20 ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ‘’ድኳን ትበርህ’’

’ኣጆኻ ኣነ ኣብዚ ከትርፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ምሳኻ ሒዝካኒ ኺድ፡’’

‘’. . . .ብዙሕ ድምጺ ኣይሰምዐን፡ ዝባና ዝቀለዐት ሰሚራ ካብቲ ጸልማት ዉሻጠ ናብ ሙሉእ ኣካላቱ ተኻዕያቶ። ሽታ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ንኣፍንጭኡ ሰርሲሩ ክኣቱ እንከሎ ተሰሚዕዎ። ብጸሓይን ብንፋስን ዝተረረ ከናፍራ ምስ ከናፍሩ ብሓጎስ ተፋሕፊሑ ኣድሚይዎ። ኣካላታን ኣካላቱን ተዋሓሒጦም፡ ብዝመንጨወ ረሃጽ ዝተበረዘ ደሮናታትን ጨናገረድን ነቲ ናይ ፍቅሪ ቃልሶም ኣልዚቦም ብሰልሚ ባህታ ናብ ናይ መወዳእታ ዕግበት ድላይ በጺሖም። ከምዚ’ሉ ድማ ብሕቡር ግጥሚ ህርመትን ድልየትን ፍቕርን ለይቲ ናብ ወጋሕታ ኣረኪብዎም።

ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ካብ ልዋም ድቃስ ከተስኡዎ እንከለዉ ሰሚራ ኣይነበረትን። ስሚዕቱ ዓጊቱ’ምበር፡ እቲ ክድሃዩ ዝመጸ ተጋዳላይ፡ ሃብተ ነቒሑ ዘይምጽንሑ ዝተገረመ ይመስል ነይሩ። ሃብተ’ዉን ቀልጢፉ ተረዲእዎ ኣብ ክዳዉንቱ ክጠልቕን ጥቕላል ጾሩ ኣልዒሉ እግሪ እግሪ መረሒኡ እናተኸተለ ናብታ ማኪና ዘሊሉ ክድይብን ጊዜ ኣየሕለፈን።

ብኡ ንብኡ እታ ብዉሕሉል ጥበብ ናብ ተንቃሳቃሲ ገረብ ተቀይራ ዝነበረት ማኪና ብሓንሳብ ሰላሕታዊ ጉዕዞኣ ጀሚራ። ሃብተ ምሉእ ኣቓልቦኡ ናብ ድሕሪት ገይሩ ካብቲ ጫፍ ጎቦ ናይ ሰሚራ መፋነዊ ሰላምታ ንኽሪኢ ብዉሽጢ ልቡ እናተመነየ መገሽኡ ቀጺሉ። ማኪና ድማ ስምዒቱ ከይተረድኣ ካብቲ ብናፍቖት ዝጥምቶ ዝነበረ ዕላማ ብቐጻሊ እናራሓቐቶ ክትከይድ እንከላ፡ እቲ ዝቋመቶ ዝነበረ ቦታ ብቐጻሊ ኸኣ ቀስ ብቐስ ኣካላቱን ምልክቱን እናቐያየረ ካብ ዓይኑ ተሰዊሩ ጠፊኡ። ደሓን ኩን ክትብሎ ከም ዘይሃቀነት ምስ ኣለጋገጸ ገጹ ንቕድሚት ገይሩ ክጎዓዝ ጀሚሩ። መጀመርያ እዚ ዘይብሃል ክብደት ጓሂ ንዓይኑ ሸፊንዎ። ድሕሪ ኽንደይ ግን ካብ ዉሽጢ ዝነቐለ ድምጺ ኣብ እዝኑ ሕሹኹ ክብሎ እንከሎ ተሰሚዕዎ ‘’ኣጆኻ ኣነ ኣብዚ ከትርፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ምሳኻ ሒዝካኒ ኺድ፡’’ እቲ ለበዋ ሓቂ ምኳኑ ብቕጽበት ተረዲእዎ። ምስኡ ሒዝዋ ይኸይድ ከም ዝነበረ ኣብ ንስነቱ ዝሰረጸ ብዙሕ መዘኻኸሪ ነይሩዎ። ኣብቲ ሽታ መኣዛታት፡ ቃናታት መልክዕ ምድሪ ኤርትራ ክዕብልል እንከሎ ስለ ዝተሰመዖ ሰሚራ ምስኡ ትኸይድ ከም ዝነበረት ኣረጋጊጹ። ንሳ ካብኡ እንታይ ከም ዘትረፈት ግን ደፊሩ ከነጽሮ ኣይከኣለን።’’( መጽሓፍ ድኳን ትበርህ፡ ገጽ 90-91)

