እዛ ደርፊ !!

ኩቡር ኣምባቢ ከምዚ ከማይ ዶ ኣብ ደርፊ ትኣምን ትኸዉን ?ሓንቲ ብወዝቢ ይኹን  ኣዘዉቲርካ  እትሰምዓ ደርፊ  ፡ ሂወትካ ከም እትቅየር ዶ ትኣምን? ነታ ደርፊ ዝሓዘለ ሙዚቃ ናብ ዉሽጥኻ ኣትዩ ካብ ኣንጉዐ-ደምካ ንሰሚዒትካ ፈርፊሩ ከዉጽኣልካ ዶ ትፈቅደሉ ? ነቲ ሕድማ ( ግጥሚ) ከምቲ ብኣእላፍ ከዋኽብቲ  ዘገጸ ሰማይ ዶ ገይርካ ትሓስቦ ?ነታ ናይ ሂወት ኮኾብካ እናጠመትካ ምትካዝ ባህታ ዶ ትቆጽሮ ትኸዉን ?

ደርፊ ዓድና ምስማዕ ናዓይ ፡ ናጻን ሓያልን ይገብረኒ ። ሓደ ሓደ ግዚ ደርፊ ዓድና ክሰምዕ ከለኹ ብዘይልበይ ሓፍ ኢለ ናብ ሰማየ ሰማያት ይዕዘር ፡ ክሳብ ንከዋኽብቲ ብከንፈረይ ዝስዕመሉ ዘይምኖ ህሞት የስጠማቅር !

እስከ በል ኣብዛ ብሎግ ንገለ እቶም ብፍሉይ ንሂወተይን ሂወትካን ዝተንከፉ ደርፍታት ዓድና ክንርኢ ኢና እሞ ሳዓበኒ ።

እዚ ኣብዛ ብሎግ  ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብቀጻሊ ዝቀርብ ጽሑፍ ፡ ብደርፊ ናይቲ ንሙዚቃ ሃገርና ናብ ኣእዛን ዓለም ዘብጸሐ ፡ ደራፊ ፡ ገጣምን ኣፍራዪ ምዚቃን ዝኾነ ነፍሲሔር ኣብራሃም ኣፎርቂ መጋረጅኡ ይቅንጥጥ ኣሎ ።እዛ ተሞሱጦይ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ደርፊ ፡ ሓንቲ ካብተን ካብ ኣእሙረይ ዘይርሕቅ መንፈስ ዘስረጻለይ ደርፍታት ዓድና እያ ። ኣብቲ ብወጥሪ ዝደምበረ ጸላም ግዝያት ሂወተይ ድማ ከም ሞቅሎብ ብርሃን ዝተጠቀምኩሉ ፡ ብፍረነገሩ ይኹን ዕምቆቱ ዋሃ ዘበለ ግጥሚ ዝሓቆፈት ተባዕ ደርፊ እያ -ምንባር ።

ምንባር !

ብስእሊ እንተሓሲብና ሂወት ቀጣንን ሚስጢራዊትን እያ ። ብኣንጻራ ምንባር ሰፊሕን ቅሉዕን እዩ ። ስለዚ ምንባር ኣብ ማዓልታዊ ሂወትና እንገብሮ ስነ-ኣእሙራዉን ኣካላዉን ተግባር ክኸዉን ይኽእል እዩ ።እቲ ተግባር ድማ ብቁጦባ ፡ ሃይማኖት ፡ ሕብረተ-ሰብን ፖሎቲካን ይጭበጥን ይዝርጋሕን ።

ኣብራሃም ኣፎርቂ ነዚ ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ዝፈተንኩ ምንባር – ተፍጥሮ ዝጅምረሉ ፡ ካብ ትማል ናብ ሎሚ ፡ ካብ ሎሚ ናብ ጽባሕ ዝቅጽል ጉዕዞ ምኻኑ ይነግረና ።እቲ ብኣእዕዋፍ ዝተመስገነ ኣብ ፊት ዝረአ ናይ ወጋሕታ ጩራ ድማ ንምንባር ከም ዝወልድ ከምዚ እናበለ ፡  ወለላ ብዝጥዕም ቃላት የዚመልና . .

