ ስልጣነ ከምዝበጽሑ ብምርዳእ – ምርሕራሕ(Defection) ቅድምን ድሕርን ልደተ ክርስቶስ ዝነበረን ብሕጂ’ዉን ንሓዋሩ ዝነብር ምኻኑን ሓቢሮም ።ብተወሳኺ ምርሕራሕ  ወላ ኣብ እንስሳታትን ስርዓተ ጻሓይን ከዋኽብትን ፡ ኣብ ከሚካላዉን ባይሎጂካዉን ምዕባለትት ወዲ-ሰብ ፡ ኣብ ዕዳጋ ፡ ኣብ ማሕበርዊን ዜቤታዉን ዝምድናታት ዝረአ ምኻኑ ኣስፊሖም ገሊጾም ።

እቶም ሊቃዉንቲ ንፕሎቲካዊ ምርሕራሕ ከም ኣብነት ወሲዶም ክዛረቡ ከለዉ ደቂ ሰብ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ወይ ሃገር ፕሎቲካዊ ዘይ ምቅዳዉ ምስዝገጥሞም ንምርሕራሕ ከም መዋጽኦ ከምዝወስድዎ ብምርዳእ – ኣብ ብምልኪ ዝግዛኣ ሃገራት ብሰፊሑ ዝረአ ምኻኑ ናይ ሸክስፐር ዛንታ ” ጁለስ ቀሳር ‘ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ገሊጾም ።ሽሕ እካ ፖሎቲካዊ ምርሕራሕ ካብ ጥንታዉያን ነገስታት ጀመሩ እንተነበረ ድሕሪ 1ይን 2ይን ኩናት ዓለም ግን ብዓይነቱን ብዝሑን ፍሉይ እንዳኾነ ከምዝመጸ ድማ እቶም ሊቃዉንቲ ኣረዲኦም ።

AliAbdu

ሓደ ራሕራሒ ናብ ካልእ ሃገር ክዕቆብ እንተኾይኑ ግድን ንጽጥታዊ ሃገፋት ናይታ ዝራሕራሓ ሃገር ወይ ወገን  ታኣፋፊ ምስጢር ክምጡ ስለ ዝገድድ – ብፍላይ ወትሃደራዉን ፖሎቲካዉን ምትፍናንን ኣብ ዘለወን ሃገራት ብሓድሕድ ዝታባባዕ ተግባር ምኻኑ ድማ ኣብሪሆም ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ናይ 20 ክ.ዘ ፍሉይ ምርሕራሕ ተባሂሉ ዝዝከር ናይ ሰቨትላና ኣሊሉየቫ ምኻኑ ድማ ገሊጾም ።ሰቨትላና ኣሊሉየቫ ሓንትን እንኮን ጓሉ ነቲ ን ሩሲያ ብጭኮና ዝመራሓ ጆሰፍ ስታሊን እያ ።1 ዓመት ድሕሪ ሞት ሰብኣያ  ማለት ኣብ 1967 ካብ ህንዲ ናብ ኣመሪካ ብምእታዉ ዑቅባ ድሕሪ ምሕታታ  ብተሎ ነቲ ናይ ሃገራ ኮሚንስታዊ መንግስቲ ኣብ ምቅላዕን ሙውቃስን ከምዝኣተወት ይፍለጥ ።

ብተመሳሳሊ ፡ ኣብ ቅድምን ኣዋንን ዝሑል ኩናት ካብቲ ብምብራቃዊ ደምበ ዝፍለጥ ዝነበረ ምብራቅ ኣውሮፓ ናብ ምዕራባዊ ደምበ ዝራሕሩሑ – ሰብ ዝና ፡ ጻሓፍን ገጠምትን ፡ ጋዘጠኛታት ፡ ፖሎቲካዉያንን ደፕሎማሳኛታትን ፡ ናይ ጽጥታ መኮነናታትን ኣባላትን ብዓሰርተታት ከምዝቁጸሩ- ነቲ ምርሕራሕ ንምዕጋት መንድቅ በርሊን ከም ዝተነድቀ – ገና ክሳብ ሕጂ’ዉን ምርሕራሕ ደው ከምዘይበለ እቶም ሊቃዉንቲ ኣረዲኦም ።

