ኣቕርቦ መጽሓፍ

ብዛዕባ ኣኳውና ደብዳቤታት ሰይጣን

ብዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

ደራሲ ኣቶ ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

ካብ መወዳእታ ነሓሰ ጀሚሩ <ደብዳቤታት ሰይጣን> ዝተሰየመት መጽሓፍ ደሪሰ፡ ኣሕቲመ ናብ ኣንበብቲ ምዝርጋሕ ጀሚረ ኣሎኹ። እቲ ኣርእስቲ‘ቲ መጽሓፍ ኣሰንባዲ እዩ። ቈራቢ ኣማኒ እየ ከም‘ዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ብኢደይ ኣይትንክፍን! ኢሎም ዝብርግጉን፣ ከም‘ዚ ዝኣመሰልዎ መጽሓፍ ስለዘየንብቡ ከኣ ብጽንዓት እምነቶም ዝሕበኑን፡ ሰይጣናዊ እንተኾንኩ ክፈልጡ ዝደልዩን፡ ነፍሰይ ንዘልኣለም ኣብ ገሃነመእሳት ከይትሳቐ ምንእንታን ክጽልዩለይ ዝመባጽዑን ኣይውሑዳትን። ንስለ ሓልዮቶም አመስግን።
ሰይጣን ድኣ እንታይ ዝበሃል ሃልዪዎ ኴይኑ እዩ!? ቢሎም ዝተገደሱን ነቲ መጽሓፍ ከኣ ዘንበቡዎን ወጣማትን ደፋራትን‘ውን ብዙሓት። እቲ መጽሓፍ ብዘልዕሎም ሕቶታትን ዋዛዊ መልስታትን እውን ተመሲጦም። ነቲ መጽሓፍ ካብ ዘንበበ ኣሉታዊ ጸረ መልሲ ክሳብ ሔዚ ኣይሰማዕኩን።
ኣብ‘ቲ መጽሓፍ እንተድኣ ኣገዲስካዮ ዝግደስ ሳልሳይ ጠባይ ከኣ ኣሎ። እንታይ ክብል ዝደለየ መጽሓፍ እዩ‘ዚ ኣቐዲሙ ክፈልጥ ይደሊ። ደራሲ፡ ወርትግ፡ ነዚ ሕቶ‘ዚ ኣብ መቕድሙ ይምልሶ እዩ። እንተኾነ እዚ ዓይነት ኣንባቢ‘ዚ ነቲ መጽሓፍ ኣንቢቡ ርእይቶ ዝህቦ ሞያዊ የድልዮ። ብሰንክ‘ቲ ትሑትን ጸቢብን ስነጽሑፋዊ ምዕብልና ግን ነዚ ዝገብሩ ሞያተኛታት ኣይነብሩን‘ሞ፡ እቲ ደራሲ ባዕሉ ነፍሱን መጽሓፉን የፋልጥ። እሞ ምስ ነፍሰይን መጽሓፈይን ከፋልጠኩም። ብርቱዕ ስራሕ ኣይኮነን።  ነታ ቀዳመይቲ ገበር ምግንጻል ጥራሕ’ዩ ዘድልየኒ።

ሰላማት። ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ እበሃል። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት <ሓላዊ‘ታ ወርቃዊት ገረብ፣ ዘፍጥረት ውልቀመላኺ> ዝተባህለት መጽሓፍ ጽሒፈ ነቢረ። ተፈጺማ። ኣይተፈጸመትን ከኣ። ሔዚ‘ውን <ደብዳቤታት ሰይጣን> ዝተባህለት መጽሓፍ ጽሒፈ ኣሕቲመ እዝርግሕ ኣሎኹ። ተፈጺማ። ኣይተፈጸመትን ከኣ። ትምህርተይ ኣይፈጸምኩን። ገድለይ ኣይፈጸምኩን። መጻሕፍተይ ኣይፈጸምኩን። ኣነ ኣይተፈጸምኩን። ‘እቲ ዘይተፈጸመ‘ ኢልኩም እውን ክትጽውዑኒ ትኽእሉ። ገና ቀጻሊ እዬ።
***
ሔዚ ገበር ገንጺለ።

