እቲ ዓቃቢ ንብረት !

ናይ ሕክምና ዶክተር ኮይንካ ንክትሰርሕ ናይ ዶክትረይት ማዕርግ ክህልወካ ኣሎዎ’ዶ  ሓቀይ  ። ኪኢላ   ቅየሳ  ኮይንካ  ኣብ ናይ ሪይል ስተይት  ትካል ክትቁጸር ድማኒ  ብዓዉደ  ቅየሳ ብዉሑዱ ዲግሪ  ክትጽዕን ኣሎካ ። ብምህንድስና ኣብ ናይ ህንጻ ትካል ንክትሰርሕ’ዉን  ናይ ምህንድስና  ድግሪ  ዘይብልካ እንተኾይኑ ንጋዶ እዩ ።

ናይ ጋዚጠንኛ  ስራሕ  ዉን  ብዘይ ዲብሎማ ፡ ዲግርን ማስተርስን  ዝእቶ  እንዳ  እቶ በሎ  ኣይኮነንን ። ናይ ቁጦባ  ኣማኻሪ  ንክትከዉን ኸኣ ብዉሑዱ ብዓዉደ ቁጦባ ዘጥረኻዮ ዲግሪ  ከምዘሎካ ከተራጋግጽ ኣሎካ ። ስነፍልጠተኛ  ክትስመ ፡ ኣብ ዓዉደ  ስነፍልጠት  ብስምካ ዝተበርከተ ህያብ  ክህልዉ  ኣልዎ ።ብዉሑዱ  ናይ ትካል  መሰልጠኒ  መምሃራን ባጅላ  ዘይብልካ እንተኾይኑ  ድማ መምህር  ክትከዉን ዘይሕሰብ  እዩ ።

. . . .ወላ  ኣብ ስፖርትን ስነ -ጥበብን ክትነጥፍን ዕዉት  ኮይንካ   ክትወጽእን  ብዉሑዱ  ናይ መስልጠኒ ማእከላት  ሞጎስ  ክትጋናጸፍ ኣሎካ !

ብሓጺሩ ኩሉ  ንበሎ . . .ነቲ ዓዉዲ  ወይ ሞያ  ዝበቅዕን  ዝዳረግን   ክእለትን ፈላጥ  ምኻንካ ዝሕብር ናይ ትምህርቲ ወይ  ስልጠና ትካል ዝመስከረልካ ባጅላን ክትዓጥቅ የገድደካ እዩ ።

ካብዚ ናይ  ብቅዓትን  ዓይነትን ሕቶ  ሰጊሩ ኣብ ዓለትካ ፡ ዘርእኻ ፡ ሕብርኻን  ሃይማኖትካን  ዘማጻርን  ዝጥይቅን ዓዉደ  ስራሕ  ወይ ሞያ ግን የሎን ( ትካል  ክህልዉ ይኽእል እዩ ) ።

. . . . . . ወይ ልክዕ ንምኻን ኣብዚ  ስልጡን  ዘበን የልቦን !

. . . . ብዘይካ ፕረዝደንትነት

ፕረዝደንት ንምኻን እንታይ ይሓትት ?ሓንትስ ነታ  ኣነ ክመርሓኪ እየ ኢልካ  ትሓታ ዞሎኻ ሃገር ወዲ ጓላ ኩን እምበር ፡ በሊሕ ዲኻ ኣይበሊሕን ፡ ምሁር ዲኻ ኣይሙሁርን ኢሉ ካብቲ ስራሕ ዝሰጎካ  ሰብ  የሎን ።

