10 ነጥብታት መምዘኒ ጽሩይ ኤርትራዊ

መን እዩ ኤርትራዊ ? ንነብሰይ ደጋጊመ ይሓታ .. ..

ኩሉ መንነት ናይ ኤርትራ ኣብ ማሕፍዱኡ ዝዓቀበ ሰብ ኤርትራዊ’ዩ ምባል ንከይደፍር ብመንጸር ዜግነታዊ መሰሉ ኣጋናዚበ ኣይደምደምኩዎን ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ንልዕሊ 50 ዓመት ዝተገብረ ፖሎቲካዉን ዕጥቃዉን ቃልሲ ዝረአን ዘይረን ኣበርኩቶ ፡ ካብኡ ዝሰገር መስዋእቲ: ስለ ዝኸፈለ ጥራይ ‘ዉን ጹሩይ ኤርትራዊ’ዩ ኢለ ኣፈይ መሊአ ከይነግረሉ ዝዓግተኒ ናይዚ ሕጂ ንሓልፎ ዘሎና መድረኽ: መሪር ሓቂ ኣሎ ። ኣብቲ ኣብ 1997-2000 ዝነበረ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጲያን ስለ ዝተሳተፍካ ጥራይ እዉን ናይ ጹሩይ ኤርትራዊ ምስክር ከምዘይትዋሃብ ብገዛእ ዓይንና ንርእዮ ዘሎና ዘስደምም ክስተት እዩ ። ስልዚ ብኣቦርኩቶኻስ ይትረፍ ብትዉልድኻ ከማን ናይ ኤርትራዊ ዝግነት ምርካብ ጋዶ ኣብ ዝኾነሉ ወይ ጋዶ ክገብርዎ ዝህቅኑ ሰባት ኣብ ዝሰሰንሉ እዋን ነዚ ኣርእስቲ እዚ ምግምዳሑን 10 ግዜ ምግልባጡን ዝጽላእ ኣይመስለንን !

መን እዩ ግን ንስኻ ጹሩይ ኤርትራዊ ንስኻ ድማ ረሳሕ ኤርትራዊ ኢሉ ዝረቁሕ ። ናብዚ መደምደምታ እዚ ንምብጻሕ ዝጥቀመሎም ቅጥዕታት ከ ከመይ ዝኣመሰሉ ይኾኑ ? ንባዕሉ ኸ መን’ዩ ጹሩይ ኤርትራዊ ኢኻ ዝበሎ ? ናዓይ ከምዝርዳኣኒ ከምዚ ዝበልዎ ዛዕባ  ንድሕሪት ዝጎትት መባኾሪ ካብ ምኻን ሓሊፉ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ወላ ድሕነትን ሰላምን ዝፈጥር ኣይኮነን።

ንፍተዎ ኣይንፍተዎ ግና ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ጉዳያትና ኮይኑ ስለ ዝርከብ ነቶም ሎሚ መምዘኒ ጽሩይ ኤርትራዊ ኮይኖም ዘሎዉ ሃሰዉ ክብሎም ቀንየስ ፡ ሓሲበ ሓሳሲበ ናብዞም ኣብ ታሕቲ ዘሎዎ ነጥብታት ወዲቀ ኣሎኩ  !

1ይ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ መተካእታን መዋዳድርትን ዘይርከቦ ፡ ዝበለጸን ዝለበመን መራሒ ምኻኑ ክትኣምን ኣሎካ !

2ይ  ስእሊ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፎርቂ ዘሎዎ ማልያ ወዲኻ ዝተሳኣልካዮ ስእሊ ኣብ Facebook ክትዝርግሕ ኣሎካ ። ሰለማዊ ሰልፊ ክህሉ እንከሎ ድማ ” ንሕና ንሱ ፡ ንሱ ንሕና ” ዝብል  ጽሑፍ ዘሎዎ ስእሊ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ክሳድካ ኣንጠልጢልካ ክትረአ ኣሎካ ።

