2013 ባብ ሓርነትን ክብረትን!!

ታሕሳስ 21,2012 ብኣቃጻጽራ ማያ መጠረሽታ ዓለም ወይ ማዓልቲ ምጾታት’ያ። ነቲ ትንቢት ዝኣመነ ዘበለ ድማ ክንደይ ሸበድበድ ክብል ከም ዝቀነየ ይንገር። መንግስቲ ቻይና፡ ዓለም ካብ ዓርቢ ጀሚራ ንሰለስተ ማዓልቲ ክትጽልምት እያ ኢሎም ንዝኣመኑ 1000 ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ከምዝኣሰረት ድማ ቢቢሲ ይገልጽ። ዶ . .

ዶ ኢልካ ዶ’ሞ ‘ሕለፍ ! በቲ ኮይኑ በቲ እታ ዓመተ ምጾታት’ያ ተባሂሉ ዝተነበየላ ዓመት፡ ከም ሰባ ሓሊፋስ እንሆ ‘ኳ ”ርሑስ ሓድሽ ዓመት” ክንባሃሃል በቂዕና። እምበኣረይ ቅድሚ ኩሉ ንኩሉኹም ኣንበብቲ አሪ-ኣፕ ብሎግ ”ርሑስ ሓድሽ ዓመት” ይግበረልኩም እናበልኩ ሰናይ ትምንዩተይ ይገልጸልኩም።

ንዓመተ 2012 ኣብ ቅድመና ኮፍ ኣቢልና ምስ እንርእያ፡ ካብ ጽፍራ ክሳብ ርእሳ ብ ኣዋርቅ ፍጻመታት ዝተሰለመት’ያ። ናይ ሎንዶን ኦሎምፒክ፡ ሞት ኣርባዕተ ፕረዝደንታት ኣፍሪቃ፡ ሞት ዊትኒ ሆዉስተን፡ ዳግማይ ምምራጽ ፕረዝደንት ኦባማ፡ ዝባኣሰ ኩነታት ሶርያ፡ መጥቃዕቲ ኢስራኤል ኣብ ቓዛ፡ ቅሉዉላዉ ማሊን ዲ.ሪ.ኮንጎን ድማ እቶም ቀንድን ፍሩያትን ፍጻመታት ዓመታት 2012 ‘ዮም። ብዉልቃዊ ትዕዝብተይ ድማ ንርእሳ ንእሽቶይ ምጾታት እያ ነይራ።

ብኣንጻሩ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ‘ቲ ደማዊ ኩናት –  እታ ትስፍዉቲ ዓመት፡  ኣየንተን እያ ተባሂለ እንተዝሕተት፡ ከይ ተወላወልኩ ዓመተ 2012 ምበልኩ። እወ . . ሕጂ’ዉን እታ ትስፍዉቲ፡ ሕሰም ኤርትራ ካብ ስሩ ተማሕዩ፡ ዕምበባታት ራህዋ ዝዝራኣሉ፡  ቀዉዒ ሓርነትን ክብረትን ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ናብ ገጽና ምቅሪቡ  ዘርኣየትኒ ዓመት፡ ዓመተ 2012’ያ ኔራ። ምንዛዝ ገይርኩም ደኣ ከይትቆጽሩዎ’ምበር፡ ብዘብለጭልጩ ባዕለ-ግምታተይ ሰኺረ  ትስፍዉ ወይ ኦፕቲሚስቲክ ንምኻን ተበሪሁኒ ኣይኮንኩን፡ ነዛ ኣብራኽ ዓለም ረድረድ ዘበለት ዓመት ንኤርትራ መባልዕታ’ያ ኔራ ዝብል ዘለኹ። የግዳስ ክንዲ እምባ ሶይራ ዝኸዉን ምኽንያት ኣሎኒ።

ምኽንያተይ ክነግረኩም ትደልዩ?