መቕድም ንደብዳቤታት ሰይጣን
ንድፈ ጽሑፍ ‘ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ ካልኣይ መጽሓፍ’ እንዳኣሰናዳእኩ፡ እቲ ቴክኒካዊ ድርሰታዊ ሽግራት እንከጓንፈኒ፣ ብማርክ ትወይን ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ‘ደብዳቤታት ካብ መሬት’ ክትርጕም ጀመርኩ። ኣብ’ዚ መቕድም እዚ ከኣ ብዛዕባ ማርክ ትወይን ገለ ክብል ክብረት ይስምዓኒ።
ሳሙኤል ላንግሆርን ክለመንስ (ሕዳር 30, 1835 – ምያዝያ 21, 1910) ብዝበለጸ ብስም ብርዒ ማርክ ትወይን ዚፍለጥ ኣሜሪካዊ ጸሓፋይን ተዋዛዪን ነበረ። ዕንደራ ሃክልበሪ ፊንን ቶም ሶውየር እተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተወርያ መጻሕፍቱ ‘የን። እተን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣሜሪካ ከኣ ዓቢዪ ጽልዋ ዘሕደራ። ንኣሜሪካዊ ስነ ጽሑፍ ዕንደራ ሃክልበሪ ፊን (1885) እያ ፈጢራቶ ዚብሉ’ውን ኣሎዉ። … ።

እቲ ዚዓበየ ኣበርክቶኡ፡ ማርክ ትወይን፡ ንእሜሪካ ፈለማዊ ኣሜሪካዊ ስነጽሑፍ፣ ንዓለም ከኣ ስሓቕን ኣሽሙርን ምሃቡ እዩ። ትወይን፡ ዘይቀስን ድልየት ፍልጠትን ትኵር ክእለተ ትዕዝብትን ዚነበሮ ዓቢዪ ሰብን ደራስን ኣሽሙራዊን ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይውቱ ብ1910 ዚሓንጠጦም ንድፈጽሑፋት(manuscripts)፡ ደብዳቤታት ካብ መሬት፡ ንሃይማኖታዊ እምነታት ዘለምቲ እዮም ኢላ ክላራ ጓሉ ከይሕተሙ ከልከለት። ብ1962ዓም ሓሳባታ ቀይራ ከኣ ንፈለማ ጊዜ ተሓትሙ። ቅድሚ ገለ ሰላሳ ዓመታት ነቶም ጽሑፋት ኣንቢበዮም ሓያል ተመሲጠ። ብዙሕ ሓሲበ። ብዙሕ ስሒቐ። ሓደ መዓልቲ ከምዝትርጕሞም ከኣ ካብ ሽዑ እፈልጥ። ንበይነይ ክስሕቕ ጨካን ስስዕቲ ም‘ነበረ። እቲ ነገር ግን ስሓቕ ጥራሕ ኣይነበረን እቲ ጽሑፍ ንመንፈሳዊ ንቕሓተይ፡ ስለ‘ዚ ንነፍሳዊ ነጻነተይ ዓሚቝ ከምዚተኵቶኸ እፈልጥ።
ሰይጣን ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝለኣኾም ደብዳቤታት እዮም። ስለ’ዚ <ደብዳቤታት ካብ መሬት> ተባሂሎም። ካብ ቤት ጽሕፈት ሰነዳት መንግስተ ሰማይ፡ ክፍሊ ጥርዓናት፡ ናብ ሓደ ዓሚል (ኣማኒ) ኣብ ዓለም ዝተጻሕፈት ሓንቲ ደብዳቤ’ውን ምስ‘ኦም ኣላ።