3ይ  የማነ ገብራኣብ ሰሚናር ኣብ ዘካይደሎ ኣዳራሽ ተረኺብካ  ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ኣሎካ ፡
” ብጻይ የማነ ወያነ ክወረኩም እንከሎ ናይ 20 ሽሕ ዶላር ቦንድ ዓድገልኩም ነይረ ፡ ኣብ ማይተመናይ ድማ መሬት ታዓደለ ኣሎኹ ። ሕጂ ንወያነ ንስኹም እንተወሪርኩሞ ናይ 200 ሽሕ ዶላር ቦንድ ምስዝዕድገልኩም ኣበይ መሬት ትህቡኒ ትኾኑ ? ”

4ይ  ኣስመላሽ ሓተታ ኣቅሪቡ ምስወደአ ናብታ ኣብ ዓዲ ትርከብ ዓባይካ ደዊልካ ፡ ” ዓባየይ ዓሎቅ ማለት እንታይ’ዩ ? ” ኢልካ ክትሓታ ኣሎካ !

5ይ  ኣብቲ ትነብረሉ ሃገረ- ስደት ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ሰባት እንተራኣኻ  ” እንታይ ኮይኖም ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዘየካይዱዎ ” ኢልካ ክትጭነቅ ኣሎካ ! ስእልታት ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ሲናን ዝሞቱ ኤርትራዉያን ኣብ ማዕከናት ዜና ክትሪኢ እንከሎኻ ” ኤርትራዉያን ምኻኖም ብኸመይ ኣረጋጊጾም ”ኢልካ  ክትሓትት ኣሎካ !

6ይ ናይ 2% ግብሪ ዝከፈልካሉ ቅብሊት ኣብ ኣዝዩ ስትሩን ዉሑሱን ቦታ ከተቀምጦ ኣሎካ ። ኣብ ማዓልቲ ድማ ብዉሑዱ 6 ሳብ ዳሃዩ ክትገብር ኣሎካ !

7ይ ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ሃይማኖት ጥራይ ከምዘሎዋ ክትኣምን ኣሎካ ። ንሰን ድማ ምስልምና ፡ ክርስትና ን ህግደፍን እየን !

8ይ ቀረብትኻ ንሬድዮ ኤረና ፡ ኣሰና ፡ ኣዝማሪኖን ካልኦትን ብኸመይ ትርእየን ኢሎም ምስዝሓቱኻ ከምዚ ኢልካ ክትምልሰሎም ኣሎካ  ፡ ” ወል . .ሓቂ እየን ዝዛረባ . .ኤረ-ቲቪ ክሳብ ዘይበሎቶ ግና ኣይኣምነንን እየ ”

9ይ ኣብ ኤርትራ ብ G -15 ዝፍለጡ ፖሎቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝታኣሰሩ ኣሎዉ ድዮም ኢሉ ንዝሓተተካ ወጻእተኛ ” እዚኣስ  ቦኽሪ እዝነይ እያ ” ኢልካ ከተፋንዎ ኣሎካ !

10ይ ንኹሎም ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥብታት ዘይገብሩ ዘበሉ ኣብ ኣፎምን ፥ ኣብ መናድቅ Facebookን  ”  ዓጋመ   ” ኢልካ  ክትጽዉዖም ኣሎካ !

ሰሰናዩ !

About habtomkid

I love to think and write about Freedom ,Love ,Friendship and Art
This entry was posted in ዛዕባ ዶ ገይርና ሓቀይ !. Bookmark the permalink.

5 Responses to 10 ነጥብታት መምዘኒ ጽሩይ ኤርትራዊ

  1. Samuel says:

    “ጸባ ስተ”: ዝብሉዎ ከምዚ ዝዓይነቱ እንተ ገጠሞም እዩ:: ብፍላይ ቁጽሪ 5ን 7ን ቀጻሊ እየን ዝገጥማኒ::

  2. ጸባ ድ በልካ። ኣነስ ምግራመይ እኮ ኣይወዳእኩን። በል ሳሚ ካብቲ ጸባኻ እሞ ኣማቅለና፡ ጉጅም እናበልና ተወሳኺ ቅጥዕታት እንተሎ ሃሰው ክንብል።

Leave a reply to Angesom Ghebremeskel Cancel reply