ግርም. ..እታ ማያዉያን ዓመተ ምጾታት’ያ ዝበሉዋ ዓመት 2012፡ ንህግደፍ መጀመርታ ምጾታት ዘበነ ስልጣኑ ኮይና’ያ ሓሊፋ ዘላ። እቲ ከርሳ ዕቁር ዝኸረሞን ዝሓገዮን ረዘንቲ  ፍጻመታታ ግና  ኣብ ጀጅብኦም ደርብያትሎም’ያ ታዓዚራ። ከምቲ ዝጀሃርዎ፡ መለኮታዊ ጥበብ እንተዝነብሮም ነታ እቱዉ ክትብል ዘይባዓል ለይቶም ምኻና ዘርኣየት ዓመት፡ ገና ኣብ 3ይ ወርሓ እንከላ ካብ ዑደት ጊዜ  ”ቢያ’ ክብልዋ ኣምበይ ምጸሉኡን። ኣበይ እሞ . . .ንገጽ 2012 እንክጥምቱ፡  ሞቶም እናተራኣዮም ወላ ካብ ቅድሚ ዓይኖም ዝኣሊ ሓይሊ ክረኽቡ ኣይካኣሉን።

እስከ ብኸምዚ ክትርኾ . . .

ኣብዛ ዓመት እዚኣ ሞት ናይቲ ሰንሰሎማይ መራሒና ተኣወየ። ኣቤት. . .ሽዑ ዝነበረ ሻቅሎትን ዳንከራን ማዓስ ኮን’ዩ ክርሳዕ? ገሊኡ ብሓጎስ ክሰራሰር ክብል ሰማይ ክጥንቁር ዉርዲ ክተርፎ። ገሊኡ ድማ ብሓዘን ከምቲ ናይ ዓድና ዎጮ ተኸዲኑ ኣብ ሓምድ እንተዘየንገርገርኩ ኢሉ ኣካኪ ዘራፍ ክብል፡ መስደመም ተባሂሉ ዶ ይሕለፍ? መብዛሕትኡ እቲ ሓዛንተኛ ኣብ ኦዉሮፓን ኣመሪካን ስለ ዝነብር፡ ንወጮ ዝኾኖ ቆርበትን፡  ወጮ ምስ ተረኽበ’ዉን ዘንገርግረሉ ሓመድ ስለ ዘይረኸበ ክልተ ሓዘን ከም ዝኾኖ ሰሚዐ ኣሎኹ።

ሽዑ ቅነ እብለኩም . .ኣደይ ካብ ካናዳ ትድዉለለይ። ናይ ስንባደ’ዩ ዝኸዉን’ምበር ብሞት ይኹን ብህላወ ኩቡር ፕረዝደነት፡ ኣነ ከም ዘይሕተት ትፈልጥ  ኔራ’ያ። ከፍ. . .ኣደይ እኳ’ያ! ምስ ኩቡር ፕረዝደንት ብዘይካ ብተለቪዥን፡ ዳሃይ ሓድሕድ ዘተሓትት ዕርክነት ከምዘይብልና ከመይ ዘይትፈልጥ? ብዝኾነ ደወለትለይ ደኣ . . .

” ኣንታ ሃብቶም ወደይ ኢሰያስ ደኣ ናይ ባሓቂ ድዩ ሞይቱ?” በለትኒ- ቅድሚ ሓደርካን ማዓልካን።

” እንድዒ! እንታይ እሞ ፈሊጠ” ብምባል ሃዲአ መለስኩላ። ብሱሩ ክሓብኣላ ዝነበረኒ ምስጢር’ዉን ኣይነበረንን።

”እንታይ ኮይናካ ዘይትፈልጥ. .ኢንተርነት ዶ ተንብብ የለኻን ኢኻ?” ኣዋጠረትኒ። ካብ ቃናኣ ዝተረበሸትን ዝደንገጸትን ኮይና ተሰሚዓትኒ፡ ብግደይ ደንገጽኩላ። ኖኖእ. .ወረ ፈሪሓ ኔራ። እንታይ ኮይና ትፈርሕ? አእ . .ክንዲ ቦኽርን ሕሳስልደን ዝኾነ ፕረዝደንታ እምበር’ዩ። ከምቲ መሰልቲ ዝብልዎ ድማ ‘ኣደ ሓደ ከሎ ትበኪ’ ኮይንዋ ‘ኸዉን? እንድዒ . .ከሕርቃ ስለ ዘይደለኹ ግና ኣመና ተጠንቂቀ ተባሂለ፡ ከምዚ እናበልኩ መለስኩላ።

”ንስኺ እንታይ ትደልዪ?”