ፊት ጩራ ወጋሕታ ኣዕዋፍ ክዝምራ

ከም ትማል ከም ጽባሕ ማዓልተይ ጀሚራ

ምንባር ተፈጥሮ ምጅማር !

እቲ ሽኮር ደራፊና ቀልጢፉ ፡ ወላ እኳ ኣብ ሂወት መመገድና እንተሃለወና ፡ ምንባር ግና ናይ ሓባር ዕላማ ምኻኑ የብራሃልና ።እዘን  ካብታ መእተዊት ነግሒ ዝተጨለፋ  ክልተ መስመራት   ናብቲ ኣድማሳዊ ቁቡል ዝኾነ ናይ ዉልቂ-ሓርነት እየን ዝወስዳና ። ንሕና ድማ ብዛዕባ ዉልቀ-ምርጫናን ሓርነትናን ክንሓስብ ንጅምር ።

በብመገድና ሂወት ንስጉማ

በብዝጥዕመና ዕድልና ንገጥማ

ምንባር ዕላማ ናይ ሓባር

ዘይዓርፍ ጉያ  ብዙሕ መላ ንናይሓባር ሞያ

ምንባር ከይረብረብካ ምጽዓር

ዘይዓርፍ ጉያ ነፍሲ ወከፍ ንናይ ሓባር ሞያ

ምንባር ንዘለካ ምፍቃር

ኣብዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ናይ ኣዝማች ነግሒ ፡ ኣብራሃም ንኹሉና ናይ ሓባር ሞያ ከምዘሎና እዩ ዝሕብረና ። ናብ ኣእሙሮና ኣቲና ምስጢር ምንባርና ክንፍትሽ ድማ ይቅስበና ።ብርግጽ ፡ ሂወትና ክንመርሕ ንመርጾ ሞያ ብዘይየገድስ ፡ ንኹሉና ናብ ሓደ ዕላማ ከጉይየና ዝኽእል ናይ ሓባር ሞያ ሒዝና ኢና ንፍጠር ። ንሓደ ሃይማኖታዊ ሰብ ‘ ናይ ሓባር ሞያና ‘ ክነግረና እንተንሓቶ ፡ ” ኩሉና ንእዝጋቤሔር ከነገልግል ” ከምዝተፈጠርና  ገይሩ ምመለሰልና ።

ደቂ ሰብ  ናብዛ ዓለም ብምኽንያት ከምዝመጻና ሓፈሻዊ ቁቡል ዝኾነ ነጥቢ እዩ ። እቲ ምኽንያት እንታይ ዩ ? ኢልካ ምስ ትሓትት ግና  ካብ መንፈሳዊ ርዲኢት ዝነቀለ ‘ምበር ኣዕጋቢ መልሲ ክህበሉ ዝደፈረ የለን ።

በዚ ኮይኑ በቲ ግና ኣብራሃም ናይ ሓባር ሞያ ከምዘለናን ፡ ኣብቲ ዘይዓርፍ ናይ ምንባር ጉያ ከይረብረብና ክንጽዕር ይላበወና ። ከየስገለ ድማኒ ምንባር ንዘለካ ምፍቅር ምኻኑ ፡ እታ እንኮ ምስጢረ-ሕጉስ ሂወት ዝኾነት ሓሳቡ ወስ የብለልና ። ቆሊብናዮ ዶ ንኸዉን ?

ሸዉዓተ ግዜ ወዲቅካ  8 ግዜ ትትንስእ

ክሳድ እታ ኩርባ ክትወጽእ

7 ግዜ ዝወደቀ ሰብ ከመይ ገይሩ 8 ግዜ ይትንስእ ?እዛ ሕቶ ፈለማይ ነዛ ደርፊ ምስሰማዕኩዋ ንነብሰይን ፈለጥተይን ዘዋጥረላ ዝነበርኩ እያ ።ብልክዕ እዛ ጥቅሲ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ እያ ። ትኹን እምበር ኣብራሃም ተዋሓጢትን መሳጢትን ገይሩ’ዩ ኣብዛ ቅጭን ግጥሙ ስኪዕዋ ዘሎ ።