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ በየነ ሃይለ ዝተወሰደ ስእሊ፡

ካብ ወግዓዊ ዓንደ-ሓበረታ ናይ በየነ ሃይለ ዝተወሰደ ስእሊ፡

በየነ ሃይለ እቲ ፖሊማት

 ዓሚ ከምዛ ሎሚ፡ 29 ሰነ 2012 ኤርትራ ሓደ ግዙፍ ሰነ-ጥበባዊ ሰብነት ኸሲራ፡ ደራሲ፡ ቀባኣይ፡ ቀራጻይ፡ ገጣሚ፡ ጸሓፊ ድራማ፡ ወራቢ ሙዚቃን ናይ ምሕደራ ባዓል ሞያን ዝኾነ በየነ ሃይለ። በየነ ሃይለ ኣብ 1941 ካብ ኣቡኡ ፊተዉራሪ ሃይለ ካሳን ኣዲኡ ውይዘሮ ዘዉዲቱ ኪዳነ.ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። እታ ናይ መጀመርታ መጽሓፉ ዝኾነት ”ዓቢዱ ዶ ትብልዎ’፡ ዘርእስታ መጽሓፉ  ክጽሕፋ ኸሎ ገና ወዲ 18 ዓመት እዩ ኔሩ። በዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ካብ መዛንኡን ወለዶኡን ጸብለል ዝበለ ባዓል ገፊሕን በሊሕን ኣእሙሮ ምንባሩ ይበርሃልካ። ”ጻዊዒት” ይብሎ ንሱ ፡ ንጻዊዒቱ ከዳምጽ ድማ ቅርቕረ ልቡ ናብ ዝመረሖ ኣንፈት ብምምራሽ ከም ሓደ ኣልከማዊ ኣብ መገዲ ሂወት ነዊሕ ተጓዒዙ። ስደትን ፍንጢጋር ናብሩኡን ጸይሩ ን ኤርትራ ንናጽነታ ዝሙጉስን ዘረድእን ስነ-ጥበባዉን ኣእሙራኣዉን ሂያብ ኣበርኪቱላ። በየነ ሃይለ።

39 ዓመት ድሕሪ ምዝርጋሕ መጽሓፍ ‘’ ዓቢዱ ዶ ትብልዎ’( ናብ ቃንቓ ኢንግሊዝ  ”MEZGEBEHE would you think he is mad” ብዝብል ኣርእስቲ ተቶርጒማ ትርከብ)፡ በየነ ሃይለ ‘’ ድኳን ትበርህ’’ ዝሰመያ ትንግርታዊትን ኣካታዒትን መጽሓፍ ንንባብ ከም ትበቅዕ ገይሩ። እታ መጽሓፍ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ እቲ ሂወት ኣሻሓት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘህለቀን ንሂወት ክልቲኡ ህዝብታት ዘበሳበሰን ኩናት ምዝርግሓ፥ ነቲ በቲ ኪናትን ብሰንኩ ዝሰዓበ ፖሎቲካዉን ቁጠባዉን ነዉጺ ደንዚዙ ዝነበረ ኣእሙሮ ኤርትራ ዘበራበርትን ዘነቃቐሐትን ፥ ሓድሽ ኣንፈተ-ርእየት ነገራት ዝሓበረትን ኣድባዕሊላ መጽሓፍ ኢያ።