ዓሰርተው ክልተ ብኢድ ዚተጻሕፉ፡ ትወይን ተመሊሱ ዘንበቦም ዘይመስሉ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝተኣታተዉን ዝደጋገሙን ፈለማዊ ንድፊ ጽሑፍ እያቶም። ሕድሕዳዊ ምድግጋሞም ኣልጊሰ ምስ ተርጔምኩዎም ከኣ ናብ ዓሰርተ ደብዳቤታት ተጸሚቖም ብቍጽሪ ገጻት ኣዝዮም ውሒዶም ከም ርእሱ ዚኸኣለ ጽሑፍ ክቐርቡ ከምዘይክእሉ ረአኹ። ብቐደሙ‘ውን ምስ ‘ሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳም‘ን ካልኦት ጽሑፋትን ተደሪቦም እዮም ተሓቲሞም። ድሕሪ ምጽሓፎም ስነፍልጠት ብዙሕ ማዕቢሉ ስነፍልጠታዊ ሓቅታት’ቶም ከዓርዮምን ከመሓይሾምን ነቢሩኒ። ንኣሜሪካዊ ኣንባቢ ዝቐረበ ኣስሊ ጽሑፍ ንኣንበብቲ ትግርኛ ብዝስሕብ ቢለ ዝሓሰብኩዎ መንገዲ ከኣ ከጻርዮም ጀመርኩ። ሓያሎ ጊዜ፡ እንዳሰዓረኒ፡ ነቲ ስነሞገት ዋዛን ላግጽን ቁምነገርን ትወይን ከይሰሓትኡ፣ ካብ’ቲ ኣስሊ ሓሳባቱ ከይወጻእኩ ከስፍሖምን ከዕምቖምን ጀመርኩ። ነቲ ዘይተደምደመ ንድፈ ጽሑፍ ክምዝምዞን ብመገደይ ከኣ ከጓዕዞን ከይሰድዕ ኣይከኣልኩን። ናብ ትግርኛ ከኣ ኣርዓምኩዎ። እንተኾነ ገና ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ኪኸውን ኣይከኣን። ስለ’ዚ ንሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳም’ውን ክትርጕም ነቢሩኒ። … ወይ ከኣ … ሓደ ሓዲስ ሓሳብ መጻኒ። ንሰይጣን፡ ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ምልእቲ ዓለም ዘየዛውሮ! ሓሰብኩ። ጊዜን ክእለትን እንተዝነብሮ፡ ማርክ ትወይን፡ ናብ ምልእቲ ዓለም ከም መዛወሮ ርግጸኛ ኮንኩ። ካብ ጽሑፋቱን ታሪኽ ህይወቱን ብዙሕ ኣንቢበ ነቲ ሰብኣይ ደሓን ዝፈልጦ ኴይኑ እስምዓኒ። ንመንፈስ ኣጸሓሕፋኡን ስነሞገት ዋዛኡን ብዝተኻእለኒ መጠን ተኸቲለ ከኣ ንሳጥናኤል ናብ ዝሰፍሐ ዓለም ኣዛወርኩዎ። ካብ ዚረገጾ ዘበለ መሬት ከኣ ዓሰርተው ኣርባዕተ ናተይ ደብዳቤታት ኣጽሓፍኩዎ። እዚ ድማ ስለምንታይ ንክርስትና ጥራሕ ትወቅስ ንዝብል ክሲ‘ውን ከምዝምልስ ሓሰብኩ። እቲ መስርሕ ኣይሓድግን ኢሉ ብክሳደይ ሓኑቑኒ ከኣ ነቶም ደረቕ ጻልጣ ደብዳቤታት ማሕበራዊ ድሕረ መሬት ኣንጸፍኩሎም። ከይዶም ከይዶም ከኣ እቶም ጽሑፋት ናብ‘ቲ ሓዲስ ቅርጻ ጽሑፍ ተዋሃዱ። ንሰይጣን ከኣ ታሪኻዊ ድሕረመሬት ሰራሕኩሉ። ከም‘ዚ ኢሉ ከኣ እቲ መጽሓፍ ኮነ።

ነቲ ውጽኢት ጠሚተ ድማ እንታይ‘ዬ ገቢረ? ን <ደብዳቤታት ካብ መሬት> ተርጕመዮ ድዬ? ኣርዒመዮ ድዬ? ወይ‘ሲ ደጊመ ምሂዘዮ እዬ? ኢለ ሓሰብኩ። ተራይን ዝምድናይን ምስ‘ቲ መጽሓፍ ከኣ እንታይ‘ዩ ክውስን ሸገረኒ። ነቶም ደብዳቤታት ክትርጉም ተበጊሰ ብርግጽ ልዕሊ ንቡር ምትርጓም‘ዬ ከይደ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ነቲ ሓዲስ ውጽኢት ደብዳቤታት ካብ መሬት ኢለ ክሰምዮ ኣይከኣልኩን፡ ኣይክእልን። ሽሕ‘ኳ ንመንፈሱን ማእከላዊ ትሕዝቶኡን እንተዘይቀየርኩ፡ ንመልክዑን ኣቀራርብኡን ቀዪረዮ እዬ። ነቶም 12 ደብዳቤታት ናብ 10 ደብዳቤታት ጸሚቖዮም፣ ስነሞጎታዊ ኢለ ብዝሓሰብኩዎ ኣቀማምጣ ከኣ ኣቐማሚጠዮም። ምዕማቝን ምግላጽን የድልዮም እዩ ቢለ ንዝሓሰብኩዎም ሓሳባት ድማ ኣስፊሐዮምን ኣዕሚቘዮምን።