ከምቲ ኣብራሃም ዝገለጸልና ኣብ ሂወት ዘይዓርፍ ጉያ ናይ ምንባር ኣሎ ። ኣብዚ ጉያ እዚ ድማ ታዓንቂፍካ ምዉዳቅ ኣሎ ፡ ኣብራኽካ ሰኒፉካ ‘ዉን ምዉዳቅ ኣሎ ።ክሳብ 7 ግዜ ዝከዉን  ምስ ወደቅካ ፡ ኣብታ 7ይት ግዜ ብድርብ ኣተናስኣ ብድድ ትብል ። እታ ሓንቲ ብላዕሊ ትትንስኣ ዘሎኻ እያ ድማ ከም 8ይቲ ትቁጸር ዘላ ። ነዚ ኪእላታት ስነ-ልቦና ዓወት ‘ ንቅድሚት ምዉዳቅ ‘ ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ ።

እዚ ኩሉ ምዉዳቅን ምትንሳእን ግና ስለምንታይ ?  ኣብራሃም እቲ ገልታዕታዕ ክሳድ ናይ ሓንቲ ኩርባ ንምዉጻእ ምኻኑ ይሕብረና ። እታ ብኩርባ  ተመሲላ ዘላ ”ምንባር እያ  ” ኢልና እንተገመትና ዘክፋኣልና ዶ ይመስለኩም ! ምንባር ክብድ ምስ በለና ፡ ከምዚ ምትጋሩ ዓቀብ ዝኾነና ጠላዕ ጎቦ ወይ እምባ ገይርና ዝቀረጽናሉ ግዜ  ማዓስ ዉሑድ ኮይኑ !

ኣብራሃም ኣብዘን  ክንሪአን ዝጸናሕና መስመራት ዝታሓዘለት ፡ ቀላል ግና ጸላም ዝቀድድ ብርሃን ዝሓዘት ነግሒ ከምዚ ይብለና . .

ኩሉ ክንኪ ዘይኮነ ንክዉስኽ’ዩ ዝነብር

ዝጽዕር ዓቅሙ ዝገብር

ካብቲ ሕማቅ ዝገጥመኒ ኩሉ ኣይኮነንን ዝጎድኣኒ

ዕድለይ ኣይተጥልምኒ

ኣማን ብኣማን ኣብዛ ዓለም ክዉስኽ እምበር ክንኪ ዝመጸ የብልናን ። ናይ ምግባር ዓቅምና ይድርቶ እምበር ፡  ብባህሪኡ ምንባርና ‘ዉን ምዉሳኽ እዩ ዝፈቱ ።ከምቲ  ናይ ነጻ ምሳሕ   ዘየለ ድማ ወሰኽ ብዘይ ዋጋ ጠሪሹ ዘይሕሰብ እዩ ። ኣብራሃም ድማ ካብቲ ሕማቅ ዝገጥሞ ፡ ጠቃሚ ነገር ከምዝረኽበሉ ንዕድሉ ሓደራ እናበለ እዩ ብኣዝማች ዘዛንየና ።

ኣብ መብዛሕትኡ  ኣብ ካልኦት ደርፍታት ሃገርናን ኢትዮጲያን ፡ ኣብ ኣዝማች ዝላዋወጥ ነግሒ የለን ።ኣብዛ ዋሕኖ ደርፊ ግና ኣብራሃም ናይ ቃላትን ፡ ሓሳባትን ጸወታ ክጻወት ኢና ንሰምዖ ።እዚ ድማ ነታ ደርፊ መመሊሳ እትሕደስ ዘይተመናዊት ይገብራ ።

ዘይዓርፍ ጉያ  ብዙሕ መላ ንናይሓባር ሞያ

ምንባር ተፈቲንካ ምምሃር

ማዓልታዊ  ጉያ ነፍሲ ወከፍ ንናይ ሓባር ሞያ

ምንባር ሓያል ምኻን ጸዋር

ኣብራሃም ኣብዛ ኣዝማች – ምምባር ኣብ ፈተነኻ እናተማሃርካ ፡ ሓያልን ጸዋርን ምኻን ከምዝትርጎም የፍእመልና ። ገጹ ምልስ ኣቢሉ ድማ ‘ ፍትሓዊት ድያ ዕድላ ?’ ኢሉ ይሓተና ።ምስኣ ኣልጊቡ ‘ዉን ንሳ ድያ ትህብ ንሳ ድያ ትኽልክል ኢሉ ከዋጥረና ይሕልን ።ኣብ ቀረባ እንተጸኒሕና ብዛዕባ ዕድል ክንሓስብ ነስግል ።