” ክህሉ . .ክህልወለይ’ባ ‘ደሊ” ድማ በለትኒ ተመሲጣ፡ ኣፍልባ ሒዛ ከም ዝተዛረበትኒ ድማ ተረደኣኒ።

” በሊ ከም ድላይኪ ይኹነልኪ”ኢለያ፡ ናብ ካልእ፡ ናብ ጉዳይ ናይ ዉሉድን ወላድን ሰገርና።

ፕረዝደንትና ‘ዉን ንሞት ሰጊሩ፡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ቀሪቡ፡ ኣለኹ. .ኣለኹ . .ኣለኹ እናበል ክሳብ ምጭዳር በጸሐ። ሻቡ፡ ኩሉ ነገር ጸጥ በለ። ኹሉ እቲ ብሞቱ ሕጉሽ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ድማ ጊዜ ጠጠዉ በሎ። እቲ ብዕላል ዝሰምዖ ዝነበርኩ- ሓደ ጊዜ መልኣከ ሞት ነቲ ክወስዶ ዝመጸ ኒሒፉ ንጎረቤቱ ወሲዱ ዝብል ዕላል ብጋህዲ ተፈጸመ። ኣብ 2012 ድማ እቲ ንኢሰያስ ክወስድ ዝተላኣኸ መልኣኽ ሞት፡ ንፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ ገዲፉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ናብ ዓደ-ሞት ወሰዶ

ኢትዮጲያ፡ ብሞት ናይቲ ን20 ዓመት ብከበድቲ ኣእዳዉ ዘመሓደራ መራሒኣ፡ ከም ግሪኻዊ ትርጉመ-ስማ ዝነደደ-ገጽ መሰለት። ኣብ ወርሑ’ዩ ዝኸዉን፡ ካብ ትጽቢት ዝኾነ ፈላጢ ኢትዮጲያ ዘይነበረ ብርቂ -ወላ ኣብ ኣፍሪቃ ብርቂ ዝኾነ ነገር ግና ተዓዚብና። እቲ ዓዉዓዉን ገልጠምጠምን ዘይተራኣዮ ህዱእ ምስግጋር ስልጣን ድማ፡  መለስ ዘይከም ኢሰያስ ደገፍቲ ዘይኮነ ተካእቲ መራሕቲ ይምልምል ምንባሩ ኣመስከረ። ኩሉ ብፖሎቲካዊ  ቁሉዉላዉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝስከፍ፡ ከብዱ ሓቁፉ ዝነበረ ሰብ ድማ ብኢትዮጲያ ቀሰነ። ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ ግዳ ዘየቅስን ንፋስ ሽዉሸዉትኡ ይብርትዕ ኔሩ’ዩ።

እቲ ንዜጋታቱ ሓሓንቲ ባኒ ንምብጻሕ እካ ዘይከኣለ መንግስቲ፡ ኣብ መፋርቅ ናይ ዓመተ 2012 ጀሚሩ ብረት ምዕዳል ጀመረ። ሽማግለ ዶ ተሪፉስ ትሕቲ ዕድመ! ሰብኣይ ዶ ተሪፋስ ሰበይቲ! ሕሙም ኣይፈለየ  ስንኩል፡  ንኹሉ ስርሓት ራሻ ዝኾና ብረት ኣዕጠቆ። ስለዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ፡ ስእሊ ስዉእ ዉላዱ ወይ ኣባል ስድራበቱን ከላሽን ኮቭን ዘይሰቀለት ገዛ ትከሰስ ዝባሃለሉ ጊዜ ኣርኪብና። ከምቲ ኣብ ገለ ገዛ ካብ ክልተ ንላዕሊ ስእሊ ስዉኣት ዘይሳኣን ‘ዉን ካብ ክልተ ንላዕሊ ብረት ኣብ ሓንቲ ገዛ ዝኣተወን ስድራቤታት ምህላወን ምስ ትሰምዕ፡ ትሓዝን።