ከም እኒ ሩስያ  ፡ ኢራን፡ ኩባ ፡ ቻይና ፡ ሰሜን ኮርያ ፡ በርማ ፡ ቨትናምን ሃገራት ኣፍሪቃ( ብፍላይ ኤርትራ)  ፡ እተን ዝበዘሐ ዋሕዚ ራሕራሕቲ ዝራኣየለን ሃገራት ምኻነን ዝገለጹ እቶም ሊቃዉንቲ ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዉን ግድያት ራሕራሕቲ ካብ ምኻን ከምዘይዳሓና- ኣብ ኩናት ቨትናም ኮርያን ንዝተራኣያ ኣብያን ምክናብን ወትሃደራት ከም ኣብነት ጠቂሶም ።ስሜን ኮርያን ኤርትራን እተን ንስድራቤት ራሕራሕቲ ሲኦል ዝኾና ሃገራት ዓለም ከም ዝኾና ድማ እቶም ሊቃዉንቲ ሓቢሮም ።

ኣብ ኤርትራ ምርሕራሕ ነዊሕ ታሪኽ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝገመቱ እቶም ሊቃዉንቲ – ዓሚቅ መጽናዕትን ምርምርን  ከምዘድልዮ –  ብግሎም እኳ ዳህሳሳዊ ምርምር ይገብሩ  እንተሃሉዉ  ቀጻሊ ገንዘባዊ ሕጽረት ከም ዝገጥምም ብምግላጽ  መንግስትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ገንዘባዊ ሓገዝ  ክገብራሎም ሞራላዉ ሓላፍነት ከም ዘለወን ኣትሪሮም ተማሕጸኖም ።

ካብቲ  ዛገት ተገይሩ ዘሎ ድህሳሳዊ መጽናዕቲ  -ኤርትራ ኣብ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ – ሕጂ ድማ ኣብ ጮካኒ ምልኪ ትርከብ ብምህላዋ – ኣብ ዓለም ዝላዓለ ናይ ራሕርሓቲ ብዝሒ ዘለዋ ሃገር ኮይና ከምዘላ ነቲ ዛጊት ክሳብ ሕጂ ተኸዊሉ ዝጸነሐ ሓቂ ናብ ቅርዓት ኣዉጺኦሞ ኣሎዉ ።

ናይ 40ታትን 50ታትን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እልቢ ብዘይብሉ ናይ ፖሎቲካ ምርሕራሕ ዝተራኣየሉ ከምዝነበረን ናይ ኢድሪስ ማሓመድ ኣደም – ፈለማ ፕረዝደንት ባይቶ ምምሕዳር ኤርትራ ዝነበረ – ጸኒሑ ሓደ ካብ መስረትን ሓለፍትን ተ.ሓ.ኤ ንምኻን ዝበቀዐ ድማ ከም ኣብነት ጠቂሶሞ ኣሎዉ ። ናይ ተድላ ባይሩን ናብ ተ.ሓ.ኤ ምስላፍ ሕሉፍ ናይ ፖሎቲካ ምርሕራሕ ምንባሩ ዝገለጹ እቶም ሊቃዉንቲ ፡ ዘበነ-ክፍልታት ብሓፈሻ- እቲ ድሕሪኡ ዝሳዓበ መድረኻት ድማ ብፍላይ ፍሩይ ኣብነታት ናይ ፖሎቲካዊ ምርሕራሕ ምኻኑ ብምግላጽ – ናይ ኢሰያስ ኣፎርቂ ካብ ተ.ሓ.ኤ ምፍንጫል – ፖሎቲካዊ ምርሕራሕ ካብ ፍሉይ ናብ ተራ ትርእዮ ኮይኑ ክቅጽል ዝገበረት ናይ ታሪኽ ፍጻመ ምኻና ድማ እቶም ሊቃዉንቲ ተንቲኖም ።

ድሕሪ ናጽነት ፖሎቲካዊ ምርሕራሕ ኣብ ዉሻጠ ህ.ግ.ሓ.ኤ ወይ ህግደፍ ከም ፋሽን ከምዝተወሰድን  ፡ ብሓሳብን ኣካልን ምግላል ድማ ከምዝገነነ እቶም ሊቃዉንቲ ኣረዲኦም ።ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ፖሎቲካዊ መስመርን ፕሮግራማትን ህግሓኤ ብመንፈስን ተግባርን ካብ ዝርሕርሕ ሓየለ ከምዝኾነን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብቲ ሰልፍን መንግስትን ገዚፍ ናይ ኣራኣእያ ፍልልይ ከምዝተኸሰተ እቶም ሊቃዉንቲ ኣብሪሆም ።

እዚ ፋሽን እዚ  ወላ ናብ ናይ ተቃዉሞ ደምበ ብምልሓሙ – ወልቀሰባት ይኹን ወድባት ወገንን መትከልን ክቀያይሩ ከምዝራኣዩ ብሰንኩ ድማ ሃገር ዘድሕን ለውጢ ኣብ ምፍጣር ሲ ይትረፍ ንገዛኣ ርእሶም እካ ክልዉጡ ከምዝበኾሩ እቶም ሊቃወንቲ ተንቲኖም ።