ንገለና ዕድል – ጣኦትና እያ ።ገለና ግና ‘ ንኩሉ ዘጋጥም ምክንያት ኣሎዎ ‘ ዝብል ፈሊጥ ታሓንጊጥና ‘ዕድል ‘ ናይ ሰነፋት ቃል ምኻና ንድምድም ። ኣብራሃም ድማ ኣታዓራቂ ዝኾነ ሓሳቡ ከምዚ እናበለ ጆባእ ይብለና . .

ፍትሓዊት ድያ ዕድል – ንሳ ድያ ትህብ ንሳ ድያ ትኽልክል

ዕድልካ ከተጸብቅ ትባላሓት ዕድልካ ክትመርሕ

ጻማ ኣሎዎ ጻዕሪ ኣትሪርካ ትሰርሕ

ኣበት ትጽመሞ ነብስኻ ትገንሕ

ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ትመሲ ትወግሕ

ኣብዛ ፍልስፍናዊት ነግሒ – ኣብራሃም ዕድል እቲ ፈለማ ተፈጥሮ እትህበና ሂወት ምኻኑ ብምንጋር ፡ ብጻዕርኻ ከተጸብቆ ከም እትኽእል የተስፍወና ። ኣትሪርካ ምስ ትሰርሕ ጻዕርኻ ጻማ ከምዘሎዎ ‘ዉን ካልእ ናይ መተባብዒ ቃላት የሕቁፈና ። ኣብዚ ንምብጻሕ ግዳ ምጽማም ከምዝሓተናን ፡ ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ጢሒልካ ከለኻ መሬት መስያ ከም ትወግሕን የተንብሃልና ።

ካብዚ ቀጺሉ ናይ መወዳእታ ኣዝማች ገይሩ እዩ ዘመንጉዎና – እቲ ወናም ፡ መሃዝን ፍሉይን ደራፊና ኣብራሃም ኣፎርቂ ፡

ማዓልታዊ ጉያ  ነፍሲ ወከፍ ንናይ ሓባር ሞያ

ምንባር ሓያል ምኻን ጸዋር

ዘይዓርፍ ጉያ ነፍሲ ወከፍ ንናይ ሓባር ሞያ

ምንባር ተፈቲንካ ምምሃር

ካብዛ ኣዝማች ከይተፈንተተ ፡ እንተ ንነብሱ እንተ ንፈታዊቱ ”ኣይትታሓለሊ ” ብምባል ፡ ዓለም ጸዋርን ዓቅልን ጥራይ ከምዝሓልፋ የዘኻኽራ ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ‘ ክገጥማ እየ’ ኢላ ፡ ልዕሊ ዓለም ክትሕይል እናተማሕጸና ነቲ  ደርፊ ክዛዝማ ይጅምር ።

ኣይትታሓለሊ

ዓለም ናይ ጸዋራት እያ ናይ ሰብ ዓቅሊ

ክገጥማ እየ በሊ ልዕሊኣ ሓይሊ

   ድርብ

እዛ ደርፊ ብሓሳባታ ፡ ፍልስፍናኣን ሕሉፍ ግጥማዊ ጽባቀኣን ጥራይ  ኣይኮነትን ሓንቲ ካብተን ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ሃገርና( ምናልባት ‘ዉን ዓለም) ዝፈረያ ፍልይቲ ዝገብራ ። ዝዉቱር ዘይኮነ ነዊሕ መደረብታኣ ‘ዉን ፍሉይ ብልጫኣ ምኻኑ  ይኣምን ። እቲ ንጽል ክፋላ 3 ደቂቅ ክኸዉን እንከሎ ፡ ኣብ መደረብታ ድማ ናብ 4 ደቂቅን 9 ስከንድን ትግምገም ። ብድምር እዛ ደርፊ ናይ ኣስታት 7 ደቂቅ ንዉሓት ግዜ ትሽፍን ማለት እዩ ።