ነዚ መጠነ-ሰፊሕ ምዕጣቅ እንታይ ኢልካ ትገልጾ? ሓሞት ናይቲ ህዝቢ ዶ ወላስ ሓድነት ናይቲ ህዝቢ ንምፍታን? ኣብ ታሪኽ ናይቲ ህዝቢ፡ እቲ ዝኸፈአ ግፍዒ ምኻኑ ምስ ዝገልጹ ሰባት ኣነ’ዉን ይሳማማዕ’የ። እንግዳዓ ናይቲ ከክንዲ ክልተ-እምኒ-ሓይሊ ዝኸዉን ኣኻዉሕ -መግዛእቲ፡ ኩናት፡ ድርቂ፡ ዓመጽ፡ ማእሰርትን ስደትን ብምስካም ላሕ ዝበለ ህዝቢ፡ ክንዲ ዕረፍቱን ራሃዉኡን ከላሽን ኮቭ ከተሰክሞስ፡ ባርባራዊ ግፍዒ ዶ ኣይኮነን?

ብሰንኪ እቲ ህዝቢ ናይ ምዕጣቅ ዕቡድ ወፍሪ፡ ፕረዝደንት ካብ መጻይቅቱ ተሪር ተቃዉሞ ከምዝገጠሞ ብሰፊሑ ከም ዝተነግረሉ፡ ኻልእ ዓመተ 2012 ዘሰነደቶ ተርእዮ’ዩ። እቲ ሰንሰሎማይ መራሒና ግና ንክልሰ ሓሳብ ምሕደራ-ቅልዉላዉ ከም ከብዲ ኢዱ ግዲ ይፈልጦ ኾይኑ፡ ተቀላጢፉ ቁጽጽር ሓደጋ ናብ ምግባር’ዩ ጎዩ። ከምቲ መጻሕፍ ቁዱስ ዝብሎ ድማ ሻቡ እቶም ትሕት ኢሎም ዝነበሩ ክልዕሉ፡ እቶም ልዕል ኢሎም ዝነበሩ ድማ ንኣንጻሩ ክኾኑ ታዓዚብና። ኣብ መንጎ’ዚ፡  ብዙሕ ነገር ታሓላሊኹ ከም ዘሎ ድማ ይዕለል። ነገር ነገር ወሊዳ ናብ ዕዳጋ ክትወጽእ፡  ቁሩብ ተሪፉዋ ኣብ ዘሎ ቅነ ድማ ዓሊ ዓብዱ ነቲ ስርዓት ጠንጢኑ ምስ ዘዕቁብኦ ሃገራት ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ።

new_year_wallpaper_2013-6

ምኩብላል ናይ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ጽፍዒት ንስሪ’ዩ። ብዘይ ምግናን ድማ ድሕረ ምኹባላል ዓሊ ዓብዱ መጠረሽታ ህግደፍ ኣመና ቀርባ ምኻኑ ተጋሂዱ ኣሎ። ንህግደፍ እዚ ዝርከብሉ ዘሉዉ ዘይርጉጽ እዋን- ጊዜ ኩናት እዩ። ካብ ታሓታትነት ንምህዳም፡ ኩናት። ሞት ሓዉ ቃዛፊ ከይተርክበካ፡ ኩናት። ክልተ ጊዜ ንከይትረአ፡ ኩናት። ኩናት. . ኩናት . .ኩናት! ክሳብ መጠረሽትኦም ካብ ኩናት ከዕርፉ ከም ዘይኮኑ ድማኒ ፍሉጥ’ዩ።