እቶም ጽሑፋት ክጻረዩ ፈለማኦም ኣይኮነን። በርናርድ ደ ቪቶ፡ ኣሰናዳኢ Saturday Review of literature ዝነበረ፡ ካብ 1000 ንላዕሊ ካብ ዝኾኑ ንድፈ ጽሑፋት ትወይን፡ ካብ 1932 ክሳብ 1939 ኣብ ዝነበረ እዋን ደብዳቤታት ካብ መሬትን፡ ሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳምን፡ ዳብዳቤ ናብ መሬትን፡ ዓቢዪ ጸልማትን ቢሉ ዝኸፋፈሎም ጽሑፋት ንማሕተም ኣጻረየ። ክላራ፡ ጓል ትወይን፡ ግን ምሕታሞም ከልከለት። ብ1960፡ ሓሳባ ቀይራ፡ እቶም ጽሑፋት ክሕተሙ ኣፍቀደት። እቲ ኣነ ደጊመ ኣጻርየ ዝተርጎምኩዎ ጽሑፍ ከኣ እቲ ብደ ቪቶ ዝተጻረየን ንማሕተም ዝተቐረብን እዩ። እቶም ደብዳቤታት ኣብ ነዊሕ እዋን ስለዝተጻሕፉ ዝደጋገሙን፡ እንሓንሳብ እውን ሕድሕዶም ዝጓነጹን ነበሩ‘ሞ ብዘይካ ምጽራይ ደ ቪቶ ይትረፍ‘ዶ ከም መጽሓፍ‘ስ ከም ንጽል ጽሑፋት‘ውን ክሕተሙ ኣንበይተኻእሉን። ኣሰራት ናይ‘ቲ ዘይተወደብ ፈለማዊ ንድፍዊ ኣጸሓሕፋ ትወይን ድማ ኣብ‘ቲ ዝተጻረየ ጽሑፋት ደ ቪቶ‘ውን ይርኣዩ። ሕድሕዳዊ ምድግጋማትን ግርጭታትን ትሕዝቶ ደብዳቤታት ብምልኣት ኣዓርዩ ክውግን ዘይምፍታኑ፡ ደ ቪቶ ብዝተኻእለ መጠን ንትወይን ምስ ጉድለታቱ ከቕርቦ ከምዝደለይ እርዳእ።

እቲ ደ ቪቶ ዘይገበሮ ኣነ ዝገበርኩዎ።

ሳጥናኤል ኢለ ንዝሰመኹዎ ሰይጣነይ (ትወይን ብደፈንኡ ሰይጣን እዩ ዝብሎ) ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ሰሪሐሉ። ኣብ መጽሓፈ ቅዱሳት ዝጥቀሱ ሰይጣውንቲ ብዙሓት እዮም። ኣነ ነቲ ከይዱ ከይዱ ናብ ሰይጣን ዝተሰርሐ ሳጥናኤል ኣተኵረ። ዘፍጥረቱ/ኣከዋውንኡ ከኣ ክገልጽ ፈቲነ። ጽውጽዋዩ ከኣ ካብ ኣቦ ሓጎኡ ቅሮኖስ/ሳቱርን ጀሚረ።

ንኵሎም ጻልጣ ደብዳቤታት ማሕበራዊ ድሕረ መሬት ክፈጥሮም ፈቲነ። ፈጢረሎም። ነቲ ትወይን ዝሰርሖ ሰይጣን ከኣ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ናብ ካልኦት ክፍለዓለማት ኣዛዊረዮን ብዛዕባ‘ቶም ዝተጓነፍዎ ኣህዛብን እምነታትን ከኣ ርእይቶ ከጥርን ብዛዕብኦም ክጽሕፍን ገቢረ። ነተን 10 ደብዳቤታት ትወይን 14 ካልኦት ናተይ ደብዳቤታት ወሲኸለን። ብዘይካ እተን 14 ተወሰኽቲ ደብዳቤታት ከኣ በቲ መጽሓፍ ኣቢለ ክብሎ ዝደለኹዎ ብምልኡ ኣይምበልኩን።