ደርፍታት በረኸት መንግስታኣብ ብተመሳሳሊ ነዊሕ መደረብታ እካ እንተ ሃለዎም ፡ ኣብ ንጽል ዝተዘይመ ዝደግሙ እምበር ፡ ከምዚ ኣብዛ ደርፊ ንስምዖ ሓድሽ ነግሒ ዘምጽኡ ኣይኮኑን( ርጉጽ ኣይትዉሰዱዎ ) ። ኮይኑ ተሪፉ ፡ ብዘይ ምግናንን  ኣብራሃም ጻሓፋይ ኮይኑ ነቲ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ እንተዘስፍሮ ድማ  ልዕሊ 400 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ መበርከተልና ነይሩ  ።

ንኣብራሃም እዛ ድርብ ሰናይ ትምኒቱ ዝደርደረት መጽሓፍ ባህጉ ኮይና ትስማዓኒ።  ኣብ ኩሎም እቶም ላዛ ጣዕሞም ንሓዋሩ ከይተበረዘ ከም ዝነብር ብኩርዓት እንታኣማመነሎም ደርፍታቱ  ፡ ኣብ ደቂ-ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ደቂ ሃገሩ ድማ ብፍላይ ዘሎዎ ፍቅሪ ከይከዋወለ ገሊጹዎ እዩ ። ኣብዛ ደርፊ ድማ ብፍልይ ዳርጋ ስም ነብሲ ወከፍና እናረቆሐ እዩ ሰናይ ትምኒቱ ሊኢኹልና ንረኽቦ ።

ሰናይ ሓሲብና ሰናይ ክንጽዉዕ

ብርሃን ንሽቶ እዩ ጉዕዞ ሽግና ንወልዕ

ኣብ ዉሽጥና ኣሎ ሓይሊ ከዉሒ ዘንትዕ

ሓደ ሰብ ሰናይ ክጽዉዕ እንተኾይኑ ፡ ፈለማ ሰናይ ክሓስብ ኣሎዎ ። ምኽንያቱ ከምቲ ኪኢላታት ኣእሙሮ ዝብሉዎ ” ሰብ ዉጺኢት ኣታሓሳስብኡ ‘ ስለ ዝኾነ ። ኣብራሃም ድማ ኣብዛ ኣቀዲምና ዘንበብናያ ነግሒ ፡ ነዚ ሓቂ ብዉሕሉሉ ኣቀራርባ ጋቢዙና ኣሎ ።ንእግረ መገዱ ኣብ ዉሽጥና መስፈሪ ዘይብሉ ሓይልን ጸጋን ከምዘሎና ይነግረና ። ተረዲእናዮ ዶ ንኸዉን !

ኣብራሃም ሰናይ ትምኒቱ ምቅላጽ በዚ ኣየብቀዐን ።ብቀጥታ ምስ ሰማዕቱ እናተዛረበ ፡ ከምዚ ብምባል ሰናይ ትምኒቱ ይድሕድሕ ፡

ሰናይ  ይምነ ሰናይ ናዓኻ

ኣብ ርሑቅ ኣብ ቀረባ ትነብር ዘሎኻ

ኣዕሚቅካ ጠምት ብምሉእ ሓይልኻ

ንዉሉድ ወላዲ ኣብታ ዝሳዓበት ነግሒ ይጠቅሶም እሞ ፡ ተስፋ ኣብቲ ነዊሕ መገዲ ብርሃን ምኻኑ ይእንፍተሎም !

ሰናይ ይምነ ንዉሉድ ወላዲ

ብርሃን ንጉዕዞ’ዩ ተስፋ እቲ ነዊሕ መገዲ

ሽሻይ ዘሎዎ ራኢ ናይ ብርኩት ዓዉዲ

ኣብራሃም ናብ ሰማዕቱ ብቀጥታ ይምለስ እሞ ፡ ነቲ ማዕዶ እናጠመተ ናብ ሽቶ ዝህቅን ዘሎ  ሰናይ ትምኒተይ ይብጻሓዮ ይብል !