ኣብ መንጎ እዚ ብርቱዕ ኩናት እምባኣር’ዮም እቲ ዝሓየለ ተዋጋኢኦም ብምስላም ከሲሮሞ ዘለዉ።ብዝኾነ ናይ ዓሊ ዓብዱ ህድማ ኣብ ገጸ-መሬት ህግደፍ ዘይጽገን መንቃዕቲ፡  ፈጢሩ’ሎ ኢልካ ምድምዳሙ እኹል እዩ።

ኣብረርቲ ዉልቃዊት ነፋሪት ፕረዝደንት ዝነበሩ ኣብረርቲ ምስ ነፋሪቶም ዝጠፍኡላ ዓመት’ዉን 2012 ጥራይ’ያ። እቲ ባንደራ ኤርትራ ብኹርዓት እናኣምበልበለ ኣብ መዳ ኦሎምፒክስ ሎንደን ዝተራኣየ፡  ኣትለት ወይናይ ምስ 4ይ ርእሱ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ይሕሸኒ ዝበለላ ዓመት ‘ዉን 2012’ያ። 17 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ምስ ሓኪሞም ኣብ ኡጋንዳ ዝተሰወሩላ ዓመት ከማን 2012’ያ ኔራ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ድማ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ቁጽሪ ናይቲ ካብ ኤርትራ ዝስደድ ዘሎ  መመሊሱ ክዛይድ’ዩ ተራእዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብ ሲናይ ዝተቃልሑ ስእልታትን ድምጽታትን ናይቶም ብበዳዊን ዝሳቀዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣመና ኣሰቃቂ እናኾነ ብምኻዱ ኣቃልቦ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ፕረዝደንት ባራክ ኦባማን ዝረኸቡላ ዓመት፡ ዓመተ 2012’ያ። ምስኡ ዝተሓሓዝ ድማ፡ ደጊም ኤርትራዊ ጃልባ ምስ ጠለመቶ  ሳኣን ረዲኤት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃልቀሉ ሕማቅ ጊዜ  ሳላ ተወፋይነት ጉዱሳት ዜጋታት፡ ከም ዘብቀዐ ዝራኣናላ ዓመት፡ ዓመተ 2012 ጥራይ’ያ።

ብኻልእ ኩርናዕ፡  ዓመተ 2012 ሕሰም ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ’ዉን ንጥርዚ ገጹ ዝጎየየላ ዓመት’ያ። ብዙሓት ድማ ነዛ ዓመት እዚኣ ዓመተ ምብርባር ከም ዝኾነት ገይሮም እዮም ዝገልጽዋ። ንኣብነት ሬድዮታት ወጋሕታን ኣሰናን ብሳትላይት ናብ ሙሉእ ኤርትራ ምዝርጋሓ ዝጀመራላ ዓመት፡ ዓመተ  2012’ያ። ኣዝዩ ፍናን ዝድርዕ፡ ወኒ ሓርነት ዝንቅንቅ ዓወት’ዩ። እቲ ብሬድዮ ኤሬና ዝባህረረ ስርዓት ድማ ሰለስተ ኾይነን፡ ናብታ ከም ሰለዳ-ዳምኡ ዝርእያ ዘሎ ሃገር ምስ መጽኦ፡  እንታይ ከምዝገብረን ክምህዝ ተካሉ ጸጊቡ ምህላዉ ፍሉጥ’ዩ።