እታ መጽሓፍ ምስ ኩሉ ሰነ-ጥበባዉን ቃንቓዉን ጽባቀኣን፥ ብሃብታም ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ዝተጠቕጠቐት’ዉን ‘ያ። ሽሕ እኳ ብኤርትራዉያን ሙሁራን ብዓይኒ ጥርጣረን ነቀፈታን እንተተራኣየት ሻሕ ሻሕ ዝብል ናእዳን ነቀፈታዊ ሞጎስን ካብ ምጉንጻፍ ግዳ ኣይተዓገተትን። ድሮ ንድሮ ድማ በየነ ሃይለ ማዕረን ልዕልን እቶም ኣብታ ስንክስራዊት መጽሓፉ ዝፈጥሮም ገዘፍቲ (ሆሞርዉያን) ጠባያቱ፡ ኣብ መድረኽ ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ በሪኹ ተራእዩ። ብብዙሓት ኣብቲ ዓዉዲ ብትግሃት ዝዋስኡ ሙሁራትን ጸሓፍትን በየነ ሃይለ መዘና ዘይብሉ ደራሲ ምኻኑ ተመስኪሩሉ። ንኣብነት፥ ኣብ መዳይ  ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ እንተሪኢና ፕሮፈስተር ግርማይ ነጋሽ ተቃጻጺ ዘይተረኽቦ ዝለዓለ ባዓል መዚ ኢዩ። ንኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንኽረክብ ከይ ተሓለለ ኣብ ምዕያይ ዝርከብ ዓቢ ሙሁር’ዉን  ኢዩ። ኣብ ሓደ  ንመጽሓፍ ‘’ድኳን ትበርህ’’ ዝግምግም ዓንቀጹ

‘’ ብመገዲ በየነ ሃይለ፡ ኤርትራ ናይ ሕሉፍን ህልዊን ባህላን ታሪኻን ዝስንድን ዝትንትንን ብደረጃ ዓለም ዝስራዕ ደራሲ ረኺባ ኣላ።’’

ብምባል ንበየነ ሃይለ ይገልጾ።

ኣብ 2006: በየነ ሃይለ ‘’ትጽቢት ባህጉ’’ ዝሰመያ ካልእ ካብ ‘’መጽሕፋ ድኳን ትበርህ’’ ዘይትሰንፍ መጽሓፍ’ዩ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ። 2 ዓመት ጸኒሑ ፡ ኣብ 2008 ዓ/ም ‘’ወግዒ ልቢ’’ ዘርእስታ ተምሃሮ ዉኒቨርስቲ ኣስመራ ዝተዋስእዋ ናይ መድረኽ ድራማ ኣቕሪቡ። ነታ ብኣብራሃም ተስፋሉኡል ዝተኣለየት፡ ቅድሚኣ ካብ ዝቀረባ ድርማታት ኣዝያ ዝተፈለየት ብርቂ ስራሕ ምኻና ብቡዛሓት ተዓዘብቲ ዝተመስከረላ ድራማ ዘሰነየ ሙዚቓ’ዉን ባዕሉ፡ በየነ ሃይለ ዝወረቦ እዩ ኔሩ። ካብ ሰነ-ጹሑፍ ወጻኢ፡ ኣብ ቅብኣን ቅርጻን ፍሉይ ግዳሰን ሕልፍ ዝበለ ክእለትን ዉሕልነትን ከም ዝነበሮን ኣቤት ዘበለ ናይ ምሕደራ ባዓል ሞያ ምንባሩን ምስ እንዝክር ኸኣ ብቅጽበት በየነ ሃይለ ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ዝበለጹ ሰባት ምንባሩ ኢና ንርዳእ። ብዘይ ምግናን ምስ እኒ ሊናርዶ ዳቪንቺ፡ ቫን ጎተ፡ በንጃሚን ፍራንኪሊንን ኣይዛክ ኒውይተንን ዝስራዕ ብሉጽ ሰብ ወይ ብግሪኻዊ ኣጸዋዉዓ ድማ ፖሊማት ኢዩ።

               