ሰናይ ሓሲበ ሰናይ ይምነ

ማዕዶ ጠሚቱ ናብ ሽቶ ንዝሃቀኒ

ብዘይሕለል መንፈስ ብናብራ ዝተፈተነ

ኣብራሃም ካብዚ ንዳሓር ናብታ ኣዝየ ዝፈትዋ መስመራት ዝሓንገረት ነግሒ እዩ ዝመርሓና ። ናጻ ኮይነ ክዛረብ እንተኾይነ ምስዘን መስመራት መንፈሳዊ ዝኾነ ዕርክነት ኣሎኒ።  ነተን መስመራት እናደጋገምኩ ከዝይመን ከለኩ ሕጉስ ተምሳጥ ይጉልብበኒ ።ነተን መስመራት ዝሃነጹ ቃላት  ኣኻዉሕ ዝቀድድ ድምቀቶም ናብ ልበይ ምስ ኣቅንዕዎ ዑፍ ኮይነ ክበርር ዝደፍኣኒ ዑቡድ ሓሳብ ድንዕ ድንዕ ይብለኒ ።

ሕብረትን ዉህደትን ናይቶም ቃላት ሰዉራዊ ቅርጺ ፈጠሩ ኣብ መንፈሰይ ከሽኮርድድ እናታዓዘብኩዎ ፡ ምዝያመይ ይቅጽል ፡

ኣነ ገንት ኣይሓተትኩን ንቡር ባህገይ ንቡር እዩ ትጽቢተይ

ምረት ናብራስ ይክእሎ እየ ሰላም በተይ ጥዕና ንብረተይ

ሓደ ሓደ ግዜ ፡ ንዝወረደካ ኣደራዕ ክትገልጾ ትደሊ እሞ ቃል ቃል ዝብል ቃል ሲኢንካ ትጥንጥኖ ። ንቡር ዝባሃል ባህግኻን ትጽቢትካን ምስ ተነፈገካ ፍትሒ ተመኒኻ ትጠርዕ ። ጥርዓንካ ግና ሰማዒ ሲኢኑ ፡ ንስኻ ድማ ከም ኮሶ ምስ ተቆጸርካ ። ብዓዉታ ‘ ኣነ ገነት ኣይሓተትኩን . .” እናበልካ ጠለብካ ናብ ነፈግቲ ንቡር ባህግኻን  ተፈጥሮን ትጭድር ። ናዓይ ከምኡ እያ እዛ መስመር ! ናዓኻ ኸ ኩብር ኣንባቢ ?

ኣብራሃም ብግዲኡ እምበሺ ዳኣ ሰላም ቤተይ ፡ ጥዕና ንብረተይ ይታሓለወለይ ‘ምበር ” ምረት ናብራስ ይኽእሎ እየ” ብምባል  ዘይዕጸፍ እምንትኡ ይነግረና ።ከየዕረፈ ድማኒ ዘይጽገብ ሂወት ከምዝምነ ከምዚ እናበለ የዚመልና ፡

ዘይጽገብ ሂወት ይህንጠ

ድሙቅ ግዜ ዘየሰልጩ ወቅጢ

ቅድመ ጻሓይ ምስ ደበና

በርቂ ማዕዶ ዘሪአሉ ለይቲ

ኩቡር ኣንባቢ ንካሊኢት ዶ ኣዒንትና ዓሚትና ነዚ ናይ ኣብራሃም ዘይጽገብ ሂወት ክንቀሮጾ ንፈትን ።ርግጸኛ እየ ነቲ ዝመስል ዱሙቅ ግዜ ክነብሮ ዘይደሊ ኣይኮነን ወላ ብደርሶ መርሶ ብጽሕ ምልስ ንምባል ዘይጎዪ የልቦን ።