ዝያዳ ኹሉ ግና፡ ዓመተ 2012 ኣዝዩ  ፍሉይ ዝኾነ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ዝራኣናላ ‘ዉን’ያ። ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ምስ ዓርከ ማሓዛኻ ሸናዕ እብል ኣሎኹ ኢልካ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ ዉዕዉዕ ጎደና እንከለኻ ሞባይላካ ተድወል።  እናተፈሳሕካ መንነት  ደዋሊ ከተራጋግጽ ምስ ፈተንካ፡ ናይ ወጻኢ ኮይና ትጸንሓካ እሞ ትህንጠ። ከመይሲ ካብ ወጻኢ ክድወለካ እንከሎ፡ ምስቲ ምድዋል እትሰምዖ ደሃይን ብስራትን ንዓኻ መዕበዲኻ’ዩ። መን ይፈልጥ. . .ሓዉኻ/ሓብትኻ ገንዘብ ከም ዝሰደዱልካ ይሕብሩኻ ይኾኑ! ወይ ስድራኻ ምስኦም ንክትጽንበር መገዲ ከም ዘዳለውልካ የበስሩኻ ይኾኑ! ኩሉ ናዓኻ ብስራት እዩ። ብዘይካ ካብ ፈጣሪ ካብ ሰብ ዘይትጽበዮ ዝነበርካ ብስራት፡  ዘበስር ደዋሊ እንተትረክብ ደኣ እንታይ ምገበርካ? ብስራት ብብስራቱ፡  ዳግማይ ምላድካ ምእካሉ ዘበስር ብስራት! ልብኻ ብሓጎስ ካብ ሰፈራ ነጢራ ናብቲ ብጽባቀ፡ ብሳሓቕ፡ ብሕሽኹታ ፍቅርን ዕርክነትን ቀምበይበይ ዝበለ፡  ባሕሪ ዝመስል ጎደና ምስ ጠለቀትካ ፡ ኣሰራ ኣበይ ክትሓድግ! ልብኻ ብስራት ሓርነት፡    ባህጊ ዘልኣለማ ብምንባሩ ዓቢዳ መዕበደትካ ዶ ሓቀይ?

” ኣነ ካብ ዓርቢ ሓርነት’የ. .መልእኽተኛ ሓርነት” እብለካ እቲ ደዋሊ። ”ተረዲኡኒ ኣሎ” ኢልካ ምምላስ እኹል እዩ። ” ባህገይ ሰሚሩለይ” ኢልካ ኣብቲ ሓርነቱ ዘይጸደቀሉ ጎደና፡  ጨርቅኻ ደርቢኻ  እንተዓበድካ’ዉን ግርምን ጉሩምን ምኾነ። እዚ. .ዓርቢ ሓርነት’ዩ!!

ዓመት 2012 ኤርትራ ብ ሮቦኮል ወይ ሮቦታዊ ጻዊዒት ተለፎን ክትብጽበጽ እያ ከሪማስ ሓግያ ዝነሀት። እቲ ምብጽባጽ ናይ ትናፍቆ  ዳሃይ ብምኻኑ ግዳ ተረቢሸ ኢላ ርእሳ ናብ ኣፍልባ ኣየድነነትን። ቀነዐት ደኣ። ናይ 2 ደርዘን ዓመታት ሓሳራን ሕሰማን በልዩ፡  ራህዋኣ ቀደድ ኢሉ ተራእይ።   ሰማይ ዝዓረገ ትምኒታ ምስ ሓይልታት ደበና ተመሻጢሩ፡  ኣዝመራ ትስፉዉ መጻኢ ኣዝኒቡላ።ግርም  . . .

ኣብ ዘበነ ሓቤሬታ ንኤርትራ ኣብ ባዓቲ ሕመቁ ክሽጉጣ ዝወፈረ ህግደፍ ድማ መጠረሽትኡ ምስ ፕሮጀችት ዓርቢ ሓርነት ከምዝታሓሓዝ ድሮ ተረጋጊጹ ኣሎ። ስልዚ፡  ጽባሕ ንግሆ ብዉድቀት ህግደፍ ኣዉራ ታሓታቲ ፕሮጀችት ዓርቢ ሓርነት ጥራይ’ዩ። ኣርእስቲ ናይ መጠረሽታ ምዕራፍ ህግደፍ ‘ዉን ‘ዓርቢ ሓርነት’ ጥራይ እዩ ክኸዉን።