 ‘’ድኳን ትበርህ’’ እታ ዘይትጠፍእ ሰነ-ጽሑፋዊት ቀንደል

ኩቡራት ኣሕዋት መንቀሊ እዚ ጽሑፍ  ታሪኽን ኣድማዕነትን በየነ ሃይለ ንምትንታን ኣይኮነን። ንሱስ ንሰነድቲ ታሪኽን ተመራመርትን ምግዳፉ ዘምሕር ይመሰለኒ። ብዛዕባ መጽሓፍ ‘’ ድኳን ትበርህ’ ግዳስ ከም ዝሃበንን ከም ዝኾነለይን ገይረ ኣስፊረዮ ኣሎኹ።  እዚ ጽሑፍ ግና ንምግምጋማ ዝዓለመ ዘይ ምኻኑ ከም ትርድኡለይ ባዓል ብዙሕ ሃረርታ ‘የ።

ንመጽሓፍ ‘’ድኳን ትበርህ’’ ካብቲ ፈለማ ዝተዘርግሓትሉ ጊዜ ጀሚረ ስጋብ ‘ዛ ሕጂ 5 ሳብ ኣንቢበያ ኣለኹ። ገለኹም 10 ፣ ገለኹም 12  ሳብን ትሕቲኡን ዘንበብኩማ ከም ትህሉዉ እኣምን።  ነቶም ጨሪሽኩም ዘየንበብኩማ ፍትዋት ኣዕሩኽተይ’የ ድማ ነዘን ትሒተን ተር ኢለን ዘለዋ 20 ጥቕስታት ንሎሚ ምሳኹም ዝካፈለን ዘለኹ።

ንመጽሓፍ ‘’ ድኳን ትበርህ 5 ሳብ ኣንቢበያ ኢለ ዶ ተጃሂረልኩም ጸኒሐ ሓቀይ። እታ ሓሙሸይትስ በሉ ቅድሚ ሰሙን ኢያ ነይራ። ኣኣብ ነታ መጽሓፍ ዘንበብኩሉ ጊዚያት ድማ ብዘይ ስምዒት ምስልቻዉን ምምናዉን ከም ፈለማይ ብጋህታፍ ሸዉሃትን ሃንዳፍ ወንን የንብባ ምንባረይ ወትሩ ‘ዩ ዝገርመኒ። ብዙሓት ፈለጠይ እታ መጽሓፍ፡ ብነዋሕትን ዓጸቅትን መስመራት ዝተነድቀት ብምኻና፡ ካብ ቀዳማይ ገጽ፡ ቀዳማይ ሕጡበ-ጹሑፍ ክሰግሩ ምሒር ከም ዝተሸገሩ፡ ‘’ኔዉ በላ’’ ብዘስምዕ ቆላሕታ እናጠመቱ  ክምልሱለይ ከለዉ ግን ዝያዳ እግረም።

ብልበይ ግን ሲ . . . .

ምስ እኒ ባዓል ትበርህ፡ ጸጋይ፡ዶክተር ጃብር፡ ሕርይቲ፡ ትርሓስ፡ ጉዕላይን ኣቡኡን፡ ረጋድ፡ ዓብዱ፡ ዶክተር ኣሚና፡ ዳንድሽን ሚላሹ ጓሉን፡ ሃብተን ዓደንን( ናይ ቀደም ሽማ ኤደን ኢዩ)፡ ሰሚራ፡ ወዲ ዶንጎላ፡ ወዲ ጸጸርን ከይተፋለጡ እነብሩ ምህላዎም ይድንግጸሎም። ካብ ሂወት ንዝዓቢ ሓቒ ንምፍላጥ ምማት፡ ካብ ነዊሕ ዕድመ ምንባር ይሓይሽ በሃላይ ኢየ። ብሂወት ነይሩ እናተባሃልካ፡ብዛዕባ ‘’ምሸት ሕርይቲ’’- ኣብ እንዳ ዳንድሽ ባር ዘምሰየ ያዕያዕ፡ዕግርግርን ተዋስኦን ከይሰማዕካ ምንባር ሲ ምንባር ደኾን ኢዩ ክብሃለለይ።

ሕርይቲ ጥራሕ ዕርቃና ኮይና ‘’ብምንታይ ኢኹም ትሪኡ?’’ እንበለት ሰብ ከም ዘዋጠረት ከይፈለጥካ ምንባር ሲ፡ ምንባር ድዩ ክሕሰበለይ!