ኩቡራት ኣንበብቲ  ፡ ሃገራት ብፕረዝደንታኣዊ ፡ፓርላማኣዊ ፡ ፕረዝደንታኣዊ – ፕርላማኣዊ  ወይ ድማ ብንጉሳዊ ኣገባብ  ከም ዝምርሓ  ንፈልጥ  ኢና ። ስለዚ  ነዚ ካብ ዓይነትን  ብቅዓትን  ተዋዳደርቲ ሓሊፉ ዓለቶም ፡ ሕብረ-ቆርበቶም ፡ ሃይማኖትምን ዘርኦምን ዘማጻሪ ዘይዉርዙይን  ዘይስልጡንን  ናይ  ስራሕ  ዓዉዲ  ድማ ንኽሉ ኣገባብብ ኣመራርሓ  ሃገራት ዝዉክል ገይርና  እሞ  ንረዳኣዮ  ታሃና ከነዉጻኣሉ።

ፕረዝደንት  ምኻንን ዘይምኻንን

ዝኾነ ሞያ ብሕልሚ   እዩ  ዝብገስ ። ሓደ  ሰብ ኣዉቲስታ ንክኸዉን መጀመርታ ነቲ ሞያ ክሓልመሉ ኣሎዎ ።ነቲ ብሃዉሪ ወይ  ኩነታት ደፊኡዎ ናብቲ  ሞያ  ዝጽንበር ገዲፍካ ድማ ፡ መብዛሕቱኡ  ካብቲ  ምስኡ  ነዊሕ ዘታተዮ  ባህጊ  ተጎቲቱ እዩ ነቲ ሞያ  ዝሕዎሶ ። ኣብ ርእሲ  ባህጊ ጻዕርን ዘይምሕላልን ብምድማር  ድማ   ዝፈትዎ ሞያ  እንዓየየ ናብሩኡ የሰጉም ።

ፕረዝደንት ንክትከዉን እዉን ፈለማስ ሕልሚ ክህልወካ ኣሎዎ ። ንሕልምኻ  ከተግህድ  ድማ ንነብስኻ  ነቲ ሞያ ከምትበቅዕ  ገይርካ ትሃንጻ ።  ፈለማ ግና  ነታ ፕረዝደንት ክትኮነላ  ትሓስብ  ዞሎኻ ሃገር ወዲ እንታያ  ከም  ትኾና ከተራጋግጽ  ኣሎኻ ።ጽባሕ  ንግሆ ነታ ሃገር  ካብ  CVካ  ንላዕሊ  birth certificateካ እዩ  ዘገድሳ ።

ብኻልእ  ኣዘራርባ  ፍልጠትካ ወይ  ኣእሙራዊ  ብቕዓትካ  ዘይኮነ ዘገድሳ ፡ ዓለትካ ዓለታ ፡ ዘርእኻ ድማ ዘርኣ ምኻኑ   እዩ  ዘገድሳ ። እዚ  ድማ ኣብ  ዝኾነት ኩርናዕ ናይዛ ፕላነት ዘሎ ዘስደምም ሓቂ  እዩ ።ከም ሞያ ምህንድስና ወዲ ምብራቅ ኣብ ሞዕራብ ፡  ወዲ  ምዕራብ ድማ ኣብ ምብራቕ ብብቅዓቱ ፕረዝደንት  ኮይኑ  ዓዲ  እንዳ ማቱ  ዘመሓድረሉ ግዜ  እስከ በል  ይሃበና !

ብዝኾነ ንስኻ . . . . . .ፍልጠትን ጥበብን ክትኣሪ ፍቆዱኡ ትክርትት ።ብዙሕ ጊዜ ነዚ  ሞያ  ዝመርጽ  ሰብ  ኣብ ሕብረተሰቡን ዓለምን ለዉጢ ክፈጥር ዝብህግ ብምኻኑ  ቅድሚ   ዝኣገረ ንነብስኻ ክትልዉጥ ትጋደል ። ገድልኻ ከም ገድሊ ቁዱሳን  ናብ ሰብ ጥራይ  ዘይኮነ  ናብ ሰይጣንን መልኣኽትን ጥራይ ዝዛወርሉ ኩርናዕ ክዉስደካ ይኽእል  እዩ ።ንስኻ  ግን ኣይትፈርሕን ። ኣንኮራ መመሊስካ ትተርርን ትተብዕን ። ኣብ መጠረሽታ ድማ  ዝዘራእኻዮ ትዓጽድ ።እንኳዕ ሞጎሰካ ኣቶ  ፕረዝደንት  !