ነተን 14 ደብዳቤታት እንክጽሕፍ ኣብ ፍሽጢ ነፍሲ ማርክ ትወይን ክኣቱ ፈቲነ። እንተዘንብበን‘ውን፡ ብዝወሓደ፡ ጽቡቕ ፈተነ ኢሉ ፍሽኽ ም‘በለ። ምናልባት ድማ ሽፍታ! ሕግን ልምድን መልክዕን ዘይግድሶ ግደኣልቦ፡ ዕዋላ ስነጽሑፍ ኢሉ ኣመልካቲት ኣጻብዕቱ መወጣወጠለይ። ናብ ነፍሱ ክኣቱ ብምፍታነይን፡ ናብ‘ቲ ንሱ ናብ ዝምኸዶ ግን ዘይከዶ ገሚተ ናብኡ ክኸይድ ብምፍታነይን ብምድፋረይን ድማ ዝምተሓጎሰ እመስለኒ።

ሓደ ሓሳብ ካልእ ሓሳብ እንዳፈጠረ፣ እንዳተጫለደ፣ እንሓንሳብ ከኣ እንዳተገራጨወ፣ ነቲ መስርሕ ጽሑፍ ምቍጽጻሩ ብርቱዕ ነበረ። ኣብ ገለ ነጥቢ ናይ‘ቲ መስርሕ ከኣ እቲ መጽሓፍ ተቈጻጺሩኒ ከም ሰይጣን ዝዓሰሎ ጸሓፍኩ። ጸሓፍኩ። ንመጠረስትኡ ከኣ ነቲ ዝኾኖ ኴይኑ እንሆ። እቲ እንክጽሕፍ ብዛዕባ ስምን ገበርን መጽሓፍን፣ ሕጋውን ስነጽሑፋዊ ስነምግባርን ኣይሓሰብኩን። እቲ መጽሓፍ ተወዲአ ምስ በለ ከኣ እንታይ ዝኾነ መጽሓፍ እዩ‘ዚ በልኩ? ናይ መን‘ዩ? ተራይ ኣብ‘ቲ መጽሓፍ እንታይ‘ዩ? እንታይ‘ዩ ዝምድናና? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ እቲ ቃንዛ ሕርሲ ኮነ።

ነቶም ናብ 32 ገጻት ዝጸመቝኩዎም ደብዳቤታት ትወይን ናብ 58 ገጻት ነፊሐዮም። እቲ ዝተረፈ ክልተ ሲሶ ናይ‘ቲ መጽሓፍ ኣነ ዝጸሓፍኩዎን፡ ኣነ ጥራሕ‘ውን ዝሕተተሉን እዩ። ነዚ እንታይ እበሎ? እንታይ‘ዬ ፈጢረ? እንታይ‘ዩ ተራይ? ነቲ መጽሓፍ ዘንበበ ክብለኒ እደሊ። ምትርጓም ምትርጓም‘ዩ። ነቲ ኣስሊ ጽሑፍ ከምዘሎዎ ብልክዕ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም‘ዩ ንዝብለኒ፡ እወ፡ ሓቅኻ! ጥራሕ‘ዬ ክብሎ ዝኽእል ስለምንታይ ሓቁ እዩ። ኣነ ግን ሓደ ማዕድን ወርቂ ረኺበ ሰዲዐ ክሳብ ዝከኣለኢ ኵዒተ። ሓጢአ። ምእንቲ እቲ ዝገበርኩዎ ክሓጥእ ከኣ ሕጉስ እዬ። ማርክ ትወይን ከምዝምሕረኒ ከኣ ርግጸኛ እየ።

እቲ መጽሓፍ ዘይኮኖ ሓደ ነገር ግን ከረጋግጸልኩም። ስነጽሑፋዊ ዘረፋ ኣይኮነን። ኣብ መቕድሙ ኣፍ ልቡ ቀሊዑ መሰረቱን ኣገባብ ኣከዋውንኡን ዝገለጸ መጽሓፍ ተሰሪቑ ክበሃል ኣይክእልን።

እቲ መጽሓፍ ዝኾኖ ሓደ ነገር ድማ ክነግረኩም። ኣብ ልዕሊ ልሙዳዊ ኣተሓሳስባን ደብተራዊ ኣረዳድኣ እምነታትን ዝተደርበየ ነታጕ እዩ።