ናይ ዓብዱ ‘’ፍልስፍና ዕንበባ እምኒ’’፡ ናይ ጉዕላይ ‘’መድረኽ ፍጹም ተኽኡለታት’’ ዝመሰሉ ንሓፈሻዊ ክልሰ-ሓሳብ ህንጸት ኣብ ኩሉ መዳይ ዝድርዑ ሓሳባት ከየስተንተንካሎም ምንባርሲ፡ ምስ ምንባር ድዩ ክሕሰበለይ!

እንድዒ! እንድዒ! እንድዒ!

ብዝኾነ 20 ጥቅስታት ተባሂለን ኣብ ታሕቲ ሰፊረን ዘለዋ ነጥብታት፡ ንህንጡይ ነባቢ ይድርኻለይ ዶ ካብ ዝብል ሕያዋይ ሕልና እምበር፡ ካብ ‘’ድኳን ትበርህ’’ ትኣክል መጽሓፍ 20 ጥቅስታት ጥራይ ምዕዳን ብሓቂ ብሓቂ ኣመና ዉሑድ ኢዩ።

ሰናይ ንባብ . . . . .

1.ንዓይ ዝገርመኒ፡ ኣድማስ ንደቂ ሰብ ርሑቅ ኢዩ ዝመስሎም፡ ብተመኩሮይ ግን ኣድማስ ዉሱንነት ዓይኒ ሰብ መረጋገጺ እምበር ጥቃ ፍጹም ርሕቀት ኣይቀራረብን ኢዩ።(xii)

2. ሓደ ክኣልሞ ዝጸነሐ ፈጠራዊ ዛንታ ካልእ ክዛዝሞ ድሕሪ ኽኢሉ – ማለት እቲ ቀዳማይ ዘብጸሖ ዉሱን ምዕራፍ ጉዕዞ ሂወት ብዘይ ጥርጥር ኣለልዩ ክቅጽሎ ድሕሪ ኽኢሉ – ካብዚ ዝዓቢ ሓድነት ወዲ ሰብ ዝምስክር ተግባር ዘሎ ኣይመስለንን። ብሕልፊ ድማ ኢንተርነት ንጸርፊ ዘይኮነስ ነዚ እንተ ነዉዕሎስ ክንደይ ዝገጣጠም ድርሰት ምኣከብና። (xvii)

3. ምዉት ይረሳዕ፡ ሕሉፍ ኣይዘከር እናበሉ ምስ ቀደም ክፈልዩኻ ዝደልዩ ክብሪ ኣይትሃቦም።(xv)

4. ርኢኻ! ናጽነት’ዉን ከምኡ ኢዩ ዝገብረካ። ህሩግ ምስ በለካ ዳርጋ ናብ ተገዛእነት ህደም ኢዩ ዘብለካ። (5)

5. መጀመርያ ኩሉ ክትሓዋወስ ኢዩ፡ ክሕበር ኢዩ፡ ክፋሕፋሕ ኢዩ፡ ክጻዓር ኢዩ፡ ድሓር ክዉለድ ኢዩ! (11)

6.ኩሎም ሕቶታት ሂወት ዝምልሽ ትካል ትምህርቲ የለን፡ ኣብ ካልእ ተማሕጸን፡ ናብ ሂወት ስገድ፡ ተሰደድ፡ ሞባት ኣዉድቅ፡ ብሂወትካ ተማባጻዕ፡ ዕበድን ተጸለልን፡ ሓሙኽሽቲ ተለኸ፡ ስብሒ ገንቢ ቕንፍዝ ተቀባእ፡ ኣብ ዉሽጢ ሙቁሕ ዓለም እቶ፡ ኣብ ጭቃ ተለዊስካ ካብኡ ብቆል። (17)