ወላ እቶም ዉሑጅ ዘይኑቡር ኩነታት እናኣንከባበለ ናብ ስልጣን ዘምጾኦም ፕረዝደንታት  ‘ዉን ናይ ምምራሕ ህርፋንን ናይ ሓይሊ ጽምኣትን ከምዝነበሮም ታሪኽ ሂወቶም ይነግረና ።ስልዚ ፕረዝደንትነት ‘ዉን ከም ምምህርና ፡ ምህንድስና ፡ ዶክትረይት ፡ ኣዉቲስትነት ፡ ምንዳቅ ፡ሚኒዋለ ፡ ካርባንተሪ ፡ ሊስትሮ ፡ ሳርቶ ፡ ደራፋይ ፡ ተጻዋታይ ኩዑሶን  ካልኦትን ካብ ተራ ሕልሚ እዩ ዝብገስ ።

እቲ ሞያ ዉን ከም ዝኾነ ሞያ ኣዝዩ ተራን ንቡሩን እዩ ። ኣቶም ነቲ ሞያ ዝሰርሕዎ ሰባት ድማ  ካብ  ዝኾነ  ሰብ ዘፍልዮም መሎኮታዊ ተዉህቦ ዘሎዎም ኣይኮኑንን ።ከምቲ ንሓደ ኣብ ምምህርና ዝተዋፈረ  መምህር ኢልና  ንጽዉዖ ፡ ንሓደ ሃገር ዝመርሕ  ሰብ ድማ  ፕረዝደንት ኢልና ንጽዉዖ ።ከምቲ ምምህርና ንዝኮነ  ሰብ ዝምልከቶ ፡  ፕረዝደንትነት ድማ ንዝኾነ ዚጋ ‘ዩ  ዝምልከቶ ።

ብሓፈሻዊ  ኣዘራርባ ምዕራባዉያን ፕረዝደንታት   ነቲ ሞያን  ነቲ ስራሕ ንዝቆጾሮም  ህዝብን ዘሎዎም ኣኽብሮት ናይ ስራሕ  ኩንትራቶም ኣብ ዘክትመሉ ደቂቅ ብዘይመሶዉሶዉ  ኦፊቾ ብምግዳፍ እዮም ዝገልጹ ።

ብኣንጻሩ ኣብ ከም ባዓል ኣፍሪቃን ካልኦት ክፍለ ዓለምን  ግና ነታ  ብዘይካ ዘርእኻ ካልእ ፍሉይ  ብቅዓት  ዝይትሓትት  ቦታ ንምሓዝን ንምዕቃብን ዝፈስስ ደም ፡  ዝባኽን ዕድልን ንዋይን  ማእለያ የብሉን ።

ንፕረዝደንት ስራሕ ዝቆጽሮ መን እዩ

ኣብ  ቤት  -መግቢ ስራሕ ዝቆጽረካ  ዋና’ዩ። መምህር እንተኾይንካ ናብ ዝኾነ ቤት-ትምህርቲ ብምምልካት ክትቁጸር ትክእል ። ሚንዋለ ኮይንካ ንክትሰርሕ ናብ ናይ ህንጻ ትካል ብምኻድ ክትቁጸር ትኽእል ።ዝኾነ ትካል ሓድሽ ሰራሕተኛ ዝቆጽረሉ ኣገባብብ ኣሎዎ ። ነቲ ኣገባብ ኣገባብ ዘትሕዝ  ” ክፍሊ ዓቅሚ ሰብ ”  ዝባሃል ጭንፈር  ድማ ኣሎዎ ። ሰራሕተኛ ምስ ዝድሊ ኣብ ማዕከናት ዜና ‘ ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ ‘ ዝብል ኣርእሲቲ  ዘሎዎ ቅሉዕ ደብዳበ ይዝርግሕ ። ነቲ ኩፉት ናይ ስራሕ ቦታ ንምሓዝ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ሰነዳቱ ኣንጠልጥሉ ይቃዳደም ።