ብተወሳኺ ፡ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ንፖሎቲካዊ ርሕራሐ ዘጋደደ ፖሎቲካዊ ምንቅጥቅጥ ስለ ዘስዓበ – ቆልዑን ሽማግለን ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ፡ ተጋደልትን በርጌስን ፡ ተራን ሓላፍን ፡ ተማሃሮን መምሃራንን ፡ ስነጥበባዉያንን ጋዜጠኛታትን ፡ ሓካይምን ዶክተራትን ፡ ነጋዶን ሸቃሎን ፡ ሰበስላጣናትን ዲፕሎማሰኛታትን. . .ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ካልኦት ሃገራት ፖሎቲካዊ ዑቅባ ክሓቱ ተቀሲቦም ከምዘለዉ ድማ እቶም ሊቃዉንቲ ጋሂኦም ገሊጾም ።ብገምጋም ልዕሊ 26% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍቆዱኡ ሃገራት ዓለም ፖሎቲካዊ ዑቅባ ረኺቡ ምህላዉ ንጸብጻብ UNHCR ብምጥቃስ ድማ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣታሓሳሳቢ  ምኻኑ ገሊጾም ።

ብምሰረት መግለጺ ናይቶም ሊቃዉንቲ ፡ እቶም  ንስርዓት ህግድፍ ራሕሪሖም በብ ዝረኸብዎ መገዲ ዝስደዱ ዘሉዉ ኤርትራውያን  ግዳያት ከተርቲ ፡ ጭዉያን መቅተልትን ይኾኑ ምህላዎምን ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕርን ሲናን ዝመቱ ከም ዘሎዉን ብምግላጽ ፡ መንግስቲ  ሃለዋት ዜጋታቱ ናይ ምክትታል ሓላፍነት ከምዘሎዎ ኣዘኻኺሮም ።

ብዓይነት ክረአ እንከሎ ፡ ነቶም ምቁጻሮም ዘጸግም ሙሁራት ፡መምሃራንን ሞያተኛታትን ጎሲኻ  – ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ጥራይ 25 ተጻወቲ ኩዑሶ እግሪ – 10ታት ኣትለት – 10ታት ጋዜጠኛታት -10ታት ደረፍቲ ፡ ምዙቀኛታት ፡ ጻሓፍቲ ፡ ገጠምቲ ፡ ተዋሳእትን ሳኣልትን ዝርከብዎም ስነጥ-በባዉያን -10ታት ዶክተራትን ኣማኢት ሰብ ሞያ ሕክምናን -10ታት ኣምባሰደራትን መንግስታዉያን ሉኡኻትን ፖሎቲካዊ ርሕራሐ ከም ዝፈጸሙ ድማ እቶም ሊቃዉንቲ ኣቃሊዖም ። ሓይሊ ባሕሪ ን5 ግዜ ናይ ጉጅለ ርሕራሐ ከምዝተራየሉ ብሰንኩ ድማ እቲ ኣሃዱ ናብ ድስካለ ወሪዱ ምህላዉን – እቲ ብኣባላት ሓይሊ ኣየር ዝፍጸም ተመሳሳሊ ምስላም’ዉን ነቲ ኣሃዱ ናብ ፍጹም ድስከላ ኣብጺሑዎ ከምዘሎ እቶም ሊቃዉንቲ ኣረደኦም ።

ኣብ መወዳእታ ፡ እቶም ሊቃዉንቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ፡ ፕረዝደንት ፡ ህግደፍ ፡ ተቃወምቲ ፡ ማዕከናት ዜናን ግዱሳት ዜጋታትን – ዓሊ ዓብዱ ኣበይ ነጠበ ኢሎም ካብ ዝጭነቁ ፡  ምስጋና ተከስተ ኣበይ ኣላ ኢሎም እንተዝሓቱ ነታ ሃገር ዝሓይሽ ምኻኑ ብምግላጽ – ክሳብ ኣብ ኤርትራ  ስርዓተ-ቅዋም ነጊሱ – ፍትሕን ሓርነትን ዘይተተኽለ  – ኣብ 2013 ፖሎቲካዊ ርሕራሐ ናይ ላዕሎዎት ሰብ -ስላጣናት ብዝሓየል ክቅጽል ከምዝኾነ  ገሊጾም ።

ሰስናዩ !

Posted in Uncategorized | 2 Comments