ኣብ ዝሳዓበ ዋሕዚ ናይታ ግጥሚ ፡ ነቲ ኣቀዲሙ ዝገለጸልና ትምኒታቱ ፡ ሓንቲ ሓዳሽ ትምኒት ሒዙ ይቅልቀለና ። ነቲ ገና ሂወት ክላለ ዝጅምር ዘሎ ዕሸል  ድማ ተቢዕኻ መክት ኣብ ሂወት ኣይትፍራሕ ኣጆኻ እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጸሉ ።

ሰናይ ሓሲበ ሰናይ ይምነ

ማዕዶ ጠሚቱ ናብ ሽቶ ንዝሃቀኒ

ብዘይሕለል መንፈስ ብናብራ ዝተፈተነ

ሰናይ ይምነ ዕሸል ናዓኻ

ሂወት ክትጅምር ገና ትላለ ዘለኻ

ተቢዕካ መክት ኣብ ሂወት ኣይትፍራሕ ኣጆኻ

ኣብራሃም ኣብዛ ቀጺልና ንርእያ ነግሒ ኣስፍርዎም ዘሎ መስመራት ኪኖ ኣድመሳዊ ተጨባትነቶም ፡ ንልብና ብባህታ ከም ኩዑሶ  ጠረብረብ ዘብል መሳጢ ሓሳባት ዝዉንኑ እዮም ። ድኽም ዊዒሉ ኣፍርዩ ዘዕርፈሉ ሂወት ከም ዝምነ ይገልጸልና – ወላ ንሕና ዶ ሓቀይ ! ናፊቁ ዓጊቡ ዝሓድረሉ ፍቅሪ ክዉንን ከም ዝምነ ‘ዉን ቶግ የብለልና – ወላ ንሕና ዶ ሓቀይ ! ንመዛዘሚ ናይዛ ነግሒ ድማ በተን ነበርትን ተዘከርትን ኾይነን ዘለዋ ተጠቀስቲ መስመራቱ ገይሩ ይክፍፎ ።

ዱሙቅ ሂወት እየ ዝምነ

ድኽም ዊዕልካ ኣፍሪኻ ተዕርፈሉ

ወናኒ ፍቅሪ እየ ዝምነ

ናፍቅካ ዓጊብካ ትሓድረሉ

ስቃይ ሕማም ዝሰገሮ

መቀረት ጥዕና መን ይነግሮ

ምረት ኩናት ንዝረአየ መቀረት ሰላም መን ይነግሮ

ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይዛ ነባሪት ደርፊ ኢና በጺሕና ዘሎና ።ሕጂ ኣብራሃም ናይ መፋነዊ ትምኒቱ ይገልጽ ኣሎ ።ሃንደበት ግና ክብ ብዝበለ ዳሃይ ” እንታይ እዩ ምንባር ምስ በልኩ .” ብምባል ናብ ህልም ዝበለ ናይ ፍልስፍና ዉቅያኖስ ሒዙና ይንቆጥ ። ከምዚ እናበለ  ፡

ሰናይ ሓሲብና ሰናይ ንጸዉዕ . . .

ሰናይ ሓሲበ ሰናይ ይምነ . .

ሰናይ ይምነ ንዉሉድ ወላዲ . .

ሰናይ ይምነ ሰናይ ናዓኻ

እንታይ ዩ ምንባር ምስ በልኩ

ዘይፍለየኒ ሰብ ዘኪረ

ሎሚ ምሳና ዘየል ክምህር ኢሉ ከም ዝተፈጥረ

ትርጉም ኣዊጃ ሂወቱ

ኣብ ክንዲ ሂወት እምነት ምስ ኣፍቀረ

ምንባር ንመን ትግበኦ

ምስ ሕመቀይ ካብኡ ተማሂረ

ኣብራሃም   ” እንታይ ዩ ምንባር ምስ በልኩ . . ዘይፍለይነ ሰብ ዘኪረ ” ኢሉ ኢዩ ስንክሳር ናብ ዝኾነት ነግሒ ዝስሕበና ። ንሱ ንንበሱ ክሓታ እንከሎ ፡ ንሕና ድማ ንዕኡ ሕቶ ንሰርዓሉ ምንባርናን ( ምህላዉናን)  ሲ ይፈልጥ ዶ ይነብርን ( ይህሉን)   – እዝጊሒር ዋኑኡ ! ምንባር ንመን ከምዝግበኦ  ድማ ምስ ሕመቁ ካብኡ ከምዝተማሃረ ብትሕትና ይዘንትወልና ።