ስለዚ ንቤት -መግቢ ዋና እንተኣሎዎ ፡ ፕረዝደንትነት ‘ዉን ዋና ኣሎዎ ። ከም ሓንቲ ንብረት እንተሪኢናያ ድማ  እታ ፕረዝደንትነት እትባሃል ናይ ህዝቢ ንብረት  እያ  (public property ማለት እያ ) ።ህዝቢ ድማ ነታ ንብረት ዝሕዘሉ ኪኢላ ይቆጽር ። ብካልእ ኣዘራርባ  ፕረዝደንት ማለት ዓቃቢ ንብረት ማለት እዩ ።ከምቲ ዝኾነ ትካል ብኮንትራት ሰራሕተኛ ዝቆጽር ድማ ፡ ህዝቢ ዉን  ነቲ ዓቃቢ ንብረት ብኮንትራት እዩ ዘስርሖ ።

እቲ ዋና ንብረት(ህዝቢ) ነቲ ምስ ዓቃቢ ንብረት(ፕረዝደንት)  ዝገበሮ ኮንትራት እንተኣኽበሮ ግርም ፡ ኣየኽበሮን ግና ምስ ደቀ ዝማቲ መን ተማጋቲ እዩ  ነገሩ ።  ልቀቀለይ እንተኢሉ . . .ሰላሕ ኢልካ ትለቀሉ ። ወይለይ እንታይ ዳኣ ክትገበር እሞ ? እንተ ብርስቲ እንተ ብፈጣርስ  ‘ምበር እታ ንብረት ናቱን ናይ ግሉን ጥራይ እያ ። ባህ ዝበሎ ይሸመላ ባህ ዘይበሎ ድማ . . . .

ኣብ ታሪኽ ግና ህዝቢ ዘይኮነ ዓቅቢ ንብረት እዩ ናይ ኮንትራት ዉዕሉ ከፍርስ እንርእዮ ።ምፍራስ ዉዕል ሓልፍዎ ድማ ነታ ብሓይሉ ዝወነና ንብረት ምስ ንዉሓት ጊዜ ከምታ ስሙ ካብ ኣቡኡ ዝወረሳ  ርስቲ ኮይና ክትስሞዖ ትጅምር ። ከምቲ  ንስሙ ካብ ንደቁ ሓሊፉ ንካልእ  ዘየዉርሳ  ድማ ፡ ነታ ሓደ እዋን  ንክዕቅባ ብዉዕል ዝተቀበላ ንብረት’ዉን  ንደቁ የዉርሶም ።

ሂወት ልክዕ ፕረዝደንትነት

. . .እዚ ካልእ ልዙብ መጸዉዒ ናይ ወልቀ መለኸነት እዩ ። ብዙሓት ፕረዝደንታትት ገደብ  ስልጣኖም  ንምንዋሕ ናይ ሂወት ልክዕ ፕረዝደንታት  ምኻኖም ይእዉጁ ። ብዘይካ መልኣከ – ሞት ድማ ካብቲ መዝነት ዝኣልዮም  ሓይሊ ከምዘይየለ  ብኩርዓት  ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ይጃሃሩ ።

ብኻልእ ኣዛራርባ ነታ ብኩንትራት ዝሓዝዋ ናይ ዓቃቢ ንብረት ሞዮኦም ረሲዖም ዋናታት ይቅየሩ ። ነቲ ኣዉራ ዋና ዝኾነ ህዝቢ  ድማ ከም ሰራሕተንኛኦም  ይርእይዎ ።