ኣብ መደምደምታ፡ ታሕሳስ 21, 2012 ማዓልቲ ምጾታት ምኻና ማያዉያን ተነብዮም ምንባሮም ኣብ ምእተዊ እዚ ጽሑፍ ገሊጸዮ ኣሎኹ። ኣብታ ዕለት እቲኣ ብኣማኢት ዝቁጸሩ መንፈሳዉያን፡ ካብቲ ዑናታት ጥንታዊ ስልጣነ ማያ ዝርከበሉ ናይ ሳዓትን ፈረቃን ኣብ ዝራሓቀት መሪዳ እትባሃል መክሲካዊት ከተማ ተኣኻኺቦም ምንባሮም ቢቢሲ ይጽብጽብ። ብዙሓት ድማ ጻዓዱ ክዳዉንትን ተባራዒ ቀመማትን ሒዞም- ነታ ምዉላድ ሓድሽ ዘበን እተብስር ጻሓይ በርቂ፡ ተጸበይዋ።

‘እቲ ጋላክሳዊ ድልድል ድሮ ተሃኒጹ እዩ” ይብል መንፈሳዊ መራሒ ኣልበርቶ ኣሪባልዛይ። ብምቕጻል ንሱ፡”ኮስሞስ ናብቲ ዝላዓለ ደረጃ ምንብድባድ- ናብቲ ወዲ ሰብ ዝኸብረሉን ዝፍሳሓሉን ደረጃ ክንድይብ ኢና” ብምባል ቅድሚ ሰሙን ኣቀዲሙ ገሊጹ ምንባሩ፡  ቢቢሲ ኣብ ዓንደ ሓቤሬትኡ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ገለ ተመራመርቲ ናይቲ ጥንታዊ እምነት፡ ነቲ ዓዉደ ኣዋርሕ ማያ ን2012 ከም ዓመተ ምጾታት’ዩ ዝርእያ ዝብል ትንተና ብምንጻግ፡ እንታይ ደኣ ንዓመተ 2012 ከም ዓመተ ምስግጋር ናብ ዝበረኸ ንቅሓት ገይሩ ከም ዝተነበየላ ይገልጹ።

ስልዚ፡ ከምቲ እቲ መንፈሳዊ መራሒ ዝገለጾ  ‘ጋላክሲካዊ ድልድል’ ዝመስል ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሓላ ዓመት፡ ዓመተ 2012’ያ ኮይና ተመዝጊባ ትርከብ። በዛ ዓመት እዚኣ ገይርና ድማ ናብቲ ክብረትን ሓርነትን ንረኽበሉ ዘበን ከም እንበጽሕ ጥርጥር የብለይን። እዛ ክንቅበላ ንሻባሸብ ዘሎና ዓመት፡ ዓመተ 2013 ድማ ባብ ሓርነት እተርሑ፡ ታሪኻዊት ዓመት ክትከውን ዘሎኒ ተስፋ ክገልጽ ከለኹ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ዝቕጀለኒ ምዕሩግ ስእሊ ኣሎ። መሻጉራት ኣብያተ እሱሪቢት ተሰይሩ፡ እሱራት ክፍትሑ! ፍትሒ ዘንግስ ቅዋም ክትግበር ! ዝፈርሓኒ’ምበር ዘይፈርሖ መንግስቲ፡ ዘገልግለኒ’ምበር ዘየገልግሎ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ባይቶኡ ክተክል እንከሎ፡ ይራኣየኒ።

2013 ባብ ሓርነትን ክብረትን !

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን

ሰስሰናዩ!!

Advertisements

About habtomkid

I love to think and write about Freedom ,Love ,Friendship and Art
This entry was posted in Uncategorized. Bookmark the permalink.