መን ኮን ይኸዉን ንሱ ? እታ ኣብራሃም ፈለጠያ ዝበላ መልሲ ናይታ ‘ ምንባር ንመን ይግበኦ’  ትብል ሕቶ ኸ ንመን ትኸዉን ። ኣብራሃም እቲ ኣብዛ ነግሒ ዘምጻኣልና ጠባይ ፡ ምሳና ከምዘየለን ፡ እዚ ዘይምህላዉ ድማ ኣገባብ ኣመሃህሩኡ ምኻኑ ክገልጸልና እንከሎ ብዛዕባ ሓደ መሲሕ ወይ ነቢ ዝዛረብ ዘሎ ይመስል ። ካብ ሂወት ንላዕሊ ንእምነት ብምፍቃሩ ድማ ንሂወቱ ትርጉም ከምዘልበሰላ  ይትርኸልና ። መን ግን ይኸዉን ንሱ ?  ገና   ከምቲ ኣማዉታኡ ዝተመስጠረ ፡ መንነት ናይዚ ክንገልጾ ዝጸናሕና ጠባይ ድማ ምስጢር ምኻኑ ኣይተረፎን ።

ኣብ መወዳእታ እዛ ደርፊ  ብመጽሓፍ ንምቅራቡ ከማን ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ  መታቪሲካዊ ሓቅታት ሂወት ብፍሉይ ድማ ‘ እንታይ እዩ ምንባር ‘ንዝብል ኣካታዒ ሕቶ ኣዕጋቢ መልሲ ኣብ ምቅራብ ዝታዓወተት ደርፊ ምኻና ወልቃዊ ምስክረይ ይገልጽ ።ነቲ ነዚኣን ካልኦት ብሉጻት ደርፍታትን ገዲፉልና ብሞት ዝተፈለየ ፍቁር ደራፊና ኣብራሃም ኣፎርቂ ንጥበቡ እሙን ክኸዉን እናፈተንኩ ነዛ ጽሕፍቲ ከም ዝጻሓፍኩዋ  ክርዳኣለይ ይትስፎ ።

ፈቃር እዩ ነይሩ እሞ ፡ እዝጋቢሒር ድማ ፍቅሩ ክልግሰሉ ይምነ !!

ሰሰናዩ !!

በሉ ኩቡራት ኣምበብቲ ኣብ እግሪ ጽሑፍና በጺሕና ኣሎና ። ኣብ ዝቅጽል ምዕራፍ ድማ ንግጥምታት ሃገርና እና ፈርፈርናን እናካዓትናን ከነስጠማቅሮም ስለ ዝኾና ናብዛ ብሎግ ገጽኩም ምዝዋር ኣይትሕመቁ ኢኹም !!

እንደገና ሰሰናዩ !!

About habtomkid

I love to think and write about Freedom ,Love ,Friendship and Art
This entry was posted in ስነ - ጥበብ. Bookmark the permalink.

4 Responses to እዛ ደርፊ !!

  1. mekelle says:

    Thumbs up bro! I really appreciate your analysis of the song and I would like to say Keep it up ሰሰናዩ ንዓኻ !

  2. Tesfit says:

    azyu blux srah emkot zmeleo agelalxa degagime anbibeya elaley ms mnbar kkewn kesibatni. lbawi msgana neaka ykun kbur tsehafi

    • habtomkid says:

      ግዜ ሂብካ ኣንቢብካያስ፡ ነዚ ዝመስል ቓላት ገድፍካለይ ብምኻድካ ኣነ’ዉን ኣዝየ የምስግነካ ኩቡር ሓዉ ተስፊት። ቅልቅልን ድሃይ ምግባርን ናብዛ ብሎግ ኣይትሕመቅ ድማ ‘ብለካ።
      ምስ ምስጋና።

  3. tsige says:

    btaemi zdneq srah eu ….nay eti abi snetbebawi abraham rezin melekti zhaze mtntan blni nemesgn

Leave a reply to habtomkid Cancel reply