ንጥንታዊት ሮም  ካብ  ወረርቲ  ንምክልኻልን ኣብ እዋን ኪናት ዝመርሕዋን  ወልቀ መለኽቲ ብሰነይት ተመሪጾም እዮም ናብ ስልጣን  ዝመጹ ዝነበሩ ። ሽሕ እኳ ነታ ግዝኣት ንምክልኻል ደረት ኣልቦ ስልጣን  ክጥቀሙ ይፈቀደሎም ፡ ገደብ ስልጣኖም  ግና ካብ 6 ወርሒ ዝሓልፍ ኣይነበረን ።

ብሩኻት ዲክታቶራ እባ ኢዝኦምሲ  . . . .

እቲ ኣብ 5ይ  ክ/ዘ  ቅ.ክ ብሰነይት ናይ  ጥንታዊት ሮም   ተመሪጹ ናብ ስልጣን  ዝመጸ ጁለስ ቀሳር  ግና  ነቲ ገደብ  ጊዚ ናብ ሓደ  ዓመት መጢጥዎ ። ብከምዚ  ድማ ንሮም በብ ናይ ሓደ ዓመት ገደብ ግዜ  ን10 ዓመት ገዚእዋ  ። ነዚ  ናይ ጁለስ ቀሳር ናይ ዲክታቶራ ትምህርቲ ዝተቀበሎን ናብ ዘመናዊት ዓለም  ዘሰጋገሮን ዑሉል ወልቀ መላኺ ድማ ናፖልዮን ፖናፐርተ እዩ ነይሩ ።

ካብ ፖናፐርተ ድማ  ናብ   ባዓል ሂትለር ፡ ሙሶሎኒ  ፡ ኪም ኢል ሳንግ ፡ መንጉስቱ  ሃይለማርያም ፡ኢደ ኣሚን ፡ ቲቶ ፡ ሞቡቱ ሰሰኮን  ቃዛፍን ኢሰያስ ኣፎርቂን  ካልኦትን ተሰጋጊሩ  ይርከብ  ። እቲ  ምስግጋር ድማ ገና  ይቅጽል ኣሎ . . . . .

እቲ ኣብ ጥንታዊት ሮም ብህዝቢ ዝዋሃብ ዝነበረ ሎሚ ብሓይሊ ብረት ተመናጢልካ  ናብ ዝጭበጥ ናይ ሓይሊ ኮፓ ኮይኑ ኣሎ ። ሓደ እንተስ  ተቃሻሚዱ  እንተስ ተደጊፉ ንዘምጻኣ  ናይ ዲክታቶራ መዝነት  ድማ ክሳብ  ካብኡ ዝሕይል  መጺኡ  ዝምንጥሎ ከም ቃሕ ዝበሎ  ይገብራ . . ተደልዩ ይርሽነላ . . .ተደልዩ ይኣስረላ  . . . .

ህዝቢ ነት ከም ዓቃቢ  ንብረቱ  ዝፈልጦ ዲክታቶራ ቅድም ብልዙብ መገዲ  ንብረቱ ንክመልሰሉ ይምሕጸኖ ።  ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ  ሃይማኖትን  እናላኣኸ  ዓገብ  ይብሎ ። ንዝኾነ ነገር ጥርዚ  ስለ ዘሎዎ ግና . . .ዓር  ይብለኪ ኪር  ይብለኪ እንተኣበኪ  ንዝብኢ  ይህበኪ ብምባል ባሕርን  መረትን ዘናዉጽ ድምጹ የቃልሕ !

.ሰሰናዩ !

About habtomkid

I love to think and write about Freedom ,Love ,Friendship and Art
This entry was posted in ታሃነ ብሎግ. Bookmark the permalink.

1 Response to እቲ ዓቃቢ ንብረት !

  1. yabal says:

    እብ ከጻሊ ንጽበ…………………ከጽሎ

Leave a comment