2 Responses to 2013 ባብ ሓርነትን ክብረትን!!

  1. awet says:

    ናይ ኣጋጣሚ ነዚ ጹሑፍ ድሕር እለ እየ ነብበዮ ማለት ነዚ ጹሑፍ ከንብቦ ዕድል ዝረከብኩ: ድሕሪ ናይ ፎርቶ ስርሕት ምንባሩ: ኣመና ንክምሰጥ: ከመ ግጥሚ ደግጊመ ከንብቦ ቀስቡኒ:: ነቲ ጹሑፍ ከንብቦ ምስ ጀመርኩ ነዚ ዘለናዮ ሃዋሁ ዝትንትን እሞ ካኣ: ቅድሚ ሓደ ወርሕ ዝተጻሕፈ ብምንባሩ ኣመና በዛ ጽሕፍቲ ንክምሰጥ ክእለ:: ብቅመራ ግዜ እንተ መጽና ከመ ”ትንብታዊ” ጹሑፍ ስለ ዝኮነኒ:: ናይ ርእሰይ ዓዉደ ኣዋርሕ ንድሕርት ጠምዚዘ: ኣብ መወዳእታ 2012 ረግጸ ዳግማይ ክነቦ ተቀስበ:: ናይ ባሓቂ ርዝነት ዕምቆት ናይ’ቲ ጹሑፍ ካኣ ናብ 2012 ተመልሰ ከነቦ ምስ ጀመርኩ: ዝባኣሰ ተምሳጥ ፈጥሩለይ:: ምክንያቱ እዚ ጹሑፍ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሉሙድ ኣርትክል እዩ ኔሩ:: ነቲ ኣብቲ ኣርትክል ዝተገልጸ ሓሳባት ግን ኣብ ባይታ ክርኤ ስለ ዝጀመረ: ካብ ሉሙድ ኣርትክል ናብ ሓደ ትንብታዉ ኣርትክል ዝተቀየር ኮይኑ ተሰምዑኒ:: እቲ ጹሑፍ ሸፍንዎ ዘሎ ግዜ ክሳብ እዚ ዘለናዮን ግዜን: ነዛ ጀምርናያን ዘለና ዓመትን 2013 ዝሽፍን ስለ ዝኮነን: ነቲ ኣብቲ ጹሑፍ ሰፍሩ ዘሎ ትንብታት ካኣ ኩሉ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክሳብ ዝፍጸም : ደጋግመ ከመ መጽሓፍ ቁዱስ ከንብቦ ይብህግ::

  2. habtomkid says:

    ኩቡር ሓዉ ዓወት፡ ሰላምታይ ብምቅዳም፡ ነዛ ዓንቀጽ ብትዕግስቲ ነቢብካ፡ ነዚ ዝመስል ላዛ ዘሎዎ ተሞስጦኻ ስለ ዝገደፍካ፡ ልባዊ ምስግናይ ደረት የብሉን። እታ ንናጽነታ ሒደት መዳርግቲ ዘለዎ ረዚን መስዋእትን ገድልን ዝስገረት ሃገርና፡ በቲ ወደይ፡ ቡቅሊ ማህጸነይ ትብሎ ስርዓት፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ሰፍ ዘይብል መግዛእትን ሓሰሩን ከትሕልፍ’ያ ተገዲዳ።
    ሙይቅ እምበር እምብለይ ኣይበለትን!
    ሕጂ ግን፡ ንኹሉ ሓጹራት ፍርሕን ሙዩቕታን በናጢሳ፡ ንሓርነታ ክትመልስ ዝታዓጠቀት ትመስል።
    ዓመተ 2012፡ ከም ዓመት መጀመርታ ዉድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝራኣናላ ምንባራ፡ ንዝኾነ ምስ ኩነታት ሃገርና ዝተዛመደ ስብ ዜና ኣይኮነን።
    ርግጸኛ’የ ድማ ድሕሪ ስርዓት ህግደፍ ትመጽእ ኤርትራ ዝሓሸትን ዝሰልጠነትን ከም እትኸዉን።
    ምስ ምስጋና!!

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s