7. ናጽነት ከቢድ ጾር ኢዩ። ክብደት ኣሎዎ። ብርቱዕ ጸቅጢ የዉርድ ኢዩ። ጸቅጢ ናጽነት ሕሱም ኢዩ። ብኻልእ ዝዉሰን ዝነበረ ኹሉ፡ ናይ ዉልቂ ይኩን ናይ ሓባር ባዕልኻ ዉስን ኢዩ ዝብለካ ናጽነት። እንተዘይወሲንካ ንኸይ ትዉስን ወሲንካ ኢዩ ዝብለካ። ካብ ምዉሳን ዘምልጥ የልቦን ኢዩ ዝብለካ ናጽነት።(21)

8. ካን ወጻኢ ሃገራት ይምጻእ ኣብ በረኻ ወይ ኣብዚ ይጽናሕ፡ ኩሉ ሓቂ ሂወት ኣብ መሸጓሹግ ሳንዱቅ ኣስመራ ዘሎ መሲልዎ ይፍትሽ ኣሎ። ሳንዱቅ ኤርትራ ዘሎ ኣይመስሎን ወይ ከኣ ኣይተራኣዮን። እቲ  ጠፊእዎ ዘሎ ኣነጺሩ ስለ ዘይፈለጠ

ስነ-ኣእሙራኣዊ ጭንቀት የሕስሮ ኣሎ። ገሊኦም እሞ ናብታ ሂወት ኤርትራዉያን ዘጥፈአት ሃገር ከይዶም ነፍሶም ዝእልሹ ኣይተሳእኑን። እቲ ዝደልይዎ ግና ኣብ ገማግምን ማዓሙቅን ባሕሪ፡ ኣብ ከርሲ ምድሪ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ዉሽጢ ሕልናኦም ኮይኑ ይስሕቆም ኣሎ።(22)

9. ምናልባት ኣነ ሓደ ካብቶም ዝተዓደሉ ኢየ፡ ዝጠፋኣኒ እፈልጥ ዝረኸብክዎ ኸኣ እፈልጥ፡ ዓቢ ዕድል ኢዩ። ካልኦት ዝጠፍኦም ዘይፈልጡ፡ ዝረኸብዎ ዘየለልዩ፡ ዝደለይዎ ዘይእምቱ፡ ካብ ሕሉፍ ዝሃድሙ፡ ንሕጂ ዝኽሕዱ፡ ንመጻኢ ዝፈርሑ ኣለዉ።(22)

10. እቲ ጥንታዊ ባህልና ድሕሪ መሊስና ተኺልናዮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓድን ቤተ ሰብን ዴሞክራስያ ኣተኣቲና ማለት እካ ኢዩ። ከምዚ ሕጂ ዝብሃል ዲሞክራስያ ካብ ሰማይ ዝወርድ ዘይኮነስ ኣብ ምድሪ ዝበቁል ክኸዉን ኢዩ። መራሒ ከምቲ ቀደም ብቆጽሊ ኣባላት ድሕሪ ተመሪጹን ባይቶ ድሕሪ ማዕቢሉን ካልእ እንታይ ይድለ።(35)

11. ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ንዝነበረ ህዝቢ ካብ ኣፍሙዝ ጠበንጃ ናብ ዓይኒ ካሜራ ከተሰጋግሮ ከቢድ ኢዩ።(42)

12. ርእሰ ተኣማንነት ብዘይ ባንደራ ክርከብ ኣይክኣልን’ዩ።(76)

13. ካብቲ ናጽነት ምርካብና ዘጠራጥረና ቐንዲ ምኽንያታት፡ ገዛእትና ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣበሃህላን፡ ኣሰራርሓን፡ ኣተሓሳስባን፡ ኣደራርፋን፡ ኣጸራርሓ ጎደናታትን ክጎንፉና ኸለዉ ስለ ዝኾነ ኩሎም በብሓደ ቅሂሞም ክሳብ ዝጠፍኡ ባንደራ ምርኣይ ሓጋዚ ኢዩ።(77)

14.ንሂወት ክንዲ ተዋስኦ ዝቀርባ ዘመድ የብላን።፣(83)

15. ድኹም ሰብ ህልዉናኡ ኣብ ካልእ ሰብ ቃንዛ ብምፍጣር ኢዩ ዘመስክር። (116)

16. እቲ ሓቂ ብጽላሎት ድንቁርናኻ ይሽፈን ኣሎ  ብርሃን ኣርእዮ በጃኻ! (131)