ነቲ ሕቶ ዝምድናይ ምስቲ መጽሓፍ ምሰልዓልኩ ንመሰል ደራስነትን ስነምግባር ስነጽሑፍን ዝምልከቱ ጽሑፋት ኣንቢበ። ተርጓሚ እውን ደራሲ ናይ‘ቲ ዝተርጎሞ ጽሑፍ ምዃኑን፣ መሰል ደራስነት‘ውን ከምዘሎዎን ተረዲአ። ደራሲ ናይ‘ቲ <ደብዳቤታት ሰይጣን> ቢለ ዝተሰየምክዎ መጽሓፍ‘ዬ፡ ነቲ መሰረታዊ ተራ ማርክ ትወይን ከኣ ኣብ መቕድም እገልጾ ቢለ ሓሰብኩ። እዚ ግን ነቲ ‘ዘረባታት‘ ብዛዕባ‘ቲ መጽሓፍ ካብ ትሕዝቶ ናብ ሕቶታት መልክዕን ሕግታት ስነጽሑፍን ከይኣልውዮ ፈራሕኩ። ድሒረ ከኣ ከም ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ከሕትሞ ወሰንኩ። ንነፍሰይ ማዕረ ትወይን ክሰርዕ ድማ ኣፍርሓኒ። ንመጠረስትኡ ተርጕመን ናተይ ድርሰት ከኣ ጸንቢረን እዬ( ክልተ ሲሶ ናይቲ መጽሓፍ) ቢለ ‘ደራሲ ትርጕም‘ በልኩ። ዘይተለምደ ገለጻ። እቲ ዝገበርኩዎ እውን ዘይተለምደ እዩ።

እቲ መጽሓፍ ኢእምነት ንምትብባዕ ዕላማ የብሉን። ኣመንቲ ኣምረ ኣምላኾም ደጊሞም ክምርምሩን ከዕምቑን ግን ይትኵቱኵ። ንመጽሓፈ ቅዱሳትና ንስጋውን መንፈሳዊ/ኣእምሮኣዊ ምዕብልናን ንቕድሚት ዚደፍኡ ትርጕማት ክንመርጽ ይደፍእ። ነቶም በዚ መጽሓፍ’ዚ ዝስንብዱን ዝጽየኑን ዕጹዋትን፡ ጸበብትን፡ ፈራሓትን፡ ህዉኻትን ከኣ፡ እቕረታ፡ ካብ ሰይጣን ድኣ እንታይ ትጽበዩ እብል። ሃ! ሃ! ሃ!

ንመደምደምታ፡ እዚ መጽሓፍ‘ዚ ብመሰረቱ ባጫ (Satire) ምዃኑ አዘኻኽር። ነዚ ረሲዕካ ምንባቡ ናብ ዘይምርዳእ ትሕዝቶ መልእኽቲ መጽሓፍ ከብጽሕ ይኽእል። ዓሚቝ ኣፍልጦ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን መንፈሳዊ ተሞክሮታትን ዘሎዎም ነቶም ኣብ ውሽጢ‘ቲ መጽሓፍ ዝዘሓቑ ጸለምቲ ዋዛታት ብዝበለጸ ከም ዝርድእዎም እግምት።

ግሩም ምንባብ ይግበረልኩም።

25.09.2013

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ ደራሲ ናይታ፡ ‘ሓላዊ‘ታ ወርቃዊት ገረብ፣ ዘፍጥረት ውልቀመላኺ” ዝተሰመየት ኣብ 2009 ዝተዘርገሐት መጽሓፍ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ‘ዉን ቀጻሊ ብዝጽሕፎም ዓንቐጻትን ግጥምታትን’ዉን ዝፍለጥ፡  ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ደራሲ’ዩ። ነዛ ”ደብዳበታት ሰይጣን” ዝተሰምየት ሓዳስ መጽሓፉ ክትዕድጉ ምስ እትደልዩ ንደራሲ  ዳንኤል ሰ.ተስፋይ ብምርካብ ጥራይ ክትዕድጉ ከም እትኽእሉ ብምሕባር፡ ኣብታ መጽሓፍ ንዘለኩም ጦብላሕታ ይኹን ህየሳ ምስ እትሰዱልና ድማ ንምዝርግሑ ዕጥይ ምጥይ ከም ዘይንብል ቓል ንኣቱ።

Advertisements

About habtomkid

I love to think and write about Freedom ,Love ,Friendship and Art
This entry was posted in ስነ - ጥበብ. Bookmark the permalink.

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s