17. ናይ ገዛእ ርእሱ ተእማንነት ዘይብሉ ሰብ ብስም ጉጅለ ወይ እካበ ሰብ ጥራሕ ኢዩ ህልዉናኡ ከረጋግጽ ዝጽዕር። (153)

18. ስራሕ ድሕሪ ዘይተመሊኹ እቲ ስራሕ ሓርማዝ ይኸዉን እቲ ሰብ ድማ ኣንጭዋ ይኸዉን። እቲ ስራህ ድሕሪ ተመሊኹ ኣንጭዋን ይኸዉን እቲ ሰብ ድማ ሓርማዝ ይኸዉን። (255)

19. ብዙሓት ሰብ ሞያ፡ ወለዲ፡ መምሃራን፡ መራሕቲ ዝገብርዎ ጌጋ ኣሎ፡ ሕሙም ባዕሉ ከም ዝፍወስ፡ ተማሃራይ ባዕሉ ከም ዝመሃር፡ ሰብ ባዕሉ ከም ዝምራሕ ኣይፈልጡን። (355)

20. ዋጋይ ክፈሉኒ ካብ ዝብል ኤርትራዊ ትካልን ዉልቀ ሰብን የድሕነና(378)

ሰሰናዩ!!

 

 

About habtomkid

I love to think and write about Freedom ,Love ,Friendship and Art
This entry was posted in ስነ - ጥበብ. Bookmark the permalink.

4 Responses to 20 ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ‘’ድኳን ትበርህ’’

  1. Eti abay zelo abaka alo hade iba kibldo ykel.!?

    Srahka des iluni bflay nay dkuan tberh.

    • habtomkid says:

      ሓቅኻ ሽሻይ ነብሲ
      ሓደ ዝቓሉ መጽሓፍ ዘንበቡ ሰባት ሓደ ዘይኮኑሉ ምክንያት ኣይረኣየንን- ኣብ ገለጻን ርድኢትን እንተዘይተፈላልዮም ማለት’ዩ። ዘይ ከምቲ ክርስትያን ወይ ኣስላም ብመጽሓፍ ቑዱስ ወይ ቑርኣን ሓደ ንምኻን ኪኢሎምሲ ብሰሪ ኣብ ርድኢትን ግንዛበን ምፍልላዮም ድማ ኣብ ነንበይነን ኣብያተ እመንት ተመቃቒሎም ዝርከቡ ማለት ኢዩ።
      ንርእይቶኻ ኣዝየ የምስግን።
      ሰሰናዩ።

  2. hamid says:

    ገለ ካብ ትጽቢት ባህጉ ከኣ ወስ በለና

  3. Mekonen Ataklty says:

    ፍቕሪ ኣዝዩ ጥዑምን ዘሐጉስን ነገር ኢዩ። ኣብ ዘሎና ዝምድና ዝርርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ኢዩ። ነቲ ዘሎና ፍቕሪ ድማ ኩሉ ግዜ ከነርእዮ ኣገዳሲ ኢዩ። ንመጻምድትና ከምነፍቕሮምን ብእኦም ከም ንሓስብ ዘሎናን ከነፍልጦም ከሎና ኣዝዩ ባህታ ዝፈጥርን ነቲ መዓልታዊ ንረኽቦ ናቶም ግብረመልሲ ድማ ብኣወንታ ዝጸሉን ኢዩ። ልዑል ዝኾነ ተገዳስነትን ፍቕርን ንመጻምድትኻ ብዘርኣኽሞ መጠን ናትኩም ዝምድና ይተርር።

    ፍቕርኹም ኩሉ ግዜ ሃልሃል ከምዝብል ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎኩ። ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ እኳ ልሙድ እንተዘይኮነ ፍቕራዊ ዝኾነ መልእክቲ ብሞባይል ምስዳድ ሓደ ካብቶም ብሉጻት መንገዲ ዝኾነ ሰብ ናቱ ተወፋይነትን ፍቕርን ዝገልጸሉ መንገዲ ኢዩ።

Leave a reply to hamid Cancel reply